Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ሕብእቲ ሰልፊ ብዓይኒ ዘይኣባላታ – 2ይ ክፋል – ብ ታደሰ ኪዳነ

ሕብእቲ ሰልፊ ብዓይኒ ዘይኣባላታ                      ታደሰ ኪዳነ                    በርሚንግሃም                                     2ይ ክፋል                      21 ታህሳስ 2017   ኣብ ቀዳማይ ክፋል ናይ ጽሑፈይ፡ ብዛዕባ ህዝባዊ ግምባርን ኣባላቱን ተዛሪበ። ቀጺለ’ውን “ ሰልፊ ንውድብ መሪሓቶ” ንዝብል ዘይቅኑዕ ግን ከኣ ታሪኽ ክጨዊ ናይ ዝደሊ ተበላጺ

ሕብእቲ ሰልፊ ብዓይኒ ዘይኣባላታ

                     ታደሰ ኪዳነ                    በርሚንግሃም

                                    2 ክፋል                      21 ታህሳስ 2017

 

ኣብ ቀዳማይ ክፋል ናይ ጽሑፈይ፡ ብዛዕባ ህዝባዊ ግምባርን ኣባላቱን ተዛሪበ። ቀጺለ’ውን “ ሰልፊ ንውድብ መሪሓቶ” ንዝብል ዘይቅኑዕ ግን ከኣ ታሪኽ ክጨዊ ናይ ዝደሊ ተበላጺ ኣተሓሳስባ ከብርህ ፈቲነ። ከም ሳልሳይ ዘልዓልኩዎ  ነጥቢ ድማ ብዛዕባ’ቶም ብለይቲ ተሓቢኣ ትጸናቶ ግናይ ፍጥረት ምንባራ ከይፈለጡ፡ ነቲ ሃገርን ህዝብን ሓራ ከውጽእ ዝተጸበይዎ ውድብ፡ መትከላቱን ኣሰራርሕኡን ኣተዓራርዩ ክኸይድ ብቕንዕና ዝጸዓሩ፡ ግን ከኣ ግዳይ ቅንዕናኦም ዝኾኑ ምሁራት’ውን ኣልዒለ ። ካልኣይ ክፋል ይቕጽል።

ሕጋውነት ምቕንጻል ኣባላት “መንካዕን የሚንን”

እቲ ብሓለዋ ሰውራ ዝፍለጥ፡ ባዕሉ ከሳሲ፡ ባዕሉ መርማርን ባዕሉ ቀታልን ዝነበረ፡ ብደም ንጹሃት ኣያታትና ዝጨቀወ ኣካል ናይቲ ውድብ፡ ነቶም ብ’መንካዕ’ ዝተጠመቑ ተጋደልቲ ተባሂሉ፣ ኣብ 1973 ዓ.ም ከም ዝቖመ ይስማዕ ኢዩ። ከምቲ ክብ ኢለ ዝገለጽኩዎ፡ እቶም ዝሓሸ ኣካዳምያውን ፖለቲካውን ድሕረ-ባይታ ሒዞም ዝተሰለፉ መንእሰያት፡ “ኣሰራርሓና እናጽፈፍናን ተሓታትነት እና ኣተኣታተናን ንኺድ” ዝብል ቅኑዕን ኣብ ግዜኡ ዝተላዕለን ሕቶኦም ግዳያት ኢዩ ገይሩዎም። እቲ ብዓንተብኡ ዝተበላሸወ መሪሕነት፡ ሽማግለታትን ኮሚቴታትን ኣውጺኡ፡ ኣሰራርሕኡ ምስትኽኻል ንረብሕኡ ስለ ዘይነበረ፡ ንሕቶኦም ዝሰምዕ እዝኒ ኣይነበሮን። በቶም ለይቲ ለይቲ ዝእከቡ ኣባላት ሰልፊ ዝብሃሉ ሕቡኣን ገይሩ ድማ “ሹት!” ኢሉዎም። ጸልማት ከደኖ ከካብ ዝነበርዎ ድፋዕ ብለይቲ ኣኪቡ፡ ሰብ ኣብ ዘይርእዮ ስንጭሮ ኣኪቡ ኣጥፊኡዎም። ብለይቲ ኣኽላባቱ ኣኪቡ ንዘሕለፎ ውሳኔ፡ ብቕትሪ ኣብ ናይ ሓሶት ኣኼባ፡ በቲ ዝደለዮን ኣቐዲሙ ዝመደቦ መንገዲ እና ኣቕረበ፡ ፍሉይ ርእይቶ ንዘቕረበ እናኣሰረ፡ ይሰርሕ ምንባሩ ድማ ንሰምዕ ኣለና። ብሕም ዝበለ ኣብ ዝሕጎመሉ ቦታ “ሽዑ ክዛረቡ ነይሩዎም!!” ምባል ድማ ጣቋ ዘለዎ ዘረባ ኣይኮነን። ቃል ንቓሉ ድማ “ሽዑ ብሒም ኢልካ እንተ ትኸውን፡ መጥፋእናካ ነይርና!” ዘስምዕ ፈኸራ ኢዩ።

ኣብዚ ብንጹር ክንርድኦ ዝግባእ፡ ብቕትሪ ኣብ ቃልዕ ንዝቀረበ ሕቶ፡ ብለይቲ ካብ ዝበዝሑ ኣባላት ተሓቢኣ ትእከብን ትውስስን ሰልፊ ንባዕላ ሕጋውነት ከም ዘይብላ ኢዩ። ንሳቶም ካብ ኩሉ ኣባል ተነጺሎም ምስ ተኣስሩ፡ እታ ንጥፍኣቶም ዘንቀለት፡ ንባዕላ ዘይሕጋዊት ንእሽቶ ፍጥረት፡ ካብ ውሽጣ ሰባት ሓርያ ዘቖመታ ጉጅለ’ኸ ከመይ ኢላ ኢያ ሕጋዊት ወይ ዘይሻራዊት ክትከውን? ንዓኣቶም ድማ እታ ሕብእቲ ሰልፊ፡ ካብ ሓለቓኣ ብዝተዋህባ ውሳኔ ቀንጺላቶም። እቲ ዝኸፍአ ከኣ፡ ገለ ምስሉያት ተጣበቕቲ ናይቲ ቅንጸላ ኮይኖም ይከራኸሩ ምህላዎም ኢዩ።

ገለ ተጣበቕቲ ናይታ ሕብእቲ ፍትረት ክገልጹ ከለዉ “እቶም ናይ 1973 ጉዳዮም ብኮሚቴ ስለ ዝተወሰነ፡ ዝተዋህቦም ናይ ሞት ፍርዲ ሕጋዊ ኢዩ። እቶም ናይ 1976 ግን ብትእዛዝ ኢሰያስ ስለ ዝተቐትሉ፡ ፍርዶም ሕጋዊ ኣይነበረን” ክብሉ ይስምዑ ኢዮም። ሎሚ ኩሉ ነገር ከም ጸሓይ ቀትሪ በጣዕጣዕ ኣብ ዝበለሉ እዋን ከምዚ ዝበለ ናይ “ቲፎዞ” ርእይቶ ምስማዕ ኣዝዩ ዝገርም ኢዩ። ናይዚ ርእይቶ’ዚ ተጣበቕቲ ድማ፡ ኣብ ከውሊ ናይታ ሕብእቲ ሰልፊ ተሸጒጦም፡ ኣንጻር ጸላኢ ዘይኮኑስ፡ ብጾቶም እናቀተሉ – ኣምሳይኡ ድማ ፍሉይ ሓለፋ እናተዋህቦምን ዝኣተዉ ምዃኖም ጥራይ ኢዩ ዘነጽር። ርእይቶኦም ብቐንዱ ንናይ ገዛእ ርእሶም ገበን፡ ወይ ድማ ጉንዖ ንዘሕለፉሎም ገበነኛታት ኣቐዲምካ ንምክልኻል ኢዩ ዝመስል። እዚ ድማ ነቲ “ምብላዕካ ዝለመደስ፡ ክርእየካ የንባሑቕ!” ዝብል ናይ ኣቦዋት ምስላ የዘኻኽረካ። ካብ ቲፎዞነት ወጺኦም፡ ተመክሮኦም ብቕንዕና ክግምግሙን ክናስሑን ድማ ንመኽሮም።

መምዘኒታት ሕርያ ንኣባልነት ሕብእቲ ሰልፊ

ሕጂ’ውን ገለ ካብቶም ኣብታ ሕብእቲ ሰልፊ ተዓቚቦም ዝኣተው ኣባላታ ነበር፡ ብዛዕባ ናብ ኣባልነት ዘእቱ መምዘኒታት ክገልጹ ከለዉ፡ “ተወፋይነት፡ ህርኩት፡ ጻዕረኛ፡ ናይ ዕላማ ሰብ፡ ማሕበርነታዊ ኣረእእያ ዘለዎ፡ ሕሉፍ ሓሊፎም ከኣ ንጡፍ ዲሞክራስያዊ ዝኮነ ሰብ ኢዩ ናብ ሕብእቲ ሰልፊ ይሕረ ነይሩ” ይብሉና ኣለዉ። ነዘን ምቁራት ቃላት፡ ድሕሪ ናጽነት ዊስኪ እናጨለጥካ ከተኳማስዐን፡  ኣብ ሳሕል – ኣብ ትሕቲ መሬት ኣብ ዝተዃዕተ ገዛውቲ ድሙ-ድሙ እናሰተኻ፡ ቀያሕቲ እናኣማረጽካ ክትደግመን ቀለልቲ ኢየን። ኣፍልብኻ ብቐሓር እናተባሕጎጐ፡ ቆርበትካ ብቑማል እናተበልዐ፡ ካብድኻ ብጡሙዩ፡ ምስ ጀጋኑ – ናብ ጅግና ተቐይርካ ጸላእትኻ ከተንበርክኽ ከለኻ ግን፡ እዘን ክብ ኢለን ዝተጠቅሳ ቃላት፡ ኣብ ኣፍካን ኣብ ትንሓግካን ዘይኮናስ፡ ኣብ ሰራውር ድምካ እየን ዘለዋ። ከም ዘለዋ’ውን ኣይትፈልጠንን- ናትካ ስለዝኾና። ኣይትንየተለንን – ናይ ኩልኻ ስለ ዝኾና። ኣይትደግመንን – ንመን ክትደግመሉ – ኣብ ከባቢኻ ዘሎ ኩሉ እንድዩ ዝውንነን። መን ንምን ክንየተሉ – ናይ ኩሉ እንድየን። ሎሚ ግን ሕቡኣንን ምስሉያትን ካብቲ ሓፋሽ ተጋዳላይ ሰሪቖም ናቶም ክገብርወንን ክጨውዩወንን ይፍትኑ ኣለዉ።

እዘን ክብ ኢለን ዝተጠቅሳ ኣምራት እምበኣር፡ ክትዛረበለን ቀለልቲ – ግን ከኣ ኣብ ደም ኩሉ ተጋዳላይ ህዝባዊ ግምባር ዝሰረጻ ሓረጋት ኢየን። እቶም ነዘን ቃላት ኣብለጭሊጮም ዝዛረቡለን ዘለዉ ሕቡኣን ዝነበሩ ሰባት፡ ተጋዳላይ ብሓንቲ ሓረግ ኣጠቓሊሉ ይዛረበን ምንባሩ ዝተሰወጦም ኣይመስሉን። እቲ “ኣነ ክሓልፍ ንስኻ ጽናሕ! ንስኻ ብህይወት እንተ ጸኒሕካ ንሰውራን ሃገርን ዝሓሸ ከተበርክት ትኽእል ኢኻ!” ዝበለ መን ድዩ? ኩሉ ኣባል ናይቲ ግምባር ዶ’ኸ ኣይኮነን። ነዚኣቶም “ታሪኽ ኣይትስረቑ!” ክብሎም ምፈተኹ።

ዲሞክራሲ ንዝበዝሐ ክፋል ሕ/ሰብ ዝውክል ቃል ኢዩ። ዲሞክራስያዊ ስራሕ ድማ ኣብ ቃልዕ፡ ኣብ ቅድሚ ኩሉ ህዝቢ ዝስራሕን ተሓታትነት ዘለዎን ኢዩ። ተሓቢእካ፡ ብጸልማት ዝስራሕ ስራሕ ኩሉ ድማ ብመሰረቱ ጸረ-ዲሞክራሲ ኢዩ። ተጣበቕቲ ሕብእቲ ሰልፊ ድማ፡ ዝነበሮም ሓለፋ ምኽኑይ ንምግባር ክብሉ፡ እነሆ ኣብ ቃልዕ ወኢኦም የህተፍትፉ ኣለዉ። “ተሓቢአን ይጠንስኦ፡ ሰብ ኣኪበን ይሓርስኦ!” ድዮም ዝበሉ ኣቦዋት!!

ኣብ ገሊኡስ ወረ ዘገርም ዘረባ ኢኻ ትሰምዕ። “እቲ ክኣቱ ዝግበኦ፡ ነተን ክብ ኢለን ዝተጠቕሳ ነጥብታት ዘማልእ ሰብ፡ ኩሉ ኣትዩ ኢዩ! ኣባል ሰልፊ ክኸውን ዝግብኦ፡ ዘይኣተወ የለን!” ክብሉ ይስምዑ ኢዮም። እቲ ዝግብኦ፡ ኣባል ሰልፊ ኮይኑ ኢዩ ማለቶም ኢዩ። ኣባል ህዝባዊ ግምባር፡ እንተላይ እቶም ተገዲዶም ዝኣተዉ ኣባላት ናይታ ሰልፊ፡ ነዘን ክብ ኢለን ዝተጠቕሳ ነጥብታት ዘየማልኡ እንተኾይኖም ድኣ፡ ናጽነት ካበይ ነጢባ። እቲ ነብሱ ከይበቐቐ፡ ብምሉእ ድሌት ዝዋጋእ ዝነበረ ተጋዳላይ’ከ፡ “ኣባላት ሰልፊ ሽጉጥ ኣብ ጉንዲ እዝኑ ኣጸጊዖም “ግባ!” ኢሎም እናኣፈራርሑ ኢዮም ኣዋጊኦሞ!!!” ድዮም ክብሉና?. .? ሕጂ’ውን ታሪኽ ኣይሰረቕ!! ናጽነት ኤርትራ ክሳዶም ኣቕኒዖም ብዝተዋግኡ ጀጋኑ እምበር፡ ብሕቡኣንን ሓመይትን ኣይመጸትን።

ሕብእቲ ሰልፊ – ትካል ውሽጢ ስልያ መሪሕነት ህዝባዊ ግምባር (ኢሰያስ) ጥራይ ኢያ ነይራ

ዝኾነ ፖለቲካዊ ስልጣን ዝጨበጠ ኣካል (ኣብ መንግስቲ ይሃሉ ኣብ ውድብ) ስልጣኑ ንምሕላው፡ መርበብ ስርዓተ ስለያ ክህልዎ ባህርያዊ ኢዩ። እቲ ናይ ስለያ ትካል ድማ፡ በቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ ጉጅለ ወይ ውልቀ-ሰብ ብዝተሓርዩ ሰባት ይቐውም። ንህላዌ ናይቲ ዘቖሞ ኣካል ድማ ይሰርሕ። ፖለቲካዊ ስልጣን ብውልቀ-ሰብ (ንጉስ ወይ ውልቀ-መላኺ) ዝተታሕዘ እንተኾይኑ፡ እቲ ዝቐውም ናይ ስለያ ኣካል ድማ፡ ንስልጣን ናይቲ ውልቀ-ሰብ – ካብ ተጻባእቲ ይሕልዎ። እቲ ስርዓት – ህዝባዊ፡ ዲሞክራስያዊ ወዘተ እንተኾይኑ ድማ፡ እቲ ፖለቲካዊ ስልጣን ብመለኽትን ተበለጽትን ንኸይጭወ፡ በቲ ዘቖም ናይ ስለያ ኣካል ይሕሎ። እዚ ኣብ ኩሉ ዓለም ዝስርሓሉ ኮይኑ፡ ስራሕ ስለያ ከኣ ኩሉ ግዜ ነቲ ዘቖሞ – ኣብ ስልጣን ዘሎ ኣካልን ስርዓተ ምሕደርኡን ምሕላው ኢዩ።

ስርዓተ ስለያ ኣዝዩ ዝተሓላለኸን፡ ከም ሰኪዐት ዝተጠናነገን፡ ግን ከኣ ኣዝዩ ቅልጡፍን ስሉጥን ስርዓተ ምሕደራ ኣለዎ። ሰለይቲ ግን ፖለቲካዊ ስልጣን የብሎምን። ፖለቲካዊ ስልጣን ብሓይሊ ብረት ይምጻእ ዋላ ብምርጫ፡ ስርሖም – መራሕትን ንሶም ዘውጽእዎ ሕግታትን ምሕላው ኢዩ። ኣብ ቅዋማዊ ስርዓተ ምሕደራ’ውን እንተኾነ፡ ሰበ-ስልጣን ጥራይ ዘይኮነ፡ ቅዋም ናይ ምሕላው ተወሳኺ ሓላፍነት’ውን ይስከሙ ኢዮም። ትካላት ስለያ ግን መጽናዕቶም ነቲ ዘቖሞም ኣካል ሪፖርት ምግባርን፡ ተወሲኑ ዝመጾም ድማ ምትግባርን እምበር፡ ካብ ነብሰ-ምክልኻል ዝሓልፍ፡ ናይ ምውሳን ስልጣን የብሎምን።

ኣባላት ትካል ስለያ ነዚ ዝተባህለ ስራሕ ኣሚኖም ከሰርሕሉን ብተወፋይነት ከገልግሉዎን እንተኾይኖም ግን ብዘእምን ዘረባ ወይ ብጉንዖ፡ ወይ’ውን ብኽልቲኡ፡ ነቲ ስርዓተ ምሕደራ ብሓፈሻ ነቶም መራሕቲ ከኣ ብፍላይ ክቕበልዎምን ከም ዝኣምንዎም ክግበርን ኣለዎ። ኣብ መርበብ ስርዓተ ስለያ፡ ሓንሳብ ብኣባልነት እንተ ተመዝጊብካ ግን፡ ካብ መንነት ሰለይቲ ዝጅምር ሚስጢራት ክትፈልጥ ስለ ትኽእል፡ ካብ ኣባልነት ምስሓብ ወይ ምስራዝ ቀሊል ኣይኮነን። ብዛዕባ’ቲ ኣካል ስለያ ኮንካ ዝፈለጥካዮ ስዉር ሚስጢራት ክትዛረብ እንተ ጀሚርካ ድማ፡ ኣብ ሕግን ፍርድን ከይቀረብካ፡ ብስዉር ክትጠፍእ ዘለካ ዕድል ዝዓበየ ኢዩ። ነቲ ኣባል ስዉር ስለይኡ ክትከውን ዝመረጸካ ስርዓት ወይ ጉጅለ ጠንጢንካ፡ ሃገር እንተ ቐየርካ’ውን፡ ንሕልፈት ክትህደን ኢኻ ትነብር። ኣብዚ መዳይ’ዚ፡ ኣባል ከይ-ጂ-ቢ (KGB) ዝነበረ ቾቭቸንኮ – ኣብ ሎንዶን ዘጋጠሞ ቅትለትን፡ ኣባል ሕብእቲ ሰልፊ ዝነበረ የማነ ተኽለገርግስ – ኣብ ጀርመን ዘጋጠሞ ፈተነ ቅትለትን ከም ኣብነት ዝጥቀሱ ኢዮም።

ህዝባዊ ግምባር ካብ ናይ ውሽጢ ጸላእቱ ዝሕልዎ፡ ብወግዒ ዝፍለጥ ውሽጣዊ ናይ ስለያ ትካል ኣይነበሮን። እቲ ኣንጻር ናይ ግዳም ጸላኢ (መግዛእትን ተሓባበርቱን) ዝግበር ወታደራዊ ስለያ ግን፡ ዳርጋ ኩሉ ህዝቢ ብድሌት ዝሳተፎ፡ ብክፍሊ 72ን ዝፍለጥ፡ ስሉጥ መርበብ ትካል ስለያ ነይሩዎ ኢዩ። እቲ ውሽጣዊ ስለያ ግን ኩሉ – ብኣባላት ናይታ ሕብእቲ ስለፊ ኢዩ ዝካየድ ዝነበረ። ተጠቃሲት ሕብእቲ ስልፊ ድማ፡ ውድብ እትመርሕ ፖለቲካዊት ኣካል ዘይኮነትስ፡ ስልጣን ውልቀ ሰብ (ኢሰያስ) እትሕሉ፡ ናቱ ናይ ውልቁ ናይ ስለያ ትካል ኢያ ነይራ፡ ወይ ድማ በብቑሩብ ናብ ከምኡ ተለዊጣ። ኣብ ኩለን ኣሃዱታትን ሓይልታትን ናይቲ ውድብ ዝተሰኹዑ ግን’ከኣ ዘይፍለጡ፡ ብሕቡእ ዝሰርሑን ተሓቢኦም ዝራኸቡን ኣባላት ነይሮማ። ቀንዲ ስርሖም ከኣ ወታደራዊ ስራሕ ዘይኮነ፡ ኣብቲ ዘለዉዎ ኣሃዱ፡ ንመሪሕነት ህዝባዊ ግምባር (ኢሰያስን ንሱ ዝሓረዮም ሓለፍትን) ዝትንክፍ፡ ዝኾነ ርእይቶ፡ ሕቶ ወይ ነቐፌታ ምስ ዝለዓል ምክልኻልን ምጭፍላቕን፡ ቀልጢፍካ ናብ ላዕለዎት ኣባላት ናይታ ሰልፊ ምትሕልላፍን፡ ነቶም ዝድለዩ ሰባት ኣብ መጻወድያ ከም ዝኣትዉ ብምግባር፡ ሓሶታት ምሂዝካን ጠቂንካን፡ ናብታ – መራሒ ናይታ ሰልፊ (ኢሰያስ) ባዕሉ ዘቖማ ሓለዋ ሰውራ ምልኣኽን ኢዩ።

ንመሪሕነት ኢሰያስ ወይ ንሱ ዘቐመጦ ሰብ ዘይቅበል፡ ግን ከኣ ኣብቲ ዘለዎ ኣሃዱ ልዑል ተቐባልነት ዘለዎ መራሒ ምስ ዘጋጥም ድማ፡ ኣብቲ ምስ ጸላኢ ዝግበር ውግእ ብሕቖኡ ተሃሪሙ ከም ዝእለ ይግበር። ነዚ ዘሳልጡ ፍሉያት ሰባት ድማ ብላዕለዎት ሓለፍቲ ሰልፊ ተሓርዮም ይለእኹ ነይሮም። ወታደራዊ ሓላፍን ኣባል ፖለቲካዊ ቤት-ጽሕፈት ህዝባዊ ግምባርን ዝነበረ ተጋዳልይ ኢብራሂም ዓፋ በዚ ኣገባብ’ዚ ከም ዝተቐትለ ዝበዝሐ ኣባል ህዝባዊ ግንባር ዝሰማማዓሉ ክኽውን ከሎ፡ ከም በዓል በርሀ ጻዕዳ፡ ወልደሚካኤል ሃይለ፡ ኢሰያስ ተወልደብርሃን፡ ዝኣመሰሉ ህቡባት ዝነበሩ ሓለፍቲ ድማ ግዳያት ናይዚ ኣቀታትላ’ዚ ክኾኑ ይኽእሉ ኢዮም” ዝብል ወረታት ክነፍስ ንሰምዕ ኣሎና።

ኣብ ውሽጢ ህዝባዊ ግምባር ዝነበረት ሕብእቲ ሰልፊ እምበኣር፡ ህቡባትን ሓያላትን ሃገራውያን ቀንጺላ፡ ኣብ ህዝባዊ ግምባር ስርዓተ ተሓታትነትን ርእሰ-ምትእምማንን ቀቲላ፡ ክቱር ውልቀ-ምልኪ ከም ዝነግስ ዝገበረት ናይ ስለያ ትካል እምበር፡ እዚ ዝበሃል እትፍለጠሉ ፖለቲካዊ ስራሕ የብላን። ንባዕላ መጋበርያ ውልቀ-ሰብ እምበር መራሒት ኣይነበረትን። ንናይ ዕላማ ብጾትካ ብቓጻ ስለ ዝሰለኻዮምን፡ ብቓጻ ከም ዝጠፍኡ ስለ ዝገበርካን – ንነብስኻ ከም መራሒ ክትቆጽራ እንተ ፈቲንካ ግን ተመሊስካ ወኒንካዮ ንዘለኻ ስርዓተ- ኣእምሮ ምፍታሽ ከድልየካ ኢዩ።

ብጭቡጥ ንምዝራብ፡ እዛ ንዛረበላ ዘለና “ሰልፊ”፡ ከም ሰልፊ ዘቑጽራ ካብቲ ውድብ ዝተፈልየ፡ ፖለቲካዊ ፕሮግራም ኮነ እትምርሓሉ ዝኾነ ዝፍለጥ ሕግን ኣሰራርሓን ኣይነበራን። ስሩዕ ኣኼባ ይኹን ኣባላታ ዝፈልጥዎ ወይ ዝርድእዎ ፖለቲካዊ ቅርጺ ኣይነበራን። ኢሰያስ ኣብ ዝደለዮ እዋን ዝእክባ፡ እንተ ደልዩ ዝፍንጥሓ፡ ዋላ’ውን ብኻልእ ዝቕይራ ትካል ነይራ። ስሩዕ ጉባኤ’ውን ገይራ ኣይትፈልጥን። ኣብቲ ውድብ ክብድ ዝበለ ነገር ምስ ዝፍጠር፡ ወይ’ውን ጉባኤ ክግበር ኣብ ዝድለየሉ እዋን ጥራይ፡ ባዕሉ ኣኪቡ መምርሒ ዝህባ፡ ንዝተዋህባ መምርሒ ድማ ብዘይ ገለ ሕቶ እትፍጽም መጋበርያ እምበር፡ ዝኾነ ናይ ፖለቲካዊ ሰልፊ መዐቀኒ ተማልእ ኣይኮነትን።

ዕማማት ስርዓተ ስለያ፡ ከም ስሙ ሕቡእን ስዉርን’ኳ እንተኾነ፡ ዳርጋ ኣብ ኩለን ውድባት ኮነ መንግስታት፡ ትካላዊ ኣሰራርሓ ዝኽተልን ተሓታትነት ዘለዎን ኢዩ። እታ ኣብ ውሽጢ ህዝባዊ ግምባር ዝነበረት፡ ብሕብእቲ ሰልፊ እትፍለጥ፡ ትካል ስለያ ኢሰያስ ግን፡ ትእዛዛት መራሒኣ ካብ ምፍጻም ዝሓልፍ፡ ትካላዊ ተሓታትነት ኣይነበራን። ንሳ ዝፈጸመቶ ገበን – ከም ዘይተፈጸመ ተረሲዑ ክተርፍ ኣለዎ። ከም ገለ እንተ ተወዓዊዑ ድማ ግዳይ ዝኾኑ ሰባት ተደልዮም፡ ተሰከምቲ ናይ ዘይፈጽመዎ ገበን ይኾኑ። ንሳ ዝቐተለቶም ሰባት – ከምዛ ዘይተፈጥሩ ተረሲዖም ክተርፉ ኣለዎም። ፍሉጣት እንተ ነይሮም ድማ ተዓዛቢ ነብሶም ከም ዝቐተሉ ክኣምን ኣለዎ። ኩሉ ዘይከኣል እንተ ኾይኑ ድማ፡ ንሳቶም ክምልሱ ኣብ ዘይክእልሉ ቦታ ምስ ተደርበዩ፡ ብድሕሪኦም፡ ተሓተትቲ ናይ ብዙሕ ዘይፈጸሙዎ ገበና ገይራ ትኸሶም። ‘እዚ ሓሶት ኢዩ’ ዝብል ወይ ‘ሰላዪ ኣይነበርኩን’ ዝብል ኣባል ናይታ ሰልፊ እንተልዩ፡ ስመይን ኣድራሻይን ኣብ ላዕሊ ኣሎ፡ ሃየ ኣፉ ይኽፈት!!1

 

  • >       >       >       ኣብ ሳልሳይን መወዳእታን ክፋል የራኽበና      >      >      >      >

 
Subscribe ASSENNA YouTube to get Radio Assenna shows on time:

aseye.asena@gmail.com

Review overview
9 COMMENTS
  • AHMED SALEH !!! December 21, 2017

    I am not surprised to hear suspicions on circumstances about deaths of brave military leaders like
    Ibrahim Affa and Berhe xaeda where their leadership inspired me personally at my early age in GHEDLI .
    At moments of post independence instead assassination we observe unlawful practices to condemn
    opponents indefinitely without due legal process to rot in dungeons . Sahel nurtured mafia has ruled
    the country and it will take heavy price to destroy internal enemies we brought ourselves .

  • Fanco December 22, 2017

    There isn’t much difference between the Arabists and the pan-Islamic Jebha’s slavish leadership and the Maoist mafia criminals in Hgdef. They are like two monkeys on a beauty contest.

    This was well explained and dissected by the one and only Yosief Ghebrehiwet:
    “The contradictions that Jebha supporters display could be seen everywhere: They have been diligently digging up all the skeletons they can find in Shaebia’s past (as it should be). But if you point to similar cases in Jebha – Falul, Suriyet Addis, Menfere, Rasai, and all other pre- and post-Adboha massacres. – they throw tantrums. They love to criticize Isaias for every blunder that he makes and for every crime that he commits (again, as it should be). But not only do they not want to hear any negative attribution about their leaders, however inept, undemocratic, sectarian or murderous they were, they also are in the active business of giving them a post-mortem “make over.” They never tire of reminding us of the marginalization of Kunamas under Shaebia (again, as it should be). But if you tell them that in this marginalization, which has a long history behind it, Jebha played a major role, with many of their villages burned down to the ground, many Kunamas killed and their cattle pillaged, they go nuts in anger. Day and night, they never tire of pointing out the inhumane treatment of prisoners under the hands of Shaebia/PFDJ (again, as it should be). But it is in one of the most shameful history of ghedli in Eritrea that Jebha summarily executed its Ethiopian prisoners at a time of its retreat in the late seventies. In this regard, even Shaebia didn’t match this atrocity. I could go on and on: the horrors of giffa (which actually started with Jebha), sexual abuse of women (especially by corrupt cadres and military leaders), endemic corruption of the leadership, etc – all areas that Jebha had excelled well before Shaebia came to be fully identified with them.”

    • k.tewolde December 22, 2017

      Fanco,now that you spilled your funk off your chest,do you feel better? you been trying desperately to dig old social wounds like a critter for a awhile, do you feel accomplished? who ever you are,you are not here to enlighten or foster healing and unity among the Eritrean people.So stop licking at a scab that is not yours unless you are a scavenger.

  • Haqu December 22, 2017

    k.tewolde, Fanco may have a single point only because there is no choice between the slave Abeeds who burned their own languages of Tigre Tigrinya, the Teref meref unreformed Jebhas and the Mao worshiping Higdefites still praying five times of a day so that they speak in the language of the murderous and pedophilic Nebiy .
    You are right there are Eritreans scratching old scabs and there are also slave Abeeds licking Wahabi and Jihadi stinko asses. Such is the worthlessness of all.
    But the heroic Eritreans will prevail when the dust settles.

    • k.tewolde December 22, 2017

      ‘Mao worshiping Higdefites still praying five times of a day so that they speak in the language of the murderous and pedophilic Nebiy ‘. The only way to explain this oxymoron is Islamophobia in steroids.Who is molding these people?

      • Danilo December 22, 2017

        Cloned name! I guess. ስለ ንፋለጥ ንማለጥ! The scanner is accurate be ready poveretto.

      • AHMED SALEH !!! December 22, 2017

        Dear K.tewolde
        Fanco , haku and other strange pen names belong to the same person .
        Assenna moderator warned him to stick with one nickname for no avail .
        Myself , I prefer not to give attention at his provocative comments .

    • Almaz December 23, 2017

      Haqu (((((Tekhlay))))
      Oh DIA’S parrot where have you been the past few days? How was the updating of PFDJ black rooms? Tekhlay, what so ever excuses you bring you can not get any credit to the socially sick dictator. You are reminding us about the crimes of Jebha while you are greatly contributing in the extinction of Eritrean people on the hands of the maniac dictator and his dogs.

  • Simon G December 22, 2017

    This tells you how very weak the Opposition is. If we know some of these people committed these heinous crimes and some of them are roaming around freely in the free world (some of them still working for the cruel criminal), why aren’t the Opposition doing something to bring them to justice? From those many papers written and You Tubers, it doesn’t seem to be hard finding witnesses.
    We are becoming so lame, to say the least.

  • ተስፋሚካኤል ኢየ። December 23, 2017

    ታደሰ፦ ብቀዳምነት ተቐባልነቱ ከየገደሰ እቲ ዛዕባ ምፍጣርን ንልዝብ ምቕራቡን ንርእሱ ተበግሶ ብምዃኑ ብወገነይ ከመስግን እፈቱ። ናይ ሎሚ ኣርእስትኻ ብዛዕባ ሕብእቲ ሰልፊ ኢዩ። እቶም ዘይኣባላታ ድማ ቁምነገራ ከየስተማቐሩ ኣይተቓወሙዋን። ሎሚ ብጭቡጥ ከምንርእዮ’ውን እቶም ኣባላታ ነበር ከይተረፉ ደኒኖም ዝነብዑሉ መድራኽ ተበጺሑ። እንተኾነስ ገናሕጂ’ውን ሩሕ ናይቲ ስርዓት ኣብ ክሳድ ቅዱማትን ዳሕረዎትን ኣባላት ሰልፊ’ዩ ተኾይጡ ዘሎ። ክሳብ’ውን ገሊኦም ሕሉፋትሲ ብዘይሰልፎም ሃገር ከምዘይምተዓወተትን ከምዘይትህሉን ዝምጉቱ ኣይተሳእኑን። ኮለኔል ጸጉ እንተሰሚዕካዮ እቶም እሱራትሲ ያኢ ገዛ ዘይተሰርሓልና ኢሎም ከምዘዕዘምዘሙ ክዛርብ ኣይተሰከፈን። ኮለኔል ኮነ ካልኦት መሰሉ መረቕን ጸባን ዝጎስዑ ዝነበሩ እንተተዛረቡ ንዓኻን ንተረከብትን እንታይ ኣጉሃየና!
    ምስ ኣባላት ተሓኤ ተሰሓሒብኩም መስለኒ። ከም ርኢቶይ ብዛዕባ’ተን ከም ሰልፊ ብዓስ ዝንገረና ዝነበረ ኣስተምህሮ ጌጋ እንተነይሩ ሓጥያትካ ከምዘይነበረ ንታሪኽ ንግደፎ። ናይ ቀደም ክንመጣጠር ናይሎሚ ሃገራዊ ግምባርና ክንሸራርፍ ስለዘይግባእ። ብእዋኑ ከይንዛረብ ድማ ንስኻ ኣብ ዓምዲ ትግርኛ ብቋንቋ ትግርኛ ኢኻ ጽሒፍካ። እቶም ወሃብቲ ርኢቶ ግና መናእሰይግዲ ኮይኖም ብእንግሊዝ ይጽሕፉ ስለዘለዉ፡ ወይ ንስኻ ተርጉመልና፣ ወይ ዓምኻ ብእንግሊዝ ጽሓፎ። እንተ’ቲ ምልዛብኩም’ሞ ክንደይ’ኳ!!
    ንኩሉኹምከኣ እንኳዕ ናብ ሓዳስ ዓመት ብሰላም ኣብጻሓኩምን ኣብጻሓናን። ፈጣሪ ድማ ንሃገርናን ህዝብናን ይመልሰልናን!
    ኣሜን!

  • ተስፋሚካኤል'የ፡ December 23, 2017

    ታደሰ፦ ተቐባልነቱ ከየገደሰ ዛዕባ ምፍጣርን ምቕራቡን ንርእሱ ገዚፍ ተበግሶ’ዩ’ሞ ብወገነይ ንልዝብ ዝዕድም ሓሳብ ብምዝርጋሕካ ከመስግን እፈቶ። ናይሎ ሚ ፈነወኻ ብዛዕባ ሕብእቲ ሰልፊ ዝዝቲ ኢዩ። ኣብ ዘቕረብካዮ ትሕዝቶ’ውን ዝውስኾ’ምበር ዝእርሞ ኣይረኸብኩን። እንተኾነስ ገሊኦም ኣባላት ብዝተፈጸመ በደል ክጣዓሱ እንከለዉ፡ እቶም መረቕን ጸባን ዝጎስዑ ዝነበሩን ዘለዉን ግና ክሳብ ብዘይ’ታ ስርይቲ ሰልፊ ዓወት ኢልካ ነገር ከምዘይምተሓስበ እንተመደሩ ምሑላት ስለዝኾኑን ዓቕሞም’ውን ንሳ ብምዃናን እንተዘይገደድናዮም ይሓይሽ ክብል እመርጽ። ፕ/ንት ኢሳይያስ’ውን ብሳላ ቀዳሞትን ዳሕረዎትን ስዉራን ኣባላት’ዩ ክሳብሎሚ ኣብ ኣራእስና ሓኪሉን ተዓሽዩ ናብ ገደሉ ዝሃትፍ ዘሎን።
    እንተዘይተጋግየ ምስ ገለ ኣባላት ተሓኤ ከምተሰሓሓብኩም እመስለኒ። ኣብቲ ሰውራ እንከለና ብዛዕባ ኣብ ውሽጢ ተሓኤ ዝነበራ ከም ሰልፊ በዓስ ዝኣመሰላን ዓላማአንን እንታይ ምንባሩ ዝወሃበና ዝነበረ ትንተና ጌጋ እንተነይሩ ጽባሕ ንምእራሙ እንታይ ከይጽግም። ሎሚ ግና ኣብናይ ሎሚ ከነተኩር እላቦ። ብተወሳ ኺ ንስኻ ብትግርኛ ንዘቕረብካዩ መኣዲ ልዝብ እቶም መንእሰያት ርኢቶኦም ብእንግሊዝ የቕርብዎ ስለዘለዉ ክንከታተሎ ኣጸጊሙና’ሎ’ሞ፡ ወይ ርኢቶኦም ባዕልኻ ተርጉመልና፡ ወይ’ውን መልእኽትኻ ብእንግሊዝን ኣብ ዓምዱን ኣቕርበሎም። ብዝተረፈ ብኣጋጣሚ ሓዲሽ ዓመት ንኩሉኹም ተሳተፍቲ፡ ብሓፈሻ ድማ ንሃገርናን ህዝብናን “እንኳዕ ኣብጻሓኩም” ክብል እፈቱ። ግዜ ክምልሰልና’ውን እትስፎ!

Post a Reply to Simon G Cancel Reply