Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ሕጂ’ውን “ሕሳብና ንግበር!” 1ይ ክፋል፡ 14,10,16፡

ሕጂ’ውን “ሕሳብና ንግበር!”  1ይ ክፋል፡    14,10,16፡ “እታ ናህና ኩሉሳዕ ናህና ኢያ”። እታ ዝሓየለትን ነባሪትን ጥቕሲ ጀነራል ስብሓት ኤፍሬም! መንቀሊ ሓሳበይ እቲ ብጋዜጠኛ ሩት ሃብተማርያም ተተርጒሙ ኣብ መርበብ ኣሰና “እቲ ካልእ ድምጺ” ብዝብል ኣርእስ ቲ ዝተፈነወ ቃለ-መሕትት ጀነራል

ሕጂ’ውን “ሕሳብና ንግበር!”  1ይ ክፋል፡    14,10,16፡

“እታ ናህና ኩሉሳዕ ናህና ኢያ”። እታ ዝሓየለትን ነባሪትን ጥቕሲ ጀነራል ስብሓት ኤፍሬም!

መንቀሊ ሓሳበይ እቲ ብጋዜጠኛ ሩት ሃብተማርያም ተተርጒሙ ኣብ መርበብ ኣሰና “እቲ ካልእ ድምጺ” ብዝብል ኣርእስ ቲ ዝተፈነወ ቃለ-መሕትት ጀነራል ስብሓት ኤፍሬም ኢዩ። ንእግረ-መገደይ’ውን ኣብ ፌስቡክ ብ’ወዲ ሰውራ’ ዝተፈነወ ጀነራልና ብ02/2002 ብዛዕባ ጂ15ን 13ን ንዝምልከት ኣብ ዋሽንግተን ዝሃቦ መግለጺ ሰሚዐ ብዙሕ’ውን ዘከርኩ። ጀነራል ስብሓት ኣብቲ ቅድሚ 15 ዓመታት ዝሃቦ ቃለ-መሕትት፡”እቲ  ዘይኮነ፡ እቲ ዝኾነን እቲ ክግበር ዘለዎን” ክብል’ዩ ኣቕሪብዎ። እንሆ ድማ ወዮ ዘይድበስን ዘ የደቅስን ገበን ሎሚ’ውን ተፈንዩ። ስለ’ቲ ኣዳለውትን ኣቕረብትን ንኣፍልጦና ዓሊሞም ዘበር ከትዎ ወገኑ ናእዳይ ወሰን የብሉን። ነቲ ንርኢቶ ዝዕድም ወገኑ ድማ ናተይ’ውን ክጽንብር። ግናኸ ኣቀራርባይ ወይ ብሰሪ ዋሕዲ ፍልጠተይ ወይ’ውን ዕድሎተይ ግዲ ኮይኑ ኣይግድን። ናይ ፍጹም ደንቆሮን ዓሻን ምዃኑ ተነጊርኒ’ኳ እንተኾነ ግናንዶ “ነቲ ዘይብሱል ትረኻይሲ “ኣይተሓዞን ግዲ” ዝብል እምነት ስለዝደረኸኒ’የ መስለኒ ዝደፍሮ ዘለኹ’ሞ ሃየ ኩሉ ተዓዛባይ ቂር ንከይብሎ እትስፎ!

ብምቕጻል ነታ ኣብቲ በረኻ እንከለና “ባንዴራ ምንብልባል መግለጺ ናጽነት ማለት ኣይኮነን” ትብል መባእታዊትን መኽ ፈቲት ኣፍ ፖለቲካዊ ትምህርትናን ምንባራ ዝዝክራ ጥቕሲ ከቐድማ እፈቱ። ኣልጊበ ድማ ብመንጽር ናይእኒ ቻይናን መ ሰልታን ድሕሪ ርብዒ ዘመን ካብ ናጽነተን ዝበጽሐኦ ደረጃ ምስ ናህና ከነጻጽሮ እንከለኹ “እዚ ናይ 25 ዓመታት ዓረማዊ ኣርማ ትርፎ ባንዴራ ምንብልባል ናጽነት ረኺብና ክበሃል ይኽእል ዲዩ?” ኢለ ስለዝሓስብ እንተተጋግየ ከኣ ክሳብ ክንዲ ዝከኣለኒ ናይ ‘ይቕረታ’ እምኒ ተሸኪመን ምስ ትሕትና ባይታ ነጢበን ንጀነራልና “ክቡር ሚ/ሪ ምክልኻል፡ ናይ ቀደም ት ምህርትና ዲዩ ግጉይ ናይ ሎሚ ክድዓትና?” ኢለ ንክውከሶ ዒራ ቤት ጽሕፈቱ ንኩሉ ክፉት’ዩ ኢለሞ ክዛወሮ እደናናዕ።

ከምቲ ስዒቡ “ብሓቂ ‘ኤርትራ መበል 25 ዓመታት ናጽነት ተኽብር ኣላ’ ምባል ካብ ናይ ቁጽሪ ጸወታ ዝሓልፍ ነገር የብ ሉን። ናይ ትበርር ዘላ ዑፍ ክንቲት ምፍቃድ እንታይ ረብሓ ኣለዎ? እዚ 25 ዓመታት ግዜ ምሕላፍ’ምበር ካልእ ዝገልጾ ቁምነገር የብሉን” ዝተባህለ፡ “ብክሳራ ናይቲ ክጠፍእ ዘይነበሮ ግዜ፡ ሃብትን ሂወትን ተሓታቲ መን ኢዩ? እቲ መስርሕ ሰ ላማዊ ምስግጋር ተገይሩ እንተዝነብርከ ናብዚ ዓይነት ክሳራ ምበጻሕና ዲና?” ዝብል ሕቶ ከስዕበሉ ብነብሱ ይደፍኣኒ።

‘ድርቅና’ እንተዘይተባሂሉ ነቶም ስብሓት ከም “ሓያል ተዛራቢ” ዝጽብጽብዎ ስብሓትና ናህና ብምዃኑ ክንምካሓሉ ዘለና ‘ውን ንሕና ከምዝኾንና ከስምረሉ ምደለኹ። ግናስ በቲ ሓደ ወገኑ ልበይግዲ ካብተን ‘ሶንኮፍ’ ዝጽብጸባ ኮይና “ንምንታ ይ ስብሓት ዝኣክል ክንድኡ ፍልጠት ዝደለበ መራሒ ምስ በሊሕ ኣእምሮኡ ምስ ከልቢ ክሕባእ ዝመርጽ?” ኢለ ነብሰይ ከየዋጠርኩዋ ኣይሓልፍን። “ምስ ዓሻ ኣይትምከር ምስ ከልቢ ኣይትተሓባእ!” ስለዝበሃል እኸውን ንስብሓትና በቒቐዮ።

እቲ ካልእ ድምጺ

ነቲ ናይ 18.09.2001 ፍጻመ ዝገልጽ ተባሂሉ ብ02/2002 ዝተዋህበ መብርሂ ጀነራልና ደጊመ ክሰምዖ ምሒር’ኳ እንተተ ሰከፍኩሉ ሎሚ’ውን ብውሑዱ 15 ዓመታት ዝደሓረ ሰማዒ ኣፉ ከፊቲ ከምዘለዎ ዝኣምን ከምዘሎ ዘኪረ እሓፍረሉ። እ ንተ ብወገነይ ነዛ ዕድል ሃገርና ዝሸመመት ልክዕ ከም ናይ እግሪ ምድርጋፍ ብዝመስል ጎታት ናይ ነጥበ-መቐይሮ ቃለ-መ ሕትት ተውግዕ ዕላል ደጋጊመ ሰማዕኩዋ’ሞ፡ ንዓይ’ውን እቲ ዝነበረ፣ እቲ ዝተባህለ፣ እቲ ክኸውን ዝነበሮ ስለዝተራእየኒ ንኩላ’ዛ ቃለ-መሕትት ዝኸውን መልስታት’ኳ እንተዘይደረቐኒ ግና’ንዶ እስከ ኣብ ገለ ኣርባዕተ-ሓሙሽተ ጥራይ ክዛረብ።

1, ጀነራልና ነቲ “ጉጅለ መነዓዓብቲ ንወያነ ተንበርኪኾምን ምስኣ ተመሻጢሮምን” ዝብል ዝነበረ ጠቐነ ብገፊሕ መኹባዕ ቲ ከምዝጉለል ተፈሊጥዎ ኣብ ቃለ-መሕትቱ ሓሶት ምዃኑ ከምስል’ኳ እንተመስከረ፡ ብውዑዩ’ሞ ብሰሪ ጎስጓስ የማነ ህ በይን ክድዓት ናይእኒ ጀነራል ስብሓትን ዘይምስሎም ተደዊኖምን ብፖለቲካዊ ክድዓት ተገዲዮምን ኢዮም። ብዛዕባ ናይ’ ቲ ካብ ሽዑ ክሳብ ሎሚ ኣብ ሂወቶም ዝተፈጸመ ጥሕሰት ሰባዊ መሰል’ሞ ፈጺሙ እንተዘይተዘርበሉ ይሓይሽ ባቃ!

2, “ህዝባዊ ናዕቢ!” ክብል’ዩ’ውን ጠቂንዎ ነቲ ኣኬባ ክግበር ዝሓተትዎ ናይ ድጋፍ ፌርማታት። ንነገሩ “ስለምንታይ’ዮም ግዲ ኣኼባ ንምግባር ናይ ድጋፍ ፌርማታት (Petition) ዝሓተቱ?” ንዝብል ሕቶ፡ ናይ ጀነራልና ናይ ዘይነበረ መመላኽ ዒ ኩሕልታት ንጎድኒ ጎሲና፡ ብዛዕባ’ቲ ዝነበረ ምኽንያቶም ብንጹር ተገሊጹ ስለዘሎ ምድጋሙ’ውን ኣይመድለየን። ካብ ተጠወቕና ግን መራሒና ድሕሪ ኣኼባ ኣብ ክሳዱ ትወርዶ ክናድ ኣርዒዳቶ ነቲ ልሙድ ኣኼባታት ዕጭ ነቚቱ ስለዝሓን ገደ ኢዮም ምስቲ ህጹጽነቱ ኣኼባ ዝጠለቡ። ንሳቶም ንቡር ግዜ ኣኬባታት ክጠሓስ ዝደኸሙሉ ጥበብ ኣገዛዝኣ ምንባሩ ይፈልጥዎ ኢዮም። ንበል 2’ይ ውድባዊ ጉባኤ ካብቲ ምዱብ ግዜኡ ን10 ዓመታት ከምተጎተተ፡ ከምኡ’ውን ኣኼባ ናይታ ንሓለዋኡ ዝቖመት ካብ ሰለስተ ሽሕ ዘይትርሕቕ ዝነበረት ሕብእቲ ዘብዐኛ ሰልፉ ካብ 1976-1986 ከምዘይተገብረን፡ ዘ ይምግባሩ ከኣ ንብሕትና ተባሂሉ ክሳብ’ቶም ብቀጭ-ሕርሙን ብዝጣዓመን ክዳቐቑ ዝነበሮም ንጹሃት ዝውገኑ ግዜ ንም ሽማት ተዓሊሙ ከምዝተጠበበ ኣጸቢቖም ይፈልጥዎ ብምንባሮም’ዩ። ኣኼባ ክግበር ናይ ድጋፍ ወረቐት ምፍራም ድማ ንቡር ኣሰራርሓ’ምበር ብከምቲ ጀነራልና ብ’ህዝባዊ ምንዕዓብ’ ዝጠቀኖን ንህልኪ ዝደርደሮ ሃለውለውን ዝግለጽ ኣይነበ ረን። ብላዕን ምፍርራህን እንተዘይነብር ከኣ ልዕሊ 90% ካብ ኣባላት ባይቶ ፈሪሞሙሉ ምንባሮም ተፈሊጡ ነበረ።

3, ብዛዕባ ዝረዓዱ ከምዝነበሩ ንክመስል ኣብነት ናይ ‘ንህድማ’ ተባሂላ ክሳብ መርከብ ክትቕረብ ከምዝሓተቱ ዝተጠቕሰ ጠቐነ ኣይቃሎምን። ተባሂላ እንተነይራ ብረቢዮ ኢሳይያስ ዘምጻኣ ሓሳብ ብኣፍ ልኡኻቱ ተፈንያ ክትከውን ኣለዋ። ኢሎ ም እንተዝኾኑ’ውን ነቶም ምስ ሓጺን ዝራጸሙ ሓጻውን ዝምልከት ዘይኮነ እቲ ሰራዊትና ዓሰብ ገዲፉ ከንሳሕብ ዝኣዘዘ ኢሱ ‘ኣባጥረግ’ ድማ ሽዑ ሳሕሉ ክድርገም ስለዝመደበ፡ መርከብ ተቐሪባትሉ ክትጸንሕ’ሞ ናብ ደጀኑ ክፍርጥጥ ተወዲ ኡ ድሮ ነቲ ምድረ-ገነቱ ዝነበረ ሳሕላዊ ቤት-ጽሕፈታቱ ዝፍትሹን ዝቆጻጸሩን ግዳያት ልኢኹ ምንባሩ ንመን ተሰዊርዎ?

“መርከብ ንቐርብ” ኢሎም? ኣቤት! ስብሓት ቀተልካዮ ንኢሳይያስ ቀተልካዮ! ኣበይ’ኳ ከምትሓድር እንድዕልካ’ምበር ነገ ር’ሞ እናሓደረ ከምተኾልዐ ንመን ጸልሚትዎ። እንተ ኢሱ፡ መሬት ምስ ወግሐ ንባጽዕ ከም ደጀን ሕማቕ እዋን መሪጽዋ ግደፍ መርከብሲ መዓርፎ እርቡናለ ሰሪሑ ኣብኣ ከምተኾደጨ’ሞ ኣይረሳዕናዮን። ከምቲ ድሒሩ ዝተራእየ’ውን ባጽዕ ን ኢሳይያስ ከምዘይትጥዕሞ ብቋንቋ ጠንቛሎ ስለዝተተርጎመሉ ንዓዲ-ሃሎኡ ከምተቦቖጸ’ውን ኣይንስሕቶን። ስለምንታይ?

“ተንበርኪኾም!” መን ኢዩ’ቲ ዝተንበርከኸ? ባዕሉ ካብ ዝጠቐሶ ብወራር ወያነ ተወጢሮምን ርዒዶምን ንወያነ ክሳብ ደ ብዳበ ከምዝጸሓፉላ ገሊጹ ጀነራልና። “ኢሳይያስ እንተኾይኑ’ቲ ጸገም ከነውርዶ” ዝብል ደብዳበ ያኢ። ወያነ ድማ ህግደ ፍ ኢዳ ክትህብ ጥራይ ከምዝነበረ ምርጫኣ ይገልጽ ስብሓት። ክሳብ ክንድኡ ርዒዱ ደብዳበ ዝጸሓፈ ጀነራል ተገልቢጡ ነቶም ብሕጋውን ወተሃደራውን መኪቶም ነቲ ዱቦላ ሽርሒ ናይ ውግእ ፈጠራ ህግደፍን ወያነን መኪቶም ሃገሮም ዘው ሓሱ ከውንጅል እንታይ ደልዎ ድሁል ዕንዝራ ሓሶት ጎቢእዎ ቀንዩ ኣንታ ወዮ ንምካሓሉ ጀነራልና! “ስብሓትከድኣ ንመ ን’ዩ ብተንበርካኽነት ክጥቅኖ?” ኢሉ ንዝሓስብ ኣብቲ ሸላታት ተቐፊዱ ዘሎ ጅግና፡ ከምቲ ባዕሉ “ንፋለጥ ኢና” ዝበሎ ስ እወ ንሳቶም ይፋለጡ። ንሕና’ውን ብኣፋቶም ካብ ዝሃቡናን ብግብሪ ካብ ዝረኣናዮ ተመኩሮን ንኩሎም ንፈልጦም!

4, ብዛዕባ ጋዜጣታት፡ ጀፈርሶን በለ፡ እከለ ደገመ’ኮ ትርጉም የብሉን። ወየን ብሕጋዊ ፖሊሲ ተፈቒድለን ዝተኸፍታ ጋዜ ጣታት ንርእሰን ሃገራዊ ሓላፍነት ብምስካመን ፋሉል ክኸዳ ሓሲበንኦ ኣይፈልጣን። ድሕሪ ፍትሕ መንግስትን ህዝብን ን መሰል ክጣበቓ ምብቅዐን ድማ ሃገራዊ ግቡአን’ምበር ብከምቲ ኣባላተን ንምዕፋን ክጥዕም ብዛዕባአን ዝተባህለ ዕንወት ኣይፈጸማን። ሽዑ “ክሳብ ሸውዓተ ወሎዶይ ከቑጽረካ ይኽእል ኢየ” ዝብል ጽሑፍ ንኢሳይያስ ተመሊስሉ ምንባሩ ኣይት ረስዑ። ‘ቲ ጽሑፍ ካብ ሓንቲአን ከምዝወጸ እንተተረጋጊጹን ጉድለት እንተዝነብርን’ውን መፍትሒኡ ብኣልማማ ምዕጻ ወንን ምሕያር ኣባላተንን ከምዘይነበረ ክንዲ ምሕሳብ ከም መስቀል ዝረኣየ ሰይጣን ብድፉኑ ካብአን ክህደም ጥራይ ክን በር እንተኾይኑ’ቲ ምርጫ፡ ከምቲ ነብስኻ ምሕባእ ዝፍተን፡ ኣብ ዝተሓባእካ ተሓባእ ግድን ከምትቕላዕ ምእማን’ውን ዝ ያዳ ውሑስነት ምፈጠረ። ከመይሲ እታ ናህና እንተኾይና ናህናስ ናበይ ነብላ? ኢሳይያስ መምስ ጨረመ “ሳሕሳሕ ዓጋመ ኢኹም ትብሉኒ” እንተበለስ ተሓቢኡኸ ሓድሽ መንነት ከምጽእ ክኢሉ ዲዩ? መበቆል’ሞ ቀቀሊሉ፡ እቲ ዕሱብነትከ ተሓ ቢኡ ዲዩ? እቲ ዕንወት ሃገርን ህዝባንከ?  . . .  እንተ ተራ መራኸቢ ብዙሃን’ሞ ሎሚ’ውን’ኮ ህዝብና ብነዊሕ ገመድ ኣብ ዝተቐፈደሉን ዕዳጋ ውሽጣዊ ኣካላትና ኣብ ዝዓመረሉን’ውን ሳላ ነጥሪ ካብ ኣባላተን ዝተረፉን ሳላ’ውን ብዙሓት ዝፈረዩ ን’ዩ ህዝብና ዝነብዓሉ ረኺቡ’ምበር ከም ሕልና ኢሳይያስን ሰብ ከዋኽብቲ ጀነራላትናን ድኣ ደጊም ኣብ ሕቕፎ ሓቒቕኩ ምን ኣፍኩም ተለጒምኩምን እንዲኹም። ከምቲ ዝበሃል’ሞ ገሌኹምሲ ወረ ብዓንተቦኹም’ውን ኣይነበረኩምን’ኮ!

  1. ብዛዕባ’ቲ ናጽነት ዘምጽአን ኣብ ዳግማይ ኲናት እንከሎ ሃገር ዝሃነጸን ዝተባህለ መንግስትናኸ፦

ብቀዳምነት ባንዴራ ምንብልባል ናጽነት ማለት ከምዘይኮነ ድሮ ገሊጸዮ ኣለኹ። ቀዳማይ ጸላኢ ካብ ሃገር ምስ ወጸ ናብ ሙሉእ ናጽነት ክንበጽሕ ስልጣን ዝሰጋገረሉ መስርሕ ምጅማሩ ኣጋውሎኡ ዘይተበርሆም መራሕቲ ህግደፍ ንወዮ መስር ሕ ክቖጽዩ ብዘይነበረ ጸገም ብሃገራ ናብ ዘይተደላዪ ዳግማይ ውግእ ሸመሙዋ። ንሱ ዓሪፉ ሕጋዊ ዋሕስነት ኣብዝተረኽ በሉ እዋን ድማ ነበረ ሕሳብና ክንገብር ከምዘለና ክንጠፍ ዝተጀመረ። ሽዑ ኣጋውሎ ናይቲ ጉዕዞ ዘይተበርሃ ሰልፊ ህግደ ፍ መንግስቲ ዓልያ ስልጣን በሓተትን ተቓወምታ ቀፈደትን። ነዚኣ ዘይተደናግር ውጽእቲ ዓመጽ ክትጎላብብ ጀነራልና ክ ንድዚ ድግድጊትን እንጉታን ከምኡ’ውን ርህጽን ንቕጽንሲ ኣንጻር መንነትካ ስለዝመሰለና ክንከላኸል መሪጽና ጸኒሕና። ካ ብተደለየ ግዳ እቲ ውልቃውስ ይጽናሕ፡ እምበርከ ኣብ ሃገርና ትርፎ ባንዴራ ምስቃልን ተዛረብቲ ኣምሓርኛ ብተግርኛ ምቕያርን እንታይ ካብቲ ዝወፈርናሉ ህዝባዊ ዓላማ ዝተገብረ ነገር ሃልዩ ኢዩ ቆፎ ህግደፍ ዘሕብጥ ክንድኡ ኩምራ ንፍ ሕ-ንፍሕ! ወያ ባንዴራኣ ኣብ ዘንጊ ዘንጠልጠለት ኤርትራ ብሓቂ ናጻ ወጺኣ ዲያ? እቲ ማንም ገዛኢ ምስ ረብሓኡ ክዝር ግሖን ክድዕምኾን ዝኽእል ህግደፍ ግና ካብ ሃገራዊ ሓልዮት ከምዝሰርሖ ዝተወርየሉ ከም መገድታት፣ ዲጋታትን መስ መር ኤለክትሪክንከ እንታይ ኣፍረየ? ማይ ዝደለየ ናብ ማይ፡ መብራህቲ፣ ብልዒ ኮነ ድሕነት ዝደለየ በዓል ሶንኮፍ ልቢ ድማ ናብ ድላዩ ዝረኽበሉ ክሰግር ኣይተማዕደንዲዩ ህዝብና? ክልተ ወደባት ሓቚፍና ክንስና ንዝኣተኹሞ ውዲት ክትስ ውሩ “ሰሪ ቁጠባዊ ጸገም” እናተባህ ብሂወት ዜጋታትና ካብ ብዓለሙ ክትረብሑ ትጣልዑ እኩያትዶ ኣይኮንኩምን ጀነራ ል ስብሓት?

ሓደ ወሎዶ ናጽነት እንተምጺኡ ንሕና’ዞም ዘለና ድማ ስራሕና ንሳ ምዃና ገሊጹ ጀነራልና። ምኽንያቱ ከብርህ እንከሎ

ሓደ ወሎዶ ሓንሳብ ጥራይ ታሪኽ ክገብር ከምዝኽእል፡ ክልተ-ሳዕ ታሪኽ ክገብር ዝኽእል ወሎዶ ከምዘየለ፡ እዚ ናትና ድማ ናጽነት ኣምጺኡ መንግስቲ ስለዝተኸለ ህዝቢ ኤርትራ ቅሳነት ከምዝረኸበን፡ ከምኡ ዝገበረ መንግስቲ ድማ ኣብ ዓ ለም ከምዘይተራእየ ከስተምህር ኢዩ ምዒርዎ። ንነገሩ ወዮም ኣብቲ ስልጣን ጠስጢሶም ዘለዉኸድኣ ዳግማይዶ ተፈጢ ሮም ወይስ ካልእ ብልሓት ኣልይዎም? ዝኾነ ኮይኑ በይኖም ኣይረሃጹን’ሞ “እቲ ካልእ ድምጺ”ውን ከምዚ ይብል ኣሎ፡-

“ሰበይትስ ሰብኣያ’ምበር ሰብኣይ-ሰብኣያ ከምዘሎ ነይትፈልጥ” ዝብል ምስላና ካልእ ከምዘሎ ንምሕባር’ምበር ነቲ ሰብኣ ይ ንምቁንጻብ ኣይተባህለን። እቶም ዓለውቲ ውሱንነት ዓቕሚ ናይቲ ዝኣረገ ወሎዶና ትግምቱ እንተኔርኩም ነቶም ካል እ ሓርነት ከምዘሎ ፈሊጦም ስልጣን ዝመሓላለፈሉ ሰላማዊ መስርሕ ምስግጋር ዝጠለቡ ሓርበኛታትና ምስ ጓኖት ተመ ሻጢርኩምን ገዛእ መንግስትኹም ዓሊኹምን ጸሊም ምልኪ ኣይምኣወጅኩምን። ብልሒ ኣእምሮ ክንዲ ብኣፍ ሽዑን ኩ ሉሳዕን ንረብሓ ህዝቢ እንተዝውፈ ኣይምተገዳዳዕናን። ብዝተረፈ እንተድኣ ሕጂ’ውን ብብልሒ ተዛራብነት ስብሓት ንተ ጎራፈጥቲ ናይ “ተኣሪምና፡ ቀኒዕና ኢና” ዝብል ምስሉይ ምስሊ ክሰኣል ይሕለን ኣልዩ፡ ፎሩም ጣዕሳ’ሞ ልዕሊ ጀነራልና ዝፈልጣ’ኳ እንተዘይሃለወ፡ ንተንበርካኽነት ተቃልዕ’ምበር ብፋንጣኣን ንያታን ንቁምነገር ተንቅድ ፎሩም-ጣዕሳስ ተሰሚ ዓኳ ኣይትፈልጥን።

ብዛዕባ ፎሩም ጣዕሳ ካብ ዘከርና፦

ኣቕልቡሉ’ንዶ ዘለናዮ ኩነታት። ሃገርና’ኮ ኣብ እዉጅ ኲናት ሓድሕድ ኢያ ተሸሚማ ዘላ። ኲናት ኣብ ሞንጎ ህዝባውን ምልካውን ደምበ ኤርትራ። ከመይኢሉ’ዩ ብፍላይ ኣባና ክኸውን ዘይነበሮ ሃገራውነት በበይኑ ትርጉም ዝወሃቦ ክትፈል ጡ እንተደሊኹም ብዛዕባ ለበዳ’ሞ ዘክሩ። ብኒኩለራዊ ሓተላን ጸርግን ብከላን ለበዳን፣ ብሕማም ሸሮኸ-በዲዶ ለበዳ፣ ብለኽፊ ጉልሓይን መሰሉን ለበዳ፣ ብብላዕን ጸረ ሃገራዊ ገበናትን ዝተበከለ ዕሱብ ምሕደራ ለበዳ፡ ለበዳ-ብለበዳ!!

ፕረሲደንት ብኢድ’ቶም ብቕድሙ በቢገርሆም፡ ዝኸተቦም ደቂ-ውሻጠ ኣባላት ሕብእቱ ኢዩ ብሃገራ ኣብ ጋህሲ ለበዳ ሸ ሚሙዋ ዘሎ። ቀንዲ መምረጺ ኣባልነት ከምቲ ንሓድሽ ኣባል ዝንገሮ ኣይነበረን። ዕድል ናይቲ ቀይዲ ክበትኽ ዝተጋደለ ሓያልሲ’ኳ ኣውያቱ’ውን ኣይተሰምዐን። እንተ’ቲ ድኹም ‘ሕሩይ’ ምእንቲ ምስሉ ከመዓራሪ ብነብሱ’ውን ከንቅድ ተራእዩ ‘ዩ። ከም ሓያል ክርአ ጸኒሑ ዘምዘምያኡ ዝፈሰሰቶድማ “ተኣሪመ፡ ተጣዒሰ” ይብል’ሞ ተኣማንነቱ ከርኢ ክሽብዳዕ ይግደ ድ። (ዝያዳ ክትፈልጡ ሕጊ ኣገዛዝኣ ዘክሩ) ሽዑ ኩሉ ኣባል ኣብ ዝተመደቦ ‘ክውፈ’ ኣለዎ። ትውፊቱ ዝእመን ከኣ ብዝ ውዕሎ ገበን ኢዩ። ከም ዓስቡ ዝጉንዖ ጻማ ከኣ ብመልክዕ ስልጣን፣ ብገንዘብ፣ ወይ’ውን ብክልቲኡ ክኸውን ይኽእል።

ንኣብነት ኣብ ወጻኢ ካብ ዝግበር ዘውግዑና ከነውግዕ። ሓደ ብስስዐ ገንዘብ ዝዓወረ ሰነፍ ክቱብ ብ’ብልቃጡ’ ሰባት ከዘ ልሕጥ ተመዲቡ ንበል። ኣብ ነፍሲ-ወከፍ ስርሒቱ ዝኽፈሎ ዋጋ ብክብደት ግዳዩ ክሳብ ሓምሳ ሽሕ ዝበጽሕ’ኳ እንተኾነ መበገሲት’ሞ ዓሰርተ ሽሕ ዶላር ከምዘላቶ ርግጽቲ (መድሙን) ምዃና ከምትንገሮ ንሕሰብ። ደምሩ ሕጂ ንስኻትኩም፡ ሓደ፣ ክልተ፣ ሰለስተ . . . ። እንተሰሊጥዎ ድምር ዘዘልሓጦም ብውሑዱ ብዓሰርተ ጥራይ እንተርቢሕኩሞ’ውን እዚ እ ቶት’ዝስ ‘ታይ ከውሒ ፈንቂልሉ! እቶቱ ከኻዕብት ድማ ኪኖ ብዝሒ፡ ናብ ዓይነት ዝኽርበሹ ዝያዳ ከምዘተኩር ኢዮም ዝገልጽዎ። ከምዚ ዓይነት ለበዳ ዝኣተዋ ሃገር ኢያ ‘ናጻን ልኡላዊትን’ ክትበሃል ትድለ ዘላ!

“ለካ በዝን ወዲ-ከምዝን ዝእከብ’ዩ’ቲ ‘ረሳሕ ገንዘብ’ ዝበሃል” ኢልኩም ክትሓስቡ ትኽእሉ። እንተ ንሱ ከምገለ ጸሊም መጋረጃኡ እንተተገልሀ’ውን ድሮ ለሚድዎ ስለዝኾነ ብፈጣጥ ሓሶት ብዛዕባ ስለምንታይ ብከምኡ ይጥርጠር ንማንም ጠ ርጣሪ  ሽምጡ ገቲሩ ከፋጥጠሉን ከም ሃገራዊ ዕማሙ ገይሩ ክገታተርን ንነብሱ ኣእሚኑ ኢዩ ‘ግቡኡ ክፍጽም’ ፍቐዶ ሃ ገራት ዝዛውን። ምስ ሰባት ክሕወስ እንከሎ ከኣ ነታ ረሳሕ ገንዘቡ ከጽሪ ዘርእዮ ናይ “ብልዑ፡ ስተዩ” ዝዓይነቱ ሕያዋይነ ቱ ቀንዲ ጠባይ ዕዳጋኡ ክንሱ፡ ንሱግን ልግሲ ከም መፈጠራዊት ባህሪኡ ከምስላ ክፍትን ኢዩ’ውን ዝያዳ ኣብ ትዕዝብቲ ሰባት ዝድቕደቕ! ዕዳጋ ከም መዓልቱ’ምበር ኣዲኡስ ናብ ከምኡ ዕንወት ኣይለኣኸቶን ኮይና።

“ንነገሩ እቲ ገንዘብከ ካበይን ብከመይን ይኽፈሎ?” ከምትብሉ ብነብሱ ፍሉጥ ኢዩ። ንሱ’ሞ ንማፍያነት ህግደፍ እንተተ ዘንጊዕኩሙሉ ከምዝተረፍኩም ኣስተውዕሉ። እምበር ለኣኺስ ብዘይካ’ቲ ንመሳለጢ ዘዕሙኾ፡ እቲ ጥሙር ዋጋ ማዕሰብ ቱ ኣብ ሕሳቡ ከምዘውሕዘሉ’ዩ ዘውዕሎ። ካሳ ሓጎስ ክሻ ኣዝያ ‘እምንቲ’ ኢዮም ዝብሉዋ። ስለኡ ግደፍዶ ረሳሕሲ ሓቀኛ ገንዘቦምን ኣዋርቕ እኖታትን ከይተረፈ’ውን ክዕቀብ ተሓሲቡ ሳናዱቕ ሓጎስ ክሻ ከምዝተወጠረ’ሞ ይንገር’ዩ።

ድሕሪ ውዕል-ሕድር ነገራት ይቕየሩ። ወዮ ወናኒ ረሳሕ ገንዘብ ብዘይተረድኦ ምኽንያት ብካልእ በዓል ብልቃጥ ወይ ብህ ዝባዊ ናዕቢ ክንጸላሎ ምስጀመረ፡ ማሉ ሒዙ ከምልጥ ክብል ብምኽንያቱ ዘይቆጻጸሮ ዝልሑኽ ምስጢር ክዕነድ ይርአ። እናበለ ድማ ከምቲ ዕላል “ሳንዳይ ገደደ” ዘግፋሓሉ እንተዘይኮይኑ ቀዳዱ ዘጽብበሉ ፍጡር ኣይረኣዮን። ከም ድኑስ ኣብ ዓራቱ ብሕቖኡ ተሰጢሑ ናብ ዘንቀ-ቤቱ ኣንቃዕሪሩ ክቛመት፡ ወዮ ኩሉ እኩይ ውዕሎታቱ ብመንፈስ ቅልጽም ግዳያቱ ዝተመዘዘ ሴፍ ክሳዱ ክቕልዕሞ ክረኣዮ፡ በቲ ካልእ ዝተኣከበ ረሳሕ ገንዘቡ ተራስዩ ከምዘይረኽቦ ደሚቕሉ እናኣሕነቕነቐ ካን ድማ ብውዲት ናይታ ናይ ገበኑ እሱር ዝገበረቶ ህግደፍ ተሰራጥዩ መሬት ተገሊሃ ክትውሕጦ እናተመነየ ከምዛ ብፎ ርማሊን ወይ ብከምታ ንሱ ዝፈልጣ ብልቃጡ ዝነቐጸ ሰብ ኣዒንቱ ፈጢጠን ይደርቃ። ኢድ ሸናሒት ጸናሒት ብምዃና

ትም፡ ባቃ ሕትም-ትም ጥራይ!

ብፎሩም ጣዕሳ ዝተረኽበ ገንዘበ-ሽመት ብፎሩም ጣዕሳ ክትድብሶ ስለዘይከኣል!!!!!!!!

ብዛዕባ’ቲ ዘይድበስ ገበን ሓደ ነባሪ ሓቂ ኣሎ። ያኢ “ህዝባዊ ናዕቢ ከይመጽእ” ብዝብል ተበላጺ ሸፈጥ ነቶም ህዝባውነት ዝሓተቱ ብዘይወዓሉዎ ክሳብ “ምስ ወያነ ወጊኖም፡ ሰብዓ ሚሊዮን ዶላር ጉቦ በሊዖም። ድሮ’ውን ምስገለ ኣውፈርቲ ተ ወዓዒሎም ትካላት ጀሚሮም” ወዘተ ብዝብል ጎስጓስ የማነ ፍሻለን መሰልቱን ተነዊሮም ከይኣክል ብሂወቶም ፈሪድካዮ ም ንስኻ ስብሓት ከም በዓል ድሓንን ተኣማንን እናቀረብካን ምስጢሮም እናሰረቕካን። ሓስየ እንተኾይነ፡ ንኣብነት እታ ምሸት ርክብካ ምስ ቢተው እንታይ ዝሓዘለቶ ምስጢርኮን ይህልዋ? ከምኡ ድማ ምስ’ዞም ጠፊኦም ዘለዉ ደለይቲ ለው ጢ ያኢ ከም ደቂ-ሕድርትና ከይተራእዩ ምስ ታንክታቶም ካብ ጾሮና ፎርቶ ዝደየቡ እኒ ወዲ ዓሊ ዝገበርካዮ እሂን-ምሂ ንከ እንታይ ዝተሸርበ ምስጢርኮን ይነብሮ? መወዳእታ ናይዚ ዝፍጸም ዘሎ ኩሉ ትራጀዲታትኸ መን ይንገር? መን ኢዩ ዘላቐሰ? መን’ዩኸ ዘቃበረ? ባዕድነትን ዕሱብነትን ልዕሊ’ቲ ዝተገብረን ዝግበር ዘሎን ካልእ መርኣያ ኣለዎ ዲዩ ጀነራል ስ ብሓት ዶስ ወዮ በሊሕ ኣእምሮኻ ንዘፈልፈሎ ሓቒቕ ሓሳባትካ ትገልጽ ምእዝቲ መልሓስካ’ውን ኣብፍትሒ ክትበጽሕ ካ ን ተቖሊፋ? ወይስ ልዕሊ ግባርካ ዝኾነ ነገር ዓዚምዋ ዓለም ዝገበረትና ክንግበር “ትም ነበል” ኮይኑ ምርጫኣ? እንተ ንሕ ና ብዛዕባ’ዚ ኣብ ክንደይ ንስና ኣብ ብዓለሙ ተላቢዑልና ዘሎ ናይ ነንሕድሕድና ለበዳ ዕንወትን ጽንተትን እናረኣናዮ ከነ ስቅጥሲ ኣይትሕሰቦ’ኳ!

ናብ 2ይ ክፋል ገጽኩም ስገሩ፦

ጎደፋ፡

 

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
2 COMMENTS
  • PH October 19, 2016

    bravo ጎደፋ፡
    ግን፡ብምኽንያት ኣገባብ ኣጸሓሕፋ ወይ ኣነባብባ ንተቅርቦ ዓንቀጻት ንምርዳእ ወይ ንምግንዛብ ዝሽገሩ ሰባት ብዘቅርብዎ ርእይቶ ጉድለት ኣፍልጦ ወይ ዕድል -ጉድለት ኣለካ ኢለ ስለ ዘይ ኣምን ኣጆኻ ቀጽል !!!ካባይ ጀሚርካ ኣገባብ ኣጸሓሕፋን ኣነባብባ ናይ ህግደፍ ስለዝኾነ ኢምበር ኢቲ ናይ ብሓቂ ኣንባቢ ፉጹም ኣይጽገምን ኢዃ ዳኣ መሳጢ ምሃሪ ኢምበር።

  • Yohannes October 20, 2016

    Wedi Efrem number one LEKBAT person in this world. He is just “a dead man walking”. As far as me is concerned he is not clever person rather he is manipulate, lair, … he is very bojebaj person. Look what kind of life is he living. Day and night he was harassed by wedi medhin and even his wife raped infront of him by Wedi medhin berad, he said nothing. Did he say enough is enough? no way MEANTA YEBELAN AMSELU EYU..

POST A COMMENT