Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ሕጂ’ውን “ሕሳብና ንግበር!”

ሕጂ’ውን “ሕሳብና ንግበር!”    2ይ ክፋል  22,10,16፡ መብርሂ፦ ከምቲ ኣቐዲመ ዝሓበርኩዎ ጽሑፋተይ ብ”ዎርድን ፒዲኤፍን (Word and PDF) ስለዝሰዶ ኣብ Assenna .   com ምንባቡ እንተጸጊምኩም ኣብ Togoruba.org ብፒዲኤፍ ምንባቡ ከምዝቐለልኩም ክሕብር እፈቱ። ንኣብነቱ ቀዳማይቲ ክፋል ናይዛ ኣርእስቲ ተመሊስኩም

ሕጂ’ውን “ሕሳብና ንግበር!”    2ይ ክፋል  22,10,16፡

መብርሂ፦ ከምቲ ኣቐዲመ ዝሓበርኩዎ ጽሑፋተይ ብ”ዎርድን ፒዲኤፍን (Word and PDF) ስለዝሰዶ ኣብ Assenna .   com ምንባቡ እንተጸጊምኩም ኣብ Togoruba.org ብፒዲኤፍ ምንባቡ ከምዝቐለልኩም ክሕብር እፈቱ። ንኣብነቱ ቀዳማይቲ ክፋል ናይዛ ኣርእስቲ ተመሊስኩም ኣንብቡዋ። ስለ’ቲ ሓበበሬታኹም ድማ ኣዝየ አመስግን። ንቐጽል በሉ።

ክቡር ጀነራል፡ መቸም ደጋጊመ ‘ሕኒን-ምኒናት’ ከምዘብዝሕ ከምቲ ኩሉ ተዓዛቢ ንስኻ’ውን ኣቕሊብካለይ እንዲኻ፡ እዚ መርኣያ ውልቃዊ ‘ፖለቲካዊ ዝንባለይ ወይ ድኽነተይ’፡ ምናልባሽ’ውን ከምቲ ዝበሃል ‘ኣነነተይ’ ይመስለካ ይኸውን። ግ ናስ ብድርኺት ገዛኢ መንፈስ እንተዘይተዋሊእካ ብእምነትካ’ሞ ድኽነት ዘይኮነ እምበሺ መሰረቱቲ ዝተሰለፍናሉ ድሙቕ ሃገራዊ ፖለቲካ ሸቶኡ ብዘይምውቅዑ ምዃኑ ስለትኣምን ኣነ’ውን ይትረፍ ከምታ ሓርማ ዝ ክትኣክል ትትኮስ እንቁርዖብ ወይከኣ ከምቶም ክንዳኻ ዘይኾኑ ብኣኻ ከምዝውዕሉ ዝ ትረኸሎምሲ ከም ውልቀ-ውላድ ህዝባዊ ግምባር ጥራይ ተደኸኹ’ውን ንሃገርና ዘዋጽእ ፖለቲካዊ ስራሓት ኣይኮንኩን ዘይኽእል። ዘይክእሎ’ሞ እቲ “ትም ንበል ለውጢ ባዕሉ’ዩ ዝመጽእ” ዝብል ከይተጋህደ ዝጸንሐ ስዑር ፖለቲካዊ ፍልስፍናኻ ኢዩ። ብወገነይ እዛ ት ም  ምምባል ክኢለያ እንተዝነብር ኣነ’ውን ከምቶም በሪሶም ወይ ተዓፊኖምን ተዘሪዖም ን ዘለዉ ብጾተይ ርእሲ ዓዲ ኮይነ “እንሆለ ሳሕል” ክብል ኣይመብሃገንን። ብተወሳኺ ክ ሳብ ሎሚውን ምሳኻትኩም ምስቶም ተሳዒርኩምን ብጣዕሳ ትልለዉ ዘለኹምን ብጾትና-ነበር ምትራኽ ኣይመድለየንን።

ናብዚ ዝብሎ ዘለኹ ክብል ዝደረኸኒ ደጋጊምካ ለውጢ ባዕሉ ከምዝመጽእ ከተስተምህር እንከለኻ “ናይ ለውጢ ናዕብታ ት ከይትገብሩ” ትብል ዘለኻ ስለዝመስለኒ ዘሎ ኢዩ። ማለተይ ሕ/ሰባዊ ለውጢ ባዕሉን ብሃንደበትን ከምዝመጽእ ክትጉ ስጉሰሉ እንከለኻ ከም ኣበሃህላኻ ኣብ ሞንጎ ሰውራውን ዘገምታውን (Revolution vs Evolution) ለውጥታት ንዘሎ ፍ ልልያት ኮነ ኢልካ ትሓናፍጾ ከምዘለኻ ኮይኑ ይስማዓኒ። እዚ ድማ ንፖለቲካዊ ህልኪ ተሓሲቡ እንተዘይኮይኑ ኣብዛ ዓለ ም ክልተ ዓይነት ለውጥታት (ባህሪያውን ሰብ-ሰርሖን) ከምዘለዉ ንኩልና ቡሩህ ኢዩ። እቲ ባህሪያዊ ለውጢ ካብ ቁጽ ጽር ወዲ-ሰብ ወጻኢ ብዝኾነን ኣብ ነዊሕ ግዜ ብ’ዘገምታ’ ዝፍጸምን ርጉእ ለውጢ ኮይኑ፡ እቲ ቀንዲ ዛዕባና ግና እቲ ወ ዲ-ሰብ ንረብሓኡ ክብል ብብልሒነቱን ኣብ ዝሓጸረን ዓወታቱ ንክሓፍስ ዘኽኣሎ ሰውራዊ ለውጢ ኢዩ። ብዙሕ ዓይነት ሰውራታት ተራእዮም እንድዮም ከም ንኣብነት፡ ኢንዱስትሪያዊ፣ ማሕበራዊ፣ ፖለቲካዊ ዝኣመሰሉ ክንጠቅስ ንኽእል።

ሰውራ መስርሕ ሰብ-ሰርሖ ለውጢ ምዃኑ ካብ ተነጸረ፡ ዓይነት ለውጥታት’ውን መሰረታውን ዘይመሰረታውን ተባሂሎ ም ኣብ ክልተ ስለዝጉጀሉ ንኣፈታትሓኦም ዝምልከት ከኣ ቅድም ባህሪያቶም ምንጻር የድሊ። ማለት ኣቐዲምካ ተጻራሪ ዲዩ ዘይተጻራሪ ክንጸር ኣለዎ። ዘይተጻራሪ እንተኾይኑ ምንዕዓብ ዘይተርፍ’ኳ እንተኾነ ብዘተ ዝፍታሕ ኢዩ። “ተጻራሪ” ዝበሃል ንተጻይ ረብሓ ዝምልከት ግና ብዝኾነ መገዲ ብጎነጽ እንተዘይኮይኑ ብሰላም ክፍታሕ ምሕሳብን ምጽባይንሲ ኪ ኖ ተንበርካኽነት ምንም ካልእ መጸውዒ የብሉ። ንሕጂ “ኣየናይ’ዩ ተጻራሪ፡ ኣየናይከ ዘይተጻራሪ?” ምግፋሕ ኣየድለየንን።

ብዕጥቂ ብረት ዘጋደላና ዓላማታት ክልተ (ናጽነትን ሓርነትን) ኢየን። ኣብትሕቲ ባዕዳዊ ገዛኢ እንከለና ናጽነትና ብፍታ ዉ ክህበና ንዘይደለየ ጸላኢ ብጎነጽ ከምተቓለስናን ተዓወትናን መጠን፡ ኣብ ትሕቲ ህግደፋዊ ባርነት ተቖሪንና ሓርነትና ኣብ ዝሰኣንናሉ እዋን ንጥቀመሉ ቃልሲ ጎነጻዊ ክኸውን ከምዘይብሉ ንዝብል ፍልስፍና ጀነራልናኸ በየናይ መጠበሪ ክን ቅበሎ ስለዝተደለየ’ዩ ዓለም ባዕላ ከምትቕየር እናተጎስጎስና ከነስቅጥ? ጎንርጽ’ኮ ግድን ጠበንጃ ምልዓል ኣይኮነን። ህዝባ ዊ ናዕቢ ንርእሱ ‘ሰላማዊ’ እናተጸውዐ ምጉናጹ ኣይተርፎን። ኣስዒቡ ኣብ ኣመሪካ ከይተረፈ ክሳብ ሎሚ ባርነት ከምዘሎ ፡ ኢቲዮጲያዊ ኣፓርታይድን ካልእን ከዕልል ዝመረጸስ ንሕናኸ ብሓርነት ከምተተርጋእና ነጊሩ ከእምነና ምዒርዎ ዲዩ ወ ይስ በታ “ደሞክራሲ ኣበይ ርኢኹም?” ትብል ብድዕቲ ጥቕሲ ኢሳይያስ ተሰኒፉ ኢዱ ስለዝሃበ? ሓቂ ደፊኑ ከምኡ ክብ ል ጸኒሑ ቀጺሉ ፕረሲደንት ቡሽ ‘ፍሉይ ቤት-ፍርዲ’ ስለዝኣወጀ ህዝብና ነቲ ዝተቓወሞ ዘይሕጋዊ ፍሉይ ቤት-ፍርዲ ከ ምተጠርቀመሉ ከምስል ደፊሩ ከጸልም ተሰሚዑ። ግናስ ህዝብና ነቲ ንዉር ህግደፋዊ ፍሉይ ቤት ፍርዲ ተቐቢልዎ ዲዩ?

እስከ ንሕተቶ ንጀነራልና። ንህዝቢ ኤርትራ ክገዝእ’ምበር ብዛዕባ ምሕደራ ከስተምህር ዝኸኣለ ገዛኢ ነይሩ ዲዩ? ንበልሲ ብዛዕባ ሕግን ሕጋውነትን ንምጥቃስ ማንም ኤርትራዊ በቢከባቢኡን ሃይማኖቱን ብነጻነት ተጠቃሚ ኣባታዊ ሕግታቱ ከ ምዝነበረን ማንም ግዛኢ’ውን ትርፎ ንሕግታትና ክሰንቆ፡ ክቕይሮ፣ ክስርዞ ወይ ክጅልሖ ዝኸኣለ ከምዘይነበረን ንፈልጥ እንዲና። ከምኡ ዝኾነሉ ምኽንያት መሰረቱ ብልጸት ሕግታትና ዓይነት ገዛእትን’ዩ። “ዝነገሰ ንጉስና ዝበረቐ ጸሓይና” ዝ ብል ምስላና ንርእሱ ዋላ’ኳ  ዛእቲ ደቂ-ሃገር ከምቶም ባዕዳውያን ህዝብና ንተገዛእነት ከምተቐበለ ከምስልዎ እንተፈተኑ ሓቁ ግን ምስ ግዜ ክምዕብል ዘለዎ’ኳ እንተሎ ማንም ካብ ግዛእትና ኢዱ ኣብ ምሕደራ ዓዲ ዘእተወን ዘእቱን ስለዘይነበ ረ ውሽጣዊ ናጽነት ባይቶና ዕቁብ ብምንባሩ ኢዩ ተመሲሉ። ባይቶና ዝተሓመሰት’ሞ ብዕሱብ ዓላማ ኣብ ግዜ ህግደፍ ጥ ራይ ኢያ። ብዛዕባ ዋንነት መሬት’ውን ኢሳይያስ ቻይና ተማሂሩ ስለዝመጸ ዘስተምሃረና ዴሳዊ ውነና ኣይነበረን። ህዝቢ ኤርትራ ከምዚ ሎሚ ወዮም ‘ብጾትና’ ን”ኮንቺስዮነ” ዝብል ባዕዳዊ ሕዛእቲ ትሕዞ መሬት ከምዘይሓጨጩሉ፡ ብግልብ ጥሽ ኩሉ መሬት ብምህጋር ህዝብና ጥርሑ ከየትረፍዎን ኣኽላባት ምስ’ተን ዝሕልዉወን ዝነበሩ ከብቲ ኣብ ዕዳጋ ከይተ

ሸጡን፡ ብንጉሁኡ’ሞ ብዘይካ’ቲ ናይ መንግስቲ፡ ዴሳን ጽልምን ዝዓይነት ውነና መሬት ከምዘለና’ሞ ኣይረሳዕናን።

እታ ሕቶ’ኮ ቀላልን ንጽርትን ኢያ። ህግደፍ ፈታዊ ኤርትራን ህዝባን ዲዩ ጸላኢ? ባቃ!! ካብዛ ሓቂ’ዚኣ ክትሃድም ከምታ   ጥበበኛ ነፋሒቶ ሕብራ ትቐያይር ወይ’ውን ከምታ ሰገን ነብሳ ብኹሙሩ ርእሳ እንተቐበረቶ ዝተሓብአት ዝመስላ፡ ጀነራ ልና ከኣ ፍረ ዓላማ ቃልስና እናተዘምተ ብዘለካ መዓርግ ከተማዕርግ ክንዲ ምንዳር፡ በቲ ሓደ ነዚ ርኡይ ልምሰትካ ከም ፖለቲካዊ ምርጫኻ ከትምስሎ፡ ብኣንጻሩ ከምገለ ሓቁ እንተስዒርካ ብዝከዓውካ ረመጽ ርእስኻ ኣብ መንኩብካ ንምሕባ እ ክትደንን፡ ኩሉ ካብ ዘይተኻእለ ነገር ክትክወለላ ከምቲ ሕሉፍ ሎሚ’ውን ብኮበርታ ኮነ ጎልፎ-ነጸላ ምሽፋን እንተተሰ ቢሉካ፡ ወያ “ናህናስ ኩሉሳዕ ናህና” ዝበልካያ፡ ንምእራም ናትካ’ሞ ናትካ’ምበር ኣይከምናህናን ከም ከኣ ናይ ህዝብናን!

ልዕሊ ኩሉ ዘስደምም ጽዋኻስ ህግደፍ ንወዮም ተቓወምታ እሱራት ዘይምርሻና ነብስኻ ከም ኣባል’ታ ‘ፍትሓዊት’ ሰልፊ ብዘምስል ክትትዕነን ክትርአስ ካብ እንታይ ዘድሓንካዮም መሲልካኮን ይኸውን? መን ካብኦም’ዩ ከምቲ ናይ ማንዴላ ድ ሕሪ ገለ ዓመታት ካብ ማእሰርቲ ህግደፍ ተፈቲሑ ናብ ስልጣን ክመጽእ ከምዝኽእል ከተተስፍወና ሓሊንካ? ብዛዕባ ኣ ብ ኣፍሪቃ ዘሎ መሸጣ ሰብ ምውራዪከ ነየናይ ንምሽፋን? “ክምካሕ-ክምካሕ ኣብ ርእሰይ ካሕ” ከምዝበሃል ከተማና ም ንጪ መሸጣ ኣካላትና ምዃና ክስማዕን፡ እቲ ኣብ ውሽጢ ቤት-ማእሰርትታት ካብ ሞት ንምድሓን ዘሎ ብልሽውናን ቅት ለትን፣ ከምኡ ድማ እቲ ካብ ቀይዲ ራሻይዳን ዳዕሽን ንምንጋፍ ናብ ማእከል ቤተ-መንግስትና ዝጉኖኽ ብላዕ መድሕን ሰ ብና ናቕፋ፣ እቲ ንገዛእ ዜጋታቱ “ኣፍሪቃውያን ዘይሕጋውያን ስደተኛታት” እናጠመቐ ዒራ ሶንኮፍ ዝልቦም ፎሩም ጣዕሳ መመሊኦም ክምለሱ ስለዝኾኑ እንተሸጦም ከምዝሕሾ ብዝወሰነት ሰልፊ ዝሃልቕ ዘሎ ሰብና ክስማዕከ ኣየዕብረካን ዲዩ?

እቲ እምባ ኣድናቖት ክዋሃቦ ዝተጸበኻሉ ምግለጺኻ ብዛዕባ መንእሰይና ሰላም ዝዓሰላ ሃገር ይወርሱ ከምዘሎን ሎሚ ጓል ሓረስታይ እንጅነር ክትከውን ከምትኽእል ዝብል መግለጺኻን’ዩ። ግርም ግናስ ሕጂ’ውን ንሕተት’ሞ፡ መንእሰያትና ካብ ሰላም ዲዮም ዝሃድሙ ዘለዉ? ማለተይ ካብ ሕጊ ዝሓንገደን ልቡ ሸይጡ ደም ክንፋሰስ ክጽሊ ዝርአን ምሕደራ ካብሃለ ወና፣ ሰብና ኣብ ውሽጥን ወጻእን ብመስርዕ ኣብዝጸንተሉ እዋን፣ ዘይተወድአ ጉዳይ ዶብ ብኾፉ፣ ህግደፍ ጥይት ከይተኾ ስት ንኢቲዮጲያ ከተዳቕቓ ኣብ ትሕንሕነሉ ግዜ፣ መንግስትና ኣብቲ ዓለማዊ ጂኦ-ፖለቲካ ተሰሊፋ እናውደኽደኸት፣ ል ዕሎን ትሕቶን መሬትና ንወጻእተኛታት ከምተመርሐን ጊላዊ ጉልበትና እናተመዝመዘንሲ እዚ ከምዘሎ ዝውረየሉ ሰላም ምስቲ ተወጢኑ ዘሎ ስዉር ዓላማ ዕንወት ሃገር ይሳነዲዩ? እስከ ካልእ ቀንዲ ምኽንያት ናይዚዘሎ ጎዳኢ ሰላም ንጥቀስ፡-

ዕላል’ዩ፡ ሓደ እዋንስ ስማ እንተዘየጋግይኒ “ምንትዋብ” ትስመ ኢቲዮጲያዊት ምዕጉርቲ ወዘሮ ክትገይሽ ነቐለት’ሞ ድሕሪ ምሕዱግ ጉዕዞ ኣብታ ደው ዝበለታ ቦታ ረሲዓታ ዝኸደት ጓል-ባልጃኣ ዘኪራ ምስተመልሰት፡ ንብረታ ማንም ከይተንከፈ ላ ምስረኸበታ ብኣድንቖት “ይገርማል፡ እንግዲህ ሽዋ ዐረፈ” በለት። ብልባ ድማ ነቲ ነቶም “ኣራዳ” (ደቂሹቕ) ዝበሃሉ  መልዓል ቅሙጥ መንእሰያት ገፊፉ ናብ ኤርትራ ብምልኣኽ ከተማን ህዝባን ዘጽረየላ በዓል-ቤታን በዓል-ቤት ደርግን-ብ ሃገራን ዝነበረ ጓድ መንግስቱ ሃይለማሪያም ክቱር ኣመስገነቶ። ‘ቶም ናብ ኤርትራ ዝተላእኩ ንኣሽቱኸ’ታይ ኣጓነፎም?

“ልቡ ሶንኮፍ ዝኾነ እንተኸደልካ ይሕሸካ” ዝበለ መራሕ መንግስትናስ ዓላማኡ ንፈልጦ። ኣንታ መንእሰይና ሰላም ዝዓሰ ላ ሃገር ይወርስ ከምዘሎ፡ ሎሚ ጓል ሓረስታይ ዶክተረ-ኢንጅነር ክትከውን ከምትኽእል ዝመደርካ ክቡር ጀነራል፡ ዕድ ል ናይዞም ዝሃልቁ ዘለዉ ዲዩ ዘይተራእየካ ወይስ ሳላ’ቲ ‘ወሓለ’ ፖሊሲኹም ወለዶና ናብ ዝጠዓሞ ይኸይድ ከምዘሎ ኣ ሐቢንካ’ዩ ትንየተሉ ዘለኻ? ኣዒንትናስ ካን ነዞም ትሽጥዎምን ኣብ ባሕሪ ዝሰጥሙን ዘለዉ ትወናትና ከምዘይረኣያ ክትደ ፍነን? ንነገሩ ንምንታይ ኢዩግዲ መዓስከር ሳዋ ክትሰርሑ ዝተመወልኩምን ዞባ ጊላነት ዝሃነጽኩምን? ንግዚኡ ሰላም እን ተሊኻ እቲ መንእሰይ ኤርትራ ብሰላሙ መሬቱ ኣረኪቡ ይኸይድ ስለዘሎ’ምበር መዓስ ብዜጋነትኩም ከምተውርስዎ ት ምነየሉ ሰላም ዝዓሰላ ሃገር? በጅኦምቶም ብስም “ኣዕነውቲ” ዝተጸውዑ ‘ምንቅስቓሳትን “ዝንቡላት” ዝተጠመቑ ሰብናን!

ኣብ ሰውራ እንከለና ዓወት ባዕላ ክትመጸሉ ንቃልሲ ኢዱ ከየንበረላ ኣዒንቱ ንጎቦ ኣሰይፉ ንዝጥምት “ሊበራል” ዝብል ፖለቲካዊ ስም ንጥምቖ ነበርና። ሊበራልነት እቲ ዝኸፍአ ዓይነት ተብላጽን ልምሰትን ከምዝነበረ ናይ ትማሊ ዝኽርና ኢ ዩ። ሎሚ ጀነራልና ካብ ጎነጽ ዘድሕን ፍቱን ሰላማዊ ኣገባብ ቃልሲ ከስተምህር እንከሎ፡ “ትም ጥራይ በሉ” ክብል ምስ ሰምዕዎ ንሳቶም ድማ “ምስቲ የለኹ ምስቲ” ኢሎም ከስቅጡ ዝተራእዩ ሓዲግ-መዲግ “ሊበራል” በዝሑልና። ሽዑስ ዓለ ም ብረስኒ ሰውራታት ኣቑለልያ ስለዝነበረት ምቅላስ ሂወት ነበረ። ሎሚ ግና ወያ ሽዑ መምህር ሰላማዊ ለውጢ ዝነበረ ት ኣመሪካ ናይ ለውጢ ሰውራታት ደሪቖማ ኣሕለምሊማ ባዕላ ብዘዳለወቶም ዘመናውያን ሰውራታት ዓልም ከተጨንቕ እናተራእየት ማዕዳ ጀነራልና ከድኣ ብሓቂ ንድሕነትናን ነብስና ከምንከላኸል ዝዓለመን ዲዩ ወይስ ካልእ ሕቡእ ኣጀንዳ ኣልይዎ? ኣካ’ዛረቦ ሕዩር ጀነራል ቢተው ጉዕዞ ሓርነት ሓምሳ ዓመታት ከምዘድልዮ ዝደርጉሖ! ሽዕኳ እንተሰሊጡ!

መንደቕ በርሊን ማንም ከይሓሰበሉ ብሃንደበት ከምዝዓነወ ኣብነት ጀነራልና ኢዩ። ዓላማኡ ብከምቲ ህግደፍ ኣብ ህዝብ ና ፈንያቶ ዘላ ሊበራልነት ማንም ዕኑድ ተበላጺ ብድቁሱን ከይሓሰበሉን ዝመጽእ “ሃንደበታዊ ለውጢ ከምስሎ ምፍታኑ እንተኾይኑ ነቶም መንእሰያት ደቂ-ሃገርና ንምልማስ ዝዓለመ’ምበር ሓቁ ግና ህዝቢ ጀርመን’ኮ ካብ ምዝዛም ካልኣይ ኲ ናት ዓለም ኣትሒዙ ንምንታይ ሃገሩ ኣብ ክልተ ከምተኸፍለት ደቂስሉ ኣይፈልጥን። እቲ በቢግዚኡ ዝተኣከበ ስዉርን ግ ሁድን ዝመልክዑ ዓቐናዊ መስርሕ ቃልሲ’ዩ ድማ ናብ ሓደ ዓይነታዊ (ማዕበላዊ) ናዕቢ ተቐይሩ ናብ ውሳነ ምፍራስ መ ንደቕ በርሊን ከምዝበጽሐ ባዕሎም ዝብልዎ ታሪኾም ኮይኑ፡ ንሕና’ቶም ብሰውራ ዝተዓወትና ድማ መስርሕ ለውጢ ስ ለ ንርድኦ ንኣምን። ስብሓትከድኣ ኣበይ ኣበለ’ቲ ትማሊ ህዝቢ ዘዕሰልካሉ መላጸ ናይ ለውጢ ፍልጠትካን መልሓስካን?

“እንተድኣ ሓቦ ጌርና እቲ ካልእ ምዕባለ ባዕሉ ክመጽእ ኢዩ” ኢዩ ዝብል ንሱ። “ሓቦ እንታይ ማለት ኢዩ?” ዶ እልኩም? ሓቦድኣ፡ ኣብ ሳዋ ንመዋእል ምስ በቆጹኻ ብሓቦ ትም፣ ደመኛኻ ብኣዒንትኻ እናረኣኻዮም ብሓቦ ትም፣ ብዝጠዓሞም ብዶላር እናሓረጁኻ ብሓቦ ትም፣ ገዛኻ ብቡልዶዞር እናዕነዉዎ ብሓቦ ትም፣ ዝባን ሰበይትኻ እናሸሓሓሩ ክዋዘዩኻ ብሓ ቦ ትም፣  . . . . ሓቦ ብሓቦ! “እንተድኣ ሓቦ-ብሓቦ ተጎቢእና ጸጋ-ብጸጋን ከምኡድማ ሓርነተ-ዴስነት ክንጭብጣ ኢና” ይብል ኣሎ ወዮ ብከዋኽብቲ ዝማዕረገ ጀነራል። “እንተ ዘይሜትክን ጥዕና በሽ-በሽ”ዶ ኮይኑ ሓቀይ!

ቀሺ ማልቱስ ዝተባህለ ምሁር ፖለቲካዊ ቁጠባ ድማ ከምዚ ናትካ ከይሓሰበላ’ዩ ናብ ፍልስፍና ብርሰት ዝኣተወ። ንሱ ወዲ-ሰብ ንመጠን ወሊድ ክቆጻጸር ስለዘይከኣለ ጠለቡ ካብ ቀረቡ ኣዝዩ ብምዕባዩ ብቅልውላው ምስተሸልበበ፡ ከም ጥ ምየት፣ ሕማም፣ ድርቂ፣ ስደት ዝኣመሰሉ ባህሪያውያንን፡ ከምኡ ድማ ብሰብ ሰርሖ ኲናትን ካልእ ሓደጋታትን ንዝስዕብ ብርሰት ከም ዓለማዊ መመዛዘኒ ጠለብን ቀረብን’ዩ ዝቖጽሮ። ከም ፍልስፍናኡ ኣብዛ ኣብ ዓመት ሰለስተ ሚሊዮን ቆልዑ ትጫጭሕ ግና ብዓለማዊ ድጎማ ትነብር ኢቲዮጲያ ኩሉ ዓይነት ብርሰት ክኣትዋ ቅቡል ምኾነ። ኣብዛ በቶም ኣሻብኩም መሬታ’ምበር ህዝባ ከምዘየድልየኩም ዝኣወጅኩም ውሽጣውያን ነቐዝ ቆፎና ዘለኹም ሰበ-ስልጣናት ሃገርና’ሞ ኣብ ክን ደይ ብዝሕና ብትም ኣይተናገፍና ብህድማ! ከም ሕልምኹም ከኣ ናይ ጽንተት ፖሊሲኹም ድሮ ተዓዊትልኩም እነኹም ። ገደደ እግረ-እግሪ ዝሃደመ ህዝብና ኬድካ “ትም በሉ ዒራ ጥዒምኩምን ጥዒምናን ኣሎ” ኢልካ ጎስጓስከ ታይዝበለ ጽ ልእን ቅርሕንትን’ዩ? እምበርከ ከምቲ ድሩዕ ዝበሎ ኣብዛ ዓለም ግደፍዶ ብኣካይዳ ጎብየ ከነራጥጥሲ ከም ማንቲለ እናነ ጠርና’ኳ ሽግራትና ክንሽፍን ዘይከኣልናስ ጀነራል ትኣክል እንተድኣ ንኩሉ ፈተነ ኢድና ኣጣሚርና ብሓቦ ተጸቢናዮ ኩሉ ዘድልየና ዓይነት ለውጢ ባዕሉ ክመጽእ ኢዩ ኢልካ ማዕዳኸ ከመይ ዝኣመሰሉዎ ሃይማኖት’ዩ? ተዓዘብቲኸ ሓቁዶ ትብ ሉዎ? ሓቁ እንተኾይኑ ኣነ ነገር ከንሳሕበላ።

ክቡር ጀነራል፡ መቸም ተቓውሞ ምልክት ወጽዓ እንድዩ፡ ንዓይነቱን ጠላማት ፈጸምቱ መራሕትናን ልዕለይ ዘስተማቐረ ኩም ከምዘየለ’ኳ እንተመሰለኒ፡ ልክዕ ከምሰበይ “ረብሓናስ ኣብቲ ንጸልኦ ዘለና ስርዓትን መራሕን ከይህሉ” ብዝብል ዕጉ ስ ባህሪ ቃልሲ ደጋጊመ ሓሲበሉ ኢየ። ምኽንያቱ በቲ ሓደ መልክዕን ትሕዝቶን ተቓውሞ ትሕቲ ሃገራውነት ከይወርድ ምእንቲ፡ በቲ ካልእ ንጸላኢ ከይንጋለጽን ሽንግላጥና ከይንወጻጻእን ብምባል ምስርሕ ምስግጋር ከምቲ ክኾኖ ዝነበሮ ምስ ክብረቱን ብኣዝዩ ሓድሽን ወሓለ ጥበብን ክኸውን ነበረ’ቲ ምርጫና። እንተኾነስ ፕረሲደንትና ኣይዓቀቦን ነቲ ባሕሪ ዝጥ ልቀቱ ተጻዋርነትን ዓቕልን ህዝብን ተጋዳላይን። ንስኻ’ውን ተቓወምትኹም ዝሓዙ ሒዞም “ኢሳይያስ፡ ኢሳይያስ” ይብሉ ምንባሮም ከምጌጋ ጠቒስካዮ። በል‘ስኪ፡ ዝለዓለ ተሓታቲ ንሱ ብምዃኑ ከምኡ እንተበሉስ ተጋግዮም ዲዮም? “ስብሓት ፡ ስብሓት” እንተዝብሉኸ ትርፎ ክትከድዖም እንታይ ምባቖጥካሎም? ግደፍ ንሳቶምሲ ኣነ’ኳ ብድኹመይ ንሱ ኣብ ዘቐ መጠኩም ትኹደጩን፡ ተኸምበለኩም ትኽምበሉን ኣባጊዕ ምዃንኩም ፈሊጠኩም። እንተ ጎብየ ብፍላይ ምስ ሓለፈ ዝጎ ልሕ ብዙሕ እወታ ከምዘለዎ ርዱእ’ዩ። እንተኾነ ልዕሊ ኩሉ ቁምነገር ንሰላማዊ ምምሕልላፍ ስልጣን ዝዳረግ’ኳ እንተዘ ይሃለወ፡ ንሃገራዊ ረብሓ እንተዝሰርሕ ግድን ስልጣን ክምንዝዖ ዝሓሰበስ መዓስ ነይርና። “ማዕሰብቲ” ዝብሉናስ ለካ ከ ምዚ’ዩ! ዝኾነ ኮይኑ ህግደፍ ብዙሕ ከምትገብር እናጨርሐት ቅንጣብ ምግባር ስኢና እንሀት ነቲ ኣብ ኢቲዮጲያ ዘሎ ናዕ ቢ ዋናኡ ምዃናስ ንስኻ’ኳ ትብል ኣለኻ። እዚ ብቋንቋ ስብሓት ንምዝራብ ገስረጥ ምድሪ-ቤትና ክንዲ ብኣፍደገኡ፡ ብመ ስኮት ተመጣጢርና ከም ምኹስታር የስምዕ። ከም ሓድሽ ናይ ዕንወት ፖሊሲ መጠን ከኣ ትርፎ ካልእ ዘይተራእየ ወጥሪ ምዕዳም ዝድብሶ ሕዱር ገበን የብሉን።

ክቡራት ተዓዘብቲ፡ ኣብዚ ሎሚ እዋን ጀነራል ስብሓት ከም ሓደ ኣዝዩ ሰላማውን ሃይማኖታውን ኢዩ ዝግለጽ ዘሎ። ሓ ቂ እንተኾይኑ ምናልባሽ ኣብ ጀርዲን እንዳ ኣርቶላ ቴንዳኡ ገቲሩ ክገናጽላ ዝቐነየ ቅዱስቲ መጽሓፉ፡ ፍልፍለ-ሰለሙና ወሪዱ ኣብ ውሽጢ ተመሳሳሊት ቤቱ ኮይኑ ዳግማይ መጽሓፉ ክገናጽላ ትህቦ ትርጉም ከምቲ ወዲሻውል ዝበሎ እንተዘ ይ ‘ተዘባሪቃቶ’ ብቋንቋ ወደ-ባቴ ዓርክና’ሞ ሓዳስ ሕታም ቅድስቲ መጽሓፍ ከምዘዳልወልና ትስፉዋት ኢና። እንተኾነስ መልእኽቲ ቅድስቲ-መጽሓፉ ክንዲ “ኳሕኩሑኒ’ሞ ክሰምዓኩም” ክትብል ተስተምህረና፡ “ዝኾነ ህውከት ይምጻእ ጥራይ እንተተጸሚምኩምን እንተዘይድማ ሜትኩምን ዳግማይ ሓዳስ ኤርትራን ሓርነትን ክትሪኡ ኢኹም፡ ብዘይምጽማምኩም እንተሜትኩም’ውን ዝበለጸት መንግስተ-ሰማይ ክትወርሱዋ ኢኹም” ክትብለና ኮይና ግና ንሕናድማ ምርጫን እምነት-ፈ ጣርን ስለዘለና፡ ከምቲ ሕሉፍ ተመኩሮና ብመገድናን እምነትናን እንኣትዎ ኣፍደገ ሓርነት ክንመርጽ ኣልና። ምኽንያቱ  ኢድካ ኣጣሚርካ ፈጣሪ ምሕረቱ ከውርደልካ ይጽለ’ምበር ለውጢ ባዕሉ ክመጸልካ ምጽባይሲ ስለዘይሰልጠካ ተገምጢ ልካ ምስ ሰይጣነ-ፈጣሪ ካብ ምንቛት ኣየናግፍንዩ ማዕዳ ሲቢለ-ጳጳስ ጀነራልና።

ቃለመጠይቕ ጀነራልና ብዙሕ ሓሳባት’ኳ እንተዓደመለይ ክንዲ ዝመስለኒ ክብል ስለዘይግባእ ምሕጻሩ ይሕሸኒ። መቸም ዓለም 3ይ ዙርያ ኲናት ጸሚዳትሉ ኣብዘላ እዋን ምህላውና ርዱእ ኢዩ። ኣብ ድኽምትን ዝዓረቐትን ሃገር ዝብሓትካ ጀ ነራል ከም ሓሰኻ ደምበ ጽባሕ ስልጣን ክትሕዝ ዘይተርፈካ እንተኮይኑ ካብሕጁ ነዛ ሃገር ኣበየናይ ጂኦ-ፖለቲካ ከምትድ ርግማ የሰክፈና ከምዘሎስ ንዛረበሉ እንነና። ምዃን’ኳ ንምናልባሽ ኢየምበር ድሕሪ ሂትለር ዝተረፈት ናዚ፡ ድሕሪ መንግ

ስቱ ዝተረፈ ኢሰፓ ስለዘይተራእየት ድሕሪ ግዜያዊ መንግስትና ትተርፍ ህግደፍ ድማ ኣይክትህሉን ኢያ። ባውሬቶ ጀነ ራል ስብሓት! “ዓባይ በጊዕሲ ምስ ዒያውታ ትጠፍእ” ከይምሰለልካ!

እንተ ህዝቢ ኤርትራ ነታ እቲ ዝሓተተካ ጋዜጠኛ ኣብ ቤት-ጽሕፈትካ ኮይኑ ሓሳባቱ እናዛዘመ ዝዓረበት ጸሓይ ዳግማይ ሓርነት ሒዛ ክትበርቕ ምእንቲ ንነብስና መንነት ሂብና ቃልስና ከነዐውትሲ ሃየ ኣይንተሓለል ደቂ ኤረይ!

ዓወት ንውጹዕ ህዝብና!

ጎደፋ፡

 

 

 

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
2 COMMENTS
  • Habte October 25, 2016

    ክቡር ሐው ዝሰደድካለይ መልእክቲ ተቀቢለያ የመስግነካ። ከምቲ ዝበልካዮ ኩነታትና ብርግጽ ዝተሐላለከ’ዩ ምክንያቱ፦
    ኤርትራዊ ብሐፈሻ ብፍላይ ድማ ደለይቲ ፍትሒ እዚ ቃልሲ ናይ ሰብ ሕልና አብ ብድሌት ዝተሞርኾሰ’ዩ። እንተኾነ ጃህራን ሐሶትን ከም ዝቀትል ዘይፈልጡ ብርግጽ አተዓባብያ ዝበደሎም ከም ሃመማ አብ ዝጨኑ ቀልቀል ዝዓይነቱ ጥራሕ ዝዓስሉ ተንኾለኛታት ሕጂ ተጸምቢሮሙና አለዉ። ሎሚ ንኩሉና አብ ቃልሲ ዘለና ከመይ ናበይ ዓቢ ሕቶ’ዩ። አይንገረም ተቃላሳይ ህዝብና ሞራሉ እንተወደቀ መሬት’ውን ከምዓይኒ መርፍእ እንተጸበበ ክስገር ከቢድ ዋጋ ምክፋል’ዩ። እዋኑ እዋን ዝተሐብኡ ጸየቅቲ ዝወጽሉ፤ ዝተበደሉ ብጠቅላላ ዝከሐስሉ፤ ገበን ዝፈጸሙ ዝፍረድሉ ጊዜ ብቃልስና ብቃልሲ ውጹዓት ክመጽእ ብጽንዓት ምቅላስ እዩ። ብዓል ፓይሎት ይኩኑ ብዓል ፎሮ12 ካብ ተቃለስቲ እናተከወሉ አብ ድሕሪ ኾምፒተር ተሐቢኦም ክፍክሩ ዓበይቲ ጉዳያት እናልዓሉ ክምህሩና ወይ ክመርሑና ብድፍረት ዓገብ ሃየንታ’ዩ ክንብል አለና። ፈራሕ ሰብ ንርእሱ ዘይደፈረ ንካልኦት ንክቃለሱ ከድፍር አይክአልን። አብ ዓዲ ዲሞክራሲ እናተቀመጡ ሎሚ ዝሕብኡ ወይ ዝፈርሁ ናይቲ ስርዓት ህግደፍ ልኡኻት ወይ አገልገልቲ ጥራሕ እዮም ክንብል ብዓውታ እዋኑ’ዩ። አብ ሐቅን ቃልስን ተመርኹሽና ካብ ፍርሒ ንውጻእ። ብአካል ንትፈልጦ ሰብ ዘየእመንካ ወይ ዘይአመንካ ንዘይትፈልጦ ሰብ ክትአምን ወይ ከተእምን ዝክአል አይኾነን። ብተስፋ ዝቆረጹ ሕቡአት ምስ ገለ ገበነኛታት ተአካኪቦም ንህላውነትና ከም ህዝብን ሃገርን ዝፈታተኑ ተርእዮታት ይቀላቀሉ አለዉ። አጆኩም አጆና እጃምና ጥራሕ ንግበር ዘይወግሕ ለይቲ የልቦን። ክንዲ ዝወሰደ’ውን ይውሰድ ጸገማትና ክፍታሕ መሬት ክወግሕ ናይ ግድን’ዩ።

    እዛ ጽሕፍቲ ሚዛንካ ሃበላ፤ መበገሲት ንክትዕ ክትከውን ንጀማዓት ሸር… እንተበልካያ’ውን ጽቡቅ እመስለኒ!!

  • ጎደፋ October 26, 2016

    ኣቶ ሃብቶም፡
    “ዝሰደድካለይ መልእክቲ ተቀቢለያ የመስግነካ” ኢልካ ጽሒፍካዮ ዘለኻ ሓበሬታ እንታይ ማለት ምዃኑ ኣይተረደኣን። ብውልቀይ ንብሕትኻ ዝጸሓፍኩዎ መልእ ኽቲ ስለዘየለ። ኣቕሪበዮ ዘለኹ ትሕዝቶ መልእኽተይ ድማ ምስቲ ዘሕምመካ ጉዳይ ፓይሎትን ፎሮን ዘራኽብ የብሉን። ድሓር ሕቡኣን ከተውጽእ ንርእስኻ ከይትቕላዕ ክትስወር ይሕሸካ። ብተወሳኺ ንጽሕፍትኻ ዝግባእ ሚዛን እንተደሊኻ፡ ናብ ካልእ ዝሓሰብካዮ ሓበሬታ ኣብ ናተይ ለጢፍካለይ ከምዘለኻ ርግጸኛ’የ። እቲ ሸር . . . ዝበልካዮ’ውን እቲ ጽሑፍ ንኩሉ ተባጺሑ ስለዘሎ ካልእ ሕልፊ ምብጻሕ ኣየድልዮን።

    ደራሲ፡

POST A COMMENT