Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ሕጂ’ውን መንእሰይ – ረድኢ ክፍለ (ባሻይ)

ነሓሰ 12-2016 ረድኢ ክፍለ (ባሻይ)   ወዮም መሳቱኻ ድሓን ውዓል ኢሎም ወዮም መንእሰያት ቅልጽሞም ኣልዒሎም ቀምሲላ ትመውት ዘይትዓቢ ኪታ ብየማነ-ጸጋም ከውሒ ጎረቤታ   ተረፍ ተሳኢኑ ዝድርበ ካብ መግቢ ናይ ሰብሲ ግደፎ ፈንፊኑካ ከልቢ ህግደፍ ዓመጸኛ ወጺኡ ዕርቃኑ ኣበይከዩ ከብል መጺኦም ጀጋኑ   ሃልሃልታ መንእሰይ ደጊም ኣርከበካ ዝርዝር ከተቕርብ ክንበብ

ነሓሰ 12-2016

ረድኢ ክፍለ (ባሻይ)

 

ወዮም መሳቱኻ ድሓን ውዓል ኢሎም

ወዮም መንእሰያት ቅልጽሞም ኣልዒሎም

ቀምሲላ ትመውት ዘይትዓቢ ኪታ

ብየማነ-ጸጋም ከውሒ ጎረቤታ

 

ተረፍ ተሳኢኑ ዝድርበ ካብ መግቢ

ናይ ሰብሲ ግደፎ ፈንፊኑካ ከልቢ

ህግደፍ ዓመጸኛ ወጺኡ ዕርቃኑ

ኣበይከዩ ከብል መጺኦም ጀጋኑ

 

ሃልሃልታ መንእሰይ ደጊም ኣርከበካ

ዝርዝር ከተቕርብ ክንበብ ደብተርካ

ጋንታ ነይ ጠለምቲ ህዝቢ ዝሰረቐ

ጸባሕ ክፍለጥ’ዩ መን ከም ዝሓንቀቐ

 

ባንዴራ መንእሰይ በል-በል ትብል ኣላ

ብጠላዕ ዝነብር ሰምቢዱ ዕዋላ

ወይልኻ መጻይ ደም ቍርዲደ ቍማጠ

መዀስ ጠበንጅኡ ዋርድያ ውሻጠ

 

ጒድጓድ ፍሒርካያ ትኣትዋ ባዕልኻ

ባዴላ መንእሰይ ሓመድ ኣብ ልዕሌኻ

ተቐርቂርካ’ለኻ ዘይትቕበል ማዕዳ

ደጊም ምንባር የለን ከይከፈልካ ዕዳ

 

ምዓልቲ’ኮ ‘ለዋ ናይ ውጹዕ ጭማራ

ፈራይት ጸጋይት ሃገርና ኤርትራ

መጒዓዝያ ጅግና ደጊም ተበጊሻ

ኣውቲስታ መንእሰይ ዝቐያይር ማርሻ

 

2

ይትረፈና ማሕረስ ይትረፈና ወፍሪ

ሰረቕቲ ከለዉ እንታይ ከይነፍሪ

ይትረፈና ዓውዲ ዳሕራይ ንምለሶ

እንታይ ክዓብሰልና ህግደፍ ንዝሓፍሶ

 

ጎላጒል ገደና ዝዕንድራሉ ’ብታይ

ዕፉን ተሰሊቡስ ቃንጫ ንሓረስታይ

ኣንጸርጺሩ’ኮዩ መንእሰይ ነዲሩ

ጭሕሚ ዝውጥጣ ነጊሰን ወኻሩ

 

ወዲ ሰራሕ ታሪኽ ኣታ ወዲ ጅግና

ጥዑም ጭርሕኡ ንመጽእ ኣለና

ቅልቅል እሞ በሎ ኣጓዱ ሃዳሙ

ባዕለይ ኣለኹኻ ክብል ከም ቀደሙ

 

ተበጊሰ በሎም ውረድ ንሃዘሞ

ብተኮ ንመረብ ዝገረመ ’ግረሞ

መጻእኩኹም በሎም’ቶም ዝገደፍካዮም

ሰራዊት ኤሪትራ ክቕበሉኻ ’ዮም

 

ዓዊሩ’ዩ ህግደፍ ብሱሩ ፈዚዙ

ባኒ ዘይተረኽበስ ብረት እንኩም ሓዙ

ክትኲሱ ያኢ ነሕዋቶም ክቐትሉ

ወያኔ መጺኦም ክብሎም ኣታሊሉ

 

ኣጻብዕ መንእሰይ ተዓሚኹ ሓደ

ታሪኹ ነይድምሰስ ጅግና ዝወለደ

መንእሰይ ኤርትራ ሰራሕ ትኣምራት

ብዘይካኻ የለን ደጊም ወራስ ዓራት

 

ሕጅስ ግዲኡ’ዩ ህገደፍ’ዩ ዝጠሚ

ጸባ ዘይብልካዶ ተረኺቡ ጠስሚ

ማእሰርቱ ኣኺሉ ህግደፍ ተፈዲሑ

ገመድ ክኣ’ለና ናይቶም ዝፍትሑ

3
መለኸት መንእሰይ ውጹዓት ስምዕዋ

ክቕየር ቀሪቡ ወዮ ንግደት ሳዋ

ተቐርቂሮም’ምበር ብዓል ተረፍ መረፍ

ቀልባዕ-ባዕ ጀሚሮም ኳደረ ናይ ህግደፍ

 

ቀይድካ ሒዝካዮም ጀሚሮም ዓበድበድ

ኣብዚ ’ኔኻ መቝሕ ኣብዚ ’ኔኻ ሸደድ

እግሪ ጠሊሙዎም ጒድ’ዩ ተረኺቡ

ኮፈኾፍ ጀሚሮም ሓሶት ዘምበድብዱ

 

ኣበይ’ዮም ክኸዱ ዳኛ’ኳ ዘይፈልጡ

መንሲ ክቕበሎም ታሪኽና ዝዓብጡ

ሓንቲ’ያ ነይራቶም ደርፊ ናይ መለኽቲ

ተበቲኻ ክራር መሳርያ ሓሰውቲ

 

ተበራበር ጎበዝ ፍለጥ መኣዝንካ

ወዲ ትም ኣመሉ ድቁስ መዓስ ኰንካ

ብመሶብ ውጽዓት ዝሰወደ ስርዓት

መንኰቡ ይስበር ብቕልጽም ተብዓት

 

ከምኡ ኢና ጌርና ኣብ ጎቦ ኣብ ሜዳ

ወራር ብነፍርቲ ሰውራና ብሽዳ

ጎበዝ ናይ ትማሊ ሕጂ እንተኣረገ

መተካእታ ’ኮ ’ሎ ብውሽጢ ብደገ

 

መዓጹ ዝኸፍት ንፍትሒ ንሰላም

መንእሰይ ኤርትራ ወድ-ፈራይት ላም

ኣሰር ናይ ጀጋኑ ዘይነቐጸ ደሙ

ደብተር ናይ ውጹዓት ዘይብለል ቀለሙ

 

ህግደፍ ረሲዑዎ ዝተሰግረ ረጋሕ

ብርኪ ናይ ጀጋኑ ክዕጸፍ ክዝርጋሕ

ኣጣብቕ-ኣጣብቕ ታሪኽና ክቐብር

ናይ መለኽቲ ብዕሪር ከምኡ’ያ ትገብር

 

4
ተራእዩ ዘይፈልጥ ዘይነበረ ቀደም

መንእሰይ ይስደድ ኣረጊት ይዕለም

ህግደፋዊ ዘበን ንበይኑ ዓይነቱ

ጥዑያት ህደሙ ሕሙማት ክተቱ

 

ደጊም መጸትካ ገመድ መቐየዲ

ፍሕሶ መንእሰያት ስሒባ ናብ ፍረዲ

ኛው-ኛው ተጀሚሩ ከም ጥምይቲ ድሙ

ታሪኽ ህገደፋውያን ሰላም ዝሕሰሙ

 

ዘዝለኣኽካዮም ኣርሒቖም ምገሻ

በይንኻ ተሪፈካ ኣረጊት ምልሻ

መቝጸሪ ስኢንካ ተሸሽ-ተሸሽ ኰይኑ

ክሻ ህግደፋውያን ፍሕስኡ ማህሚኑ

 

ክምርሽ ጀሚሩ መንእሰይ ወራሲ

ኤርትራ ወሊዳ ነበሰ-ጾር ናይ ቃልሲ

ኣበካቶ ሰይጣን ታሪኽ ዘይምህሮ

ቍልቍል ኣፉ ኰይኑ ህግደፋዊ ኲሮ።

 

ሃገር ዝጠለሙ ኣቢልካዮም ራዕ-ራዕ

ኣጻብዕ ከድዓት ጀሚሩ ቆራዕ-ራዕ

ፋሕ ብትን ክብል ’ዩ ህግደፋዊ ትልሚ

ስፈ ናይ ሃላያት ኣልቦ መዛዘሚ

 

እንድሕሪ ደበና ንበረቂ ወሊዱ

ደድሕሪኡ ሰርቢ ነይተርፍ ምውራዱ

እንድሕሪ መንእሰይ ታሪኹ ኣንቢቡ

ዝኽልክሎ የለን ሃገር ምርካቡ።

 

ረድኢ ክፍለ (ባሻይ)

 

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
2 COMMENTS
  • Ogbai Ghebre-Medhin August 15, 2016

    ኣገናዕ ሓው ረድኢ፣ ነቢብካ ዘይምኖ ታሪኽዊ ግጥሚ። ኣየ ቁጠባ ቃላት፡ ኣየ ውህደት ሓሳባት፤ እዚ መምሃሪ ኣጸሓሕፋ ግጥሚ እየ ክብሎ ዝኽእል። ከም ስዋ ጽራይ ጊዜ ወሲዱ ዝተረረ፡ ብጸቢብ መዅባዕቲ ሓሊፉ ገፈል ዘይርከቦ። ቀጽሎ፡ ኣይትሰልኪ፣ እዚ መጻኢ ወለዶ ዝመሃረሉ፡ ትንፋስ ስነ-ጽሑፍ ትግርኛ ምዃኑ ኣይትዘንግዕ። ወትሩ ጽሑፍካ ዝከታተል ሓውኻ ዑቕባይ።

  • Berhe Tensea August 16, 2016

    I hope the youth now were comparable to those of the past mainly the sixties and seventies.
    Most of the youth now, are a little bit cowards, and with a deep dream to flee from the main problem that the country faces.
    The youth of the 2000 + are order takers and very bold whe it comes to braving the deserts, the unforgiving seas and the dangerous border crossings.
    How can one exp0lain the youth of today who can’t een defend themselves from the cruel generals and Rashaidas?
    The youth of today are just a disgrace and hopeless.

POST A COMMENT