Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

“ሕጂውን ትጋገዩ ኣሎኹም፥ ምስ ኣቦኹም ተዓረቑ!”

ብዮፍታሄ ዝተመርሐ ጉጅለ ጳጳሳት ኤርትራ ማለት ኣባ ዲዮስቆሮስ፥ ኣባ ማርቆስ፥ ኣባ ሰላማ፥ ኣባ ጴጥሮስን ኣኸቲሉ ኣብ ስነ ስርዓት ቀብሪ ፓትርያርክ እስክንድርያ ቅዱስ ፖፕ ሺኖዳ ንምስታፍ ናብ ግብጺ ከም ዝኸደ ተፈሊጡ ኣሎ። ቅድሚ ሕጂውን ዮፍታሄ ንኣባ ዲዮስቆሮስን

ብዮፍታሄ ዝተመርሐ ጉጅለ ጳጳሳት ኤርትራ ማለት ኣባ ዲዮስቆሮስ፥ ኣባ ማርቆስ፥ ኣባ ሰላማ፥ ኣባ ጴጥሮስን ኣኸቲሉ ኣብ ስነ ስርዓት ቀብሪ ፓትርያርክ እስክንድርያ ቅዱስ ፖፕ ሺኖዳ ንምስታፍ ናብ ግብጺ ከም ዝኸደ ተፈሊጡ ኣሎ። ቅድሚ ሕጂውን ዮፍታሄ ንኣባ ዲዮስቆሮስን ኣባ ማርቆስን ሒዙ ብ2005 ዓ.ም ናብ መንበረ ማርቆስ ግብጺ ከይዱ፡ ን3ይ ፓትርያርክ ሃገረ ኤርትራ ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ “ምስራሕ ስለ ዝኸልኡና ብ6ተ ነጥብታት ከሲስና ኣውሪድናዮም ኢና” እሞ ተቐበሉና ክብል እግዚኣብሔር ዘይሰመሮ መገሻ ጌሩ ምንባሩ ዝዝከር እዩ።

ይኹን እምበር ኣብቲ ጊዜ እቲ “ዘለዓለማዊ ሕይወት ይሃቦም” ቅዱስ ፖፕ ሺኖዳ በዚ ዘስደምም ጉዳይ ተዋሕዶ ብሓቂ ሓዚኖም ንጉጅለ ጳጳሳት ኤርትራ “በዚ ንቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ ከሲስኩሞም ዘሎኹም 6ተ ነጥብታት ዘንእዶም ደኣ እምበር ፈጺሙ ዘኽስሶም ኣይኮነን” ስለዚ ብሓቂ “ትጋገዩ ኣሎኹም፥ ምስ ኣቦኹም [ፓትርያርክ እንጦንዮስ] ተዓረቑ” ኢሎም መንፈሳዊ ምኽሮምን ሓዋርያዊ መርገጺኦምን ብምልጋስ፡ ንሶም ግና ምእንቲ ሓቅን ጥንታዊ ሕጊ ቤተ ክርስቲያንን ክብሉ ኣብ ጎድኒ ፓትርያርክ ኤርትራ ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ ደው ከም ዝብሉ ብጋህዲ ሓቢሮሞም ኢዮም። እንተኾነ ግና “ኣርሆ ዝበለስ፡ ኣርሆ ከይበጽሐ ኣይዓርፍን ኢዩ” ከም ዝበሃል፡ እዞም ዮፍታሄ ዝመራሒኦም ክልተ ጳጳሳት “ዝደለይዎ ከይገበሩን፡ ዝሓለምዎ ከይፈጸሙን” ክድቅሱ ስለ ዘይከኣሉ፡ ነቲ ዝተዋህቦም መንፈሳዊ ምኽርን ሓዋርያዊ መምርሕን ናይ ቅዱስ ፖፕ ሺኖዳ ተሓሲሞም፡ ንሓቂ ረጊጾም፡ ንሕጊ ጥሒሶም “ንኣቡነ እንጦንዮስ ኣውሪድናዮም ኣሎና” ክብሉ ከይሓፈሩ ንዓለም ምሉእ ነጊሮም ኢዮም።

ብድሕሪ እዚ ቅዱስ ፖፕ ሺኖዳ በቲ ኣብ ልዕሊ 3ይ ፓትርያርክ ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስን ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራን ዝተፈጸመ ጥልመትን ግህሰትን ተረዲኦም ርክቦም ብምቁራጽ፥ ናብ ኩለን ሃገረ ስብከታቶምን ናብ ጉባኤ ኦሬንታልን “ምእንቲ ኣቡነ እንጦንዮስ ፍሉይ ጸሎት ይገበር” ዝብል ዘዋሪ መልእኽቲ ኣመሓላለፉ። በዚ ምኽንያት ዮፍታሄ ይኹን ዝኾነ ጳጳስ ናይ ኤርትራ፡ እቶም ኣባል ቅዱስ ሲኖዶስ ግብጺ ዝነበሩ ኣባ ማርቆስ’ውን ከይተረፉ ንልዕሊ 6ተ ዓመት ዝኣክል ሓንቲ መዓልቲውን ትኹን መገዲ ግብጺ ተዓጺዎምን፡ ጉባኤ ኦሬንታል ተሓሲምዎምን ካብ ኩሉ ዓለም ተነጺሎም ከም ዘለዉን ከም ዝጸንሑን ኩሉ ኣማኒ ኦርቶዶክስ ዝፈልጦ ሓቂ ኢዩ።

ሕጂውን መገሻ ዮፍታሄን ሰዓብቱ ጳጳሳትን ናብ መንበረ ማርቆስ ግብጺ ብልቢ ተጣዒስና፥ ንቤተ ክርስቲያናን ህዝብናን ጎዲእና፥ ወርቃዊ ጊዜን ዕድልን ከሲርና ኢና እሞ፥ ምስ ኣቡነ እንጦንዮስ ዕረቑና፥ ይቕረ ኣባህሉና ክብሉ እንተ ኮይኖም “ዘይበኣሱ መላእኽቲ፥ ዘይዕረቑ ኣጋንንቲ” ከም ዝበሃል እግዚኣብሔር ዝፈትዎን ቅኑዕ ሰብ ዝደልዮን ሠናይ ተበግሶ ንኽብሪ ኣምላኽን ንረብሓ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራን ኢዩ። ካብዚ ወጻኢ ግና ኣቦኹም ጠሊምኩም፡ ሓዋርያዊ ሕጊ ኣፍሪስኩም ኢሎም ምቕባል ዝኣበዩና ቅዱስ ፖፕ ሺኖዳ ዓሪፎም ኢዮም። ጊዜ ተቐይሩ፡ ፍሉይ ኣጋጣሚ ተረኺቡ ንኺድ ንግብጺ ተባሂሉ ብኽፍኣትን ጉርሕን ዝተማህዘ ጉዕዞ እንተ ኾይኑ ግና “ኣይትጠበሩ ኣምላኽ ኣይዕሾን ኢዩ! ዝብል ጥቕሲ ነጊርና ነታ ዘይትልወጥን ዘይትርሳዕን ቃል ቅዱስ ኣቡነ ሺኖዳ ከነዘኻኽሮም ንደሊ።

ምኽንያቱ ዮፍታሄ ይኹን ጳጳሳት ኤርትራ ብታህዋኽን ተብተብን ናብ ግብጺ ብዘይ ቁም-ነገር ካብ ምጋሽ ናብ’ቶም ካብ ቤተ ክርስቲያንን ምእመናን ብሓይሊ ከልኪሎም ንልዕሊ 6ተ ዓመት ኣብ ማሕዩር ዝሳቐዩ ዘለዉ ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ ከይዶም “ኦ ኣባ ሥረይ ለነ፥ እስመ በላዕሌከ ወበቅድመ እግዚኣብሔር ኣበስነ” ክብሉን ንተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ክኽሕሱን እቲ ዝበለጸ ኢዩ።

ኣብ መደምደምታ ነታ ቅዱስ ፖፕ ሺኖዳ ብህይወት ከለዉ ንዮፍታሄ ምስ ሰዓብቱ ጳጳሳት ኣብ 2005 ዓ.ም. ዝሃብዎም ዘይትልወጥን ዘይትርሳዕን ቃል “ትጋገዩ ኣሎኹም፥ ምስ ኣቦኹም ተዓረቑ” ትብል ክብርትን ኣገዳሲትን ማዕዳ እናኣዘኻኸርና፥ ሕጂውን ጊዜ ከሎካ ጊዜ ኣይትጸበ ኢዩ እሞ ነዚ ኣምላኽ ሂቡኩም ዘሎ ጊዜ ንንስሓን ዕርቅን እንተ ዘይተጠቒምኩሙሉ ብዝያዳ ንህይወትኩምን ሰዓብትኹምን ትጎድኡ ከም ዘሎኹም ክተስተውዕሉ ይግባእ። ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ ግና ብሰብን ብእግዚኣብሔርን ንወለዶታት ዘኽብሮም ግሩም ሓዋርያዊ ሕድሪ ፈጺሞም ኢዮም። ብዛዕባ እቲ ክቡር መልእኽትን ሓዋርያዊ መርገጽን ናይ ቅዱስ ፖፕ ሺኖዳ ከኣ ሎሚውን እቲ ሓቂ ኣብቶም ልዕሊ ሚእቲ ዝኾኑ ጳጳሳትን ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ግብጻውያን ምእመናንን ብግቡእ ተነጊሩን ብጽኑዕ ተዓቂቡን ስለ ዘሎ መገሻ ዮፍታሄን ሰዓብቱ ጳጳሳትን  ከንቱ ድኻምን “ትጋገዩ ኣሎኹም፥ ምስ ኣቦኹም ተዓረቑ” ትብል ቃልን ምዃና ኩሉ ኦርቶዶክሳዊ ኣማኒ ክፈልጦ ይግባእ።

እግዚኣብሔር ንቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ ዕድመን ጥዕናን

ንቅዱስ ኣቡነ ሺኖዳ ድማ ዘለዓለማዊ ሕይወት ይሃቦም።

ንቤተ ክርስቲያናን ህዝብናን ከኣ ሰላምን በረኸትን ይሃበልና።

ብደቂቀ እንጦንዮስ

aseye.asena@gmail.com

Review overview
14 COMMENTS
  • Selamawi March 28, 2012

    What is destroying our nation is not blood but ideology – PFDJ’s ideology which is Communist/Leninist/Maoist/Machiavellian ruthless evil dictatorship which determined to annihilate Eritrea.
    I will not have a problem with any ideology as long as it is not forced on me. The trouble is that we have a regime who does not understand persuasion but force, force, force! Everywhere including the Patriarchate, the Patriarch, the Synod, the faithful, the Tabot, the priests, deacons…

  • 21/03/2012 March 28, 2012

    ዕረፍቲ ናይ ክቡር ባሻይ ኣቦይ ተዓረ ብኣጋጣሚ ፈሊጥና። ንስድራ ቤት ካብ ዓቢ ክሳብ ንእሽቶ ጽንሃት ይሃብ፣ ራሕስን በረኸትን ይግደፍልኩም።
    ካብ ይስሃቕን መብራትን ምስ ስድራቤት

POST A COMMENT