Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

መላእ ሃገር አብ ድቕድቕ ጸልማት

ካብ ዝሓለፉ አርባዕተ አዋርሕ ጀሚሩ ከተማታት ኤርትራ ብዘይ ሓይሊ ኤለትሪክ አብ ድቕድቕ ጸልማት ይርከባ አለዋ። አብ መላእ ኤርትራ ካብ ጫፍ ናብ ጫፍ ሓይሌ ኤለትሪክ የለን፤ ስለዝኸነ ድማ እቲ ጸገማት አዝዩ ተሓላሊኹ ይርከብ። አብታ ዋና ከተማ

ካብ ዝሓለፉ አርባዕተ አዋርሕ ጀሚሩ ከተማታት ኤርትራ ብዘይ ሓይሊ ኤለትሪክ አብ ድቕድቕ ጸልማት ይርከባ አለዋ። አብ መላእ ኤርትራ ካብ ጫፍ ናብ ጫፍ ሓይሌ ኤለትሪክ የለን፤ ስለዝኸነ ድማ እቲ ጸገማት አዝዩ ተሓላሊኹ ይርከብ። አብታ ዋና ከተማ ኤርትራ ዝኾነት ከተማ አስመራ ዳርጋ ንዝሓፈ 20 መዓልታት ብተኸታተታሊ መብራህቲ ዝብሃል የለን። እቲ ስርዓት ነቲ መባእታዊ ሃለኽቲ ነገራትን ሓይሌ ኤለትሪክን ከቕርብ አይክአለን ዘሎ። በዚ ዝተልዓለ ድማ መብራህቲ ጥራሕ ዘይኮነ ፤ህዝቢ ንመሰንከትን መብሰሊ መግብን ካልእን ዝኸውን ቀረብ ስለዘየሎ፤ ነቲ አብ ጠርዚ በጺሑ ዘሎ መነባብሮ ሕዝቢ ካብ ሕማቕ ናብ አዝዩ ዝኸፍኣ ደረጃ አውዲቕዎ ይርከብ። ነዚ አጋጢሙ ዝብሃል ዘሎ ከቢድ ናይ ህዝቢ ጸገም፤ እቲ ምልካዊ ስርዓት ቅድሚ ሕጅ ሕንቃቐ‘ ክብል ብብድዓ ምዝራቡ ዝፍለጥ ኢዩ።
ብሰንኪ ሓይሊ ኤለትሪክ ዘይምህላው አገልግሎተን ዘቋረጻ ወሃብቲ አገልግሎት መዓደሊ ነዳዲ፡ አገልግሎት ቴሌፎን፤ ሆስፒታላት፡ ቤት ጽሕፈታት፡ ናባኒ፡ መጥሓንዝኣመሰለ አገልግሎት ሙሉእ ብሙላእ ጠጠው ክብል ተገዲዱ አሎ። ነዚ አመልኪቱ ህዝቢ ብቐጻሊ መረርኡ ብቕሉዕ ብዘይፍርህን ክዛረብ ጀሚሩ አሎ። ካብቲ ህዝቢ ድዛረበሉ ዘሎ መንግስቲ እንድሕር አሎ፤ ነቲ መሰረታዊ ዝኸነ ባንን ማይን ሕክምና ኤለትሪክ ከቕርብ ዘይክኣለ ከመይ ጊሩ መንግስቲ ይብሃል፤ ምስ ህዝቡ ተዓሪቑ መሰረታዊ ፍታሕ እንተዘናዲ ምሓሸ ዝብልን እዚ መንግስቲ ክእለ አሎ ዝብሎ ናይ ጽርግያ ዕላል ኮይኖም አለው።
አብ ከተማ አስመራ ቅድሚ ሕጅ ሓይሌ ኤለትሪክ አብ ዘይህለወሉ ግዜ ፤ ሰብ አብ ከከባቢኡ አብ ዝርከቡ ሩኸባት ሰባት ጀነሪተራት ዝለዎም ብምኽድ ሞባይል ቻርጂ ክገብሩሎም እናለመኑ፤ ሰብ እናሸገሩ ሞባይሉም ባትሪ ክመልሉ{ቻርጂክገብር ጸኒሑም። ሕጅ ግን እቲ ጸገም ስለዝበዝሓን፤ ናይ ሓጺር ግዜ ጸገም ካብ ሙኻን ሓሊፉ ዳርጋ ናብ ንቡር ስለዝተቐየረ፡ አብ አስመራ ንሓንቲ ሞባይል ቻርጂ ንምግባር ሰብ ጀኒሪተር ስጋብ 10 ናቕፋ ከኽፍሉ ጀሚሮም አለው። ሰባት ሞባይሎም ንግሆ ገዲፎሙሎም ይኸዱ፡ ናይ ምሸት መጺዮም ከፊሎም ሞባይሎም ይወስዱ። ህዝቢ ነቲ መንግስቲ ገዲፉ ናይ ባዕሉ አገባባት ጊሩ ይኽይድ አሎ። በዚ ዝተልዓለ ድማ ስርዓት ህግደፍ አብ ከተማታት ድምጺ ናይ ጀነሪተራት ህዝቢ ይርብሽ ስለዘሎ፤ ጀነሪተራት ከይትውልዑ ብዝብል አብ ሓደ ሓደ ከባቢታት አስመራ ጀነሪተራት ስጋብ ምህጋር በጺሑ አሎ። እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ፤ ህዝቢ ኤለትሪክን ማይን ይሃሉ አይሃሉ ወርሓዊ ናይ አገልግሎት ክፍሊት የኽፍል አሎ። እቲ ክፍሊት ብወርሓዊ ገምገም ዝለኣኽ እምበር ብመሰረት ቆጻሪ አይኮነን። እዚ አካይዳ አብዚ ወዲ ሰብ በጺሕዎ ዘሎ ምዕባለ ዘየለ፤ ናይዚ አተሓሳስብ መሰረት ድማ ምግባትን ህዝብ ምድካይን ኢዩ።
ህዝቢ ንመብሰሊ ዝኸውን ጋዝ ንምርካብ ካብ ሰሙን ዘይውሕድ ሪጋ ከምዝጽበ ዝፍለጥ ኢዩ። አብ ከተማ አስመራ ንሓደ ኩንታል ዕንጸይቲ ልዕሊ 2000 ናቕፍ ይሽየጥ አሎ። እቲ ስርዓት ህዝቢ ናይ ፖለቲካ ሕቶታት ንኽይልዕል አብ ከቢድ ሽለታዊ መነባብሮ ሸኺልካ ምሓዝ ዝብል አገባብ ኢዩ ዝኽተል ዘሎ።
ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት አብ ባርካ ዝጀመረ ናይ ወርቂ ዓደና ስጋብ ከበሳ ደይቡ፤ እቲ ምፍሓርን ምሻጥ ማዕድን ሃገር የቕጽል አሎ። እተን አብ ዕደና ዝተዋፈራ ካምፓኒታት ድማ ምኽሰብ ይሓፍሳ ክምዘለዋ ይሕብራ አለዋ። እቲ ስርዓት ግን ነዚ ገንዘብ ናብይ የግዕዞ አሎ ዝብል ሕቶ ናይ ኩሉ ሰብ ሕቶ ኮይኑ አሎ። ገለውን ጀነራላት ሰብ ክሸጡ ከለው መኽሰብ ማዕድን ድማ ናይ ኢሳያስን ጉጅልኡን ምኻኑ ይነገር።
ክዱሳት ካብ ኤርትራ

aseye.asena@gmail.com

Review overview
74 COMMENTS
  • Tezareb July 19, 2014

    ግርም ጭርሖ ናይ ኦርዌላዊት ኤርትራ።

    ኣንታ እዚ ኣይተ ጅዮርጂስ ኦርዌል ደራሲ “ሕርሻ እንስ ሳ”፤
    ንኤርትራ ክብል ድዩ እታ መጽሓፉ ጽሒፍዋ፧

    ነቶም ኣፍቀርቲ ገድሊ፣ ከምተን ኣባጌዕ “ሕርሻ እንስ ሳ” እዮመ።
    እቶም መራሕቲ ገድሊ ከኣ፣ ሓሰማ በዓል “ናፖልዮን” ኮይኖም ይረኣዩኻ።

    ሓደስቲ ጭሮሖ ናጻ ኤርትራ፤

    ሉቸ መብራህቲ ግናይ፣
    ጸልማት ግና ሊላይ።

    ዕድመ ንገድልና፣
    ጸልማት ካብ ሳሕል ዘምጽኣልና።

    ሃጸይ ሃይለሰላሴ ጉሒላ ፊውዳል ኔሩ፣
    ብሰንኩ ጽርግያታት ኣስመራ ብኤለትሪክ ብዋዕ ኢሉ ይሓድር ኔሩ።

    ፊውዳል ሃጸይ ሃይለሰላሴ ቁጠባ ካፒታሊዝም ኣይርድኦን።
    ነዚ ፋብሪካታት እንዳ ሜረንጊ፣ ቸሜንቶ፣ ባራቶሎ፣ ቺፖሊኒ፣ ሃገራዊ ዘይቲ፣
    ሜሎቲ ቢራ፣ ኮካኮላ፣ ፈኒሊ፣ ሸር ካምፓኒ ዓለባ፣ ቴለኮሚኒኬሽን፣ ሰባርጎማ ፣ ሴዳዎ 24 ሰዓታት የስርሖ ኔሩ።

    ፊውዳል ሃጸይ ሃይለሰላሴ መድሓርሓሪ፤
    ተጋዳላይ ኢሳያስ ግና ገስጋሲ ተወርዋሪ።

    ====

1 4 5 6

POST A COMMENT