Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

መላኺ

መላኺ   ፍሥሓየ መብራህቱ   ይደርደር ነጋሪት ይነፋሕ መለኸት መልኣኽ ተላኢኹ ሠራዊት ኣምሪሑ ህውከት ተቓሊሑ እቡሽ ወዲ ኣዳም ከም ሕሱም ፈሪሑ ጎይታይ ጎይታይ ይብል ኣኣዳዉ ዘርጊሑ።   ቅዱም ዝኣወጆ ንጹር ቃል መላኺ ህጡር ኃይሉ ብዘይ ሓጹር ይዳሎ ብስቱር ይኣልዮ ብህጡር ይኹን ይኹን ኢሉ ምስ ኣስመዐ ኩሉ ትእዛዝ ምስ ኣዘዘ ሴፉ ምስ መዘዘ ንዝጠራጠር ሰጋእ መጋእ ዝብል በትሪ ሥልጣን ያኢ ኣብ ዝባኑ

መላኺ

 

ፍሥሓየ መብራህቱ

 

ይደርደር ነጋሪት

ይነፋሕ መለኸት

መልኣኽ ተላኢኹ

ሠራዊት ኣምሪሑ

ህውከት ተቓሊሑ

እቡሽ ወዲ ኣዳም

ከም ሕሱም ፈሪሑ

ጎይታይ ጎይታይ ይብል

ኣኣዳዉ ዘርጊሑ።

 

ቅዱም ዝኣወጆ ንጹር

ቃል መላኺ ህጡር

ኃይሉ ብዘይ ሓጹር

ይዳሎ ብስቱር

ይኣልዮ ብህጡር

ይኹን ይኹን ኢሉ

ምስ ኣስመዐ ኩሉ

ትእዛዝ ምስ ኣዘዘ

ሴፉ ምስ መዘዘ

ንዝጠራጠር

ሰጋእ መጋእ ዝብል

በትሪ ሥልጣን ያኢ

ኣብ ዝባኑ ሽብልል

ከምዛ ቆልዓ ሕዝል።

 

ዳግም ኣዋጅ ወጸ ንዓቢ ንኡሰ

ኣይፋልን ኢሉ ንኡ ዘማዓሸ

ቃሉ ዘቋሸሸ

ድኻም በዚሑዎ ወላ ዝደቀሰ

ዕድሉ ኮይኑዎ ወላ’ተደነሰ

ሓደው በኪ’ነብር ኣብ እምባ ሓንሰ

ሓደው የተርእሶ እግሪ ገረብ ሓንሰ።

 

ሳልሣይ ኣዋጁ ንጓይላ ንዅዳ

ሸለል ንዝበለ የሸክሞ ዕዳ

ሸነን ንዝበለት ንየው ይስንድዳ

ኣሜን ጎይታይ ይብል ወዮ “ዓሻ ዶዳ”

መድኅን መሲልዎ የቕርበሉ “ጋዳ”

ወትሩ ምስ ጸመዎ በጃኡ ወረጃ

ሓቂ ዝነኸሰ መጣብቕ ዕንዲዳ።

 

“ቃል መላኺ ጽሩይ ሥርናይ ብዘይ ጕርዲ”

ኣዋጁ ሉል መዳምቕቲ ዘውዲ

ጓሉ ዙፋን – ወዱ መስፍን

ሓንቲ የማን – ሓደ ጸጋም

መላኺ ብመለኸት – ብዘይሕንከት

ንምልክት – ንዝምልከት – የመላኽት።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
NO COMMENTS

POST A COMMENT