Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

መልሲ ንሕቶታት ኣንበብቲ፡ ቁጽሪ ሓሙሽተ፥

ዝኸበርክንን ዝኸበርኩምን ኣንበብቲ፡ ብመጀመርያ ሰላምታይ ብምቕዳም፡ ንሎሚውን ከምቲ ልሙድ፡ ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ጽሑፈይ ዘቕረብኩሙለይ ሕቶታት ንኽምልስ፡ በዛ ቀጺላ እትቐርብ መልእኽቲ ሓውና ጸሃየ ኣቢለ ክሓልፍ ፍቐዱለይ? [gview file="http://demo.archive.assenna.com/wp-content/uploads/2014/04/Mesinas_n_5.pdf"]  

ዝኸበርክንን ዝኸበርኩምን ኣንበብቲ፡ ብመጀመርያ ሰላምታይ ብምቕዳም፡ ንሎሚውን ከምቲ ልሙድ፡ ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ጽሑፈይ ዘቕረብኩሙለይ ሕቶታት ንኽምልስ፡ በዛ ቀጺላ እትቐርብ መልእኽቲ ሓውና ጸሃየ ኣቢለ ክሓልፍ ፍቐዱለይ?

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
8 COMMENTS
  • Stefanos Temolso April 8, 2014

    ክቡር ሓው መሲናስ፡ ንጽሬት ቋንቋ ዝምልከት ጽሑፋትካ እምብዛ ኣገዳስን መሃርን ስለ ዝኾነ ብቀጻሊ ማለት ሰሙናዊ ድዩ ክልተ ቕነኣዊ እንተ ተቕርቦ ክንደይ ጽቡቕ ምኾነ። ኣብ ውሽጢ ይኹን ኣብ ደገ ዝነብር ህዝብና ንቋንቋ ትግርኛ ኣብ ምዝራብ ይጥቀመሉ ኣሎምበር፡ ኣብ ጽሑፍ መጺእካ ካባይ ጀሚርካ ምናምናት ከም ዝኾንና ንጹር እዩ። ኣብ ጽሑፍ ቋንቋ ትግርኛ ኣነ ክኢላ እየ ኢሉ ዝምካሕ ክምካሕ ዝደለየ ጥራይ እዩ ክኸውን ዝኽእል። ወላ እቶም ክኢላታት ዝብሃሉ ንዓበይቲ ሰባት ክውከሱ ኢኻ ትዕዘብ። ስለምንታይ? እንተ ተባህለ እቲ ቋንቋ ብዝተሰነደ መልክዕ ሕጉን መልክዑን ኣይሓዘን ዘሎ። ድሕሪ ናጽነት ብርክት ዝበሉ ብቋንቋ ትግርኛ ዝግደሱ ዜጋታት ናይ ቋንቋታት ኢንስትትዩት ክኽፈት ኣለዎ ዝብል ርእይቶታት የውሕዙ ነይሮም። ኢሳያስ ነዚ ስለ ዘይደለዮ ግን ዛጊት ክምስረት ኣይተኻእለን። ስለዚ፡ ቋንቋ ትግርኛ ይኹን ትግረ ሓደ መዕቀኒ ወይ ስታንዳርድ ኣይሓዙን። ከም ኣብነት ሓደ ሰብ ከምዚ ኣይብሃልን እዩ ክብል ከሎ፡ ሓደ ካልእ ብዛዕባ’ቲ ቋንቋ ኣፍልጦ ዘለዎ ግን ኣይብሃልን’ዩ ይብል። ብዝኾነ፡ ኣብ ካልእ ዋጢጥ ክኣቱ ኢለ ዘይኮንኩ፡ መሲናስ ተቕርቦ ዘለኻ ንእሩም ቋንቋ ዝምልከት ጽሑፋት መሃሪ ስለ ዝኾነ ክትቅጽሎ ለበዋይ አተሓላልፍ። ኣብ መወዳእታ እዛ ማኪና ትብል ብወገነይ ኣብ ብዙሕ ናይ ቀደም ጽሑፋት መኪና ተጻሒፋ እርእያ ስለ ዝነበርኩ “መኪና” እየ ዝጥቀም። እንተ ኣስተውዒልካ ቃላት ካብ ጣልያንኛ ናብ ትግርኛ ክንርዕሞም ከለና ምጡን ምቅይያር ማለት ቅኑዕን ግጉይን ንገብረሎም ኢና። ገለ ካብኣቶም ጸያፍ ስለ ዝኾኑ በቲ እሩም ክንጽሕፎም ይግባእ። ንገለ ካብኣቶም ግን በቲ ህዝብና ዝለመዶም ንጽሕፎም። ንኣብነት፡-

    ኩቺና፡ ክሽነ
    ሳንኬሎ፡ ሰንኬሎ፡
    ኣውቶሞቢለ፡ እቱናብለ
    ኣትሮከ፡ ትረከ
    ቢቺክለታ፡ ሽግለታ ወዘተ።

    ኣብ ገለ ብዙሕ ዘይንጥቀመሎም ቴክኒካዊ ቃላት ብግጉይ ነድምጾምን ንጽሕፎምን ኢና። ንኣብነት ኣብ ክንዲ፡-

    ኣትሪኮላታ፡ ትሪኮላታ
    ሌቫ ጐማ፡ ሌባ ጐማ
    ሴርባቶዮ፡ ሳልባቶዮ
    ሪሞርኪዮ፡ ደሞርኪዮ

    እዚ ከም ኣብነት ዝቐረበ እዩ። እዚ ክብል ከለኹ ግን ናትና ቃላት ኣለዉና እንተ ኾይኖም ክንጥቀመሎም ኣለና ዝብል ርእይቶ የብለይን። ሕክምና ክንብል እናኸኣልና ኣስቢዳለ ምባል ቅኑዕ ኣይኮነን። ግን ከኣ ጥቕሲ ክንጥቀም ከለና ግድን ክነእትዎም ኢና። ንኣብነት፡ ኣቦይ ግራዝማች በዓልቲቤቶም ምስ ሓመማ ንሃብቶም ወዶም፡ “ንዓ ‘ዝወደይ ቀልጥፍ ታክሲ ጸውዕ ነደኻ ናብ ኣስቢዳለ ክንወስዳ” በሉዎ። “እዛ ሪሞርኪዮ ጽዕነታ ዘቢሉ ኣሎ” በሎ እቲ ፖሊስ ትራፊክ ነቲ መራሕ መኪና። ኣብ ቋንቋ ጥልያን ሱር ዝሰደደ ቋንቃቅ ስለ ዝኾነ ብዙሕ ሰብ ገና ይጥቀመሉ እዩ።

    ኣብዚ ጥራይ ዘይኮነ ግን ኣብ ብዙሕ መዳያት እቲ ግጉይ ኣጸሓሕፋ ስለ ዘሎ ብኽመዚ መሲናስ ዝገብሮ ዘሎ እናተኣራረምና ዓዓቕምና ክነበርክት ከለና እወታዊ ውጽኢት ክህልዎ ይኽእል እብል።

    • Suleiman Salim April 8, 2014

      ወዲ ተመልሶ

      ንስካ ብኻልእካ ገዲፍካ ብትግርኛ ንፉዕ ኢኻ ትበሃል። ኣጻሓሕፋኻ ስጡም እዩ። ተጋደልቲ ዝነበርኩም ኣብቲ መዓልታዊ ስራሓትኩም ስለ ዝለመድኩሞ ግዲ ኮይኑ ዘይናዓቕ ናይ ሃገራውያን ቋንቋታት ክእለት ኣለኩም።

    • Suleiman Salim April 8, 2014

      ኣብ መወዳእታ እዛ ማኪና ትብል ብወገነይ ኣብ ብዙሕ ናይ ቀደም ጽሑፋት መኪና ተጻሒፋ እርእያ ስለ ዝነበርኩ “መኪና” እየ ዝጥቀም።

      ” መኪና ” ” ኮምፔተር ” ” ባርሴሎና ” …” ፕሬዚዳንት ” …ናይ ኣምሓርኛ ኣዘራርባ እዮም። ብትግርኛ ማኪና፡ኮምፒተር፡ ባርሰሎና …ፕረዚደንት ክንብል ይግባእ።

  • Fact-is-Fact April 8, 2014

    Dear Ato Stefanos Temolso,
    Good point! However, the issue of using/interjecting “foreign, outsiders” words in Eritrea’s soceital daily life (in the towns in particular, Asmara being the pacesetter of replication, duplication of others’ stuff as a show of “መርኣያ ምዕቡልነት & Asmarinonet” ) require an institution of culture & information with huge resources & dedicated knowledgeable citizens who first study and put together a blueprint that can be used to reverse our people’s brainwashed Italian/English mindsets so they root out these diluted words and honor, nurture & love theirs.

    The strangness of our Eritrean (in particualr those from towns) is that they hated so much the Amharic “oppressor” language but the same breadth & breathe they honor, cherish, nostalgically talk of the Italian/English “oppressor” . Does that say something about the depth of even those who grew up in towns even after they become adults?

    What is worse is that so many diaspora Eritreans’ (98% could be said) children could neither speak Tigringa nor write, the way we did those of Addis born children in our Addis? so does that mean those Eritreans who brought us up in Ethiopia during Derg truly loved Eritrea & its everything? Do these Eritrean Diaspora & their offsprings “Love” Eritrea only for their Identity labeling needs & Identity crisis in this Identity crave world? Go figure! but that is the bottomline!

    so the Eritrean language, cultural mess that it is now is deliberately hacthed by those who are the devils’ advocates. Unless you deny the soul & fabric of our soceity isn’t totally in bad shape, just watch Eritreans inside & outside. If soceity is corrupt in flesh, then it is doomed to act like animals! We are in the absolutely choatic, incomprehensible world as soceity accepts a man marrying a man, a woman marrying a woman. what a world & time!

  • Suleiman Salim April 8, 2014

    መሲናስ

    ንስኹም ንስኽን ……..ንሓደ ወይ ንሓንቲ ሰብ ጥራይ ኢና ንጥቀመሎም፤ ንጽል እዮም። ………..

    ኣብ ብድሕሪኡ ዝስዕብ ፓራግራፍ ( ሕጡብ ጽሑፍ) ግን ንስኻትኩም ንስኻትክን ኢልካ ድሕሪ ምጅማርካ ብሩህ መደምደምታ ከይገበርካ ወዲእካዮ።

    ካልእ ኣብ ጽሑፍካ ካበይ ከም ዘምጻእካዮም ከይነገርካ ካብ ገለ ቋንቋታት ዝመበቆሎም ቃላት ተጠቂምካ ኣሎኻ። ኣነ ምስ መመቀርቲ ዝኾኑ ሓደሽቲ ቃላት ባእሲ የብለይን ግን ስጋዕ ሕጂ ኣብ ዘለዋና መዛግብቲ ቃላት ዘይሰፈረ ምስ ዝኸውን ንኣንበብቲ ምትንታኑ ኣድላዩ ክኸውን ይኽእል እዩ።

    ብዛዕባ እዩን ኢዩን ዝገበርካዮ ኣትኩሮ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ። ኣብ ሃገርና ገለ ሰባት እዩን ኢዩን እንታይ ጸገም ኣለዎ እንዳ በሉ ከከምድላዮም ክጽሕፉን ክዛረቡን ዝደልዩ ሰባት ኣይሰኣኑን ይኾኑ ግን ኣብ ቋንቋ ስርዓት ዝበሃል ነገር ስለ ዘሎ ከም ድላየይ ምባል ከቶ ፍቑድ ክኸውን ኣይክእልን ( ኣብዚኣ እባ ኣይካኣልን ክበሃል ይከኣል ዶ?) እዩ። ስለ’ዚ ደጊመ ኣገናዕ ነዓኻ!

    ድሒራ ዝመጸትኒ ሓሳብ፦ ትግርኛ ( ወይ ካልኦት ቋንቋታት ኤርትራ) ክምዕብላ እንተ ኮይነን ካብ ካልኦት ቋንቋታት ኤውሮጳ ናይ ምትርጓም ( ንእግረ መንገደይ ምስትርጓም ከ ክበሃል ይከኣል ዶ? ) ጻዕርና ኣዚና ክብ ከነብሎ ኣሎና። ካብ ኣዝዮም ዝማዕበሉ ቋንቋታት ( ንኣብነት ከም ቋንቋ ኢንግሊዝ ዝኣመሰሉ) ምትርጓም ምስኡ ሒዝዎ ዝመጽእ ብድሆታት ስለ ዘሎ ካብኡ ብዙሕ ክትማሃር ትኽእል ኢኻ። ኣብ ቲቪ ኤረ እኳ ኣብ ከም በዓል ፓናሮማን ካልኦት ስነ-ፍልጠታውያን መደባት ድሮ ነቲ ስራሕ ተታሓሒዞሞ ( ሒዞሞ ? ) እዮም ዘለዉ።

    እዚኣ ዎ ደሓንካ!

    ካብ ሱለይማን ሳልም ( ንፈተውቱ ከም ሱሊ ዝፍለጥ )

    • ahmed saleh April 10, 2014

      SULI
      I am impressed .

  • ERITRAWIT April 8, 2014

    Dear Mesinas,
    Brother thank you for your time you are great.

  • Mesinas April 9, 2014

    ብመጀመርያ ንኹሉኹም ግዱሳት ብልቢ ከመስግን እፈቱ። ብምቕጻል፦ ንኽቡር ሓው እስቲፋኖስ ተመልሶ ስለ’ቲ ዝሃበኒ ምኽርን ትምህርትን ደጊመ ከመስግኖ ደስ እብለኒ። ክቡር ሓው ከምቲ ዝበልካዮ ኣብ ከከልተ ሰሙን ንቋንቋና ዚምልከት ጽሑፍ ንኸቕርብ ኣነ ጸገም የብለይን። ጸገም ኪኸውን ዚኽእል ግን ብቀጻሊ ሰሙናዊ ወይ ኣብ ክልተ ቅነ ክቐርብ እንተ ጀሚሩ እቲ ብዓንተቦኡውን ናይ ምንባብ ልምዲ ዘይብሉ ህዝብና ክለምዶን ክመንዎን ስለ ዝኽእል ረረእዩዎ ጥራይ ከይሓልፍ ስክፍታ ኣሎኒ። በዚ ምኽንያት’ዚ ድማ ቀስ ኢልካ ማለት ኣናፊቕካን ኣሀንጢኻን እንተ ኣቕሰምካዮ ይሓይሽ ዚብል ርእይቶ ኣሎኒ። መታን መለሳ ክኾነሉውን ንስኻን ካልኦት ኣብ ቋንቋና ኣፍልጦ ዘሎዎም ሰባትንውን ወስ እንተተብሉሉ ኣዝዩ ኣድማዒ ምኾነ እብል።

    ኣብዚ ዘሻቐለንን ከይጠቐስኩዎ ክሓልፍ ዘይደልን ጉዳይ ግን ኣሎ። ንሱ ኸኣ ኩነታት ናይ ሓው ሱሌማን ሳሊም’ዩ። ከም ሰብ ሱሌማን በሊሕ ሰብ’ዩ። ምኽንያቱ ኣብዛ ጽሕፍቲ እዚኣ’ኳ ከምዚ ዚስዕብ ኪብል ሓደ ቅኑዕ እርማት ሂቡኒ ኣሎ። “መሲናስ ንስኹም ንስኽን ……..ንሓደ ወይ ንሓንቲ ሰብ ጥራይ ኢና ንጥቀመሎም፤ ንጽል እዮም። ………..
    ኣብ ብድሕሪኡ ዝስዕብ ፓራግራፍ ( ሕጡብ ጽሑፍ) ግን ንስኻትኩም ንስኻትክን ኢልካ ድሕሪ ምጅማርካ ብሩህ መደምደምታ ከይገበርካ ወዲእካዮ።” ብምባል ኣሪሙኒ ኣሎ። ሓቁ’ዩ። ንስኻትኩም ንስኻትክን ንብዙሓት ማለት ንካብ ክልተ ንላዕሊ ዝኾኑ ሰባት ከም ንጥቀመሉ ክሕብር ኔሩኒ። ሓው ሱሌማን ከምዚ ዓይነት ስራሕ ንቕጽሎ እናተላበኹ ከኣ ብልቢ አመስግኖ። ዘሻቕለኒ ጉዳይ ግን እዚ ዚስዕብን ኣብ ካልእ ብቐጻሊ ዝጥቀመሎም ኣሉታዊ ነቐፌታታትን’ዮም። “ወዲ ተመልሶ ንስካ ብኻልእካ ገዲፍካ ብትግርኛ ንፉዕ ኢኻ ትበሃል። ኣጻሓሕፋኻ ስጡም እዩ።” ኣነ ክሳዕ ሕጂ ሓው እስቲፋኖስ ተመልሶ ዝጸሓፎ ኣሉታዊ ጽሑፍ ኣየንበብኩን። በየናይ ምኽንያት’ዩ ደኣ ሓው ሱሌማን ‘ብኻልእካ’ ኪብል ዘይንጹር ርእይቶ ሂቡዎ? ብሓቂ ብዛዕባ ህዝቡን ሃገሩን ዚሓስብ ሰብ ንስጉምቲ ክቡር ሓው እስቲፋኖስ ተመልሶ ከንድንቖን ከተባብዖንም’በር ክነቕፎን ክወቕሶን ኣይግባእን። ብዙሓት ከምዚ ናቱ ስለ ዘይገበሩ እኮ’ዩ እልበት ህዝቢ ኤርትራ ዚቕጽል ዘሎ። ስለዚ ክቡር ሓው ሱሌማን ነቲ ዝንቀፍ ማለት ዝተጋገየ ዋላ ተቓዋሚ ህግደፍ ይኹን ትጋገ ኣለኻ ኢልካ ክትቃወፎ ንቡርን ግቡእን’ዩ። ንከምብዓል ሓው እስቲፋኖስ ዝኣመሰሉ ከይተሓለሉ ዳግም ዝቃለሱ ዘለዉ ሓርበኛታት ግን መጐስ’ዩ ዚግበኦም። ስለዚ ሓው ሱሌማን ምእንቲ ውልቀ ሰባት ዘይኮነስ ምእንቲ ሓፋሽ ህዝቢ ኤርትራ ኢልካ እትህቦም ዓለቓት ርትዓውያንን ኪኾኑ ይግባእ! ካብ ሓውኻ መሲናስ።

POST A COMMENT