Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

መልቀስ ንኮለኔል ስዒድ ዓሊ ሕጃይ!!!!!!

መልቀስ ንኮለኔል ስዒድ ዓሊ ሕጃይ!!!!!! ወየ!!!!! ወየ!!!!! ወየ!!!!! ስዒድ ኮለነል ተወሊዱ ኣብ ኤርትራ ኣንታ እንታይ ተረኽበ! ኣብ ኣስመራ ታንክታት ሰሪዒወን መጺኡ ብሓበራ ኣብ ፎርቶ ተሰቒለን ኣንቓዕረራ ይብሃል ነበረ ነስመራ መን! ይደፍራ። ንጉስ ኤርትራ በለ ክንመውት ብሓበራ ንኹላትና ይብጽሓና በብታራ ኣንቀጥቂጦም ናይ ህግደፍ ጭፍራ ኣይፋልካን ክትብሃል

መልቀስ ንኮለኔል ስዒድ ዓሊ ሕጃይ!!!!!!
ወየ!!!!! ወየ!!!!! ወየ!!!!!
ስዒድ ኮለነል ተወሊዱ ኣብ ኤርትራ
ኣንታ እንታይ ተረኽበ! ኣብ ኣስመራ
ታንክታት ሰሪዒወን መጺኡ ብሓበራ
ኣብ ፎርቶ ተሰቒለን ኣንቓዕረራ
ይብሃል ነበረ ነስመራ መን! ይደፍራ።
ንጉስ ኤርትራ በለ ክንመውት ብሓበራ
ንኹላትና ይብጽሓና በብታራ
ኣንቀጥቂጦም ናይ ህግደፍ ጭፍራ
ኣይፋልካን ክትብሃል ውዒላ ሓዲራ
ተባህለ ወዲ ዓሊ መጺኡ ዝብዓል ጹሩራ
ናይ ጸላም ብዓቲ ከፈተላ ጩራ።
ኣንታ ወዲ ዓሊ ምስመንከ መኸርካ
ኣይፈለጥካዮምን ኣትማን ኣብ ጎንኻ
ነፋሒቶ መርዛም ኣብ ቅድሜኻ
ብዓል ዕንቅርቢት የማነ ጸጋምኻ
ጠጃኢኡ ከይፈለጥካዶ ተገሪህካ ሰተኻ
ክሕደት ዝናብርኦም ዘይእመኑ ኣሚንካ
ክንደይ እዮም ተቐቢሮም ብቕድሜኻ
ብቕንዕና ተበጊሶም ከምዚ ናትካ።
ጩራ ኣእተኻሉ ነቲ  ጸላም
ራዕዲ ኣትዩዎም በዓል ጠላም
መንእሰይ ኣተስፊኻዮ ተቐንጠጠ ሕማም
ኣይክድቅሱን’ዮም ደቂ ኣስመራ ገልዳም።
ኣንታ ኮለነል ኣሚንካ ጠለምቲ
ኣይፈለጥካዮም ደቂ መታለልቲ
ንሓሶት ከም ማይ ሰተይቲ
ኣብሪሶሞ! ሃገርና እዞም ሓሰውቲ
ህውከተኛታት ሓው ንሓው መዋጋእቲ
ታሪኾም ሓተላ ኣይኮኑን ነበርቲ
ዝዝከር ነይገደፉ ንጽባሕ መጻእቲ።
እንተ ንሽኻሞ! ንፍትሒ ኣማቲ
ኣበሲርካና! ኣብ ፎርቶ ብደበልቲ
ሸፋቱ ኣጥፊእና ንገብረልካ ሓወልቲ
ኣፍሪኻ ኢኻ ንዓኻ ዝኾኑ ተካእቲ
መስዋእትኻ ጅግንነት ዝዝከር ንጥንቲ።
ኤርትራዊ ፍለጦም ጠላማት ሃገርካ
ዓድኻ በሪሱ ጠፍኤ መንነትካ
መንእሰይ ዘይብሉ ዓዲ ኮይኑ በርኻ
ናይ ስዉኣት ሕድሪ ይርሸኑ ደቅኻ
ወለዲ ስዉኣት ተደርበዩ ኣብ በረኻ
መርዑት ይበኽያ ተዋረድ ህዝብኻ
ህጻናት ይበኽዩ ኣቦን ኣብ በርኻ
ዝርከቦ ዘይብሉ ባርነት በዝሓካ
ወዲ ዓሊ እንሆ መንገዲ ከፊቱልካ
ተበገስ ዝተጀመረ ዛዝም ባዕልኻ።
ወየ! ወየ! ወየ!
ኮለነል ኣንታ ወዲ ዓሊ
ኣብ ፎርቶ ተሰቂሉ ደባሊ
ካብ ጸሮና ንእምባ ዘላሊ
ኮኾብ ኢኻ መንበሪኡ ላዕሊ
ጨማቲ! ንኸዳዕ ዘለሊ
ብዓል ግምባር ዘይፈሊ
ድምብርጽከ! ዘይደሊ ከውሊ
ሓኔታ ኣብ ፋረ መጽለሊ
ብድሕሬኻ ክብጻሕ ብዓቕሊ
ተፈሊጦም ብዓል መታለሊ
ኣደ ወዲ ዓሊ በጃኺ ዝለሊ
መርዓት ወዲ ዓሊ በጃኺ ዓልሊ
ስዒድ ጅግናዩ ብዕሊ! ብዕሊ! ብዕሊ!!!!!!!።
መስዋእትነትካ ይነብር ብኽብሪ
ተቐቢልናዮ ኢና እትናትካ ሕድሪ
ተላዒሎ ኣሎ መንእሰይ ንጨኮንቲ ቐባሪ
ኣብ ቃሉ ዝጸንዕ! ዘይብለል ዘይሃስስ ሕብሪ።
ውድቀት ንማፍያ ህግደፍ
ፍትሕን ሰላምን
ንዉጹዕ ህዝብና።
ሃይለ ገብረትንሳኤ
ኢንድያናፖሊስ ኢንድያና
26 ለካቲት 2013

aseye.asena@gmail.com

Review overview
6 COMMENTS
  • salma a. February 27, 2013

    Haw Haile Gebretensae,
    yekenyelna nezi korida harbegna woye slezbelkalu! kexlo zi hawey. kem zbelkayo n eseyas kab hagerna xerigna hawelti WEDI ALI ab himbrti Asmera kinserhalu ina! ajoka zihawey.
    ስዒድ ጅግናዩ ብዕሊ! ብዕሊ! ብዕሊ!!!!!!!።
    መስዋእትነትካ ይነብር ብኽብሪ
    ተቐቢልናዮ ኢና እትናትካ ሕድሪ
    ተላዒሎ ኣሎ መንእሰይ ንጨኮንቲ ቐባሪ
    ኣብ ቃሉ ዝጸንዕ! ዘይብለል ዘይሃስስ ሕብሪ።
    ውድቀት ንማፍያ ህግደፍ
    ፍትሕን ሰላምን
    ንዉጹዕ ህዝብና።

  • salma a. February 27, 2013

    pfdj mealti mota akilu alo. ab kebra tisiesie nay ebudat chfra slezkonet ab guayla kela eya tikber kem zmesleni!

  • hitiblo February 27, 2013

    weye weye menkonekewn naka zegageye, himak rieye wedi ali beserawitu kuguye, tetsawitomulak eba naka zegagaye , entaygedeseka kem butsetka zyetibl tegagiye.wedi ali kiltesae teraeye.

  • Zgeremo February 27, 2013

    Yaklo Yaklo!

    • eritrawi March 1, 2013

      haye anta ZEGEREMO kemeu dema anta HINTEBLO zebelukum sebat agerimkumuni maere kenedey TEREWAETI KORAKUR NAY HGDF mukuwankum———agerimuni . —— selezi WEDI ALI JIGNA SEBAY NAY ASEBUT IYU AB METKELU ZESEWAE ERITRAWI———— NEANA HABENENAN KURATNANE IYU WETRU AB LEBENA ALO ; ENTE NESEKATKUM TEREWAETI KORAKUR HGDF GEN ETA GEZIYE AKILA MUKANA TEREDEU IKUM——– ZELEALEMAWI ZEKERI NE SEWUE TEGADALAY JIGENA WEDI ALI———————————————————-

  • blata March 4, 2013

    RESPECTABLE HGDEF,
    ” ሻሉቅ ማሉቅ ምኻኑ ናትና ደም”
    I really love it. specialy the historical fact of faluq ,maluq….our brothers ” mereta sebene”in Akeleguzay. I truly love the poem ,I am not sure I deserve such an attention..but,..to go further to the origin of the true history you mentioned….. ንሕና ኩልና ፋሉቕን ማሉቕን ሻሉቕን ደቂ ንጉስ ሜሮን፣ደቂ ንጉስ ደምብያ ኢና።ጌጋ ይኽልኣለይ እምበር፣ ንጉስ ዜን እዩ ጎንደር ደምቢያ ዘምሓድር ዝነበረ ሓወቦና ድማ (ሓዉ ነቦና ንጉስ ዜን) ሓውዜን(ትግራይ) ተባሂሉ ዝጽዋዕ ዘሎ ኣምሓዳሪ ኔሩ። ብኡ እዩ ሓው*ዜን፨ሓውዜን ተባሂሉ እቲ ቦታ ።ምስ ኣሕዋትና መረታ ሰበነ መጺእና ንገሊኦም ኣብ መረታ ሰበነ ገዲፍና ንሕና ድምበዛን መጺእና። ድምበዛን ፣ዝተባህለ ብመሰረቱ ደምበዜን ማለት ፣ደምበ ናይ ንጉስ ዜን ማለት እዩ።ስለዚ ንሕና ድምበዛንን መረታ ሰበነን ኩሩዓት ዓጋመ ጥራይ ዘይኮንናስ ፣መኳንንቲ ጎንደሬ ኣምሓሩ ውን ኢና።ኣነ እኳ ንህዝብና ቀስ ኢለ እየ ክነግሮ ሓሲባ ኔረ።ምኽንያቱስ ዓጋመን ጎንደሬን ሒዝና ዲና ድኣ ኤርትራ ኢልና ንቃለስ ዘለና ከይብሉ ኢለ፣ግን ንስኻ ካብ ተሃወኽካ እቲ ምስጢር ክድርጉሖ ተገዲደ።ኣጆኻ ኣይንፋላለን ኢና ።ብጌጋ ተረዲእካኒ እምበር ኩልና ኩሩዓት ደቂ ስባጋዲስ ፣ኣቢሲናውያን፣ግንከ ኤርትራውያን ኢና።እምባሕ በል ህግደፍ።ፈላዪና ይፈለ።
    Reply ↓

Post a Reply to Zgeremo Cancel Reply