Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

መልቀስ: ወየ!!!ወየ!!!ወየ!!!!

ወየ! ኣነ!!!!ወየኣነ!!!! ወየኣነ!!!!!!! ኣይግድን!!!ኣይግድን ዝዘበነ!!! ኣይነበረን ወርሓቱ ሎሚቕነ ናይ ምምስጋን ግዜ! ሓጎስ እዋነ ጉድ እምበር!!ተረኺቡ ንዓለም ዘሕዘነ ዘይተጸበናዮ!!ጥፍኣት ሓወይ ክስእነ።   ዝተመርጸት ሮቡዕ ነይራ ታማዓልቲ ዓመት ተወዲኡ ንመጻኢ ፈለምቲ ብሓጎስ ክትፋኖ ዝተገብረ ትጽቢቲ ተቐሪቦም ንስሓቕ ምስ ትዕግስቲ ዘራጊቶ ኸሎዶ!! ጽሩይ ማይ! ነየስቲ በርቂ ኣንጞደጎደ ቡምባን ጠያይቲ ኣድራጋ ተተኮሰ

ወየ! ኣነ!!!!ወየኣነ!!!! ወየኣነ!!!!!!!
ኣይግድን!!!ኣይግድን ዝዘበነ!!!
ኣይነበረን ወርሓቱ ሎሚቕነ
ናይ ምምስጋን ግዜ! ሓጎስ እዋነ
ጉድ እምበር!!ተረኺቡ ንዓለም ዘሕዘነ
ዘይተጸበናዮ!!ጥፍኣት ሓወይ ክስእነ።
 
ዝተመርጸት ሮቡዕ ነይራ ታማዓልቲ
ዓመት ተወዲኡ ንመጻኢ ፈለምቲ
ብሓጎስ ክትፋኖ ዝተገብረ ትጽቢቲ
ተቐሪቦም ንስሓቕ ምስ ትዕግስቲ
ዘራጊቶ ኸሎዶ!! ጽሩይ ማይ! ነየስቲ
በርቂ ኣንጞደጎደ ቡምባን ጠያይቲ
ኣድራጋ ተተኮሰ ሕሱብ ብዓመጽቲ
ሓወይ ቀዚፎሞ! ምስቶም፡ መሳርሕቲ
ኮይኑ ኢሳቕ ጂግና መቓዝፍቲ።
 
ወየ!!!!!ወየ!!!!!!ወየ!!!!
ኢሳቕ ሓወይ ካብ ሓሙሽተ ገንበር
ዓደቦኻ ነይሩ ናይ ሕጊ ናይ መንበር
ኣብ እምባ ዝሰፍሩ ልዒሉ ዘይድፈር
ንጸላኢ መንደፍ ንፈታዊ ማእገር
መንበሪኦም ላዕሊ ዘይድየብ ዘይሕኮር
መራጉዝ እንዳቦኻ ናይ ዓደቦ ደብተር
ጎላግል ደቂ በኽሪ ብቐሊሉ ዘይስገር  
ሰፊሕ ዝመርየቶም ብማሕረስ ዝኽበር
ብዙሕዩ ዝበቕሎ ጻዕዳ ጣፍ ምስ ዓተር
ለሰታት ዓድኻ ክንደይ ኢልካ ክድመር።
 
ወየ!!!!ወየ!!!!ወየ!!!!!!
ተማሃራይ ኮይኑ ሳንጣ ከንጥልጠላ
ቆልዓ ኩዶቡዑር ቆልዓ ዓድዃላ
ሳንጀርጆ መንደፈራ ወዲ ማይተኸላ
ትምህርቲ ወዲኡ! ዝጋደል ኣብ ቆላ
ንሞት ይኸዳሞ! ትሃድሞ ዘሊላ
እንታይ ረኸበካ ዓለምካ ዛህሊላ
ሓወይ ተዘንጊዕካ! ብሰብ ዝመስሉ ተኹላ።
 
ወየ!!!ወየ!!!!ወየ!!!!
ኢሳቕ ሓወይ ተማላእ መልእኽቲ
ንስዉት ሃገርና ንገረለይ በብሓንቲ
ህዝቢ ሓሲምዎ በዚሑ መቕዘፍቲ
ፍትሒ ተሳኢኑ በዚሖም ዓመጽቲ
ይሽየጡ ቆላዑ ከም ጠል ወይ ዕንጸይቲ
ጀነራልት ሃገር ኮይኖም ቀተልቲ
መናእሰይ ሃገርና ሃጽ በሉ ንስደቲ
ኣዋልድ፡ጎራዙት ናብራኤን ብሕቲ
ልቦና ተሳኢኑ ህዝቢ መላፍንቲ
ዓቕሊ ጸቢብዎ ወዲኡ ትዕግስቲ።
 
 
 ወየ!!!ወየ!!!!ወየ!!!!!
ጂግና ሓወይ ኣኺሉ እዋንካ
ንሕናስ ምደለና ብዙሕ ክንሕዘካ
ብድሕሪ ሕጂዶ!ከይርከብ ፍሽኽታኻ
ዝሓለፈ ጉዕዞኻ ከምይ ከይነገርካ
ሃንደበታዊ ካብ ኮነ ነዊሕ መገሻኻ
ገል ከይረሳዕኩ ሕጂ ክነግረካ
ከቶ ኣይተርፍን!! ክፍደ! ሕኔኻ
ጂግና ተጋዳላይ! ኣብ ስደት ተሪፍካ
ብኸተርቲ ስለ ዝተዘምተ ዓደቦኻ
ኪድ በል ሓወይ ኣምላኽ ይቀበልካ
ጽንዓት ይሃቦም ንኹሎም ስድራኻ።
 
ተኻፋሊ ሓዘን
ሃይለ ገብረትንሳኤ
ዘቢሄረ ሰራየ
ኢንድያናፖሊስ ኢንድያና  7 ታህሳስ 2015

aseye.asena@gmail.com

Review overview
10 COMMENTS
  • Afeworki ghebrehiwet December 8, 2015

    I am deeply sad for the loss of our brother.at one time or another,we were probably drinking water from the same faucet in sangiorgio mendefera.

  • gansheraanbetha December 9, 2015

    ዝከበርካ ሃይለ ዲካ ትበሃል
    ሕዘን ዋይ ዋይ በል ነቶም ኣብ በረካታት ሃገርና ዝሞቱን ዝስውኡን ዘልዉ እምበረይ ኢዚ ሰብብ ደኣ ሓቂ ክንዛረብ ኢንተኮይኑ ውዑይ እናበለ ዝሁል እናበለ ሃትዶግ እናበለ ጓዕጓዕ እናበለ ጠጥዕሙ ……………..እናበለ ዝከደ ደኣ ከም ሰብ ደኣ ይይልቀሶ እምበር ካልእ ደኣ ኣይብዝዝሓዮ……………..

    • Berhane December 9, 2015

      Dear gansheraanbetha:

      Anta shimka kefue regum kemti merahika Essayas nay zemote jegina hawena Isaac zehalfe nabreu kitesabaseb aytehaferen. Derekegna esus tegadilu, wolidu zemidu nehageru abey aberkito zegebere seb eyou. Ewe nehazen ne Isaac. Zeyekemaka mushmush en derbayen anbesa net hawena Isaac nehazenen nebekin. Muteley misti dictator merahika!!!!!!!

      • AHMED SALEH December 9, 2015

        Shm inakeyayerka himak zereba nimenfeska imber nimen yehzinka
        Amlakh keysemeaka TOBA bel abakha keytmexeaka, Libi ghber
        MOT NEBARI iyu , kuluna kenerkbo ina aytiashu

  • Haile Tensae December 9, 2015

    ሰላም ክቡር ራማይ ወይስ ነቓፋይ!!!
    ብመጀምርያ ንምንታይ መልቀስ መዓስ ንመን ክፍለጥ ይግባእ።
    ካልኣይ ትርጉሙ ክትፈልጥ ምሕታት ወይ ምምርማር። ባህልን ልምድን ናይ ሕዝቢ ምፍላጥ ግቡእ እዩ።
    መሰል ናይ ምጽሓፍ ኣሎ ኢልካ ስቕ ኢልካ ኣይጻሓፍን እዩ።
    “ስብሔ ኢልካ ስጋ ኣድጊ ኣይትብላዕ”
    ቅድሚ ምጽሓፍ ምሕሳብ ውርዝውና እዩ
    ሓውክ
    ሃይለ ዘብሄረ ሰራየ

  • Berhane December 9, 2015

    Dear Haile. Nebeour nezaifeltu aytemahlel. Gibeuka fesimka eka neska. Good Job Bro….

  • Amare Resom December 9, 2015

    ሃይለ ገ/ት ተዓወት!
    ወየ! ኣነ!!!!ወየኣነ!!!! ወየኣነ!!!!!!!
    ኣይግድን!!!ኣይግድን ዝዘበነ!!!
    ኣይነበረን ወርሓቱ ሎሚቕነ…
    ይበል መልቀስ ውሕሉል ወየ! ወየ!
    ኣብ ወየ ዘይብሉ ዓዲ ከይተረፈ ንዝሰምዕ ዘሕዘነ
    ንመቕርብን ሰማዕን ኤርትራዊ ዘብከየ
    ልቡ ናብ ዝባኑ ዝጠወየ
    ኤርትራዊ ካብ ሞት እንተ ሃደመ
    ሃንደበት ሞት ድያ ትጸንሖ! ዘበለ
    ግን ትሕቲ ሃገራዊ ኣምሲላቶ’ዛ ወየ ወየ
    እዚ መሪር ሓዘን ሞት ኢሳቕ ሓውና
    ንቤተሰብን መቕርብን ጥራይ ዘይኮነ
    ናይ ኩሉ ዜጋ ምዃኑ ኣይትዘንግዕ ናይ ብሃገራ
    ናይታ ደቃ ኣብ ዝኸዱዎ ዝጸንሖም ሞት መከራ
    ደቂ’ዛ ህዝባ ደም ዝነብዕ ዘሎ ኤርትራ
    ስለዚ ኩልና ኢና ጽንዓት ይሃበና!
    ራሕሱ ይግደፈልና! ይኣክል ይብለና!
    ክንብሃሃል ዘለና።
    ኣማረ ርእሶም ካብ ኣመሪካ

  • mzelo tesfamariam December 9, 2015

    thnks haile ms tewlde masho abika ab America haile alena ab addi ke men alo any way abzezelenayo selam yfter nzmote mengste semay

  • Semharr December 10, 2015

    Thank you ሃይለ ዘብሄረ ሰራየ God bless you.
    ንሓውናን ኢሳቕ ገብረስላሲ ኣማንዮ መንግስተ ሰመይ ይሓብ:
    መላእ ስድራቤት ሕሰም ኣይትርከቡ::

  • tesfu December 10, 2015

    I am from Akleguzay, but when I see the word “behere seraye” at the end of poem. I felt happy for your confidence, by saying what you said. People who have origin, has to be proud of their origin besides your nice poem.

POST A COMMENT