Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

መልቀስ

ወየ!!!!!!ወየ!!!!!ወየ!!!!! ኣንታ ጥዑም ወረዶ ተሳእነ ኣንታ እንታይ ክንብል ሎሚቕነ ህዝቢ ኤርትራ ቅሳነት ስኣነ ኣብ ዘዘለዎ ርእሱ እናድነነ ኣብ ሃገሩ ንኸይነብር ተኾነነ ዝነበር ሓመድ ሃገሩ እምበር ሰኣነ።   ተጋዳልይ መሓመድ ናስር ብሃገሩ ክሓስብ ከይደቀሰ ዝሓድር ዲሞክራስያዊት ሃገር እናበለ ዝምድር ዓዱ ከይተመልሰዶ! ኣብ ስደት ይሓድር ኣብዚነኻ ጉድ ዓዲ ዘየጋብር ሕልና

ወየ!!!!!!ወየ!!!!!ወየ!!!!!

ኣንታ ጥዑም ወረዶ ተሳእነ

ኣንታ እንታይ ክንብል ሎሚቕነ

ህዝቢ ኤርትራ ቅሳነት ስኣነ

ኣብ ዘዘለዎ ርእሱ እናድነነ

ኣብ ሃገሩ ንኸይነብር ተኾነነ

ዝነበር ሓመድ ሃገሩ እምበር ሰኣነ።

 

ተጋዳልይ መሓመድ ናስር

ብሃገሩ ክሓስብ ከይደቀሰ ዝሓድር

ዲሞክራስያዊት ሃገር እናበለ ዝምድር

ዓዱ ከይተመልሰዶ! ኣብ ስደት ይሓድር

ኣብዚነኻ ጉድ ዓዲ ዘየጋብር

ሕልና ዘለዎ ወድ ሃገር ይጠርነፍ ይመድር።

 

መሓመድ ናስር በጽሒ ናይ ስሳታት

ሃገርይ ኢሉ ዝሓስብ ዝኹሉ ዓመታት

ደኸመኒ ከይበለ ሓለፈ ዘበናት

ዕጥቁ ከየዝለቐ ብዓል ድርብ ቕናት።

 

ኣንታ ወዲ ጢዖ!  ኣንታ ወዲ እምባ ቖሓይቶ

ንጉሆ ምስወጸ ከይተመልሰ ኣብ እቶእቶ

ኣብ ግዳም ዝሕድር ኣብ በረኻ ለይቶ

ኣብድላዩ ከይበጽሔዶ! ዓለም ኣርከበቶ።

 

መሃመድ ናስር ኣንታ ተጋዳላይ

ወዲ እምባ ሶይራ ወዲ በሪኽ ላዕላይ

ኣብ በርኻ ውዒሉ ዝሕምብስ ኣብ ቃላይ

ኣብ ግዜ ንእስነት ከም ተምን ተወርዋራይ

ንኹሉ ከሔጉስ ኣየቐይምን ብሃላይ

ንህዝቡ ዝሓሊ ከይበለ ንዓይ! ንዓይ!!!

ጅግና ወዲ ሃገር ዉፉይ ተቓላሳይ።

 

መሓመድ ናስር ወዲ እምባ ሶይራ

ወዲ ኣከለጉዛይ ኢኻ ትውለድ ብሓበራ

ባዓል ንስኻ ነበርኩም ሓሰብቲ ናይ ኤርትራ

ዝዘንበለ ፍትሒ ይእከብ ይኸውንዉን ኩምራ

እምነት ምስ ጎደለ ኣይፍታሕን ብኻራ

ዝተፈትሔ ገመድ!  ደጊምካ መን ይኣስራ

ሓንሳብ ዝተዘርዘረ መን ይመልሶ ኣብ ሰፈራ

ምኽንያት ከይተገልጸ ኣይወጽእን ሓራ።

 

 

መእስይ ከብሳ ምስ ወረደ ባርካ

ካልኣይ ሃገራዊ ጉባኤ ንስኻ ተሸምካ

ክንዲ ትሕብሕቦ ኣፍልጦ ስኣንካ

ወገንካ ምዃኑ ኣቐዲምካ ረሲዕካ

ሰውራ ድዩ ወይስ ደስነት ኣዔሸወካ

የማናይ ኢድካ ንኹቑረጽ ስቕ ኢልካ ርኤኻ

ፋሉል!! ፋሉል!! እናትባህለ ክህደን ኣብ ቕድሜኻ

ንዝፈልጥ ሹዑ ጠፍኤ መንበርካ! ኮነ ዓራትካ።

 

 

ከይዉዓለ ከይሓደረ ደርጊውን ኣይደቀሰ

ንሃገርና መጸ ብዓድን ብበርኻን ገስገሰ

ሓራ ንዝወጸ መርየት ደጊሙ ቀስቀስ

ዓዲ ምስ ተወረ ሰራዊት ፈሰሰ

ዝቐደመ ከይ ኣክል ዝደሓረ ንስደድት ፈለሰ

ህዝባዊ ግንባር ተጸቒጡ ነገር እና ኣጣቖሰ

ፍትሒ ንዝሰኣነ ተጋዳላይ ዕርዱ እናፈረሰ

ኣባኻ ነበረ ትጽቢቱ ነገር ክሕደሰ

ኣይከ ኣልካን! ከተድሕኖ ነገርውን በስበሰ

ድሕሪ ዕስራ ዓመት ተሓኤ ንሱዳን ፈለሰ

ሹዑ እዩ ቃልሲ ኣብቅዔ!!!  ደጊም ነይተመልሰ።

 

ሓመድ ናስር መልክዕ ናይ ገድልና

ተስፋ ከይቖረጸ! ኣብኻ ኣመነ ህዝብና

ይኣክል ኣይበልካን! ሓቑ ከይነገርካና

ንሕናውን ረሲዕናዮ ፉጡራት ምዃና

ሃንደበት ኣብዛ ሓሳዊት ዓለም ራሕሪሕካና

ጠንበርበር ኮይኑዩ ሕጂ! ክንሓስብ ግደና

ቃልሲ ኣይተወድኤን ኣሎ ገና! ኣሎ ገና!!!።

 

ወዲ ሃገር ከይትብል ጠምበርበር

ኣብዘዘለኻይ ምኸር ተበራበር

ቃልሲ ገናዩ ኣይተውድኤን ነገር

መሓመድ ናስር ካብ ከደ ኣለና ቁምነገር

ዝጀመሮ ክንፍጽሞ ከነድሕን ሃገር

ኣየድልን ብኽያት ወይ ጓልነገር።

 

መሓመድ ናስር ወዲ ኤርትራ

ኣብኡ ንዝጽንሑካ ንኹሎም ብሓበራ

ከይፈለኻ ኩላቶም ስዉኣት ኤርትራ

ንገረልና ቃልሲ ኣይተወድኤን በብተራ

መንእሰይ ተላዒሉ ኣሎ ህዝቢ ንኽወጽእ ሓራ

እንተ ንስኻሞ ንሲኦል ስገራ።

 

ካብ ከድካ ሰዓትካ ኣኺሉ

ኣምላኽ ይቀበልካ ኣብ ጽላሉ

መሓመድ ናስር ከይዱ ተላዒሉ

ዕድሜኡ ሙሉእ ተቓሊሱ ዓልልሉ

ንዝጀመሮ ፍትሓዊ ቓልሲ ተኸተሉ

ኣብ ፍትሓዊት ሃገር ሓወልቲ ትኸሉ

ንሰማእታት ሙያኦም ኣኽብሩ ዓልልሉ

መንእሰይ ብረት ኣልዕል ፍትሒ ተኾልኾሉ

ሸፋቱ ሃገርና ብቶሎ ክንቀሉ

ተጋዳይ ሓመድ ናስር ሓው ናይ ኩሉ

ቤተሰብ ተሓበኑ ዓልልሉ  ።

 

ተኻፋሊ ሓዘን

ሃይለ ገብረትንሳኤ

ኢንድያናፖሊስ ኢንድያና

ሰምየን ኣመሪካ

29 መጋቢት 2014

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
8 COMMENTS
  • Tesfu Kidane March 29, 2014

    BROTHER HAILE, I ADMIRE YOUR POEMS. BUT ABOVE ALL YOU DO YOUR BEST MELQES TO ERITREAN HEROES. KEEP IT BROTHER.

  • ERITRAWIT March 29, 2014

    Brother if we don’t do anything never mind living in our country we will berud far away from our land really sad!!!!!!!

  • ghirmayj@hotmail.com March 30, 2014

    Selam HAILE GHEBRETENSAE : I am glad to see your piece on our great leader AHMED NASSER. THANK YOU HAILE. GOD BLESS AHMED NASSER FOR WHAT HE DID FOR THE ERITREA PEOPLE!

    I read many of your writings on the TIGRIGNA WEB SITES and I am always pleased. How are you my doing dear Haile? I still remember the good old times! Write me my address is at ghirmayj@hotmail.com. Selam Haile.

    Ghirmay Yosef

  • ahmed saleh March 31, 2014

    HOW FAR WE TRAVEL THE GOOD AND BAD MEMORY FOLLOW .

  • Habtom March 31, 2014

    Mr. Haile,

    God bless you for your poem to explain the role of our Hero,Martyr Ahmed Nasir in the Eritrean struggle for independence, democracy & human right!!!!

    keep up the Good job.

    HH
    Stockholm

  • Mahmoud April 1, 2014

    ክብረት ይሃብካ ሃይለ ሓወይ, ኣንታ ለባም ወዲ ለባማት, ተማሃራይ ናይ ሰንት ጆርጆ.

  • Tewelde April 1, 2014

    አቶ ሃይለ

    ወትሩ ብእትገብሮ ወዮ…. ወይ መልቀስ ኩሉግዜ መሰድነቅኩኻ ሰለዝኾነ ኸአ ቀጽሎ ከይተሓለልካ . . . . .

    ሓውካ ተወልደ

POST A COMMENT