Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

መልእኽቲ ሓጂ ሙሳ ቃል ኩልና ፡ ንመሰልና ክንስየፍ ሓላፍነት የሰክመና

ብ31 ጥቅምቲ 2017 ኣብ ኣስመራ ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ንምቅዋም ዝተኻየደ ህዝባዊ ናዕቢ፡ ዘይንቡር’ኳ እንተኾነ፡ ህዝቢ ኤርትራ ክሳብ ክንደይ ሓሲምዎ ከምዘሎን ህግደፍ ፉንፉንን ጽሉእን ስርዓት ምዃኑ ዳግማይ ዘነጽር ፍጻመዩ። ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ከም ኣመሉ፡ ነቲ መሰሉን

ብ31 ጥቅምቲ 2017 ኣብ ኣስመራ ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ንምቅዋም ዝተኻየደ ህዝባዊ ናዕቢ፡ ዘይንቡር’ኳ እንተኾነ፡ ህዝቢ ኤርትራ ክሳብ ክንደይ ሓሲምዎ ከምዘሎን ህግደፍ ፉንፉንን ጽሉእን ስርዓት ምዃኑ ዳግማይ ዘነጽር ፍጻመዩ። ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ከም ኣመሉ፡ ነቲ መሰሉን ክብሩን ንምርግጋጽ ብዓውታን ድፍረትን ድምጹ ዘስምዐ ሰላማዊ ህዝቢ፡ ብዓረር፡ ብማእሰርቲ፡ ብዱላን ሰደፍ ጠበንጃን ክምልሰሉ ምርኣይ ዘገርም ኣይኮነን። ብርግጽ እዚ ኣረሜናዊ ተግባር ንህዝቢ ኤርትራ ዘይግብኦ’ኳ እንተኾነ፡ ስርዓት ህግደፍ ዓምጻጺ፡ ርእይቶ ካልኦት ዘይቅበልን ወኪል ህዝቢ ኤርትራ ስለዘይኮነን፡ ወትሩ ካብ ቋንቋ ሰላም ቋንቋ ሓይሊ’ዩ ዝጥቀም። ስርዓት ህግደፍ፡ ብልሹውን ጨካንን ምምሕዳሩ ኣሚኑ ጠለባትን ሕሰምን ህዝቢ ኤርትራ ክግምግምን ፍታሕ ከናድን ኣብ ክንዲ ዝሰርሕ ምስ ኣተሓሳስብኡ ዘይቃዶን መሰለይ ዝበለን ኤርትራዊ፡ ”ከዳዕን ዘይሃገራውን” ዝብል ስም ብምጥማቅ’ዩ ዝጭፍልቆን ኣቃልቦ ህዝቢ ከምዘይረክብ ክገብሮ ዝፍትንን። ሎሚ’ውን ስርዓት ህግደፍ ከም ወትሩ ሓቂ ንምጥምዛዝ፡ መሰል ህዝቢ ንምጭፍላቅ ድሕር ከምዘይብልን ጸላኢ ህዝቢ ኤርትራ ከምዝኾነን ዳግም ኣረጋጊጹ’ሎ

እቲ ብ31 ጥቅምቲ 2017 ኣብ ኣስመራ ዝተኻየደ ተባዕ ህዝባዊ ተቃውሞ፡ ሕቶ መላእ ህዝቢ ኤርትራ’ምበር ሕቶ ውልቀ ሰብ ወይ ናይ ሓደ ሃይማኖት ጸገም ኣይኮነን። መቀጸልታ ናይቲ በብእዋኑ ንግዕዙይ ኣሰራርሓ ስርዓት ህግደፍ ንምቅዋም ብግህዱን ብሕቡእን ፈኸም ክብል ዝጸንሐ እምቢታን ቃንዛን መላእ ህዝቢ ኤርትራ’ዩ። መሰልን ክብረትን ህዝቢ ኤርትራ ክሳብ ዘይተረጋገጸን ዓማጺ ክሳብ ዘሎን ድማ፡ ተቃውሞ ህዝቢ፡ ሎሚ፡ ጽባሕን ድሕሪኡን ክቅጽል’ዩ። ኣብ ከምዚ ናይ ሞትን ሕየትን ቃልሲ፡ እቲ ብረት ዓጢቁ ድሕነት ሃገርን ህዝብን ከውሕስ ዝግብኦ ሰራዊትን ትካላት ጸጥታትን፡ ተኣማንነቱን ዕላምኡን ንህዝቢ ኤርትራ’ምበር፡ ነቲ ንህዝብና ዘንብዕን ዝቅንጽልን ዘሎ ጉጅለ ህግደፍ ስልጣን ዘናውሕን ዝሕብሕብን ክኽወን ኣይግባእን። ሰራዊት ኤርትራን ካልእ ዕጡቅን፡ ካብ ከርሲ ውጹዕ ህዝቢ ተወሊዱ፡ ስልጣን ስርዓት ህግደፍ ንምዕቃብ ብረቱ ናብ ወለዱን ኣሕዋቱን ዘቅንዕን ኣብ ጎደናታት ሰባት ዝሃድንን እንተኾይኑ፡ ጽባሕ ብታሪኽ ከምዝሕተት ክዝንግዖ የብሉን። እዚ ሎሚ ኣብ ስልጣን ዘሎ መላኺ ስርዓት ህግደፍ ድማ ብማዕበል ህዝቢ ምስተገለፈን ነበር ምስኮነን ቁሊሕ ከምዘይብሎ ክርዳእ ኣለዎ። ኣብ መራኸቢ ብዙሓን፡ ስርዓት ህግደፍ ዘዋፈሮምን ስሱዓትን ብገርሂ ዝተገርዙን ውሑዳት ኤርትራውያን፡ ነዚ ውጹዕ ህዝብና ዘስምዖ ዘሎ ኣውያት ለውጥን ፍትሕን ዘይመልክዑ ንምትሓዝን ህዝቢ ኤርትራ ንሓድሕዱ ንምንቋትን ዝዓለመ ስለዝኾነ፡ ኣእዳዎም ክእክቡን ስርዓት ህግደፍ ናቶም ከምዘይኮነ ክፈልጡን ኣለዎም። ኣብ ትሕቲ ስርዓት ህግደፍ፡ ህዝብና ብሓባር ይስደድ፡ ይጠሚ፡ መሰል ምዝራን እምነትን ይኽልከል፡ ይእሰር፡ ዝወለዶም ደቁ ኣብ ዕስክርና ይኽድሙ፡ መሰሉ ይርገጽ ስለዘሎ ጸላኢ መላእ ህዝቢ ኤርትራ’ዩ። ስለዝኾነ ድማ ህዝቢ ኤርትራ ብሓባር ክምክቶን ንሰንካም ኣናቋቲ ሜላታቱ ክነቅሓሉን ኣለዎ። ስርዓት ህግደፍ ኣብ እዋን ዕርበቱ ዝጥቀመሉ እከይ ተግባር፡ ህዝቢ ብሃይማኖት፡ ብኣውራጃ ከምዝፈላለን ንሓድሕዱ ከምዝጻላእን ምግባር’ዩ። ስርዓት ህግደፍ፡ ጸላኢ ኣብያተ ክርስትያንን መሳጊድን፡ ኣዕናዊ ናይ ብሕቲ ትካላትን ስድራቤታትን ስለዝኾነ፡ ኣብ ሕብረተሰብ ኤርትራ ክህሉ የብሉን። መፍትሒ ናይዚ ብስርዓት ህግደፍ ዝወርድ ዘሎ መዘና ዘይብሉ ኣደራዕን ሕስረትን፡ ስቅታን ስደትን ዘይኮነ፡ ኣሰር ተባዕ ስጉምቲ ቢተወደድ ኣብርሃን ኣቦይ ሓጂ ሙሳን ምስዓብን ንኽብረትካን መሰልካን ምስያፍን’ዩ። ንሱ’ዩ ነባሪ ታሪኽን ኩርዓትን።

ጽላል፡ ካብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፡ 2 ሕዳር 2017

Subscribe ASSENNA YouTube to get Radio Assenna shows on time:

aseye.asena@gmail.com

Review overview
6 COMMENTS
  • k.tewolde November 3, 2017

    Once upon a time a young man from Gerset pulled the trigger to set of our armed revolution which culminated 30 years later, this time a 90 y/o sent shock waves from Akriya in the land where speaking up is a taboo and the people spilled out into the streets confronting their oppressors for the fist time.Do you notice the similarities? We have come full circle. The Almighty has his subtle ways of teaching us.Lets not tune Him out.Thanks a million Tsilal.

    • k.tewolde November 3, 2017

      The fact is our highly educated intellectuals from a safe distance couldn’t master to gather a crowd to make a dent towards a just cause for awhile but this elderly Eritrean citizen spoke to their hearts and voiced their grievance flanked by the claws of the beast and they responded.Don’t underestimate the power of the masses.

    • Gezae November 3, 2017

      Old times there was a saying that OLD is GOLD, no days every thing has been changes as OLD is MOLD

  • Gezae November 3, 2017

    Old times there was a saying that OLD is GOLD, no days every thing has been changed as OLD is MOLD

    • k.tewolde November 4, 2017

      Don’t insult the tyrant and his close confidants who are on a daily regimen of flomax and Viagra. Gezae ‘OLD is MOLD’ that is the best schlep you can come up with?the champion of democratic change trashing a whole generation of yesteryear including his parents.It figures. .

POST A COMMENT