Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

መልእኽቲ ንፍቑራት ወለደይ – ብ ኢብራሂም ማሕሙድ ሸሪፎ

18 መስከረም 2016 ይጸብቑ ይሕመቑ፣ ዝኽርታት ክግጠሙ እምበር ብሃውሪ ክድምሰሱ የብሎምን ዝብል እምነት ኣለኒ። ብወገነይ፣ በቶም ክፋል ኣካላተይ ኮይኖም ዘለዉ ዝኽርታት ዝተፈራረቐ ስምዒት ሓዲሩኒ ይርከብ። በቲ ሓደ ሓበን ዘበገሶ ትብዓት ክስምዓኒ ኸሎ፣ በቲ ኻልእ ድማ ግንብንብ

18 መስከረም 2016

ይጸብቑ ይሕመቑ፣ ዝኽርታት ክግጠሙ እምበር ብሃውሪ ክድምሰሱ የብሎምን ዝብል እምነት ኣለኒ። ብወገነይ፣ በቶም ክፋል ኣካላተይ ኮይኖም ዘለዉ ዝኽርታት ዝተፈራረቐ ስምዒት ሓዲሩኒ ይርከብ። በቲ ሓደ ሓበን ዘበገሶ ትብዓት ክስምዓኒ ኸሎ፣ በቲ ኻልእ ድማ ግንብንብ ይብለኒ ‘ሎ። ሎሚ መዓልቲ 18 መስከረም፣ ረዘንቲ ናይ ሓዘን ዝኽርታት ተጻዒኖምኒ ‘ኳ እንተለዉ፣ እዛ መዓልቲ ካብ ዝኽረይ ክትምንዛዕ ኣይክፈቅድን እየ። ምኽንያቱ፣ ሕልናይ ነዛ መዓልቲ ‘ዚኣ እንተረሲዑዋ ብርግጽ ዘኽቲሙ ክተርፍ እዩ።

ኣብ 1980ታት ምስ ከማይ ዝኣመሰሉ ኣሽሓት ቆልዑ ብሓባር ኣብ ዓውደ-ውግእ ኤርትራ እየ ዓብየ። ንሕና እቶም ቆልዑ ስውራ፣ ብዝኽርታት ናይቲ ፍሉይ ቁልዕነት ነንሕድሕድና ንሓዋሩ ዝተኣሳሰርና ኢና። በቶም ጋሃጽሃጽ ዝበሉ ኣኽራናት ሳሕል ኣብ ዝተኸበቡ ብዓትታትን ንግዚኡ ዝተሰንዑ መጽለሊታትን ኢና ዓቢና። ብሰንኪ ‘ቲ ጽንኩር ኩነታት ወለድና ብረት ጸይሮም ላዕልን ታሕትን ይብሉ ስለዝነበሩ፣ ንዓና ዝኸውን ግዜ ኣይነበሮምን። ኣብ ርእሲኡ፣ ሓቀኛ ትርጉም ስድራቤት ክንርዳእ ህጻንነትና ዘፍቅደልና ኣይነበረን።

እወ፣ ኣብቲ በረውረው ዝበለ በረኻታት ሳሕል ጥቡቕ መንፈሳዊ ርክብ ነይሩና። ኣብቶም ንግዚኡ ዝተኻወኑ ክፍልታት ትምህርቲ ኮነ ኣብ ደንደሶም ኣብ ዝርከብ ሩባ ክንጻወት ከለና፣  ዛንታታት ጅግንነት ካብ ምድጋም ሓሊፍና ዓሚቝ ፍልጠት ዕላማታት ናይቲ ሰውራዊ ተልእኾ ኣይነበረናን። ወለድና፣ ብ ደምን ረሃጽን ንብዓትን ዝተጠምሩ ምንብሮም ግን፣ ብኡ ንብኡ ይስወጠና ነበረ።

ወለድና ንሓደ ካብቶም ዝመረሩ ዓውደ – ውግኣት ብረታዊ ቃልሲ ዝተኻየደሉ ግንባር ሓልሓል ክሰብሩዎ ከለዉ፣ ዕንክይክይ እንብል ህጽናት ኢና ዝነበርና። እዚ፣ ድሕሪ ‘ቲ ጅግንነታዊ ውግእ ኣፍዓበት ዝተኻየደ ግጥም ምንባሩ እዩ። እወ፣ ነቲ ገለ ኻባና ስፍሓት ቀይሕ ባሕሪ ንፈለማ ግዜ ብዓይንና ክንርኢ ዘብቅዓና፣ ወለድና ንወደብ ባጽዕ ሓራ ዝገበሩሉ ስርሒት ምሉእ ብምሉእ ክንዝክሮ ዕሸልነትና ይድርተና እዩ። ብዙሕ ከይጸንሐ፣ ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ነታ ወደባዊት ከተማ ንምዕናው ዘካየዶ ቀጻሊ ደብዳባት ግን ዝርሳዕ ኣይኮነን። ኣብ ሰማይ ናይ ሞት ደበና፣ ኣብ ዝሓለፍካዮ መሬት ድማ ኣሰር ሬሳታት ይርአ ነይሩ። እዚ ኸኣ ‘ዩ፣ እቲ ንሓዋሩ ዘተኣሳስረና ተመክሮ። ካልእ ብማዕሪኡ ዘራኽበና ፍጻሜ እንተደኣነይሩ፣ እቲ ኣሽሓት ህዝብና ናብ ጎረቤት ሃገር ከምዝስደድ ዝገበረ ከቢድ ሓደጋ ደርቂ እዩ። ከም ህዝቢ፣ ነዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ከቢድ ፈተነታት ሰጊርና ምስራርና ‘ምብኣር ተኣምር ‘ዩ።

እቶም ኣብ ቅድሚ ከምዚ ዝኣመሰለ ጽንኩር ፈተነታት ሓጺናዊ ጽንዓት ዘርኣዩ ወለድና ምስ ኣሽሓት ካልኦት ብጾቶም ኣብ መወዳእታ ንኤርትራ ሓራ ከውጽኡዋ ክኢሎም። ኣብቲ እዋን ‘ቲ፣ ኣነ፣ ወዲ ሓሙሽተ ዓመት እየ ነይረ። ሽዑ መወዳእታ ዘይብሉ ዕልልታን ፌስታን ክቕጽል ይዝከረኒ። ኪኖኡ እንታይ ተዓቝሩለይ ከምዝነበረ ግን፣ ኣፍልጦ ኣይነበረንን። ድሕሪ ቁሩብ ዓመታት፣ ኣብ ፈለማ ጉብዝናይ፣ ክልቲኦም ተጋደልቲ ኣቦይን ኣደይን ካብ ገጽ መሬት ምስ ጠፍኡ ግን፣ ዓለመይ ቁልቁል ኣፋ ተደፊኣ ሓርቢቱኒ። እንሆ ድማ፣ ድሕሪ 15 ዓመታት፣ ሎሚ፣ ሃለዋት ወለደይ ዝጠፍኣሉ ዕለት ንመበል 15 ግዜ እዝክር።

18 መስከረም 2001፣ ኣቦይን ኣደይን ኣብ ኤርትራ ጽገናዊ ለውጢ ክተኣታቶ ዝጽውዕ ቅሉዕ ደብዳበ ስለዝጸሓፉ ብዘይፍትሓዊ መንገዲ ዝተመቝሑላ፣ ሃለዋቶም ንሓዋሩ ዝሃጠመላ ዕለት እያ። ከምዚ ዝኣመሰለ ድንገት ክወድቀኒ ፍጹም ትጽቢት ኳ እንተዘይነበረኒ፣ እቲ ዘባህርር ፍጻሜ፣ ነቲ ደላዪ ፍትሒ ህዝቢ ኤርትራ መኣዝን ዕላምኡ ስለዘትሓዞ ክቕበሎ ይግደድ።

ኣነ፣ ኣቦይን ኣደይን ንሓደ ዝጭበጥ ዕላማ ደው ከምዝበሉ ኣጸቢቐ ስለዝፈልጥ ብወለደይ ሕቡን እየ። እቲ ዝወሰዱዎ ስጉምቲ ምልክት ዕቱብ ባህርያቶም እዩ። ንሳቶም ሃናጺ ነቐፌታኦም ዘቕረቡ ልዙባት ተጋደልቲ ደኣምበር፣ ተሻደድቲ በጋሚዶታት ኣይነበሩን። ምእንቲ ቅዱስ ዕላማ ብቕኑዕ ሕልና ደው ከምዝበሉ ዘይፈልጥ ሰብ የለን። ትብዓቶም ድማ ኣብ ጽቡቕ ገጻት ታሪኽ ሰፊሩ ክነብር እዩ። ዋላ ኳ ‘ቲ ኸቢቡኒ ዘሎ ዘይጽወር ኩነታት ንሓራቕን ዘይርትዓውን ግብረመልሲ እንተደፋፍኣኒ፣ ምረት ከይቆጻጸረኒ ነብሰይ ገኒሐ፣ ብኣንጻሩ ነቲ ክብረት ዘለዎ መርገጺ ወለደይ ኣጽኒዐ ክሕዝ እየ መሪጸ።

ዝተናፈቕኪ ኣደይ ወላዲተይ፣ ወረ ስድራና ክህበኪ ፍቐድለይ። እታ ትፈትውያ ኣዴኺ፣ ቅድሚ ሒደት ኣዋርሕ መበል 86 ዓመታ ኣኽቢራ። መሓውራ ከንቀጥቅጥ ኳ እንተጀመረ፣ ኣእምሮኣ ምሉእ ‘ዩ ዘሎ፣ ብዛዕባኺ ጥራይ ከኣ ይሓስብ። ብህይወት ክትቅጽል ዝሕልዋ ዘሎ ሓደ ነገር፣ ናብ ገዛኺ ክትምለሲ ዘለዋ ትጽቢት እዩ።

ዝናፍቐካ ኣቦይ ወላዲየይ፣ ኣብዚ እዋን’ዚ፣ ሰባት መመሊሰ ንዓኻ ይመስል ከምዘለኹ ይነግሩኒ ‘ለዉ። ኣነ ግን ብሓቂ ክነግረካ፣ ደጊምሲ፣ መልክዕካ እንታይ ከምዝመስል ምዝካሩ ኳ ኣጊሙኒ ‘ሎ። ለካ 15 ዓመት ምፍልላይስ ዝኽሪ ኣእምሮ ንምህሳስ ዝፈታተን ሓይሊ ‘ለዎ። ክሳብ ሕጂ ኣጸቢቑ ዝረኣየኒ ነገር እንተልዩ፣ እቲ ድሉው ጉልበትካ ጥራይ እዩ።

ፍትውቲ ርህርቲ ወላዲት ኣደይ፣ ዝናፍቐካ ብዓል ድልዱል ጉልበት ኣቦይ ወላዲየይ፣ ካብ ገጽ መሬት ሓቒቕኩም ብምጥፋእኩም ኣብ ህይወት ብዙሕ ነገራት ከምዝሓረመኒ ክሓብኣልኩም ኣይክእልን እየ። ብርግጽ ንእስነተይ ተሰሪቑ፣ ኣብ መወዳእታ ዘይብሉ ቀጻሊ ቃንዛ ‘የ ዝነበር ዘለኹ። በቲ ሓደ ወገን ግን፣ ንመንፈሰይ ነጻ ስለዘውጻእኩሞ፣ ነዚ ስቅያት ‘ዚ ተቐቢለዮ ‘ለኹ። ኣብ መላእ ዓለም ዘለዉ ኤርትራውያን ስለ ፍትሒ ደው ኢሎም ክዛረቡ ድርኺት ስለዝፈጠረሎም ንመርገጺኹም ብሓበን ‘የ ዝጽምብሎ።

ወድኹም ኢብራሂም

18 መስከረም 2016

( ካብቲ ብእንግሊዝኛ ዝተጻሕፈ ቀንዲ ጽሑፍ ዝተርጎምናዮ

aseye.asena@gmail.com

Review overview
4 COMMENTS
  • Simon G. September 20, 2016

    ነዚ ኣንቢቡ ዘይርህርህ: ዘይሓርቕ: ዓሕ ዘይብል ሰብ ‘ተልዩ: ኣምላኽ ዝበደሎ ጥራይ ክኸውን ኣለዎ።
    ኣጆኻ ኢብራሂም: ጅግና ወዲ ጅግና!

    • Keren September 20, 2016

      Why should people be angry on this when they have far more real and personal family/health matters or issues to make them more angry, sad and depressed.
      You may be a free man with no family or health issue to worry you but don’t be an arrogant and ignorant to expect others to just be angry and mad like hell with all the depressing news that they read. Eritreans have become so used to sad and shocking news of troubled Eritrea.

      • AHMED SALEH !!! September 21, 2016

        You can use various pen-names but the forum already identified your sinister intention not take your comments seriously . An arrogant person refuse to hear
        the plea of other human beings .
        Simon G. stated precisely to define ignorant people by saying ;
        ‘ AMLAKH ZIBEDELO SEB RIHRAHE YEBLUN ” . That is facts we can’t hide to
        distinguish between cruelty that serves for Satanic tendencies and moral value that serve for good will spiritual conviction .

  • DESALEGN BERHE September 22, 2016

    ኣብ ዓለምና ሓቂ ወይ ሕሶት ዝበሃል ነገር የልቦን እዩ!

    ኣብ ዓለምና ሓቂ ወይ ሕሶት ዝበሃል ነገር ስጋብ ዘየለ እንተኾነ ግን ወዲ ሰብ ንነገራት ኣብ ረብሕኡ ንምዉዓል ናይ ሓቂ ወይ ሕሶት መንገዲ ይኽተል ምኻኑ ዘማትእ ነገር ኣይኮነን እዩ። ኣነ ኤርትራዊ ሙኻነይ ኣዝዩ ሕቡን እየ እንተኾነ ግና ናይዚ ዘለናዮ ዘመን ወልዶ ኤርትራዊ ሙኻነይ ኣዝዩ የሕዝነኒ እንተበልኩ ቃለይ ካብ ሓቂ ዝርሓቐ መሲሉ ኣይስመዓንን እዩ። ምኽንያቱ ህዝቢ ኤርትራ ዝጠፍእ ዘሎን ካብ ሃገሩ ዝበርስን ዘሎ ዝበዝሐ ህዝብና ባዕሉ ኣብ ሕሶት ተሸሚሙ ሕሶት ንምንግስቲ እንዳመገበ ይነብር ምህላዉ ናይ ኣደባባይ ምስጢር እዩ። ምኽንያቱ መንግስቲ ሕሶት ካብ ሕዝቢ ከይረኸበ ንዉልቀሰባት ዝኣስረሉ ወይ ዝቐትለሉ ምኽንያት ዘሎ መሲሉ እይስመዓንን እዩ። ስለዚ ኣብ ሃገርና ስዒቡ ዘሎ ዕንወት ኣብ ምጽብጻብ ምስ እንኣቱ “ብቐዳምነት ተሓታቲ ህዝቢ” ምኻኑ ከስምረሉ ይደሊ ከምእዉን “መንግስቲ ተቐባሊ ሕሶትን ስጉምትታት ብምዉሳዱ ኣብ ካልኣይ ደረጃ ናይ ተሓታትነት እንተሰራዕናዮ ቅቡል ኮይኑ ይስመዓኒ።

    ኣብ መወዳእታ ክብሎ ዝደሊ ነጥቢ እንተሃለወ ሕሶት ኣብ ሃገርና ሓዱሽ ተርእዮ ከምዘይኮነን ብኣካል ከምፈልጦ ሕሶት ኤርትራዊያን ኣብ ጊዜ ደርግ ካብ ስድራና ጀሙሩ ንብዙሓት ኤርትራዊያን ከምዘጽነተን የዋህ ህዝብና ግና ደርጊ ኣጥፊኡና እንዳበለ ከማርር ይነብር ኣሎ። ደርጊ ረሻኒ ቀታሊ ከምዝነበረ ርዱእ ይኹን ደኣምበር ካብ ገጠራትን ከተማታትን ሃገርና “ሕሶት ንደርግ ዝምግብ” ዝነበረ ልዕሊ 75% ካብ ህዝቢ ኤርትራ እዩ። ስለዚ ኣብ ግዜ ደርግ ዝጠፋእና ባዕልና ብኢድና ሕጂዉን ከምኡ ብኢድና ንጠፍእ ኣለና። ስለዚ ንመንግስቲ ኣብ ክንዲ ክነማርር ንነብር ሕማቕን ረሳሕን ባህሊ ሕሶት ነወግድ።

    “ስለዚ ሕዝቢ ኤርትራ ንሕሶት ከይተሓሰምና ሕሰምና ክተብቅዕ እያ ኢልካ ምህሳብ ከንቱ ሕልሚ እዩ”

POST A COMMENT