Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

መልክዕ ሕይወትና ንፖሎቲካ ዓድና’ዩ ዝመስል!

ልክዕ’ዩ ዓዲታት ሰጊርና ድዩ ቀላያት ጥሒስና አብ ድላይና ምስበጻሕና፣ አብ ድላይና ክብል እንከለኹ ከምቲ ንሕና ንሓስቦ ማለት እዩ፡፡ አይኮነን ግን ድሌት ወዲ ሰብ ዓቐንን ዶብን የብሉን፡፡ በዚ ናይ ዘመና መለከዒ ግን፣ ንዓና ኤርትራውያን፣ አብ ድሌትካ

ልክዕ’ዩ ዓዲታት ሰጊርና ድዩ ቀላያት ጥሒስና አብ ድላይና ምስበጻሕና፣ አብ ድላይና ክብል እንከለኹ ከምቲ ንሕና ንሓስቦ ማለት እዩ፡፡ አይኮነን ግን ድሌት ወዲ ሰብ ዓቐንን ዶብን የብሉን፡፡ በዚ ናይ ዘመና መለከዒ ግን፣ ንዓና ኤርትራውያን፣ አብ ድሌትካ ምብጻሕ ማለት፣ አውሮጳን አመሪካን ወይ ካአ  ክንዮኡ ሓሊፍካ ንስካንድናቪያን ንአውስራልያን አርሒቕካ ምኻድ እዩ፡፡ እቲ ዘሕዝን ግን፣ እቲ “ካበይ ኢኻ መጺኻ” ዝብል ሕቶ፣ ከም ህዋሳት ናይ ነብስና፣  ምሳና እዩ ለጊቡ ዝነብር፡፡ እንታይ ዓይነት ሞያ/ ስራሕ አለና፣ አበይናይ ጠርዚ ናይ ትምህርቲ በጺሕና አገዳሲ አይኮነን፡፡ እኳ ዳአ፣ ኤርትራዊ ምዃንካ እንተፈሊጦም፣ አዚዮም ታሕቲ እዮም ዝገብሩኻ፡፡

ንሱ’እውን ገለ ጂኦግራፊ ዝፈልጡ ወይ ዜና ዓለም ዝከታተሉ እንተተረኺቦም፡፡ አይኮነን ግን ፣ ኤርትራ ገና አይተፈለጠትን ዘላ፡፡ ( እዚ ዘይክሓድ ሓቂ እዩ)

ብዝኾነ፣ አብቶም ብዘዕባ ኤርትራ ዝፈልጡ ሃገራት እውን እንተኾነ፣ ኤርትራዊ ኮንካ፣ ርእስኻ አልዒልካ ክትከይድ ማለት ዘይሕሰብ እዩ፡፡ ካብ እዋናዊ ኩነታት ሃገርና ይሓይሽ ይኸውን፣ ኮሪዕና ክንነብር ኢና ማለት ግን ጥራሽ ዘይሕሰብ እዩ፡፡ ( እሞ ኻአ ምስ’ዚ ዘሎ ሕማቕ ስእሊ ናይ ኩነታት ሃገርና) ፡፡ ልክዕ’ዩ ንገለገሊኡ ኤርትራዊ፣ እቲ ሕማቕ ወረ ምስማዕ  (ናይ ሃገርና) ናብ ዘስካሕክሕ ስምዒት ( Phobia) ገጹ እዩ ዘድህበሉ፡፡ ንገለገሊኡ ኻአ ነብስወከፍ ናይ ኤርትራ ክስተት ወይ ተርእዮ፣ አብ ውሽጡ ሰሪጹ የሳቕዮን ይሓቕዮን፡፡ አብ ህይወቱ ከይተረፈ እውን፣ ንከይዓብን/ከይምዕብልን አድህቦኡ አብ ናብሩኡን ደቁን ከየከውን ፣ ነናሻዕ ብዛዕባ ኤርትራ ወረ ብተለቪዥንን ማእከናት ዜናን አብ ዝተላዓለ እዋን፣ክሽቑረርን፣ክበሳጮን፣ከስተማስልን፣ አረ አብዚ ሕጂ’እዋን’ሲ ክሳብ ነብሰ-ቅትለት ( sucidal) ከይተረፈ ሕልፍ ሕልፍ ኢሉ ይጅምር አሎ፡፡ እዚ ኻአ ጥራሽ ናይ ፍጹም ተስፋ ምቑራጽ ተርእዮ እዩ፡፡ አብዛ ሎም ዓመት 2011 ጥራሕ፣ ልዕሊ 24 ነብሰቅትለት ሰሚዕና፡፡ እዚ እዋናዊ ዘስካሕክሕ ኩነታት ‘ስናይ’ ገዲፍካ ማለት እዩ፡፡ ዋላ እቶም ተቓወምቲ በሃልቲ ይክሓድዎ፣ አብ ኢትዮጲያ ጥራሕ 8  (ሾመንተ) ነብሰ-ቅትለት በኤርትራውያን ተፈጺሙ፡፡ አብ ሃገራት አውሮጳን አመሪካን ዓዲ እንግሊዝን ሓዊስካ፣ ዝተፈላልየ ዓይነት ነብሰቅትለት ከምተፈጸመ ሰሚዕና፡፡ እዚ ኩሉ ተርእዮ’ዚ መርአያ (reflection) ናይ ኩነታት ዓድና እዩ፡፡ ልክዕ እዩ፣ ብፖለቲካዊ አረአእያና፣ አዚና ተፈላሊና ጥራሕ ዘይኮነ አብዘይንራኸበሉ ጫፋት  በጺሕና አሎና፡፡ እቲ አዚዩ ዘሕዝን ግን፣ እቲ ሰብአዊ ርህራሀና፣ እቲ ዘዕበየና ናይ ምትሕግጋዝን ናይ ምቡቑባቕን ባህልን ልምድን ከይተረፈ ቀስ እናበለ ሰረቱ ይጠፍእ ምህላዉ እዩ፡፡ እቲ ክንሃድመሉ ዘይንኸእል ዓቢን ግድላውን ነጥቢ ግን፣ ዋላ እውን ገለገለና፣ ሰማይ ዝመጠቕና ኮይኑ እንተተሰማዓና፣ ፈቲና ጸሊእና ፣ መልክዕ ህይወትና ንፖለቲካ ዓድና እዩ ዝመስል፡፡ አብዚ ስዓት’ዚ ከም ኤርትራውያን ፣ ክንየተሉ ንኸእል ክንዲ ፍረ-አድሪ ዝዓቐኑ ሓደ ነገር የልቦን፡፡

እቲ ንንየተሉ ዝነበርና ነጻነት ሃገርና፣ ብገዛእ ዋናታቱ ተጋሂሱ፡፡ እቲ ደረትና ነፊሕና ንምካሓሉ ዝነበርና ኤርትራዊ-መነንት ከይተረፈ፣ ክሳብ ናብ ዘሕንኽ ሕላገት ተቐይሩ አሎ፡፡

ነዚ ንምቕያር ግደና እንታይ እዩ?

1)  ሓድነትና አደልዲልና፣ ፖለቲካዊ ፍልልያትና ከም ንቡር ወሲድና፣ አብ ዘተን ልዝብን አሚንና፣ ካብ ሸርሒታትን ውልቃዊ ረብሓታትን፣ ነጻ ዝኾነ ሃገራዊ ጉባኤ ክንድግፍ?

2)   ነቲ ብተሃንድሶ ናይ ወያነ ዝተደኮነ፣ መንፈስ ተንኮልን ገባትነትን ዝመልኦ፣ ነቲ ሕጋውን ታሪኻውን ሉአላውነትት ናይ ኤርትራ ዝዳፈርን፣ ንሓድነት ኤርትራን ኤርትራውያንን አብ ናይ ሓዋራዊ ሓደጋ ዘእቱ ትልሚ ክንባርኽ?

3)  ብሓደ ድምጺ ህግደፍ አይውክለና ኪዳን አይውክለና፣ጉዳይ ሀገርና ህዝብና ብዝአምነሉን ዝድግፎን ስሙር ናይ ደገን ውሽጥን ኤርትርዊ ሓይሊ እዩ ዝፍታሕ ኢልና ተግባራዊ ዕጭታ ከነስምዕ?

4)  ወይ ድማ አቡኡ ዘፍለጠ፣ ንነብሰይ አብ ዘለኹዎ

ይጥዓመኒ እምበር፣ እቲ ዘለኒ ዘግነት (citizenship)

ሒዘ፣ ክሳብ ዝመውት ዘይናተይ (ናይ ሓሶት) መንነት ሒዘ ምንባር ይሕሸኒ ፣ ንመዛወሪ (Summer vacation) አይከፍአንን እዩ፣ ኢልና ንስዉአትናን ስንኩላትናን ንሞሳኦም አሉ ኢልና፣ ብዓቢኡ ድማ ነቲ አብ ኢድ ህግደፍ ዝጸንት ዘሎ ሃገርን ህዝብን ሕቖና ክንህቦ?

እዚ እዋናውን አዋጣርን ሕልናዊ ሃገራዊ ሕቶ’ዚ፣

ነብሲወከፍና አስላማይና ክርስትያንና ቆላና ደጋና፣ ብቅንዕና ክንፈትሖ ዘለና ግድል እዩ፡፡

ከምቲ አብ ላዕሊ ክገልጾ ዝፈተንኩ፣ መልክዕ ህይወትና ንፖለቲካ ዓድና እዩ ዝመስል፡፡ ንሱ ብሓድነትን ብተግባራዊ ዕጭታን እንተዘይተመኪቱ ካአ፣ ንሕና ናይ ዘልአለም ግዳያቱ ምዃና፣ ዘይተርፍ ሓቂ እዩ ክኸውን፡፡ 

ኣለም ሃ

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
2 COMMENTS
  • Semhar November 18, 2011

    SHAME ON US!
    To let one mercenary destroy our land, our people and our culture.

    SHME ON US!
    To let one mercenary dissolve our heroic national liberation fronts
    ELF 1980, EPLF 1993.

    SHME ON US!
    To let one mercenary turn us against one another and against all our neighbors, Ethiopia, Sudan, Djibouti, Somalia and Yemen.

    SHME ON US!
    To let the dictator kill our heroes, our disable veterans, jail our parents and our religion leaders and members.

    The dictator must go!
    – His boss (Mubarak of Egypt) is thrown out of power in jail.
    – His adored brother (Gaddafi) was killed like a rat.
    – The international community’s talking peace and carrying big stick [sanctions] is having an effect.
    – The Eritrean people are beginning to realize that there is no point in waiting for the regime to reform itself – that it needs to be overthrown.
    We must apply
    TUNISIA style
    or
    LIBYA style!
    This is the moment we must come together to save our land and our people.

    Let freedom ring in ERITREA!

  • wede toronto November 19, 2011

    100/0 u right aleme

POST A COMMENT