Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

aseye.asena@gmail.com

Review overview
1 COMMENT
  • Mesinas July 20, 2014

    ዝኸበርኪ ሓብቲ ኣበባ ኣብርሃ ሰላም።

    ቅርጡው ናዕታ ኢኺ ጽሒፍኪ። ኣበርቲዕኪ ንኽትቅጽልዮ ድማ እላበወኪ። ምኽንያቱ፡ ስነ ግጥሚ ስለ ዚደለኻዮ ጥራይ ብቐሊሉ ዚርከብን ዚከኣልን ኣካል ስነ ጽሑፍ ወይ ድማ ደብዳቤ ስለ ዘይኮነ፡ ፍሉይ ትዕድልትን ተውህቦን ዚሓትት ናይ ተፈጥሮ ህያብ’ዩ። ነዚ ተፈጥራዊ ህያብ’ዚ ብኸመይ ተማዕብሎ ኸና ናይቲ/ታ እቲ ህያብ ዝተዓደለ/ለት ሰብ ጻዕሪ’ዩ ዚሓትት። በዚ ኸኣ ብዙሕ ናይ ዝተፈላለዩ ሙኩራት ቀነዪቲ (ገጠምቲ) ጽሑፋት ብምንባብን ናይ ገዛእ ርእስኺ ናዕታውን ደጋጊምኪ ብምንባብን ከተማዕብልዮ ትኽእሊ ኢኺ። ኣብዛ “መሪሕ” ዘርእስታ ናዕታኺ ኸኣ ገለ እርማት ክህበኪ ፍቐድለይ? ኣብ ትሕቲ ኣርእስቲ፡ ‘ብ.ኣበበ ኣብርሃ (ቶሮንቶ ካናዳ)’ ይብል። እዚ ብኸምዚ ዚስዕብ ኪትካእ ይግባእ፥ ‘ብ ኣበባ ኣብርሃ – ቶሮንቶ ካናዳ’ ምኽንያቱ፡ ብመሰረት ትርጉምን ስራሕን ስርዓተ ነጥቢ፡ እቲ ኣብ ሓጹር ኣትዩ ዘሎ ‘ቶሮንቶ ካናዳ’ ዚብል ስም ሃገር፡ ካልኣይ ስምኪ ወይ ድማ ትርጉም ስምኪ ሙዃኑ’ዩ ዚሕብር።

    እቲ ካልኣይ እርማት፥

    ካብ ኩሉ ዝበልጽ ካብ ኩሉ ዝዓብይ
    ዋጋ ከፊልካ ኢዩ ዝብጻሕ እቲ ራኢይ
    ራኢኻ ክትበጽሖ ስንኻ ነኺስካ
    እንታይ ሰሪሐ በል ሕተታ ነብስኻ፡

    እዚኣውን ብኸምዚ ዚስዕብ ክትእረም ይግብኣ፥

    ካብ ኩሉ ዚበልጽ ካብ ኩሉ ዚዓቢ ምኽንያቱ፡ ዚዓቢ እምበር ዝዓብይ ኣይብሃልን’ዩ።
    ዋጋ ከፊልካ እዩ ዚብጻሕ እቲ ራኢ፡ ምኽንያት፡ ራኢይ ኣይብሃልን’ዩ። ከምኡውን ‘እዩ’ እምበር ‘ኢዩ’ ኣይጸሓፍን’ዩ።
    ራኢኻ ኪትበጽሖ ስንኻ ነኺስካ ኣብዚ ከኣ ብዛዕባ ሳልሳይ ኣካል ንዛረብ ስለ ዘለና ‘ራኢኻ ክትበጽሖ’ ዘይኮነስ ‘ራኢኻ ኪትበጽሖ’ ኪጽሓፍ ኔሩዎ።
    እንታይ ሰሪሐ በል ሕተታ ንነብስኻ። ኣብዚውን ኣርባዕተ ነጥቢ (።) ኣምበር ክልተ ነጥቢ (፡) ኪኣቱ ኣይግባእን። ኣርባዕተ ነጥቢ ናይ ሓደ ስታንዛ መዛዘሚ’ዩ። ናይ ምሉእ ናዕታ ግን ኣይኮነን።

    የቐንየለይ።

POST A COMMENT