Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

መርድእ – ናይ ቀብሪ ስነ-ስርዓት

ታሕሳስ 2. 2015 ናይ ሳንብአርናርዲኖ ካውንቲ ናይ ክባብያዊ ጥዕና ሰራሕተኛታት ሰሚናር ኣብ ዘካይድሉ ዝነበሩ ጊዜ ሓደ ካብቶም ሰራሕተኛታት ምስ ሰበይቱ ናይ ሽበራዊ ተዂሲ ብምኽፋት 14 ሰራሕተኛታት ክቐትሉ ከለዉ 21 ድማ ብከብኢድ ቆሲሎም። ሕማቕ ኣጋጣሚ ኮይኑ

ታሕሳስ 2. 2015 ናይ ሳንብአርናርዲኖ ካውንቲ ናይ ክባብያዊ ጥዕና ሰራሕተኛታት ሰሚናር ኣብ ዘካይድሉ ዝነበሩ ጊዜ ሓደ ካብቶም ሰራሕተኛታት ምስ ሰበይቱ ናይ ሽበራዊ ተዂሲ ብምኽፋት 14 ሰራሕተኛታት ክቐትሉ ከለዉ 21 ድማ ብከብኢድ ቆሲሎም። ሕማቕ ኣጋጣሚ ኮይኑ ሓውናን ወድናን ኢሳቕ ገብረስላሴ ኣማንዮስ ሓደ ካብቶም ህይወቶም ዝሰኣኑ ሰራሕተኛታት እዩ። ስለዚናይዚ ብሃንደበት ብሞት ዝተፈለየና ወድናን ሓውናን ኢሳቕ ገብረስላሲ ኣማንዮስ ንቀዳም ታሕሳስ 12, 2015 ብኸምዚ ዝስዕብ ኣገባብ ናይ ቀብሪ ስነ-ስርዓት ክፍጸም ምዃኑ ክንገልጽ ንፈቱ።

ናይ ፍትሓት ስነ-ስርዓት ታሕሳስ 12, 2015 ካብ ስዓት 10 ናይ ንጉሆ ክሳብ 12(ፍርቂ መዓልቲ) ኣብ St. Minas Church 22700, St, Minas Ct. Colton, CA 92324;

ናይ ቀብሪ ስነ-ስርዓት ቀዳም ታሕሳስ 12, 2015 ካብ ሰዓት 1 ድሕሪ ቀትሪ ክሳብ ሰዓት 2 ድሕሪ ቀትሪ ኣብ Montecito Memorial Park and Mortuary 3520 East Washington st. Colton CA 92324 እዩ።

ድሕሪ ቀብሪ ምቕባል ኣጋይሽ ናይ መኽፍልት ጊዜ ኣብ The Rock Church and World Outreach Center, 2345 South Waterman Ave. San Bernardino, CA 92408.

ሓውናን ወድናን ኣቶ ኢሳቕ ደቁ ምምሃር ካብቲ ቀዳማይ ዕላምኡ እዩ ነይሩ። ሕማቕ ኣጋጣሚ ኮይኑ ግን ኣብ ኮለጅ ዝርከቡ ደቁ ትምህርቶም ከይፈጸሞም ብድንገት ንዘልኣለም ተፈልይዎም። ስለዚ ነዞም ኣብ ምቕጻል ትምህርቲ ዝርከቡ ደቁ ትምህርቶም ንምፍጻም ኣብቲ ተዳልዩ ዘሎ ማለት Isaac Amanios Education Fund ሓገዝኩም ክትልግሱልና ብትሕትና ንሓትት።

https://gofundme.com/IsaacAmanios

ሕሰም ኣትርከቡ                                                                                                         መላእ ስድራቤት

aseye.asena@gmail.com

Review overview
1 COMMENT
  • HARNETNA December 11, 2015

    Thank you and God bless you !

POST A COMMENT