Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

መርገም ድዩ ዕድል፡ ፍርሒ ድዩ ወይስ ዕሽነት?

መርገም ድዩ ዕድል፡ ፍርሒ ድዩ ወይስ ዕሽነት፡ እንታይነቱ ብዘየገድስ ህዝቢ ኤርትራ ግዳይ ናይቶም ናተይ ዝብሎም ጨካናት ኣማሓደርቱ ካብ ዝኸውን እንሆ ልዕሊ ክልተ ዕስራ  ዓመታት ኣቝጺሩ ይርከብ ኣሎ።  እዚ ኣብ ህዝብና ወሪዱ  ዘሎ ኣደራዕ መግዛእቲ፡ ኣብ

መርገም ድዩ ዕድል፡ ፍርሒ ድዩ ወይስ ዕሽነት፡ እንታይነቱ ብዘየገድስ ህዝቢ ኤርትራ ግዳይ ናይቶም ናተይ ዝብሎም ጨካናት ኣማሓደርቱ ካብ ዝኸውን እንሆ ልዕሊ ክልተ ዕስራ  ዓመታት ኣቝጺሩ ይርከብ ኣሎ።  እዚ ኣብ ህዝብና ወሪዱ  ዘሎ ኣደራዕ መግዛእቲ፡ ኣብ ካልኦት ህዝብታት እውን በብግዜኡ ወሪዱን ተራእዩን ኢዩ። ኮይኑ ግን፡ ከም ህዝቢ ኤርትራ ምዕይ  ከይበለን ተቓውሞ ከየርኣየን ንዓመታት ዝተገዝኤ ህዝቢ ግን ዳርጋ ኣሎ ክበሃል ኣይከኣልን። እቲ ካብ ኩሉ ፍሉይ ዝገብሮ  ግን፡ እዚ ህዝቢ እዚ፡ ደኺመ ከይበለን ከይተሓለለን ንልዕሊ ሳላሳ ዓመታት፡ ኵልንትናኡ  ከፊሉ ኣብ ዘምጽኣ ናጽነቱ፡ ብጠላማትን ከድዓትን ሓርነቱ ተመንዚዑ  ሃገር ኣልቦ ኮይኑ ፋሕ ብትን ኣትይዎ፡  ከም ዝተባረራ ኣባጊዕ፡  መፍቶ ተዃሉ ኮይኑ ክትርኢ ከሎኻ እቲ ዝነበረ ኤርትራዊ ኒሕን ሓቦን ኣበይ ኣትዩ ዘብል ጥራይ ዘይኮነስ ምንባሩውን ኣብ ሕቶ ምልክት ዘእቱ ኢዩ።

ኣብ ዘበነ ግሎባላይዜሽን /ዓውሎማ/ኣብ መበል 21 ክፍለዘመን፡ ዋላ እቶም ብባህልን ቋንቋን ከይተረፈ ዘይራኸቡ ህዝብታት፡ ኣብ ሓደ ከባቢ ስለዝነብሩ ጥራይ፡ ካብ ምብትታን ሓድነት መሪጾም ብዞባን ከባቢን ናብ ሓደ ኣብ ዝጥርነፉሉ ዘለዉ ህሞት፡ ንሕና ኤርትራውያን ግን  ነንሕድሕድና ምስምማዕ ስኢንና ፡ ብኣውራጃን ወረዳን ክንቃየቝ ወርቃዊ ግዜና ከነጥፍእ ብዕድል ሃገርና ክንጣላዕ ክትርኢ ከሎኻ፡  ኣዝዩ ዘገርም ንሰማዒኡን ንረኣዪኡን  ዘደንጹ ነገር ኢዩ። ህዝቢ ኤርትራ ዋላ’ውን በቶም ባዕዳውያን ዝበሃሉ ቀዳሞት ገዛእቱ ኣጋጢምዎን ርእይዎን ዘይፈልጥ ዘስካሕኽሕ ውርደት ዘሓልፈሉ ኣብ ዘሎ እዋን፡ ተቓወምቲ ኤርትራውያን ነቲ ዝተበገሱሉ ዓላማ ሸለል ኢሎም ኣብ ናይ ውልቆም ዋኒንን ምግባት ሃብትን ተሸሚሞም፡ ነቶም ብንጽህ ልቦም ክቃለሱ ዝወሰኑ እሾኽ ኳዂቶ ኮይኖም ምንቅስቓስ ክኸልእዎም ክትርኢ ከሎኻ እውን፡ ህግደፍ ስለዘግሃዶን ኣብ ስልጣን ኮይኑ ኩሉ ዝርእዮ ገበናት ይፍጽም ስለ ዘሎ እምበር እዚኣቶም እውን  ካብ ህግደፍ ዘይሕሹ ገበነኛታትት ኢዮም ዘየብል ኣይኮነን። ኣብ ሓደ ተኣፋፊ እዋን ኮይነ ንተቓወምቲ ምንቃፈይ፡ ምናልባት ንገለ ሰባት ዘይክውሓጠሎም ይክእል ይኸውን፡ እንተኾነ ነቲ ዘንቀፍ ብዘይ ምንቃፍና ንዝደገፍ ብዘይምድጋፍና ንእወ እወ፡ ንኣይኮነን ኣይኮነን፡ ክንብል በዘይምኽኣልና ዘምጽኦ ድኽመት፡ እነሆ ኣብ ዘይውዳእ ዕንክሊል ኣቲና ንዓመታት ኣብ ዕንክሊል ንነንብር ኣሎና። ነዚ ኣብዚ ዘብጽሓና ድኽመት ተረዲእና ንድኹም ጎድንታትና ኣለሊና ፍታሕ ክንፈጥር እንኽእል ንሕና ባዕልና ጥራይ ኢና፡ ማንም ንጉዳይና ክፈትሓልና ዝኽእል ካልእ ኣካል የልቦን እሞ።

ብዙሓት ጸሓፍትን፡ ደለይቲ ፍትሕን፡ ኣብ ፖለቲካ ተቓወምቲ ኤርትራውያን ሕልኽላኻት እናእተዉ፡ ዝብትንዎ ዘለዉ ግዳማውያን ሓይልታት ምኻኖም የተንብሁ ኢዮም፡  መንዮም እቶም ግዳማውያን ሓይልታት? ካብ መልስታቶም ኢትዮጵያ ሓንቲ ካብቶም ግዳማውያን ሓይልታት፡ ርግጽዩ ድሌት ኢትዮጵያ  ካብ ኢትዮጵያ ዝሓየለትን ዝማዕበለትን ኤርትራ ክትርኢ ከምዘይትደሊ  ዘማትእ ኣይኮነን፡  ማንም ሃገር እንተኾነትውን፡ ባዕላ ሓያልን ጎብለልን ክትከውን እምበር ጎረቤታ ካብኣ ንላዕሊ ኮይና ክትርኢ እትደሊ ሃገር ዘላ ኣይመስለንን ።  ድሌት ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ሕማቕ ኢዩ፡ ድሌት ህዝብን መንግስትን ኢትዮጵያ ንኤርትራን ህዝባን ንምርማስን ንምጥፋእን ኢዩ ንዝበሃል ግን፡ ካብ ሓቂ ዝረሓቀ ብጭብጢ ዘይተረጋገጸ ንኣእምሮ ህዝቢ ኤርትራ ንምዝባዕን ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኢትዮጵያ  ዘለዎ ኣረኣእያ ንምጥዋይን ዝዓለመ ባዶ ስነሞገት ጥራይ ኢዩ ክኸውን ዝኽእል።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ፡ማለት እዚ ሕጂ ኣብ ስልጣን ዘሎ መንግስቲ ኢህወደግ፡ ንርእሰ ውሳኔ ህዝቢ ኤርትራ ድግድጊቱ ተዓጢቑ ዘሳሰየ ምኻኑ መን ክርስዕ ይኽእል? እቶም ነፍጠኛታት ዝበሃሉ፡ ተወላዶ ኣምሓራን ገለ ገለ ትግራዎትን ኢትዮጲያ ብዘይወደብ  ክትተርፍ የብላን ን ኤርትራ ናጽነት ክወሃባ የብሉን ኣናበሉ ምስ መንግስቲ ኢህወደግ ክፋጠጡ ከለዉ፡ ነብስሄር ቀዳማይ ሚንስተር መለስ ዜናዊ  ብ ኣምሓርኛ “ እኛ እንደሆነ ውግያ ሰልችቶናል፡ እዋጋለሁ የሚል ካለ ግን፡ መንገዱ ጨርቅ ይድርግለት ብቻ በው የምንለው”።ብምባል ካብ ቤት ጽሕፈቱ ኣየውጸኦምን ድዩ?  ካልኦት ኣካላት መንግስቲ ኢትዮጵያ ከም በዓል ኣቶ በረኸት ስምኦን እውን በብግዜኡ ንኤርትራ ዳግም ኣካል ኢትዮጵያ ናይ ምግባር ሕልሚ ከምዘይብሎምን ኣብ ዝተፈላለዩ ኣጋጣሚታት ኣረጋጊጾም ኢዮም። ብውሑዱ እዚ ኣብ ስልጣን ዘሎ ስርዓት ኢትዮጵያ ንኤርትራ ናይ ምጽንባር ሕልሚ የብሉን ከምኡ ሕልሚ ነይርዎ እንተዝኸውን ንወደባት ጅቡቲ ናይ ምምዕባል መደባት ሓንጺጹ ኣይምሰርሔን፡ ምስ ጅቡቲ ንዘራኽብ መገዲ ባቡር’ውን ኣማኢት ሚልዮናት ዶላራት ኣይመፍሰሰሉን። ኢትዮጵያ ከምቲ ገለ ኤርትራውያን ዝሓስብዎ ዝፈርሕዎን ዘይኮነስ ንልዕሊ 17 ዓመታት ብዘይ ወደባት ኤርትራ ተጓዒዛን ምዕባሌኣ ኣብ ኣፍሪቃን ኣብ ዓለምን እና ኣረጋገጸት ትኸይድ ኣላ። በንጻሩ፡ እታ ክልተ ዓበይቲ ወዳባት ትውንን ዝነበረት ኤርትራ ወደባታ መውዓሊ ጨራሩ ኮይኑ፡ ዝጥቀመሉ ስኢኑ ቁጠባ ኤርትራ ናብ ትሕቲ ባዶ ኣትዩ፡ መነባብሮ ህዝቢ ኤርትራ ካብ ዝኸፈኤ  ናብ ዝገደደ ወሪዱስ፡ ህዝቢ ኤርትራ ዓዱ ገዲፉ ናብ ኢትዮጵያን ናብ ካልእን ክስደድ ግድነት ኮይኑ ኢዩ። ብኣረኣእያይ ፡ጸላኢ ህዝቢ ኤርትራ እቲ ኣብ ኣስመራ ዘሎ ስርዓትን እቶም ተቓወምቲ ኢና በሃልቲ እሞ፡ ንጎረባብቱ ከም ጸላእቱ ገይሮም ከርእይዎ ዝፍትኑ ተበለጽቲ እምበር እምበር ስርዓት ኢትዮጵያን ካልኦት ናይ ግዳም ሓይልታት ኣይኮኑን። “ወደን ከይሓምያስ ሰበይቲ ወደን” ከም ዝበሃል ግን ድኽመትና ኣሊና ክንቃለስ ኣብ ክንዲ ምፍታን ንድኻማትና ናብ ካልኦት ከነላግብ ምፍታን መፍትሒ ከምጽኣልና ኣይክእልን ኢዩ።

ኢትዮጵያውያን ሰላም ህዝቢ ኤርትራ ዝደልዩ ህዝቢ ኢዮም፡ ምኽንያቱ ሰላም ንረብሓ ክልቲኡ ህዝብታት ዘገልግል እንኮ ድንድል ንሱ ጥራይ ስለ ዝኾነ።  ካብዘን  ዝሓለፋ 17 ዓመታት ህዝቢ ኤርትራ ይኹን ህዝቢ ኢትዮጵያ ኣይተጠቕመን። ብፍላይ  ከኣ ህዝቢ ኤርትራ ግን ብሰንኪ ኢትዮጵያውያን ዘይኮነስ ብሰንኪ ብዕሉግ ምሕደራ ህግደፋውያንን ብሰንኪ ወጣሪ ኩነታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ዝያዳ ግዳይ ኮይኑ ኣብ ዓዘቕቲ ቑጠባዊ፡ ፖለቲካዊ ማሕበራዊ ቅልውላው ጥሒሉ ኣብ ክወጸሉ ዘይኽእል ወጥሪ ኣትዩ ይርከብ ኣሎ። ሰላምን ምትሕብባርን ምስ ጎረባብትና እምበኣር ካብ ማንም ንላዕሊ ንዓና ንህዝቢ ኤርትራ የድልየናን የርብሓናን። ሰላምና ክምለስ ናብራና ክጣጥሕ እንተኾይኑ ከኣ ነቲ ኣብ ኤርትራ ኣሳፊሑ ነታ ናይ መወዳእታ ንጥፍኣትና ክርኢ ዘቋምት ዘሎ ገባቲ ስርዓት ካብ ሱሩ ምሒና ክንኣልዮ ምስ እንብገስ ጥራይ ኢዩ። ሽግር ህዝቢ ኤርትራ ብዘረባን ብፖለቲካዊ ትንታኔታትን ዝፍታሕ ኣይኮነን ብግብርን ውሳኔን ጥራይ ኢዩ ዝፍታሕ። ባዕልና ንዘይተበገስናሉ ቃልሲ ጎርባብትና ኢደን ኣእትየን መሳርዕና ከም ዝበተና ጌርካ  ክትውንጅል ምውዓል ሓቅነት ዘይብሉ ናይ ቀምሽ ኣደይ ሓንኩሉኒ ምኽንያታት ጥራይ ኢዩ። ኢትዮጵያ ትኹን  ካልኦት ሃገራት ክድግፉና ዝኽእሉ፡ ንሕና ምስ ተበገስናን ከነድምዕ ምኻንና ምስ ኣመኑልና ጥራይ ኢዩ። ንሕና ኣብ ሳሎንና ተሓቢእና ኮሎና ባዕላቶም ክዋግኡልናን ኣጆኹም ኢሎም ክጉስጉስና ምጽባይ ግን የዋህነት ጥራይ ኢዩ። ኣብ ናይ ተፈጥሮ ሕጊ ነብስኻ ክትሕግዝ እንተተበጊስካ ጥራይ ኢኻ ናይ ካልኦት ሓገዝ እትረክብ፡ ባዕልኻ ነብስኻ ከይሓገዝካ ካብ ካልእ ሓገዝ ክትረክብ ምጽባይ ዕሽነት ኢዩ። ተቓወምቲ ኤርትራውያን ኢና በህልትን ፖለቲካውያንን ቅድም ንሕና ንስራሕ ንበገስ፡ መንእሰያትና ካብ ንሃገሮም ኣብ ኣብ መገዲ ስደቶም ክሞቱ እንተ መሪጾም፡ ካብ ንሃገሮም ከድሕኑ ኣብ ስደት ኣትዮም ምስቲ ካብ ሃገር ዘባረሮም ስርዓት ወጊኖም ክሰግዱሉ እንተ ጀሚሮም፡ ህዝቢ ኣብ ናይ በለካን ለኸዓካን ናይ ኣውራጃን ዘይጠቅም ትርኪ ምርኪ ክቆማጣዕ እንተ መሪጹ መንዩ ንህግደፍ ክኣልዮ? በየናይ መለክዕን መዐቅንን ኢዮምከ መራሕቲ መንግስቲ ኢትዮጵያ ከም ሓለኽቲ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ዝውቀሱ?

እቶም  ንኢትዮጵያ  ከም ሓላላኺት ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ትወስድዋን ተውርዩላን ዘለኹም ተቓወምቲ ውድባት እስከ ምርሑና ብግብሪ እስኪ ነቲ ቃልሲ ኣብ ሜዳ ወሪድኩም ምርሕዎ እሞ፡ ኢትዮጵያ ንኢሰያስ ካብ ስልጣኑ ኣይተውርድዎ ኢላ ደው እንተ ኣቢላትኩም ክንርኢ።

ኣብ መወዳእታ፡ ነዚ ብህግደፍ ከም ዕንጣጢዕ ዝውቀት ዘሎ ህዝቢ ናይ ምድሓን ዓላማ ሕዝና እንተደኣ ተላዕልና፡ ቀምሽ ኣደይ ሓንኩሉኒ ዝዓይነቱ ስንኩፍ ምኽንያታት ገዲፍና ንምድሓኑ ንበገስ። ኣብ ክንዲ ኣብ ባይታ ዘየሎ ፖሊቲካዊ ትንታኔታት እንዳምጻእና ሓንጎል ህዝብና ነናውጽ፡ ነቲ ርኡይ ግፍዓዊ ህግደፋዊ ምሕደራን ዝእለየሉ መገድታትን፡  ነቲ ኣብ ባይታ ዝውሰድ ዘሎ ግድላዊ ስጉምትታትን እነባርትዓሉ ጎስጓሳት እንተ ንጽሕፍ ዝያዳ ተመራጺ ምኾነ። ኢትዮጵያውያን፡ ተጋሩ መንግስት ትግራይ ትግርኚ ክተኽሉ ኢዮም ዝሓስቡዶ ክጎብጡና ኢዮምዶ እንዳበልካ ንኣእምሮ ህዝቢ ክትጠዊ ምፍታን ተቓዋሚ መሲልካ፡ ንህዝቢ ኤርትራ ንምድንጋር ህግደፍ ዝጥቀመሉ ናይ ፕሮፖጋንዳ ነጋሪት ምቅላሕ ዝግበር ስዉር ውዲትኢዩ።

የግዳስ እቲ ብዓቢኡ ንጉስ ትግራይ ትግሪኚ ክኸውን ዝምነ ዘሎ፡  ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ስርዓት ኢህወደግ  ዘይኮነስ፡ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ስርዓት እንተኾነኸ መን ይፈልጥ? እቶም ኣብ ኤርትራ ዝዓበየ ባጀት ትሰሰሊዑሎም ዘሎ ኣብ ኤርትራ ዘለዉ ተቓወምቲ ውድባት ኢትዮጵያ ደምህትን ካልኦትን ዓላመኦም እንታይ ኮን ይኸውን? ስርዓት ህግደፍ ክንድዚ ዝኣክል ባጀት ሰሊዑ ዘንብሮም ዘሎኸ ንምንታይ ኮን ይኸውን? መራሒ ህግደፍ ኤርትራ ንኢሳትኒ  እሞ  ንትግራይን ኤርትራን ኣብ ሓደ ሓዊሰ መንግስቲ ትግራይ ትግሪኚ ኣቑመ  ባዕለይ ክመርሐን ኢየ። ሰራዊተይ ከኣ ደምሂት ኢዮም ክብል የሓልም እንተሎ መን ይፈልጥ???? ሕልሚ ፈሪሕካ ካብ ድቃስ ስለ ዘይትረፍ፡ ንህዝብና ካብ ዘለዎ ሕሱም ባርነት ንምድሓን ኩላትና በብእንኽእሎ ኢደይ ኢድካ ንበል፡ ዓመት መጸ ብትምኒት ምፍልላይ ካብ ኮነ ሕጂውን  ንዓመታ ናይ ዮሃና እንቋዕ ኣሓጐሰና ዓመት ክትኮነልና እናተመነኹ ክፍለየኩም።

ርሑስ በዓል ሓድሽ ዓመት!!

“ኣምላኽ ሰማይ ኬቕንዓልና ኢዩ እሞ ንሕና ባሮቱ ከኣ ተንሲእና ክንዓዪ ኢና” ነህ. 2፡20

እግዚኣብሄር ንኤርትራን ንህዝባን ይባርኽ!!!

 

Teame Berhe

 

 

 

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
24 COMMENTS
  • Mesinas January 4, 2015

    ቅድም ቀዳድም ንጸሓፊ’ዚ ዓንቀጽ ስለ’ቲ ሰፊሕ ሓበሬታኡ ከመስግንን ኣብርክቶኡ ንኽቕጽሎን ክላቦ እፈቱ። ብምቕጻል ንሓው ስምኦን ነቲ ነዊሕ ግዜ ብግብቲ (ብሃንደበት) ካብ ግምባር ኣሰና ጠፊኡ ዘሎ ሓው ፍጹም ኣብርሃም ብምዝካሩ ብልቢ አመስግኖ። “ከም በዓል ጎደፋ: ኪዳነ: መሲናስ: ኣማኑኤል: እስቲፋኖስ:(ኣቶ ፍጹም ኳ ዛ ገዛና ገዲፉዋ ሎምስ) ወዘተረፈ… ወረቓቕቲ ጸሓፍ።” ኢሉ ሓው ስምኦን። እዚ ማለት ንሕና ጸሓፍቲ ምስ ነበብትና ዘሎና ርክብ ዓሚቚ ሙኻኑ’ዩ ዚገልጽ። ከምኡውን ኣብ ነሓድሕድና ዘሎና ፍቕርን ክብርን’ዩ ዘንጸባርቕ፣።

    በዚ መሰረአት ከኣ ኣነውን ደሃይ ፍጹም ንምግባር ሓንቲ (ተጋዳላይ ፍጹም ኣብርሃም) ዘርእስታ ናዕታ ኣዳልየ ትማሊ ቀዳም ናብ ኣሰና ልኢኸያ ኣለኹ። በዚ ድማ’የ ነቲ ተመሳሳሊ ስጉምቲ ዝወስደ ሓው ስምኦን ዘድነቕኩዎን ዘመስገንኩዎን። ደለይቲ ኣብ ሕድሕድና ምክብባርን ምትሕልላይን ኪህልወና መሰረት ቃልስና’ዩ! ንሓድሕድና ከይተኸባበርናን ከይተተባባዕናን እቲ ስኢንናዮ ዘለና መሰልን ሓርነት ካብቲ ዝመንዛዓና ሓይሊ ክንመልሶ ኣይንኽክእልን ኢና! የቐንየለይ።

  • Habtom January 5, 2015

    Thanks TEAME for your great analysis, and call for participation to librate our people & country from the crisis being committed by HGDEF & ITS MERCENARIES!!!!!!!!!!!!!!

    HABTOM

    SWEDEN

POST A COMMENT