Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

መሰል ወድሰብ

ኣማኑኤል ሳህለ ንምዃኑ ወድሰብ: መሰል ዚብሃል ኣምር ካበይ ዘምጽኦ እዩ? ኣለዎ ድዩኸ? መን ዝሃቦ? ወድሰብ ብጥንቲ ኣብ በረኻታትን ጫካታትን ኪነብር ከሎን ነንሓድሕዱ ድማ ከም ኣራዊት ኪባላዕ ከሎን እቲ ብሓይሉ ንኹሉ ዘሰነፈ ሰብ እዩ መሰል ዚብሃል ኣምር

ኣማኑኤል ሳህለ

ንምዃኑ ወድሰብ: መሰል ዚብሃል ኣምር ካበይ ዘምጽኦ እዩ? ኣለዎ ድዩኸ? መን ዝሃቦ? ወድሰብ ብጥንቲ ኣብ በረኻታትን ጫካታትን ኪነብር ከሎን ነንሓድሕዱ ድማ ከም ኣራዊት ኪባላዕ ከሎን እቲ ብሓይሉ ንኹሉ ዘሰነፈ ሰብ እዩ መሰል ዚብሃል ኣምር ኪፈጥር ዝኸኣለ። ናይ ባዕሉ መሰል።

መለኮታዊ ሓይሊ ስለ ዘሎኒ ማንም ከይትክፈኒ ይብል ነይሩ። ሻማን ዚብሃሉ መራሕቲ ማሪታዊ ሃይማኖት ድማ እቲ መራሒ ካብ ኣምላኽ እተቐበሎ ምሉእ ናይ ምንባርን ምግባትን ምዝራፍን ምእስራን ምቕታልን መሰል ከም ዘለዎ ገይሮም ንህዝቢ የእምኑ ነይሮም። በዝን ክንድዝን ድማ እቲ በዓልስልጣንን እቶም ካህናቱን ነቲ ህዝቢ ከም ዘይናቶም ብምርኣይ ከም እንስሳ ዘቤት ገይሮም ይመርሑዎ ነበሩ።

ኣብ ፍጥረት: ሓይሊ ደኣምበር መሰል ዚብሃል ነገር ዘሎ ኣይመስለንን። ግን ምናልባት እቲ በዓል ግዜ ወይ በዓል ስልጣን: ከምዚ እንተ ገበርካ ከምዚ ክትረክብ ኢኻ ይብለካ ነይሩ ይኸውን። ነቲ ንሱ ዚገብረልካ ድማ ከም መሰልካ ጌርካ ትወስዶ ኔርካ። ግን ንሱ ልዕሊ ሕጊ ድማ ስለ ዝኾነ: ውሕስነትሲ ኣይነበረካን።

ሓርገጽ: በሊዑ ምስ ጸገበ ኣብ ገምገም ርባ ኾይኑ ድማ ጸሓይ ይጽሎ። ኣብ ኣስናኑ ናይቲ ዝበልዖ ስጋ ተረፍመረፍ ኣሎ። ከልግሶ ይደሊ እዩ ግን ኣይክእልን። ኣፉ ሃህ ኣቢሉ ይጽበ: ከመይሲ ነዚ ስራሕዚ እተከናውን ዑፍ ከም ዘላ ስለ ዚፈልጥ። ንሳ ኣብ መንጎ ክልተ ምንጋግኡ ኣትያ ከም መሰቕሰቕ ስኒ ብምዃን ነቲ ተረፍመረፍ ስጋ በብሓደ እናለቐመት ትበልዖ። ምስ ወድአት ድማ ነፊራ ትኸይድ። እቲ ሓርገጽ እንተ ዝደሊ ኣብ ውሽጢ ኣፉ ኸላ ምቖራጠማ: ግን ተድልዮ ስለ ዝኾነት ንሒፉዋ።

እታ ዑፍ ምናልባት ትሓስብ ነይራ እንተ ትኸውን: ነቲ ስጋ ምብላዕ መሰለይ እዩ ምበለት ነይራ። እቲ ሓርገጽውን ብወገኑ: ብዑፍ ክግልገል መሰለይ እዩ ይብል ይኸውን። ግን እዚ ኹሉ: ከም ሓሳብ ኮይኑ እዩ ዚተርፍ። ኣብ ግምባሮም እተጻሕፈ ናይ መሰላት ዓንቀጽ የሎን። እምበኣር መሰል ኪብሃል ከሎ: ተዛማድን ድልዱል መሰረት ዘይብሉን ተነቃፍን ምዃኑ ክንርስዕ ኣይግባእን።

ወድሰብ ኣብ ግንባሩ እተጻሕፈ ናይ መሰል ዓንቀጻት የብሉን። መንግስትን ሃገርን ምስ ፈጠረን ኣንጻርቲ ዓማጺ ስርዓታት ድማ ህዝባዊ ናዕብታትን ሰውራታትን ምስ ኣካየደን: እቲ ንቕሓት ህዝቢ ድማ ብፖለቲካውያን ፈላስፋታት ክብ ኢሉ ምስ ጸንሐን እዩ ቅድሚ ሕጂ ሓሲቡዎን ዘኪሩዎን ዘይፈልጥ: እዚ መሰለይ እዩ: እዚ ግቡአይ እዩ: ዚብል ርእይቶታት ከቕርብ ዝጀመረ።

ነዚ ንምድልዳል: ገለ ኣብ ሃገር ሽወደን ዝረኣኹዎም ስደተኛታት ክጠቅስ እደሊ። ዝበዝሑ መሰሎም እውን ኣይፈልጡን እዮም። እዚ መሰልኩም እዩ ኢልካ ምስ እትነግሮምውን ናይ ንቕሓት ጉድለት ግዲ ኾይኑ: ስምዒት ኣይህቦምን። ገሊኦም ድማ ስለምንታይ እዩ ኣብ መብዛሕትኡ ኣብያተጽሕፈት ኣንስቲ ጥራይ እንርእይ ብምባል ይገርሞም። ደቀንስትዮ ኣብ ኣብያተጽሕፈት ገበርትን ሓደግትን ንምዃን መሰል ኪህልወን ከም ዚኽእል ኣይፈልጡን።

ይኹንምበር: መሰላት ወድሰብ ንኺግፈፍ ዘለዎ ተኽእሎታት ዓቢ እዩ። ዓለም ናይቲ ዝሓየለን ዝተበላሓተን ብምዃና: መሰል ወድሰብ ድማ ታሪኻውን ማሕበራውን ኢቮሉሽናውን መሰረት ዘይብሉ ብምዃኑ: ማሕበራዊ: ፖለቲካዊ ወይ ጸጥታዊ ስግኣት ወይ ምዝንባል ኣብ ዚረኣየሉ ግዜ: መሰላት ወድሰብ ንኺገሃስ ግዜ ኣይወስድን።

ገለ ሰባት: መሰረት ኣምር መሰል ወድሰብ: ሃይማኖት እዩ ይብሉ። ኣምላኽ ኩሉ ዚኽእልን ዚፈልጥን ሓያልን ገባርን ሓዳግን ቅዱስን ምስጢራውን ብምዃኑ: እቲ ንሱ ዝፈጠሮ ድማ ብመጠኑ ኣሰር ናይቲ ዝፈጠሮ ባህርያት ስለ ዘለዎ: ሰብ ክቡር እዩ: ኣብዛ ዓለም ድማ ክብሩ ተሓልዩሉ ኪነብር ይግባእ ዚብል ርእይቶ ኣለዎም። ነዚ መሰላትዚ ምግፋፍ ድማ ምግፋፍ ክብሪ ናይቲ ብኣምላኽ እተደኰነ ሰብ እዩ…..ይብሉ።

ኣብዚ ርእይቶዚ: ገለ ሓቅታት ኪህሉ ይኽእል ይኸውን: ግን ጠሊቕካ ምስ እትምርምሮ ካልእ ኮይኑ እዩ ዚጸንሓካ።

ኣብ 17/18 ክፍለዘመን ኣብ ምዕራብ ኤውሮጳ: መለኮታዊ መሰል ነገስታት (Divine right theory) ዚብል ኣብ ሃይማኖት እተመርኮሰ ሓሳብ ወይ ንድፈሓሳብ ነቲ ኣብ ኤውሮጳ ዝፍጸም ዝነበረ ኣንጻር ህዝቢ ዝዓለመ ግፍዒ መሰረት ኮይኑ ነበረ። ንጉስ ብኣምላኽ እተመዘዘ ብምዃኑ ዝሓቶ እንተሎ እቲ መለኮታዊ ሓይሊ ደኣምበር ሰብ ኪሓቶ ኣይክእልን ነበረ። ብሓጺሩ: ሰማይ ኣይሕረስ ንጉስ ኣይክሰስ ከም ማለት እዩ ነይሩ።

ሓደ ካብቶም ነዚ ንድፈሓሳብዚ ገለ ከየጕደለ እተጠቐመሉ መራሒ: እቲ ብ17 ክፍለዘመን ዝነበረ ሉዊ 14 እተባህለ ናይ ፈረንሳ ንጉስ እዩ። ንሱን ብድሕሪኡ ዝመጹ ነገስታት ፈረንሳን ስልጣኖም መለኮታዊ ምዃኑ ካብ ቅዱሳት ጽሑፋት ብምጥቃስ (ጥቕሲ ከኣ ብሓቂ ረኺቦም እዮም): ኣብ ህዝቦም ሓፍ ዘይብል መከራ ኣውሪዶም እዮም።

ኣብ 18 ክፍለዘመን ብናይ ሓድሓደ ፖለቲካውያን ፈላስፋታት: ናይ ማዕርነት ወይ ናይ ወድሰብ መሰረታዊ መሰላት ዚገልጽ ሓሳባት እንተ ዘይቃላሕ ነይሩ: እቲ ንኣመሪካ ብ1776 ደሞክራስያዊ መስመር ከም እትኽተል ዝገበራን: እቲ ንፈረንሳ ብ1789 ካብ ንጉሳውነት ናብ ረፑብሊክ ክትሳገር ዘኽኣላን ህዝባዊ ናዕቢ ወይ ሰውራ ኪካየድ ኣይምተኻእለን። ኣብ ኣመሪካ ድማ ንጉስ ጆርጅ ዋሺንተን 6ይ: ኣብ ፈረንሳ ኸኣ ንጉስ ሉዊ መበል 25 ዚብሃሉ መራሕቲ ምረኣና ኔርና። እዚ ኣብዚ ዘመንና ኣብ ምዕራብ ኤውሮጳን ኣመሪካን (ብፍላይ ድማ ኣብ ስካንዲናቭያን ሃገራት) ኣብ ወድሰብ ዚዝውተር ዘሎ እተፈላለየን ተዛማድን መሰላት ድማ ግሁድ ኣይምኾነን።

ንምዃኑ ኣብተን ሃይማኖታዊ ኣኽራርነት ዚኽተላ ሃገራትዶ ኣይኮነን ናይ መሰላት ምግፋፍ ብብዝሒ ዚረኣይ ዘሎ?

ዝኾነኾይኑ እስከ ከም ኣብነት ነቲ ኣብዚ ዘመንዚ ኣብ ንቕሓት ደቂሰብ ዓቢ ቦታ ሒዙ ዘሎ መሰል ዚብል ኣምር ሒዝና ናብ ሃገርና ንእቶ። እቲ መራሒ ብቐዳምነት ፤ መሰል እንታይ ማለት እዩ? ብምባል ክንገልጸሉ ምሓተተና ። ንሕና ኸኣ: እዚ ኹሉ ኣብ ዕስክርና ኸይዱ ከርተት ዚብል ዘሎ መንእሰይ ስለምንታይ ናይ ምምሃር: ናይ ሓዳር ምግባር: ናይ ምንቅስቓስ: ናይ እምነት: ናይ ምሕታት: ናይ ምቅዋም: ናይ ማዕርነት ወዘተ. መሰሉ ዘይሕለወሉ ብምባል ዕቃበታትና ምገለጽናሉ። እዚ ድዩ መሰል: እዚ ደኣ ኣብ ሜዳ ከሎና ሰውራ ንምድካም ብጸላኢ ዚዝርጋሕ ዝነበረ ናይ ቡርዣ ፍልስፍና እንድዩ: ብምባል ከኣ ኣብቲ ናይ ዒራዒሮ ኮንተይነራት ምዳጎነና።

ሓቁ እዩ፡ እምባገነን ምስ ዚነግስ: እቲ ባዕሉ ዝፈጠሮ ናይ ቃሕ ዝበለካ ምግባር መሰል ናቱ ደኣምበር ናይ ህዝቢ ኣይኮነን። ብዓሚቝ ኣተሓሳስባን ፍልስፍናን እተበጽሐ ናይ ወድሰብ መሰል ኣምር: ኣብ ኣእምሮ ውልቀመላኺ ቦታ የብሉን።

እቲ ኣብ ላዕሊ እተጠቕሰ ሓርገጽ ነተን ንኣስናኑ ኪስቕስቓ (ከገልግላኦ) ቀጻሊ ዝመጻ ኣዕዋፍ በብሓደ ኪቖራጥመን እንተ ወዓለ ግዲ የብሉን። ናቱ መሰል ንኺበልዐን እዩ: መሰለን ከኣ ኪብልዓ እዩ። ይኹንምበር: ልምዲ ብቐሊሉ ስለ ዘየቋርጽ መመሊሰን ኪ

aseye.asena@gmail.com

Review overview
8 COMMENTS
  • tes July 19, 2015

    Amanuel: I like your articles. Your are a light to your people!

  • ዜና July 19, 2015

    ኣማንኤል ሳህለ መምህር ናይ ሎሚ ጥራይ ዘይኮንካስ እንተላይ ንብሕጂ ዝውለዱ ዓቢ መምህር ኢኻ

  • Aman July 19, 2015

    Amanuel, as always your articles are great keep on. Some of the asylum seekers that I see them still in love with the mafia boss of Asmara Al Capone(Afereki) “Stockholm syndrome.” some of them don’t know and do not want to know their RIGHT.

  • A.Kibraeb July 19, 2015

    Kubur Memherey Ato Amanuel Sahle, please just keep on writing and educating our young as well as the rest of us.
    The PFDJ government is denying our people not only their basic human rights, but also diminish the quality of life down to beggarly state and destitution. Once again, many thanks kubur memher and God bless you with lots more wisdom and health.

  • Bitibito July 19, 2015

    “መምህር ኣብ ኤርትራ ብድኽነት ዝፍለጥ ዜጋ ኢዩ።” ትብል እዛ መርበብ ኣሰና።

    ኣይተ ከረን ሃደ እዋን ከም ዝበሎ፥

    መምህር ኮነ ኩሉ ኤርትራዊ ከም ሎሚ ጥዒምዎ እኳ ዘይፈልጥ። መምህር ሎሚ ከም ድላዩ ዝመረጾ ገዛ ይገዝእ፤ ወረ ገሊኦምሲ ቪላ ካብ ባንክታት ኤርትራ ውሕስነት ረኺቦም፣ ተለቂሖም ዝገዝኡ መሊኦም እዮም። ደቂ መምህራን ድማ ካብ መብዛሕትኡ ኤርትራውያን ቤተሰብ ንላዕሊ ብዝበለጸ እዮም ዝነብሩ ዘለዉ።

    ዋእ እዛ ኣሰና ትሕሱ ድያ ዘላ፧ ከም ሎሚ ደኣ፣ ኣብዛ ሓራ ኤርትራ ጌሩ ጥዒሙና እኳ ዘይፈልጥ። ሳላ እቶም ባህሎም ታሪኾም ቋንቋኦም ዘኽብሩ ለባማት ሊቃውንቲ መራሕቲ ገድልና ኣበይ ኣበይ ስልጣኔ እንዲና ተወንጭፍና ዘለና። ኣብ ሕክምና እሞ እንታይ ክብለኩም እየ፣ ግደፎ እግሩ ዝተቖጽየ ይትረፍ፣ እግሩ እተቖርጸ፣ ኣብዛ ሑርየት ዱዋለት ኣል ኤርትሪያና፣ ብ ክሎኒን ፔትሪዲሽ ሓዳስ እግሪ ኣብቁልና እንዲና ንልቅብ።

    ደይ እቲ ፊውዳል ሃጸይ ሃይለሰላሰ ዓይንና ብጭቆና ደፊኑና እምበር፣ ብሕክምና ኣይትበል፣ ብኮንስትራክሽን ኣይትበል፣ ብኣግሮ ኢንዳስትሪ ኣይትበል ዋላ ንዓዲ ጣልያንን ንኹቡራት ብሩኻት ኣሕዋትና ዓምታትና ዓረብን ግደፎ ንቅልቦም ኢና ዘለና ብስጋ፣ ፋርማጆ፣ ዘይቲ ብልዒ፣ ማርቶዴላ፣ ኣራንሺ፣ ባናና፣ ቡን፣ ሽኮር፣ ስምስም፣ ሰሊጥ፣ ዓሳ ባልዶንጋ፣ ዓተር፣ ባልዶንጋ፣ በርበረ ፤ ግደፎ ማራ ሳምና፣ ዓለባታት ጨርቂ፣ ሳእኒ፣ ጎልፎ፣

    ግደፎ ኣባ እዚ ርጉም ሃጸይ ሃይለሰላሴ ክንደይ ኣብያተ ማእሰርቲ ዘይሰርሔ፣ ክንደይ ፋብሪካታትን ጽርግያታትን ዘየዕነወ። ን ሸቃሎ ፋብሪካታት ንወርሒ ኣርብዓ ብር ጥራይ እዩ ዝኸፍሎም ዝነበረ፣ ዘይሓፍር ድማ ንሓንቲ ኮንጎ ሳእኒ ብሓምሳ ሳንቲም ይሸጣ፤ ንደርሆ ብሓደ ብር፣ ንሓንቲ ክፍሊ ገዛ ኽራይ ሓሙሽተ ብር፣ ንኹንታል ጣፍ ዓሰርተ ሓሙሽተ ብር፣ ሽሮ በርበረ እሞ ኣይቅረብን፣ ጠለ በጊዕ እሞ ብዓሰርተ ብር ከመይ ጌርካ ክቕረብ።

    ሎሚ ሳላ ጀብሃን ህግደፍን ሓራ ወጺእና ባስቦርትና ሒዝና፣ ተዲልና ንዓዲ ጣልያን፣ ኣማሪካ፣ ዓዲ ሽዊደን፣ ጀርበን፣ ብሪጥንያ፣ ኣፉ እስትራልያ፣ ኢስራኤል ዓዲ ኣል ይሁዲ፣ ሁላንድያ፣ ፍራንጽያ፣ ካንዳድእያ፣ ሊብያ ትሩቡሊ፣ ሱዑድያ መካ መዲና፣ ኩዊት፣ ሶርያ በንፋሪት ኣራጢትና ባስቦርትናን መዋሳወሲ መንቀሳቐሲ ሒዝና ብቋንቋ ዓረብ ኮሪዕና ዓጀውጀው ኣንበልና፣ ያላ ናሕኑ ኤሪትዪን ቀልጥፉና መደቀሲ ሆቴልናን መግባናን ኣምጽኡልና ኢልና ኮሪዕና ንኣቱ። ዋላ እቶም ለወሃት ናይ ዓረብ በደዊን እቶም ዝተባረኹ ራሻይዳ እንተደንጎዩና፣ ብካልቾቲ ኢና ንብሎም፣ ጥምት እንተቢሎሙና እሞ ብጽፍዒት ጉንዲ ዱንዲ እዝኖም ነላህዮም። ንዓና ኤሪትሪይን ዋላ እዞም ሓሳዳት ኢትዮጵያን ወያነን ኣፍሪቃን ብምዕባለናን ወርቅናን ዓረብኛናን መግብናን ባስቦርትናን ቅንእ እዮም ዝብሉልና።
    ——

    • rezen July 20, 2015

      Re: Bitibito’s commentary

      SATIRE at its finest!

  • samuel July 29, 2015

    Memher !!! Keep it up with your magnificient master piece

  • Yonas March 18, 2018

    XBUK TMHRTI MEMHIR THANK U .

POST A COMMENT