Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

መሰረት ናይ ዘይተነብሮ መሰረት; ውጽኢት’ዶ ጸለመ

መሰረት ናይ ዘይተነብሮ መሰረት      ውጽኢት'ዶ ጸለመ ናይ ልብኻ ጽዒርካን ዕዮኻ ዓሚምካን ምጅሃር እስኪ ከምሻሙ ተባሂሉ ክሕለፍ ይከኣል። ኣብ  ዑና ቤትካን ዝቓደረ መሬትካን ኮይንካ ክሳድካ ምንዋሕ ግን ዉርደት'ዩ። መንነት መንግስትና ከኣ ካብ’ዚ ኣዝዩ ሕልፍ ዝበለ እዩ፡፡ እና

መሰረት ናይ ዘይተነብሮ መሰረት

     ውጽኢት’ዶ ጸለመ

ናይ ልብኻ ጽዒርካን ዕዮኻ ዓሚምካን ምጅሃር እስኪ ከምሻሙ ተባሂሉ ክሕለፍ ይከኣል። ኣብ  ዑና ቤትካን ዝቓደረ መሬትካን ኮይንካ ክሳድካ ምንዋሕ ግን ዉርደት’ዩ። መንነት መንግስትና ከኣ ካብ’ዚ ኣዝዩ ሕልፍ ዝበለ እዩ፡፡ እና ተጃህረ ይዋረድ፡ አና ተዋረደ ድማ ይጅሃር።

የኣይ ዲሞክራሲ ከም ባህልን ልምድን ኣሜሪካዉያን ንኣሜሪካዉያን ጥራይ ዝምልከት ተቖጺሩስ “ዲሞክራሲ ኣሜሪካዉያን ኣየድሊየናን’ዩ። ካብ ሰላምኩም ሰላምና ይዓቢ ንዑ ንገዱና” እናበለ ፡ሰላም ሃዲምዎ ዕልቕልቕ ሂይወት ዒቕ ኢልዎ ንዘሎ ህዝቢ ባጫ ዝድብስ! ዘይሓንኽ ስርዓት!።

ልክዕ እዩ ኣብ ሃገርና ከምኩለን ዘይማዕበላ ሃገራት መጠን ክትግበር ዘለዎ ዲሞክራሲ፡ንዓና ኤርትራዉያን ዝዉክልን ምስ ኣብ ባይታ ዘሎ ሓቅታትና ዝሰማማዕ ክኾዉን ሻነይ፡ ኩሉና ንሰማምዓሉ ሓቂ’ዩ። ብውቃበ ኣሜርካውይን ዝምለኽ ህዝቢ የብልናን። ህዝብና ኣብ ቤቱ ፍትሒ ይደሊ ኣሎ፡ ኣብ ቤቱ ሓርነት ይደሊ ኣሎ፡ ናይ ቤቱ ዲሞክራሲ ይደሊ ኣሎ፡፡ መንግስትና ግን ነታ ኣንጻር ረብሕኡ ዝኾነት ሑቶ ክሓላልኽ መታን፡ “ህዝብና ጌና’ዩ ዘሎ ኣይነቐሐን፡ ውሕስነት መግቢ ንምርግጋጽ ኣብ ልምዓት ኢና ዘለና፡ እዞም ነዚ ሑቶ ዘልዕሉ ዘለዉ ሃገራዉያን ኣይኮኑን፡ ኮነ ኢሎም ንመንግስቲ ንምጽላም ዝተላኩ እዮም ” ወዘተ  ዝብላ  መታለልቲ ቃላት  ከም መሕብኢ ነዊሕ ኣገልጊለንኦ ኢየን። እንተ ሎም ግን እዘን ቃላት ንባዕለን ‘ኳ መሕብኢ ኣይረኸባን።

እስኪ ንዘን ኣብ ናይ ምኽኒት በዓቲ ዘኹድደለን  ነስተብህለለን፡፡ ትማሊ ትማሊ “ኤርትራ ልዕሊ ሰለስተ ሚልዮን ኣምባሳደራት ኢያ ትዉንን። እዚ ህዝቢ’ዚ ፉሉይ’ዩ”፡ እናበልካ ብደረጃ ኣምባሳደርነት ዝሓጸኻዮ ህዝቢ ግልብጥ ኢልካ ጌና ኢኻ ኣይናቓሕካን ኢልካ ዲሞክራሲያዊ መሰሉ ክትናፍጎ ተዋቃዒዶ ኣይኮነን።

ውሕስነት መግቢ ንምርግጋጽ ልምዓት ኣገዳሲ ሮቃሒ ኢዩ:: ኮይኑ ግን ልምዓት ብዘይ ሰላም፤ ሰላም ብዘይ ዲሞክራሲ፤ ዲሞክራሲ ድማ ብዘይ ሰላምን ልምዓትን ከመይ ኢሎም ይነብሩ። ካብዚ ሓቂ ሃዲምካ’ኸ ናበይ እዩ ክእቶ።

ሃገራዉነት! ነፍሲ ወከፍ ዜጋ ኣሚኑሉ ዓጊብሉ ዝሕንገጦ እምበር ኣብ ልዒሊኡ ብተጽዕኖ ዝምስረት ነገር ኣይኮነን።ሃገራዉነት ኣብ ገምገም ጸድፊ ኮይኑ ንዘቑጸጺ ኮበሮ እናወቓዕካ ብምድኻር ዝርከብ  ወይ ዉን ንሕና ንሱ ንሱ ንሕና ዝብል ጹሑፍ ዘሰነዮ ስእሊ መላኺ ከም ስእሊ መልኣክቲ ወዲኻ ንክብርን መሰልን ኣእላፍ ደፊንካ ንክብሪ ዝናን ውልቀሰብ ምግልጋል ምንብርካኽ፡ ምዉጣይን ኮታስ ንስሌኡ ብምንባር ዝርከብ እንተኾይኑ ትኽክል አዞም ነዚ ሮቋሒታት ዘየማሉኡ ሃገራዉያን ኣይኮኑን።

እዛ ጸለመ እትብል ኣካል ምኽኒታት ተጫራቒ መንግስትና፡ ብገለ ጉርሃት ተቐባልነት ረኺባ ኢያ፡፡“እዚ መንግስትና ዝሕመዮ ዘሎ ኩሉ ጸለመ ኢዩ ሓቂ ነይሩ አንተዝኾዉን መንግስትና ወላ ሓደ ደጋፊ ኣይ መሃለዎን”። ብምባል ዲኖ ለቢሶም ዋልታን ጉራዲየን ሒዞም ዝሙጉቱ ኣጋጢሞምኒ ኣለዉ ። “ናይ ጡሽ ተሰላእኩስ ናይ ጉቡጥሽ” በለት ወባኢት፤፡እንተስ ብፍርሂ አንተስ ብጉርሒ አግዚሄር ዋንኦም ደኣምበር እዚ ሙጉት’ዚ ሞጎተ ልቢ ክኾዉን ፈጺሙ ኣይክእልን። ምኽኒያቱ ዓለምና ኣብ ታሪኻ ሪኢያቶ ዘይ ትፈልጥ ሕልቂት ዘስዓበ ሚሊዮና ደቂ ኣዳም ኣብ ጉሁር ኡቶን ዝጥጥቐ ኮታስ መግለጺ ኣልቦ ፍልሳተ ኣዳም ዘስዓበ ኣዶልፍ ሂትለር ኣይኮነን’ዶ ኣብ ጊዝየ ንግስነቱስ ኣብዚ እንምክሐሉ ሙዕቡል ዘመን ዉን እኮ ከንደይ ብፍቕሩ ሕልፍ ዝብሉ ደገፍቲ ከም ዘለዉዎስ ኣይፈልጡን ማለት ዲዮም፤፡

ሩሑቅ ከይ ከድና ኣብ ሃገርና’ኸ ህዝቢ ዖና ኣብ ሰለማዊት ቤቱ ብእሳት ክሓርር: ሰምበት መዓልቲ ጸሊም ታሪኽ ንመዋእል ካብ ኣእሙሮና ዘይ ሕከኽ ሕልቂት ሰለማዊ ህዝቢ ከተማ ኣቑርደት: ሰለማዊ ሕዝቢ ሽዕብ ቆልዓ ሰበይቲ ሽማግለ ከይ ተረፈ ብጭካነ! ብሰንሰለት ታንኪ ክጭፍለቅ፡፤ ኮታ ኣብ ሙሉእ ኤርትራ እዚ ኩሉ ኣረሜናዊ መቕዘፍቲ ክወርድ እንኮሎ ንዘውዳዊ ስርዓት ሃይለ ስላሴ ይኹን ንፋሽሽታዊ ደርጊ  ጫማኦም እና ለሓሱ ዘገልግልዎም ክንደይ መዳኸርቲ ኤርትራዉያን ከምዝነደሩ ከመይ ኢሎም ክፈልጡ ዘይ ከኣሉ።

ሑቶ ህዝብና ሑቶ ዉሕስነት ሂይወትን ሰላምን ምርግጋእን’ዩ ሑቶ ሓርነትን ዲሞክራስን እዩ ሑቶ ብቁዋም (ሕገ‐መንግስቲ) እትምራሕ ሃገር ምዉናን ኢዩ፡። ነዚ ግልጺ ሕቶ’ዚ ኣሜን ኢንካ ምቕባሉን ምትግባሩን እምበር ሚሐ ዘድሊዮ ኣይኮነን።  ካብዚ ሕቶ’ዚ ሃዲምካ እትሕበኣሎም በዓትታት ሎሚ ኩሎም መቓብር ጥራይ ኢዮም ክኾኑ ዝኽእሉ።

እስኪ ነዛ ቅድሚ 20 ዓመት ኣብ ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ ሮቡዕ 24 ለካቲት 1993 ኣብ ርእሰ ዓንቀጽ ኣብ ትሕቲ “ዉሕስነት ዲሞክራሲ” ዝብል ኣርእስቲ ተሓቲማ ዝወጸተት መሰረት ዘይ ተነብረላ መሰረታዊት ጽሕፍቲ ገለ ክፋላ ንመልከት።

…. “እዚ ትካላት’ዚ ዉሕስነት ኒዲሞክራሲ ኢዩ። ዲሞክራሲ ካብ ኣፍኣዊ መብጽዓን ጽቡቅ ትምኒትን ምዃን ክሕልፍ፡ ኣብ ግብሪ ዘውዑሎን ስጋ ዘልብሶን ትካላት ሕግታትን የድልዮ። ስለ’ዚ፡ ህዝቢ ብተሳትፎኡ ዘቑሞ፡ ኣብ ምምስራቱን ምክያዱን ድምጺ ዝህበሉ፡ ንድሌቱን ረብሓታቱን ዘንጸባርቕ ትካላት ተመስሪቱ ምስ ዝምዕብል ጥራሕ ኢዩ ዲሞክራሲ ብግብሪ ክህሉን ክምዕብልን ዝኽእል። አንተ ዘይ ኮይኑ ዲሞክራሲ ኣብ ወርቐት ዝሰፈረ ጽቡቅ መትከላት ጥራይ ኮይኑ ኢዩ ዝተርፍ”፡፡ ይብል እሞ ቀጺሉ ከኣ …“ማእከላይ ሽማግለ ኣብ ሻድሻይ ኣኼባኡ፡ ምድልዳል ዴሞክራሲያዉ ትካላት ይጽንሓለይ ዘይብሃል መሰረታዉን እዋናዉን ዕማም ምዃኑ ኣረጋጊጹ ኣሎ። ፖሎቲካዊ ስርዓት ኤርትራ በቲ ድሕሪ ሪፈረንደም ብተሳተፍነት ህዝቢ ዝንደፍን ዝጸድቅን ሃገራዊ ቁዋም (ሕገ መንግስቲ) ክዉሰን ከም ዘለዎ ሩዱእ እዩ። ክሳብ ሽዑኸኣ እዚ ተጀሚሩ ዘሎ ምህናጽ ትካላት ክቕጽል ኣድላይ እዩ ይብል”።

“ክሳብ ዘሳፍሓ ጥዕና ሃበለይ የብዝሓ” ኮይኑ ነገሩ እምበር፡ እዚ ድሕሪ ምድማጽ ሪፈረንደም ብተሳታፍነት ህዝቢ ዝንደፍን ዝጽድቕን ቁዋም ሎሚ ናበይ ተሸርበ ። ብሕገ ምንግስቲ ዝዉሰን ፖለቲካዊ ስርዓት ደኣ እንታይ ኣሓንገዶ። ወይስ ዋዜማ ሪፈረንደም ብምንባሩ ናይ ደስደስ ዝሞሎቐ ምስ ዉሽጦም ዘይሳነ ዉሳኔ ኢዩ ነይሩ። እዚ ሕቶ’ዚ ኣብቲ ሽዑ እዋን እንተ ዝለዓል ነይሩ ቅኑዕ መልሲ ዝነበሮ መሲሉ ይርአ ይኾዉን። ኣብዚ ሕጂ እዋን ግን እቲ ግዜ ባዕሉ መሊስዎ ኣሎ። እዞም ሕጂ ዲሞክራሲ ኣብ ወረቐት ዝሰፈረ ጽቡቕ መትከላት ኮይኑ ብምትራፉ ንቃወም ዘለና፡ እቶም ኣብቲ እዋን ኣሚንና ተቕቢልና ንጽበ ዝነበርና መሰልና ዝተመንጠልና ኢና። እቶም ምስ ፈሊጡ ዝደቀሰ ዝደቀሱን ዝተታኸሱን ኣብ ናይ ተጉላባዉንነት መኽየዳ ዘኹዱዱ ዘለዉ ግን ጌና ካብቲ ናይ ዋዜማ ሪፈረንደም ሕልምታት ኣጉል ተስፋ ዘይ ተበራበሩ ኢዮም።

ስለዚ! ዲሞክራሲ ስጋ ለቢሱ ኣብ ባይታ ንኽትግበር፡ ህዝቢ ዝማእከሉ ብህዝቢ ዝዉሰን ቁዋማዊ መንግስቲ ክትከል፡ ሃገርን ህዝብን ካብ ብርሰትን ምብትታንን ንምድሓን እቲ ግዜ ሕጂ’ዩ። ”ብምንታይ “ብኩሉ መደያዊ ቃልሲ ብተግባር ኣብ ባይታ።

ሰለሙን ፍቃዱ

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
6 COMMENTS
  • Meretse Asmelash September 14, 2013

    ኽቡር ፍቃዱ፡

    ብልቢ ዝትሰነየት ጫፍ ብርዕካ ዝገደፈት የብላን።
    ጽሑፍካ ኣዝዩ ንጹርን ብርሁን ኢዩ።
    ኢሰያስ ኣፈወርቒ ናብ’ዚ ደረጃ’ዚ ከብጽሖ ዝከኣለ ባዕሉ ህዝቢ ኤረትራ ኢዩ። ብሓቂ መለለዪ ህዝቢ ኤረትራ ከምዚ ኮይኑ ክተርፍ ግን ዘሕዝን ኢዩ። ፍርሒ ገዛ ከፈተ ኣትያ ገና ተንበድብዶ ኣላ። መሰረት ሽግር ኤረትራ ማዕዳዊ እምበር ዘቤታዊ ኣይኮነን ኢሎም ክምሕሉገና ንርእን ንሰምዕን ኣሎና። ፡ ኣነ ድየ ንሶም ሰብ ናብ ዝብል ተእምራዊ ሓሳብ የእትወካ።
    ከምቲ ሕልፈታ ዝመረራ ሰበይቲ ድሕሪ ሞት ሰብእያ፡ ናይ ሞት ይጽናሕ ናይ ሕልፈት ይበከ ዝበለቶ፡ እዚ ሰብኣይ እዚ ኣብ ሜዳ ዝገበሮ ተግባርስ ይጽናሕ ድሮ ረፍረንዱም ነቶም ናይ ናጽነት ሓዊ ሽግ ንክትውላዕ ክውን ዝገበሩ ኣካለ ስንኩላን ክቅንጽል እንከሎ እንታይ ኢና ንሰምዕን ንርእን ዘሎናን ኢሉ ደገ ዝወጸ መን ኔሩ?
    ኣብ ክፍላ ተሳዓታት ሕጽረት ላምባ እሎና እንተበሉ፡- ፊስቶ ላምባ ንሓንቲ ስድራ ዘይትዓደለት ድዩ ክብል..
    ኣስቤዛ ይክብረና ኣሎ እንተበሉ፡ ገዛ ገዛ በጊዕ ዘይተሓረደልኩም ድኩም ደሊኩም ክብል….
    ኣብዚ ቀረብ ጊዜ ከኣ ክሳብ ብመልክዕ ብሑቕ ከተጠፋፍኡ ትርከቡ’ዶ ኣይኮንኩምን…. ወዝተ ክብል
    ትማሊ ከኣ ማይ ጸሚእና ንዝበለ ህዝቢ ከይተረፈ ብሓጺሩ “ቀቢጡ” ዝብል መልሲ ኢዩ ዝለኮሰ። ደድሕሪ ሰብ ዝከይድ ማይ ኣበይ ርኢኩም ኢኩም ማይ ማይ ትብሉ? ዝጸምኤ ፈለግ ይከተል? ኣየናይ ፈለግ?
    ከይበዝሓኒ፡ ባዕልካ ወዲእካዮ ኣሎካ። ሎሚ’ውን ብፍላይ መንእሰያት እታ ኣያታትኩም ቅድሚ ትማሊ ዝሓለፉላ ሃገር ኣበይ ኣሎኩም ኢላ ትጽውዓኩም ኣላ። ጸዋዒት ወላዲት ዘየክብር ኔሩ ኔሩ ሕስረት’ዩ ዝጽበዮ።

    “ኢሰያስ ክሕሎ’ምበር ክሕሉ ኣይተፈጥረን”

  • Meretse Asmelash September 14, 2013

    ኽቡር ፍቃዱ፡

    ብልቢ ዝትሰነየት ጫፍ ብርዕካ ዝገደፈት የብላን።
    ጽሑፍካ ኣዝዩ ንጹርን ብርሁን ኢዩ።
    ኢሰያስ ኣፈወርቒ ናብ’ዚ ደረጃ’ዚ ከብጽሖ ዝከኣለ ባዕሉ ህዝቢ ኤረትራ ኢዩ። ብሓቂ መለለዪ ህዝቢ ኤረትራ ከምዚ ኮይኑ ክተርፍ ግን ዘሕዝን ኢዩ። ፍርሒ ገዛ ከፈተ ኣትያ ገና ተንበድብዶ ኣላ። መሰረት ሽግር ኤረትራ ማዕዳዊ እምበር ዘቤታዊ ኣይኮነን ኢሎም ክምሕሉገና ንርእን ንሰምዕን ኣሎና። ፡ ኣነ ድየ ንሶም ሰብ ናብ ዝብል ተእምራዊ ሓሳብ የእትወካ።
    ከምቲ ሕልፈታ ዝመረራ ሰበይቲ ድሕሪ ሞት ሰብእያ፡ ናይ ሞት ይጽናሕ ናይ ሕልፈት ይበከ ዝበለቶ፡ እዚ ሰብኣይ እዚ ኣብ ሜዳ ዝገበሮ ተግባርስ ይጽናሕ ድሮ ረፍረንዱም ነቶም ናይ ናጽነት ሓዊ ሽግ ንክትውላዕ ክውን ዝገበሩ ኣካለ ስንኩላን ክቅንጽል እንከሎ እንታይ ኢና ንሰምዕን ንርእን ዘሎናን ኢሉ ደገ ዝወጸ መን ኔሩ?
    ኣብ ክፍላ ተሳዓታት ሕጽረት ላምባ እሎና እንተበሉ፡- ፊስቶ ላምባ ንሓንቲ ስድራ ዘይትዓደለት ድዩ ክብል..
    ኣስቤዛ ይክብረና ኣሎ እንተበሉ፡ ገዛ ገዛ በጊዕ ዘይተሓረደልኩም ድኩም ደሊኩም ክብል….
    ኣብዚ ቀረብ ጊዜ ከኣ ክሳብ ብመልክዕ ብሑቕ ከተጠፋፍኡ ትርከቡ’ዶ ኣይኮንኩምን…. ወዝተ ክብል
    ትማሊ ከኣ ማይ ጸሚእና ንዝበለ ህዝቢ ከይተረፈ ብሓጺሩ “ቀቢጡ” ዝብል መልሲ ኢዩ ዝለኮሰ። ደድሕሪ ሰብ ዝከይድ ማይ ኣበይ ርኢኩም ትፈልጡ ማይ ማይ ትብሉ?

    ዝጸምኤ ፈለግ ይከተል? ኣየናይ ፈለግ?

    ከይበዝሓኒ፡ ባዕልካ ወዲእካዮ ኣሎካ። ሎሚ’ውን ብፍላይ መንእሰያት እታ ኣያታትኩም ቅድሚ ትማሊ ዝሓለፉላ ሃገር ኣበይ ኣሎኩም ኢላ ትጽውዓኩም ኣላ። ጸዋዒት ወላዲት ዘየክብር ኔሩ ኔሩ ሕስረት’ዩ ዝጽበዮ።

    “ኢሰያስ ክሕሎ’ምበር ክሕሉ ኣይተፈጥረን”

  • ተወልደመድኅን September 15, 2013

    “ኢሰያስ ክሕሎ’ምበር ክሕሉ ኣይተፈጥረን”…………………………………..ዓባይን ድንቂ ዘረባ’ያ ንዝርደኣ፡….ኢሳያስ ክመርሕ’ምበር ክምራሕ ኣይተፈጥረን…….ኢሳያስ ክእዝዝ’ምበር ክእዘዝ ኣይትፈጥረን……ኢሳያስ ክምህር’ምበር ክመሃር ኣይተፈጥረን…..ኢሳያስ ክምዕድ’ምበር ክመዓድ ኣይተፈጥረን……ኢሳያስ ሰባት ዝገብሩው ክፈርድ’ምበር ንሱ ዝገብሮ ሰባት ዝፈርድዎ ኮይኑ ዘይስምዖ ኮይኑ ኣይተፈጥረን……ኢሳያስ ስራሕ ካልእ ከቆናጽብ’ምበር ንዓይ የቆናጽቡኒ ይኾኑ ኢሉ ርእሱ ክርኢ ዝኽእል ኮይኑ ኣይተፈጥረን…….ኢሳያስ ዝለበምኩ ዝጎራሕኩ ብምባል ርእሺ ኮይኑ’ምበር ካባይ ዝጎርሑ ካባይ ዝለበሙ ክህልው ይኽእሉ ዝብል ኣረኣኣያ ዘለዎ ኮይኑ ኣይተፈጥረን…….ኢሳያስ ወዲ ሰብ ክህልዎ ዝኽእል ናይ ትሕትናን ትዕግስትን ናይ ኣኽብሮትን ምጽዋርን ዘለዎ ኮይኑ ኣይተፈጥረን……..ኢሳያስ ካል ኦት ዝህስውዎ ንምር ኣይ’ምበር ንሱ ዝህስዎ ንምስትውዓል ክእለት ዘለዎ ኮይኑ ኣይተፈአጥረን……ኢሳያስ ሰባት ብዝሃዙዎ ይ ኣኽለኒ ክፈልጡ’ምበር ንሱ ይ ኣኽለኒ ዝፈልጥ ኮይኑ ኣይተፈጥረን…….ኢሳያስ ንሱ ዝገበሮ ክርሰዓሉ’ምበር ሰባት ዝገበሩዎ ክርስዕ ዝኽእል ኮይኑ ኣይተፈጥረን………….

  • Nahom September 15, 2013

    Yes Mr.T/Medhin Isayas as maniac despot thinks that he has created himself, Eritrean people and beyond.

  • Kabbire September 15, 2013

    http://www.aljazeera.com/indepth/opinion/2013/06/201362472519107286.html

    Aljazeera says:
    The Arab slave trade is a fact of history and anti-black racism is a fact of current reality, a shameful thing that must be confronted in Arab societies. Though I claim no expertise on the subject, I think that applying notions of racism as it exists in the US will preclude a real understanding of the subject in the Arab world.

    I spent much of much of my youth in the Arab world and I do not recall having a race consciousness until I came to the United States at the age of 13. My knowledge of Arab anti-black racism comes predominantly from Arab Americans. Like other immigrant communities, they adopt the prevailing racist sentiments of the power structure in the US, which decidedly holds African-Americans in contempt.

    This attitude is also becoming more prevalent in Arab countries for various reasons, but mostly because Arab governments, particularly those that import foreign labour from Africa and Southeast Asia, have failed to implement or enforce anti-discrimination and anti-exploitation laws.

  • MightyEmbasoyra September 15, 2013

    If you are not respected in your own country, why are you expecting to get respect from other races? Don’t be surprised.
    If you were from a civilized country, you would have much respect from others – it doesn’t meant that they like you but nevertheless.

POST A COMMENT