Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

መስርዕ ስመር

ኣብ መጀመርታ 1975፡ ኣብ ኢትዮጲያ ስልጣን ዝጨበጠ ወተሃደራዊ ጉጅለ፡ ጉዳይ ኤርትራ ንምፍታሕ ኢሉ ንሃገራውያን ዓበይቲ ዓዲ ምስደቆም ተላዚቦም ፍታሕ ከምጽኡ ተባሂሉ ከምዝለኣኾም ኩልና ንዝክሮ ኢና። ገለ ካብኣቶም፡ ወለዲ ናይታ ምስኣቶም ክትራኸብ ዝተመዘዘት ኮሚተ ተጋደልቲ ነበሩ።

ኣብ መጀመርታ 1975፡ ኣብ ኢትዮጲያ ስልጣን ዝጨበጠ ወተሃደራዊ ጉጅለ፡ ጉዳይ ኤርትራ ንምፍታሕ ኢሉ ንሃገራውያን ዓበይቲ ዓዲ ምስደቆም ተላዚቦም ፍታሕ ከምጽኡ ተባሂሉ ከምዝለኣኾም ኩልና ንዝክሮ ኢና። ገለ ካብኣቶም፡ ወለዲ ናይታ ምስኣቶም ክትራኸብ ዝተመዘዘት ኮሚተ ተጋደልቲ ነበሩ። እዚ ማለት ኣቦን ወድን ቀትረ-ቀትሪ ኣንጻራት ኮይኖም ከናጎዱ እናወዓሉ፡ ለይተ-ለይቲ ድማ ጉጅለ ወለዲ ከምብልሓቶም ናብ ደቆም ብምስላኹ ክላዘቡ ይሓድሩ ነበሩ። ከሳብ ሎሚ ካብ ዘይረሳዕኩዋስ ድሕሪ ሎም’ሞ ንከይርሳዓ ዝሕግዘኒ ስለዝበዝሐ ኣይክርሳዓን  ኢየ። ወለዲ ድሕሪ ኩሉ ልዝብ ተተጠዋውዮም ከምዚ ብምባል ንደቆም ይምሕጸኑ ነበሩ፡-

“ አእ፡ ኣቱም ደቂ፡ ትኽእሉዋ ዲኹም እሞ እዛ ምሕደራ? ትኽእሉዋ እንተኾንኩም ሰናይ ኮነ፡ ኩልና ድማ ምሳኹም ኣለና። ዘይትኽእሉዋ እንተኾንኩም ግና ጽባሕ ንጉሆ ከይተበላሽዉና። ካብ ኩሉ ዘይትሳነዩ እንተኾንኩም ኣ ይተመራስሑና ግደፉዋ“።

“ልቢ ጎበዝ ኣብ ደረቱ“ ከምዝበሃል ዕምቆት ዘረባ ወለዲ ዝስከም ዓቕሚ ኣይነበረናን’ሞ ወዮም ኣረጋውያን በቲ ናይ ገዛእቲ ፕረፖጋንዳ ሓሚሞም፡ ሰሊሞምን ጠሊሞምን መሲልናስ፡ ካብ ክቱር ቅንዕናን ነብሰ-ምትእምማንን ድማ ንሓዋሩ’ውን ንሕናስ ንስውድ ንዕወት፡ ንሃንጽ ዝያዳ ንጥመር ጥራይ ኢዩ ሽዑስ ዝመሰለና። ርግጽ ገዛኢ ወዲሃገር ከምዝኸፍእሲ ተማሂርና ኢና። እንተኾነ ኣማስያኡ ኣብ ውሽጥና ሕማም ድሓር ከምዝብትነና ኣበይ ኢልናዮ! እሞ ሎሚ እቲ ስኽፍታ ወለዲ እንታይ ከምዝነበረ ናዓና ነቶም ናይሽዑ ኣጓብዝ ናይ ሎሚ ኣረጋውያን ኣራቲዕና እንሆ።  ስለኡ ኢዩ ድማ ጽሑፋትን መልእኽቶምን ዝመሳሰልን ዝድጋገምን ዘሎ።

“ንምንታይ ኢዩ እዚ ኣረጊት ዘረባ ናይዞም ኣረግቶት ሰባት“? ትብሉ እንተኣሊኹም ርግጽ ሎሚ ከይመሰለኩም ብሻላማላ ትሓልፍዎ ትኾኑ። ምዕዶ ወለዲ ብእዋኑ ተሰማዒ ኣይኮነን። ንሳቶም ድሕሪ ምሕላፎም ኢዩ ዘረባኦምን ቁምነገሮምን ተባሃጊ። ንስኹም ድማ ብዙሕ ኣይክትቅጽሉን ኢኹም። ጽባሕ ባዕልኹም “ ኣቦታት ዝበሉዎስ ሓቆም እባ ኢዮም“ ከምእትብሉ ርግጸኛ ኢየ። ኣቦታት ዝዛረብዎ ካብመዓስ ይመክን። በሉ ኣነ ንልቦና ጥራይ ኢየ ወስ ዘብ ለልኩም ዘለኹ። ዝኾነ ኮይኑ ከም እዋናዊ መጠን ሓደ ሕቶ ከነልዕል። ስለምንታይ ኢዮም ብዙሓት ናይ እድመ ሰብጸጋን፡ ክኢላታት ጸሓፍትን ኣዘውቲሮም ብዛዕባ መንእሰያት ዝግደሱ ዘለዉ? ዝብል ኢዩ። መልሱ ድማ ብሓጺሩእቲ ግዜ፡ ግዜ ለውጢ ኮይኑስ ብኣስማቱ ከኣ ለውጢ ዕማም መንእሰይ ስለዝኾነ ጥራይ ኢዩ። ኩሎም ተጓነጽቲ ድማ ኣብ ልዕሊ መንእሰያት ብክልተ ረብሓታት ተጽዕኖኦም የኽብዱ። በቲ ሓደ ብመንገዶም ዝረኽብዎ መኽሰብ ንምሕፋስ፡ በቲ ካልእ ፈተውቲ መሲሎም መንእሰያት ብምድንጋር በቲ ዝተሓተ ንጥፈታት ንኣሽቱ ኣባኺኖም ካብ ጸቕቲ መንእሰያት ንምምላጥ ክድሕኑ ምእንቲ ከደናግርዎም ይጓየዩ። ምድንጋር መቸም ብሉጽ ጥበብ ምሕደራ ኢዩ። ዝኾነ ኮኢኑ ኩሉ ለውጢ ፈጸምቱ መንእሰያት ካብ ኮኑ፡ ብግዜ ኣዚና ከይረሓቕና ኣብ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ተራኦም እንታኢ ይመስል ከምዝነበረ እስከ ነዕልል።

ቀዳማይ ክፋል ቃልስና ካብ ኣርባዓታት ክሳብ ስሳታት ኣብዝነበረ እዋን እንተመዲብናዮ፡ መንእሰያትና ምንም ተመኩሮ ኣብዘይነበሮም እዋን፡ ብድርኺት ናይ ተፈጥሮ ፖለቲካዊ ሓድነት ኣንጻር ኩሎም ሓያላን ተሟጕቶም ሃገር ካብ ምብትታን ኣድሒኖም ንቀጻሊ ቃልሲ መበገሲ ባይታ ኣንጺፎም ኢዮም።

ካልኣይ ክፋል መድረኽ ብረታዊ ቃልሲ፡ መንእሰያትና ምስ ኩሉ ምረት ቃልሲ ኣንጻር ዓለም ገጢሞም፡ ነቲ ህዝብና ንዘመናት ዝተመነዮ ሃገራዊ ናጽነት ጨቢጦም።

ሳልሳይ ክፋል ቃልሲ መንእሰያትና ከም ሓደ ምዕራፍ ክንወስዶ እንተኾይንና፡ ጠንቅን ፍትሓውነትን ናይቲ ኵናት ብዘገድስ እቲ ሓድሽ ወለዶ ግን ነቲ ዘጓነፈ ደግሲ ኵናት መኪቱ ዳግማይ ሃገር ኣውሒሱ ኢዩ።

ራብዓይ ምዕራፍከ? ከምርዱእ ብረታዊ ቃልስና ክልተ ዕላማታት ኢዩ ነይርዎ። ቀዳማይ ገጽ ቃልሱ ሃገራዊ ናጽነት ምርግጋጽ ክከውን እንከሎ፡ ካልኣይ ገጽ ናይቲ ቃልሲ ግና ፍትሓውን ቅዋማውን መንግስቲ ምትካል ነበረ። እዚ ከኣ እቲ ዘሎ መንግስቲ ክገብሮ ዘይተኻእሎ ዝበርትዐን ኣውራ ዕላማን ከምዝኾነ ንርዳእ ኢና። ዕማም ራብዓይ መድረኽ ቃልሲ እምበኣር ብሓጺሩ ንሱ ከምዝኾነ ኩሉ ዝሰማምዓሉ ሓቂ ኢዩ።

ክቡራት መንእሰያት! ከምዝመስለኒ ኣብዚ ግዜ’ዚ ሃገርና ኣብ ነበላባል ህግደፍ ትጥበሰሉ ኣብ ዘላ እዋን ዘድሕና ደልያ ተእዊ ከምዘላ፡ ብዘይካ ጽባሕ ክገላበጡ ዘይጽገሙን ዘይሓፍሩን መጣቓዕቲ ገዲፍካ ኩላህና ሃገርና ኪኖ መድረኽ ኣርባዓታት ኣንቆልቝላ ከምዘላ ኣጸቢቕና ንፈልጥ ኢና። እሞ ዝተመነናዮስ ይትረፍ፡ ኩሉ ናይ ሂወት ጠለባት ፖለቲካ ተቖጺሩ ዘረባና፡ ኣተሓሳስባና፡ ወቐሳና፡ ጥርዓንናን ኩሉ ነገርናን ብዓይኒ ጸጥታ ኣብዝጥመተሉ መድረኽ ካብሃለናስ እንታይ ንግበር ኢዩ ዝበሃል ዘሎ። እቲ ሕቶ ንኩሉ ዜጋ ዝምልከት’ዃ እንተኾነ ኣውራ ተሓታትስ ንስኻ መንእሰይ ኢኻ። ንብዙሕ ምኽንያት። በቲ ሓደ ዕድመኻ ዝፈቐዶ ናይ ለውጢ ተረካብ ሕድርነትካ ስለዘሎ። ብተወሳኺ ድማ ዜጋ ናይዛ ብደም ዝዘቕበበት ሃገር ኢኻ። ብኣውራኡ በቲ ገዛእ መራሒኻ ብሂወትካ ኮነ ዝተበታተነ ኣካላ ትካ ዕዳጋ ወሪድካ ኣብዘለኻሉ እዋንከ ኣብ ብዓለሙ ኪኖ’ዚ ዘሕፍርን ዘንዕቕን፡ ናይ ወዲ ኣይተነት ስምዒት ዝኩሕኩሕን እንታይ ኣልዩ? እሞ ኣብ ውሽጢ ሃገር ኮነ ፍቐዶ ሃገረ-ስደት ኣእዳውካ ንድሕሪት ጠጠዊዃ ፍቐዶ ቤተ-ጸሎት ታኒካ ቴና ምንባ ዕ’ኮ ኣይኮነን። እታ ሕቶ ደጋጊማ ኣብርእስኻ ኣላ። ሃገርካ ዲሞክራሲ ኮነ ፍትሒ ክትረክብ፡ እዘን መሓውርካ ምሳኻ ክቕበራ ከተውሕስ እንታይ ምግባር? መልስኻ ብዘይውልውል ቃልሲ ምዃኑ እተኣማመን። ድሮ’ኻ በቢከባቢኹም ዘቖምኩመን መስርዕ ስመራት ክትጥርንፉወን ምጅማርኩም ሰሚዕና ተተስፊና ኣለና። እዚ ማለት እቲ ብዝተፈላለየ ምኽንያት ክሕመ ዝተሰምዐ ትዕግስቲ መንእሰይ ግዚኡ በሊዑ ልክዕ ከም ነብሒ ኣንበሳ ካብ ጫፍ ናብ  ጫፍ ይጓዝም ኣሎ። ብግምትና እዚ ተበጺሑ ዘሎ መድረኽ ኣዝዩ ተደናጉዩ ክመስል ይኽእል። እ ንተኾነ ግደፍ ኣብ መንእሰያትሲ፡ ኣብቲ ዝበሰለ ዝበሃል’ውን እኮ ብዛዕባ ንመንግስትኻ ምቅዋም፡ ደፊርካ ንለውጢ ምቅላስ ዝኣመሰለ ትብዓት ’ልብና እናዓበየት’ ቀልጢፍና ኣይለመነድናዮን። እዚ እኩብ ሓጥያት ናይቲ ባህርያትና ዝበልዐን ጅግንነትና ሰሪቑ ብመስዋእትና ካባ ክብሪ ዓወትን ታሪኽን ዝደረበ ትዕቢተኛ ሰንሰለት መግዛእቲ ዝፈጠሮ ክኸውን ይኽእል።ማለተይሲ መንእሰያት ኤርትራ ኤርትራውነቶም ይርድኡዶ ነይሮም ዋላስ ብኢትዮጵያውነቶም ይኣምኑ“ ዝብል ፈሊጥ ገዲፍና ኤርትራዊ ኣብዝተሰለፈሉ ዓውዲ ውፉይን በዓል ዝናን ምንባሩ ገዛእቲ ከይተረፉ የ ዘንትዉ ኢዮም። ንሕና’ውን ሎሚ ኮይንና ውዕሎ ናይቶም ኣብጎድኒ ጣልያነ-ኢትዮጵያ ዝተሰለፉ ዜጋታትና ከነመራ ስሖ ተደላይ ኣይኮነን ። ኤርትራዊ ምስ ኢትዮጵያ ተሰሊፉ ትንግርቲ እንተዘይሰርሕ ምናልባሽ ዓወት ዓድዋ ካልእ  ምስሊ ምነበሮ ይ ኸውን። ከምኡ ድማ ዓወት ኮርያን ኮንጎን። ብተወሳኺ ዋላ’ዃ ኪኖ መግዛእታዊ ኣገልግሎት ካል እ ትርጉም እንተዘይተዋህቦ፡ ኣብ ውሽጣዊ ምሕደራ ኢትዮጵያን ቁጽያ ንሃገራዊ ቃልስናን ዝነበረ ኣስተዋጽኦ ኤርት ራዊ ኣቃሊልካ ዝርአ ከምዘይነበረ ታሪኽ ይምህረና። ናይታሪኽ ኣጋጣሚ ኮይኑ ግን ኩሉ ቁምነገርና ተዘሚትና፡ ተ ጠሊምና ኢና። እሞ እንተዘይተሓዲሱ ጅግንነት’ውን ከምቲ ካልእ ኩሉ በራሲ ስለዝኾነ ፈተና ጸላእና ንሳቶም ኣብ ዝና ዓለም ቅድሜና ጀጋኑ ኢዮም። ኮይኑ ግን ንሕቶ መግዛእቲ ግቡእ ምላሽ ዝወሃበሉ ግዜ ከኣ ኣርኪብና። ድሮ’ዃ ዕስራታት ዓመታት ኣቑጺርና እነና። እንተኾነስ ነገራትና ብኢሱ። ስለዚ መንእሰይና ዳግማይ ክወፍር ግድን ኮይኑ። ናብ ወፍሪ ግምባር ሓርነት!

ከምዝፍለጥ ብረታዊ ቃልሲ ኤርትራ ወፍሪ ናጽነት ጥራይ ኣይኮነን ምሂሩ። እንተኾነስ ወፍሪ ሓርነት ብቐሊሉ ተለ ላይን ተጨባጥን ኣይኮነን። ከመይሲ ኣንጻር ገዛእ መንግስትኻ ክትለዓል፡ ብመንጽር ዝነበረ መብጽዓን ትጽቢት ንዋላ ቛሕማመ-ሃማም ገዛኢ ወዲሃገርን ዝጻረር ብምኻኑ፡ ቅልጡፍ ምላሽ ክዋሃቦ ዝከኣል ኣይነበረን። ብተወሳኺ ዋላእቲ ዘንቀደ’ውን በየናይ ኣገባብ እንታይ ምግባር ዝድህስስ ተመኩሮን ኣፍልጦን  ኣይነበሮን። ብኣንጻሩ እቲ ሃገራውያን ጠርኒፉ መግዛእቲ ዘዕነወ ተጋዳላይ ነበር መንግስቲ፡ በየናይ ኣገባብ ከምእተዓወተ ውህሉል ተመኩሮ ስለዝነበሮ ንዝጥነስ ናይ ኣንጻር ድቒ ከመይ ከምዝዘርጎ ብማል ኮነ ኣፍልጦ ሓያል ኮይኑስ ንተበግሶ መንእሰያት ከጎናድብ ጸኒ ሑ ኢዩ። ዝኾነ ኮይኑ ሓደ ሓቂ ኣሎ። ኣረጊት ብሓድሽ ክትካእ ግድን ኢዩ። እቲ ብዘይ ጥርኑፍ ኣገባብ ክደራበሽ ዝጸንሐ መንእሰይ ከኣ ኣንፈቱ ፈሊጡ ቃልሱን መቃልስቱን ኣብ ዝጥርንፈሉ ደረጃ ምብጽሑ ኣዝዩ ኣተስፍይና ኣሎ ። እቲ ዝሓለፍናዮ ዕስራታት ዓመታት እምብኣር ሃገርና ክትሓልፎ ዝነበራ ግድነት ናይቃልሲ ውጻእ ውረድ ምዃኑ ክንቅበሎ ኣለና። እንተኾነስ ገና እዚ’ውን ሓደ ስጉምቲ ጥራይ ኢዩ። ምኽንያቱ ብመንጽር ተኣፋፍነ ዞባና ጥራይ ዘ ይኮነስ ህግደፍ ከኣ ብዋዛ ተረታዒ ሰልፊ  ኣይኮነን’ሞ፡ ንህይወቱ ዕድመ ክልቅብ፡ ክሳብ’ተን መሻርኽቱ ዝጠልማኦ ብወገኑ ዘይከፍሎ ዋጋ ኣይክህሉን ኢዩ። ንጥርናፈ መንእሰያት ንምዝራግ ድማ፡ ከምቲ ንተመሃሮ ቤት ትምህርቲ ሰውራ ፈታዊኦም ተመሲሉ ኣብ ብሩራዊ በዓሎም ሰሊኹ ብምእታው ዝገማምዖም፡ ምስ ነፍሲ ወከፍ ትምስረት ጉጅለ ብድሆ፡ ናይ ውሽጣ ሕቕፎ ዝርገት እናጸፈየ ዝከኣሎ ይገብር ኣሎ። ንዓኻትኩም ንደምበ መንእሰያት’ውን ከምሕሱም ይሓስየኩም ከምዘሎ  ነቕልበሉ ኣለና። እንተኾነስ ዘሻቕል የብሉን። ከምቲ ኣብ በረኻታት ሲና ንታሪኽ ሰኒድኩሞ ዘለኹም እዚ’ውን ድሮ ይስነፍ ኣሎ። ድምጽኹም ካብ ጫፍ ናብ ጫፍ ዓለም፡ካብ ላስቬጋስ ክሳብ ቶረን ቶ፡ ውዕሎ ኒውዮርክ፡ ጊሰን፡ ሊድሰ-ተልኣቢብ፡ ናይ ዙሪክ ኮነ ኦስሎን ስቶኮሎምን፡ ኮታ ኣብ ብዓለሙ ዝጋዋሕ ዘ ሎ ጽምኢ ሓርነት ዝረውየሉ ግዜ ክዉን ከምዝኸውን እሙን ኢዩ። እዚ ኩሉ ድምጺ ከቃልሕ ኣብዝጀመረሉ እዋን ዝተሰናበደ ህግደፍ ድሮ ነቲ እኪት ናይ ፈላሊኻ ግዛእ ጥበባቱ የነጣጥፍ ኣሎ። ምናዳ ነቲ ብልጫኡ ዝነበረ ናይ ምጭልጋም ስጉምቲ ምስመንጠልኩሞ’ሞ ካድረታቱ ክጣርዑ ተሰሚዖም። ሰሚዕኩሞ ከምእትኾኑ፡ እቶም ነጋዶ ሰብ ዜጋታትና ደቂ ዓዲ-ቐይሕ ምዃኖም፡ ሳላ ሽያጥ ኣካላት ደቒ ኤርትራ ድማ ንሳቶም ገንዘብ ኣኻዕቢቶም ኣብ ርእሲ ከተማኦም /ዓዲ-ቀይሕ/ ተኣማራታዊ ኣባይቲ ይሃንጹ ከምዘለዉ፡ እቲ ኣብ  ወጻኢ ሃገር ዝርአ ዘሎ ተቓውሞ ደምበ-መንእሰያት’ውን ብ“ ጎንጺ ደቂ-ዓዲቀይሕ“ ተሰምዩ ጎስጓስ ከምዝተገብረሉ ተወርዩ ኣሎ። መሸም እቶም ወነንቲ ትካላት መሸጣ ሰብ ቅድሚ ደቂዓዲ ቀይሕ ምዃኖምሲ፡ ኮነ ኢልካ ካብ ኩለን ብሄራትና ዝተዋጽኡ ምኻኖም ንዘስተውዓለ ምልሙላት ህግደፍ ምዃኖም ምልላዮም ኣየጸግምን። ብርግጽ ድማ ኣባላት ሃገራዊ ድሕነት ህግደፍ   ምዃኖም ዝገልጽ ጽሑፋት ተዘርጊሑ ኢዩ። እሞ ንመን ንምድንጋር ድኣሉ እቲ ኩሉ ሸንኮለል? ገና ገና….፡ ቅልጽም መን እሰይ ድኣ ከምኡ ጥራይ መዓስ ኮይኑ! ድሕሪ ሕጂ መስርዕካ ኣፍልጥ ጥራይ ኢያ በቃ!! ተመሳሲልካ ተለዃሲስካ ምሽዃዕ የለን ! እቲ መንእሰይ ከኣ ኣውራጃውን ወገናውን ኮይኑ እንተተሪፉ ሽዑ ነርክበሉ። እንተ ምጉሳጥ’ሞ መጓ ዕዝቲ መንእሰይ ስለዝኾነ፡ ኣገዳሲ ኣብዝኾነሉ ግዜ ክፍጸም ኣለዎ። ንመን ተጉስጥ ጥራይ ኢዩ ክጽናዕ ዘለዎ። ድሮ ድሮ ማንም ካድረ ህግደፍ ደቂሱ ዝሓድር ከምዘየለ ተፈሊጡ ኣሎ። ንግዚኡ ግን መልስና ኣብ ተበግሶ ምንእሰያት እወታዊ ኢዩ። እንተኾነስ ንሕና ኣቦታትኩም ኣብ ምሕደራኹም ከይኣተና ርኢቶታት ከኣ ኣለና’ሞ ክሳብ ዝስዕብ መደብና ድሓን ቀንዩ።

ጎደፋ፡

15-03-20123

aseye.asena@gmail.com

Review overview
1 COMMENT
  • Kiflo March 18, 2012

    YES YES YES ! totalitarian dictatorship must be eliminated from the territory of Eriteria. However, it needs the concerted effort and demonic determination of all democratic forces of Eriteria. The rapes, murders, extrajudicial executions, enforced disappearances, arbitrary arrests, servitude of the youth, organ selling, etc. do not give us rest!!! These inhuman actions are not to be neglected, condoned or supported unless one is evil and a devil alike Sofia TESFAMARIAM and her group (females & males). Let all Eriterians make this year a year of independence of the people and the territory from the totalitarian dictatorship of Isaias and his lieutenants. Push him to the sea or to hell. That is his final destination. Kiflu Naizgi’s dead body might have started clearing the path to hell for the totalitarian dictatorship system in Eriteria.

POST A COMMENT