Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

መስትያት ቃልስና? ምእሳር ተጋደልቲ ኣብ ሱዳን። ኣቦሓጎ ተጋዳላይ ሑሰን ከሊፋን ኣቦ ተጋዳላይ ዓብደላ ሓምዳይን፡

መስትያት ቃልስና??????? ምእሳር ተጋደልቲ ኣብ ሱዳን። ኣቦሓጎ ተጋዳላይ ሑሰን ከሊፋን ኣቦ ተጋዳላይ ዓብደላ ሓምዳይን፡ ኣብ ሃገር ሱዳን ብ31 ጥሪ 2016 ተኣሲሮም ዝብል ዜና ሰማዕና። ዘሕዝንን፡ ዘስደምምን፡ ዝገርምን፡ ዘሰንብድን፡ ዘጨንቕን፡ዘንዕቕን፡ዘሔፍርን፡ መግለጺ ታሪኽ ቃልሲ ደምበ ተቓዉሞ ከምዝኾነ ከስምረሉ ይደሊ። “ኣናፍራ ቖቓሕ፡

መስትያት ቃልስና???????
ምእሳር ተጋደልቲ ኣብ ሱዳን።
ኣቦሓጎ ተጋዳላይ ሑሰን ከሊፋን ኣቦ ተጋዳላይ ዓብደላ ሓምዳይን፡
ኣብ ሃገር ሱዳን ብ31 ጥሪ 2016 ተኣሲሮም ዝብል ዜና ሰማዕና። ዘሕዝንን፡ ዘስደምምን፡ ዝገርምን፡ ዘሰንብድን፡ ዘጨንቕን፡ዘንዕቕን፡ዘሔፍርን፡ መግለጺ ታሪኽ ቃልሲ ደምበ ተቓዉሞ ከምዝኾነ ከስምረሉ ይደሊ።
“ኣናፍራ ቖቓሕ፡ ዘይፈልጥ፡ኣይ ሃዳናይን” ከምዝብሉ ሓረስቶት ዓድና፡ ኣስዕብ ኣቢሎም “ዘይሓስብ! ኣይንገድ” ይብሉ። እንተ ብሃዳናይ፡ እንተ ብነጋዳይ፡ ክምሰል መልእኽቱ ሓደ እዩ። ሓዳናይ ቖቓሕ፡ ዛግራ፡ ዓጋዜን፡ ጠለበዱ ወይስ ኢራብ ሃዲኑ ክመጽእ ኣለዎ። ኣብ በርኻን ጣሻን ክሃድን እየ ኢሉ ከይሰለጦ ምስ ዝመጽእ ግና ደጋጊሙ ሕመቑን፡ ስንፍናኡን፡ ጉድለታቱን፡ ዝንጋዔኡን፡ ስለምታይ ዝሓሰቦ ከይሰለጦ ከም ዝተመልሰ “እሕም……ም…..ም” ኢሉ ኣስተንቲኑ ሓሲቡ መልሲ ምስ ረኸበ፡ ካልኣይ ከይደግም ክጥንቀቕ ከምዘለዎ፡ ዳግማይ ፍሽለት ከይርከብ፡ ኣፉ እናረምጠጠ፡ ማዓንጣኡ ሸጥ ኣቢሉ፡ ዝናሩ ዓጢቑ፡ ጠብንጃኡ ሎጊሙ፡ ኣዒንቱ ዉሪሕሪሕ እና ኣበለ ንሃድን ይብገስሞ! ከምዝሓሰቦ ምስ ኮነሉ ድማ፡ ቖቓሕ፡ ዛግራ፡ ሰስሓ መፍለስ ደራሪቡ  መልዒሱ፡ መልዒሱ ምስገድፈን፡ ኣራርዩ! ኣድጉ ኮነ በቕሉ ጺዒኑ ንገዛኡ ክምለስ ከሎ፡ ሃዳናይ ተፈሲሁ ንዓዲ ክኣቱ ይርኤ!! ኣብ መንገዲ ዝራኣዮ ኮነ ኣብ ዓዲ ዝጸንሑ ደቂ ዓዱን፡ ወለዱን የኽብርዎን፡ የመስግንዎን። ኣየ!!!!ጂግና!!!! ኣየ ሰብኣይ!!!ኣየ ሃዳናይ!!!ተባሂሉ ይጽምበለሉን፡ ይዉደሰሉን።
ወዮ ሃዳናይ!! ሃዲነ ዘምጻእኩዎ ስለዝኾነ፡ በይነይ ጠቢሰ፡ ጠጢቐ፡ ኣብሲለ፡ በይነይ ምስ ደቀይ ጥራሕ ክንበልዕ ኣለኒ ዶ!!!!ይብል፡ ኣይፋሉን፡ እንታይ ዳኣ ይገበር? ነቲ ሃዲኑ ዘምጻኦ!! ምስ ዓዲ ሓቢሩ እዩ ዝበልዕ። ከመይ እንተ ተባህለ? ንገለን ኣብ ገዛኡ ዓዲሙ፡ ንዓበይቲን መኳንንትን፡ ንቤተክህነትን፡ ንሽማግለታትን፡ ብጠቕላላ “ንሓማዮ” ተኻፊሉ ይበልዕሞ! ኣብ ርእሲ ጥበቡን ክእለቱን፡ ልቦና ይውስኽ፡ ኣብ ዓዱን ኣከባቢኡን ይምስገንን፡ ይኽበርን።
እዚ ብንእሰነትና ዝራናዮ ኣብ ከባቢ ዓድዃላ ማይጻዕዳ ዝፍጸም ዝነበር እዩ፡። ንምጥቃስ ግራዝማች ኣስመላሽ ኣስፋሃ፡ ቀነዝማች ኣብራሃ ዑቕባዝጊ፡ ኣቶ ግደይ መዓሾ ብድሓር ድማ፡ ኣቶ ኪዳነ ፎቶ ካብ ጉንደት ከምኡ ይገብሩ ነበሩ።
ነጋዳይውን ልክዕ ስራሑ ካብ ሓደ ከተማ ወይ ዕዳጋ፡ኣቑሑት ገዚኡ ናብ ካልእ ከተማ ይሸይጥ። ኩሉ ግዜ ነጋዳይ፡ ካብ ሓደ ዓዲ ናብ ካልእ ዓዲ ክንቀሳቐስ እንከሎ፡ ነቲ መጀመርያ ዝዓደጎ ሓጀት ወይ ኣቓሑ ተወሳኺ፡ ንመኸዘኒ፡ መስቀሊ፡ መውረዲ፡ መጎዓዚ፡ ግብሪ ሃገር ወይ ግብሪ ዕዳጋ፡ ዋጋ ስለ ዝኸፍል፡ ናይቲ ዋጋ ኣቕሓ እናደየበ፡ ወይስ እናወሰኸ ይኸይድ እሞ፡ ኩሉ ዘውጸኦን ዝበልዕን፡ ዝደቀሶን ደማሚሩ፡ ካብዚ ንላዕሊ ምስ ዝሽየጥ ኣብ ገንዘበይ ኣለኹ፡ ካብዚ ንላዕሊ መኽሰብ ክንድዚ ኣለኒ፡ ካብዚ ንታሕቲ ግና ክሳራ ብክሳር ክኸውን እየ ኢሉ ይድምድም።
ናይ ዋጋ እኹል መለክዒን እኹል ስእልን ይረክብሞ! ብዙሕ ከይሰስዔን፡ ብዙሕ ከይጎደለን መጠናዊ መኽሰብ ብሸያጣይን፡ ብዓዳጋይን ቅቡል ስለ ዝኾነ! ቀጻልነት ናይ ንግዲ ጥበብ ስለ ዝድልብ፡ ምስ ኩሉ ተሳንዩን፡ ተመስጊኑን፡ ተሓጓጉስን ይነብር። ካብ ግዜ ናብ ግዜ ድማ ቀጻሊ መኽስብ ብትሑት ክሳራታት፡ ዝጙዓዝ ነጋዳይ ኣብ ስራሑ፡ ይምስገንን፡ ይኽበርን፡ ይናኣድን፡ ዓዲ ይፈትዎ፡ ዕዳጋ የኽብሮ።
ንኹሉ ክእለትን ጥበብን ኣለዎ።ብሃዳናይን ብነጋዳይን መንቀሊ ተጠቒምና ናብ ካልእውን ክንዝርዝር ይካኣል እዩ። እንተኾነ፡ ኩሉ ወድ ሰብ ዝሓዞ ብዉሕልነትን፡ ብሓልፍነትን፡ ብመሃዝነትን፡ ትማሊ ከመይ ኢላ ዘይቀንዓትኒ፡ እሞኸ! ዳኣ እንታይ ተገበርኩ ይሓይሽ፡ ዝብል ሰብ ካብ ጊጋኡ ይማሃር ጥራሕ ዘይኮነስ፡ በሊሕን መስተውዓልን ይኸውን።
 
ሃገርና ኤርትራ ኣብ ታሪኽ መዛግብ ዓለም ከም ቀዳሞት ስልጣኔታት እተመዝገበት ሃገር እያ።ብወደባት ዙላን ኣድሉሲን ጀሚርካ፡ ናብ እምባታት ቖሓይቶ፡ ድባሩባ፡ ኣኽሱም ታሪኽ ኤርትራ እዩ። ምስ ቀዳሞት ብእመንት ትቑጸር። ብኽርስትና እምነት ቀዳመይቲ፡ ብምስልምና እምነት ቀዳመይቲ እያ።
ቀዳሞት ወለድና፡ብሕግን ስርዓትን ዝምርሑ ህዝቢ ነበሩ። ዝገደፉልና ሕግታት፡ “ሕጊ ኣድግና ተገልባ ኣብ ኣከለጉዛይ፡ ኣድከመ ምልጋእ ኣብ ሰራየ፡ ሕጊ ሎጎ ጭዋ ኣብ ጽልማን ሎጎጭዋን፡ ደብተር ዓዲ ቖንጺ፡ ደብተር ሸውዓተ ዓንሰባን፡ኣብ ሓማሴን። ደብተር ቢለን ኣብ ሰንሒት፡ ኣብ ባርካን ሳሕልን ዝምርሑሉ ሕግና ኣግባብ ከም ዝነበሮም ይግለጽ”፡ ዘሔብን መሰረታዊ ሕጊ ደቂ ሰብ ካብ ናይ ምስዕራባውያን እንተዘይ በሊጹ ዘይንእስ ሕጊ ገዲፎምልና ከይዶም። ናይ ኤርትራ ህዝቢ ብብዝሒ ዘርኢ ሃበሻ እዩ። ናይ ኩሻዊ ዘርኢ ወሲኹ ብሰላም ንኣሻሓት ዓመታት ብሰላም ይነብር ነበረ።
 
ሕጂ ዳኣ እንታይ ተረኸበና? እዚ ካብ ግዜ ጣልያን ጀሚሩ፡ ዘበናዊ ትምህርቲ ወሲደ ዝብል ወለዶ እንተ ብፍላጥ? እንተ ብዘይ ፍላጥ? ብመነቱን፡ ብታሪኹን፡ ዘይሕበን እናኾነ ከደሞ! ነቲ ዝጸንሔ ናይ ህዝቦም ታሪኽ ኣዕሚቖም፡ ኣጽኒዖም ከይሓዙዎ ተረፉ። ገለን ከተማነት ብልጭልጭ ምስ ራኣዩ፡ ዓደቦ ድሓንኩን ኢሎም ንሃገረሰብ ከይተመልሱውን ተረፉ። ተቐንበልቲ እምነት ክርስትና ኮነ እስልምና ኩሎም ሃደ እዮም። ካብ ባዕዲ ጣልያን ዘምጽኦ ብልጭልጭ፡ ኣመጋግባ ኮነ ኣከዳድና ከም ኡውን ካብ እንግሊዝ፡ ካብ ኣምሓራ ተቐበልቲ ኮይኖም ንረኽቦም። ኣከዳድናኦም፡ ኣመጋግባኦም፡ ኣዘራርባኦም፡ ተለቃሕቲ ኮኑ።
ካብ ዘበነ እንግሊዝ ጀሚሩ፡ ዘበነ ፈደረሽን፡ ዘበነ ሃጸይ ሃይለ ስላሰ፡ ዘበነ ደርጊ፡ ኣብ ዉሽጢ ኤርትራ ብዘበነ ገድሊ ወይ ዘበነ ሰውራ፡ ክሳብ ዘበነ ሳዋ ዝተወልደን ዝተማህረን መንነተ ኣልቦ ዝኾነ ትምህርቲ ደስነት ኮሚኒስትነት ማሕበራውነት እናተባህለ ስለ ዝዓበየን፡ ዝተማህረን፡ ዓዋንን፡ ደንቖሮን፡ ስስዑን፡ ተበላጽን፡ ሰንፈላልን፡ ፈራሕን፡ ብቐሊሉ ዝደሃልን፡ ኣንዊሑ ዘይሓስብን፡ ንዓይ ይጥዓመኒ ዝብል ፍልስፍና ሱሱዓት መሰረተ ጥፍ ኣት ተቐኒቱ ጭካነን ስድነትን ኣብ ዝባኑ ተሓንጊሩ ክጙዓዝ ይርከብ ኣሎ።
“ቖርበት ኣበይ ተባላሻያ? ኣብ ምንፋሓ! ኣብ ምንፋሓ ኣይኮነን ኣብ ምጥባሓ” ከም ዝባሃል ፡ ካራ ዝኣተዋ ቆርበት ንሎቖታ ስለ ዘይትኸውን፡ ብውሓለን ኪኢላን እያ እትጥባሕ። ብወዘልዘል ዝተሓደት ቆርበት ንሎቖታ ኣይትኸውንን እያ።
ቃልሲ ኤርትራ ክጅምር እንከሎ! ንየማን ንጸጋም ቁሊሕ ምሊሕ ኢሉ፡ ክንደይ ብሄራት ኣለዉና፡ ክንደይ ሃይማኖት ኣለዉና፡ ንዓኣቶም ዝውክልከ! ኣለዉናዶ? ዝብል ሕቶታት ስለ ዘይጸንሔ፡ ብሓደ ሃይማኖት፡ ብዉሑድ ብሄር ስለ ዝጀመረ፡ ጥርጠራን ፍርሕን ንኽህሉ ናይ ገድን ኮነ። ኣስዒቡ፡ ሃገራዊ ሕቶ ወይ ግርጭት ኣፈታትሓ ኣብ ክንዲ ብምልዛብን፡ ብምክታዕን ዝፍታሕ፡ ብምቕንጻል ተጀመረ።ገድሊ ኣብ ምምቕቓል ኣተወ። ኣበይ ከይበጽሑ እና ተባህለ ንሓምሳ ዓመታት ኣሕሊፉ ገና መዕለቢ ዘይተገብሮ ሃገርና፡ ትጸንትን፡ ትበርስን ኣላ።
ጉዳይ ሃገር ናይ ኩሉ ዜጋ ድኣምበር፡ ናይ ፍሉያት ዉልቀሰባት፡ ኪኢላታት፡ ወረዳታት፡ ኣውራጃታት፡ ዓልየታት፡ ብሄራት ወይስ ሃይማኖታት ኣይኮነን። ንሓደን ዝምልከቶ ንኻልእን ዘይምልከቶ ጌርካ እናተረእየ እናተሰርሔን ስለ ዘሎ ብጀካ ጸገምን መከራን፡ ዉርደትን ሕስረትን፡ ድኽነትን ዉድቀትን፡ ኣብ ድኽነት ምንባርን፡ ምብትታንን፡ መጨረሽኡ ድማ ንዕቐትን ዉርደት ኮይኑ ይርከብ።
ኣቦሓጎ ተጋዳልይ ሑሰን ከሊፋን ብጻዩን፡ ዝሓለፈ ሓምሳ ዓመታት ካብ ሂወቶም ኣብ ቃልሲ ኣሕሊፎሞ እዩም። እንታይ ዓይነት ቃልሲ?፡ ከምቲ ኣብ መእተዊ ዝበልናዮ፡ “ሃዳናይ ኮነ ነጋዳይ” ኣብ “ዝወፈርዎ ዘየፍርይን፡ ዘይ ኽስቡን፡ እንተ ዳኣ ኮይኖም ንቡዙሕ ዓመታት ሂወቶ ኣብ ዘየኽስብ ንግድን፡ ዘየፍሪ ሃድንን፡ ኣሕለፉዎ? ዝብል ሕቶ ካብ ደቂ ደቆም ክቐርቦም ከሎ መልሶም፡ “ገድሊ ንመን ክንገድፈሉ፡ ኣነ እንተዘይሃለኹ ገድሊ ክትጠፍ እያ”። ኣነ ኣልማዕኩዋ ወይ ብዘይብኣይ ልምዓት የልቦን፡ ናተይ ርስተይ ቃልሰይ፡ ብጾተይ ዝሓለፉ ረሲዔዮም፡ ወይስ ጠሊመዮም ማለት እኮ እዩ”።
ደንበ ተቓዉሞ፡ ብኣነ ዝቖማ ስለዝኽና፡ ከም ናይ ጨው ዝነግድ ካብ ተሰነይ ንባጽዕ ጨው ክሸይጥ ዝኸይድ ከምዘሎ ኮይነን ይርከባ ኣለዋ። እንተድኣ፡ ምስ ግዜን ኩነታትን፡ ምስ ሓድሽ ትውልድን ዘይትኸይድ ኮንካ? ሰማዒ ዘይብልካ ትተርፍ። ስለምታይ ንበይንኻ ዓረር ትብል? ኢሉ ንዝሓትት ሕቶ ኣብ ርእሲ ሕቶ? እዩ ዝደጋገመ።
ንኣቦሓጎ ተጋዳላይ ሑሰን፡ ከም ሰብ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተገብረ ዋዕላ ብ2010 ረኺበዮ ነይረ። ልዙብ፡ ዝሓለፈ ዘሎን ዝግምግም መሲሉ ተራእዩኒ ነበረ።  ኣብ ሃዋሳ ኣብ ዝተገብረ ጉባኤ ግና ኣብቲ ናይ ቀደም ዓብላልነት መንፈስ ተቖሪኑ ጸንሓኒ። ንኹሉ ህዝቢ ኤርትራ ዝሓቑፍ፡ ማዕርነት ሃይማኖታት፡ ማዕርነት ብሄራት፡ ማዕርነት ቆላን ከበሳን ደጋን ወይ ነደጋን ዝብል ዘይኮነስ፡ ኣብ ናይ ዘበነ ሱሳታት ዝነበረት ተጋድሎ ሓርነት ወይስ ብሃይማኖት ዝዓብላልነቱ ጋቢ ተጎምጊሙ ጸንሓኒ። “ተጋዳላይ ሁሰን ከሊፋ ኣብ ኣቃቂ፡ ሓወልቲ ክንገብረልካ እንተደሊኻ፡ ንፍትሒ ተመርኮስ ኣብ ጎንኻ ኣለኹ ኢለካ ነይረ፡ ትዝክርዶ? ኢለ ሓተትክዎ “እወ በለኒ” ንምንታይ ዳኣ ኣብ ኣዋሳ ጠሊምካና? ኣይመለሰለይን.. ስቕ በለ። ኣስዕብ ኣቢለ በል ኢሳያስ ብኣኻን ዝኸማኻን ኣይክወርድን እዩ እዚ ባይቶ ቆይሙ ዘሎ ፍሹል እዩ” ኢለ ተሰናበትክዎ። ባይቶ ብምፍሻሉ፡ ናይ ሕልና ወቐሳ ይስማዓኒ። ባይቶ ኩልሻዕ መሰረት ሕግና ስለ ዝኾነ። ኣብቲ ዝተገብረ ናይ ኣዋሳ ግና ናብ ዉድቀት ዘምርሕ ምንባሩ ንዘስተውዕል ጥልመት አዩ ተኻይዱ። ኣብ ቃለይ ግና ኣለኹ።
“ስጋኹም ዘይብል ጥቃ ሓራስ ኣይቕረብ”። “ዓዲ ንግበር ተገራሪህና፡ ዓዲ ነጥፍእ ተጎራሪሕና” ከም ዝባሃል፡ ኤርትራ ናይ ብዙሓት ዝተፈላለዩ ሕግን ስርዓትን ዘለዎ ኣውራጃታት፡ እንዳታት፡ ቀቢላታት፡ ሃይማኖታት ስለ ዝኾነት፡ ቅድሚ ሕጂ ዝተጠቕምናሉ ኣግባብ ቃልሲ ናይ ሸፋቱ ኣግባብ ምንባሩ፡ ዓው ኢልና ክንዘራረብ ኣለና። እዚ ምስ ኣመናን፡ ምስ ፈለጥናን፡ ከኣ እሞ እንታይ እዩ ዝሕሸና ንኹላትና ብሰላም ዘንብረና? ዝብል ሕቶ ክንምልሽ ክንክእለ ኣለና።
ወለድና ንሸውዓተ ሽሕ ዓመታት ከመይ ኢሎም ይነብሩ ነበሩ? ሕጊ ነበሮምዶ? ወይስ ኣብ ዉግእ ኣሕለፍዎ?
ህግደፍ ክገልጾ እዚ ህዝቢ ምንም ዘይሓስብ ደንቆሮ ንኹሉ ዘይተቀርበ ኢሉ ገለጸ። ኣውራጃ፡ ወረዳ፡ እንዳ ወይ ዓዳዊ እናበለ መደንቆር ትምህርቲ ክምህር 40 ዓመታት ሓለፈ። መምህር ኣማኑኤል ሳህለ ከም ዝበሎ፡ “ትምህርቲ ሻዕብያ ተዘይቀተለ የዕነኒ” ሃገርና ኣብ ዕንይንይ ኣትያ ኣላ።ናይ ሻዕብያ ትምህርቲ ጥልመትን ጭካነን ምዃኑ ንማንም ብሩህ እዩ፡ ሰላም ራህዋን ከምጽእ ግና ኣይተረኽበን።ህዝቢ ክበታተን፡ ክጠፍእ፡ እምነተ ኣልቦ ኮይኑ፡ እግረይ ኣውጽእኒ እናበለ ናብ ዝኸዶ ከይመረጸ ሃጽ ይብል ኣሎ።
ህዝብና ተጓራሪሑ፡ ሓቂ ምዝራብ ገዲፉ፡ ኣብ ጓልዘረባ የሕልፎ ኣሎ። ደምበ ተቓዉሞ እንተኾነ ከም መንበሪ ናይ ጥሮታ መንበሪኦም ገሮም ወሲዶሞ ይርከቡ። ኣቛቑውማ ዉድባትና፡ ብዉሑዳት ኣውራጃ ዝቖማ፡ ብሃይማኖትን ብወገን ዝተላዕጠጣ እየን። ዝባነን ቀሊዔን፡ ኣነ ነዚ ኣውራጃ ክውክል እየ። ዝጸንሔ ሕጊ ዓደቡኡ ከምጻኣሉ እየ፡ ህዝበይ ተኸተሉኒ እንተዝብላ ቅቡል እዩ። ምኽንያቱ፡ ሓደ ኣውራጃ ካብቲ ሓደ  ኣውራጃ ብሕግን ብስርዓቱን ይፈላለ ስል ዝኾነ። ኣዉራጃኡ ዘኽብር ዜጋ ንኻልኦት ኣውራጃታት የኽብር እዩ።
ኣብ ኣስመራ ዘሎ ስርዓት፡ ገባቲ፡ ናይ ሓደ ኣውርጃ ምዃኑ ምንም መርትዖ ዘድልዮ ኣይኮነን። ምምሕዳሩ ሽፍታ፡ ተግባሩ ቀጣፊ፡ ኣነባብራኡ ዓማጺን እዩ። ሹማምንቱ ሓልወኒ ክሕልወካ እናበሉ ዝነብሩ እዩም።ንኻልእ ዜጋ ከም ባርያን ኣገልጋልን ፡ጁሆ ሒዘሞ ይርከቡ ኣለዉ።
ሓድነት ዓዲ፡ ሓድነት ወረዳ  የምጽእ። ሓድነት ወረዳታት ሓድነት ኣውርጃ የምጽእ። ሓድነት ኣውራጃታት ሓድነት ሃገር የምጽእ። ምክብባር ደቂ ሰብ፡ ክብርን ስነ ስርዓት ዘለዎ ዜጋ የፍሪ።
ከምቲ ጽቡቕ ገረብ ወይ ወይኒ ጽቡቕ ፍረ ዘፍሪ፡ እሙን ቅኑዑን ዜጋ ድማ ጹኑዑን እሙንን ስድራቤት ይሃንጽ። ስድራ ቤታት ሕጊ ዘለዎ ዓዲ ይፈጥራ፡ ሕጊ ዘለዋን ዓድታት ድማ ሕጊ ዘላዋ ወረዳ ይፈጥራ ብሰላም ብፍቅርን ይነብራ። ብሕጊ ዝምራሕ ህዝቢ ፡ኣብ ሸፈጥን ኣብ ዓመጽን ኣይነብርን እዩ። ንጽህና ንኸምጽእ ድማ ንህዝቡ ይግደስን፡  ንወረዳኡን ፡ንኣውራጃኡን፡ ንሃገሩን ብሕጊን፡ ብስርዓት፡ ዝመሓደር ህዝቢ ድማ ስልጡን ይብሃል። ስልጣኔ ብንብረት ፡ብልጭልጭ ዝኾነ ፡ጥሪት ኣይኮነን ዝምዘን። እንታይ ዳኣ ብልቦናን ብፍትሓውነት ንጭውነቱን እዩ ዝምዘን።
ሕጂ ኣበይ ኩነታት ኣሎና? ከም ህዝቢ ፡ዝተናዓቕናን፡ ዝተዋረድናን፡ ዝተደፈርናን፡ ዝደኸናን፡ ዝደንቖርናን፡ ዝዓሸናን፡ዘይንሰማማዕን፡ ዘይንከባበርን፡ ቅድሚ ሰብ ከምዘይነበርና፡ ድሕሪ ዓለም ተሪፍና። እሕዋትናን፡ ደቅናን፡ መጻወቲ፡ ረሻይዳን፡ ወጻአቲ፡ በደውን ኮይኖም፡ ኩሊቶምን፡ልቦምን፡ ተተጠቢሑ ከም ጠለ በጊዕ ንዕዳ እናወረደ! ከምዘይምልከተና ኣማዕዲና ንርኢ ኣሎና። እዚ ኹሉ ዝመጽእ፡ ዘሎ ዓቕምና ዘይምፍላጥን፡ ብዕሽነትና፡ ትምህርቲ ህግደፍ ሓውን ሓው ከናቑተና፡ ክንምክቶ ኣይከ ኣልናን፡ ብ ኣንጻሩ “ዓወት ንሓፋሽ” መሪጽና።
ናይ ኣቦሓጎ ተጋዳይ ሑሰን ከሊፋ ምእሳር ድምር ናይ ስስዕነት መራሕቲ ዉድብና ፡ሓቢርካ ዘይ ምስራሕን፡ ሓቢርካ ዘይ ምንባርን ስለ ዘይለመዱ ፡ድሕሪ ሓምሳ ዓመት ተጋድሎዶ! ሎሚዶ! ናብ ማእሰርቲ ወይስ ካብ ንዓዲስ ንበረኻ መምራሕና?። በዚ ክውዳእ ኢልካ ክሕሰብ የብሉን ፡ቀጻልነት ክህልዎ እዩ። እንታይ ንግበር? እንታይ ይሕሸና? እንታይ ንምከር?????????ክንብል ኣሎና።
ህዝቢ ኤርትራ ልቢ ግበር!!!!! ሕሰብ ተበራበር!!!!!፡ ክብርኻ ባዕልኻ ኢኻ!!!!!ተምጽኦ ማንም ከምጽ ኣለይ ኢልካ ኣይትጸበ!!!!!!!!!!።
ተኸባበር ፡ንበይነይ ዝብል ስስዕነት ኣጥፍእ። ንኹልና፡ ንዓድና፡ ንወረዳና፡ ንወገና፡ ንኣውርጃናን ንሃገርናን ንበል። ኣብ ዘዘለኻዮ ተጠርነፍ ብኽያት ምንም ዓወት ኣየምጽእን እዩ። ብሰላምዊ ሰልፊ ዓወት ኣይመጽእን እዩ። ኣብ መንጎኻ ዘለዉ ሰለይቲ ሕግደፍ ኣዳቒቕካ!! ኣለልዮም፡ ኣብ መንጎኻ ኣለዉ።
ሓደ ህዝቢ ድኻን፡ ደንቖሮን፡ ዘይጥርንፉን፡ እንተዳኣ ኮይኑ፡ ተናዕቑን፡ ተዋሪዱን፡ ሓሲሩን ይነብር። ሃገናን ህዝብናን ዝተሳእነ የብሉን፡ እንተኽነ ፡ ብስሱዓት መራሕቲ ኣብ ዉሽጥን ኣብደገን ጥርናፈ ስ ኢኑ ተበታቲኑ ክነብር ኣይግባእን። ክስብ መዓስ እዩ ህዝብና ክነብዕ ዝነብር? ናይ ኩሉ ዜጋ ሓልፍነት እዩ።
ካብዚ ዉርደት ክንወጽእ ልቢ ይሃበና።
ዓወት ንደለይቲ ፍትሒ
ሃይለ ገብረትንሳኤ ዘብሄር ሰራየ
ኢንድያናፖሊስ ኢንድያና 8 ለካቲት 2016

aseye.asena@gmail.com

Review overview
24 COMMENTS
  • Tekle February 10, 2016

    Your article touches the feeling of many if not all Eritreans. I appreciate you that you identify yourself fully.

  • towedeberhan weldedawit February 10, 2016

    You are right Ahmed Saleh. I have my own political differences with Hussein Khalifa and some members of G15 as well but my heart is bleeding for their arrest and inhuman treatment.

    • AHMED SALEH !!! February 11, 2016

      It is sad my brother . After life time sacrifices they don’t deserve
      to be condemned with betrayal while evils behind the scene enjoy at
      unfortunate weak sufferings expenses .
      ‘Abotat kalsina minbarom kemey zenghiena dikhmetatom weasani nighebro
      azamidna ms hulufat AREMENYE baetatat “. AMLAKH BAELU YREHEWELNA !
      Politics is dirty that drive you crazy to understand . We dug enough
      grave for unsuspecting brothers/sister out our negligence . For God
      sake we lost our moral value integrity to bring ourselves doomed .

  • Hag February 11, 2016

    ቢኣቶ ሃይለ ዝቀረበት ዓንቀጽ ንሃዳናይ ቆላሕላሕ ተብል፡ ንነጋዳይ ምዕድ-ዕድ ተብል፡ ንፖሊቲከኛ ክነጥፍ፡ ንዝጋደል ክጸውር፡ ብፍላይ ኢንታይነትን ክብርን ውግዕን ሞቦቆልን ዓንዲ ሑቆ ሃገራውነትን ሙኻኑ ኢያ ትገልጽ።ብጣዕሚ መሃሪት ኮይና ረኺበያ። ይኹን’ኢምበር፡ ነገር የለን ብዘይበር።
    ኢቲ ናይ ሓምሳ ዓመት ገንሸል ተጋዳላይ ሑሰን ከሊፋ! ኢሞ ከኣ ተኣሲሩ ኢንዳ ተባህለ ሰረወታይ ሙኻንካ’ስ ግደፎ።ንሱ ኢውን ካብ ጽሑፍካ መንነቱ ገሊጹልካ ኢዩ።ስለዚ ነቀፈታኻን ኣኽላስነትካ ተቀበል።

  • Teclay February 11, 2016

    Mr.Haile

    Great! Great as usual and all inclusive.
    With all do respect, the only statement that i do have different opinion is that ‘ኣብ ኣስመራ ዘሎ ስርዓት፡ ገባቲ፡ ናይ ሓደ ኣውርጃ ምዃኑ ምንም መርትዖ ዘድልዮ ኣይኮነን’–In my opinion it is not ‘ ናይ ሓደ ኣውርጃ ስርዓት’rather a one man private enterprise..In my opinion ,had it been’ ናይ ሓደ ኣውርጃ’it would be much better.
    I expressed my opinion because i believe strongly that you are intelligent enough to evaluate feed backs.
    It is really wonderful article keep on.

  • Said Saleh February 11, 2016

    Great statement Mr. Haile,you said it well. Your article discribes the real situation and current life of every Eritrean. Now the arrest of our patriotic grandfather, no matter what their View was and is, they are part of our history.lastly I wish them and others to enjoy justice and freedom. I hope, that your wise advices become effective on the ground and we all exercise common jutice, equality and matual respect. Warm regards

    • Haile Tensae February 12, 2016

      Thank you all for the advice and criticism are helpful.
      Let’s build our communications together to save our people and ourselves from extinction by this cruel inhuman Draconian rules.

  • Berhane February 16, 2016

    Haile,

    I agree with all my due respect to you and your article the only thing I disagree with you and agree with the comment written by HAG very professionally presented. We should learn this kind of modern times comments and feedback without disgrasing others. May GOD give brother Haile the power and intelligent to write more educating articles.
    As an Eritrean for the lst time with a good advice and/or suggestions that was aired Courageously.

  • SABA February 17, 2016

    SABA ALAZAR

    I read your Article ,I proud JEGNA WEDI GOLGOLE SERAYE,i don’t want to use Zoba ………. I proud I am from AKELEGUZAY, KOHAYTO UMBASOYRA weladit Jeganu .

POST A COMMENT