Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

መስከረም!

መስከረም!   መስከረም፡ እዚ *ደማሒዶ በዲሉኪ     *መላኺዶ ጻዕዳን ጸሊምን ታሪኽ ኣሕቊፉኪ ድምጺ ህዝቢ ክትዓብሲ ጌሩኪ እንታይ'ሞ ክትገብሪ ህግደፍ ፈሪዱኪ!   ኣይተዓጽዋን ግና እተን ድምጺ ህዝቢ ኒን ይብሎኦ ኣለዋ ንህግደፍ ከም ንህቢ፡ ብኣንጻሩ እኳደኣ ከም ሽቶል በሊሐን ድምጺ ናይ ውጹዓት ብዓውታ ኣቃሊሐን!   እዚ ዓዋን *ባልዋ ፍጹም ዘየስተውዕል  

መስከረም!
 
መስከረም፡ እዚ *ደማሒዶ በዲሉኪ     *መላኺዶ
ጻዕዳን ጸሊምን ታሪኽ ኣሕቊፉኪ
ድምጺ ህዝቢ ክትዓብሲ ጌሩኪ
እንታይ’ሞ ክትገብሪ ህግደፍ ፈሪዱኪ!
 
ኣይተዓጽዋን ግና እተን ድምጺ ህዝቢ
ኒን ይብሎኦ ኣለዋ ንህግደፍ ከም ንህቢ፡
ብኣንጻሩ እኳደኣ ከም ሽቶል በሊሐን
ድምጺ ናይ ውጹዓት ብዓውታ ኣቃሊሐን!
 
እዚ ዓዋን *ባልዋ ፍጹም ዘየስተውዕል   *ኣርሓ መፍለስ
ካብ ዓራግ ዘይወጸ ካብ በረኻ ሳሕል
ድምጽና ዓቢሱ ህዝቢ ንኸታልል
ተኽሊ ደሞክራሲ ብሓሶት ከቘምስል
ተዓሲበን ኢሉና ንጹሃን ኪንውጅል!
 
እዚ እኩይ መላኺ’ወ ቋንቋኡ *መዛርዕ     *ሓለንጊ
ብኣፍና ዓቢሱ ድምጺ ከይነስምዕ
ኣብ ጸላም ሓዪሩ ህዝቢ ከም ኣባጊዕ
ምሉእ መዋእሉ ኣደታት ከንብዕ
ሳላ’ዛ ኣሰና ግን መቓልሕ ናይ ውጹዕ
ተከሺሑ ሎምስ ወጺኡ’ሎ ኣብ ቃልዕ!
 
እዚ ምስሉይ ስርዓት መጽነቲ ህዝብና
ብራሻይዳ ኣቢሉ ዝሸይጥ ኩሊትና
ወርቂ እናሓፈሰ ሃብቲ ናይ መሬትና
ካብ ምዕባለ ዓለም ፍጹም ነጺሉና
ማእሰርትን ስደትን ጌሩዎ ዕጫና!
 
ድሑር ስርዓት ህግደፍ ናይ ዘበንና ሽፍታ
ሬሳ ኣቐሚጡ ዝዕንድር ኣብ ፌስታ
መንካዕ ናይ ሃገርና መንበሪኡ ከውታ
ሕሹኽሹኽ ኣመሉ ዘይምድር ብዓውታ
ሓቂ እናገለጸት እቲ ዘሎ ኣብ ባይታ
መንጸሮር ኮይናቶ ሳሊና ዋጋሕታ!
 
ንፍትሕን መሰልን ከምዘይተጋደልና
ነዛ መብራህቲ’ኳ መድረሪ ስኢንና
ኣውያትና ከይስማዕ ቆሊፉ ልሳንና
ሳላ ተባዓት ግን ካብ ድምጺ ኤረና
ዓለም ፈሊጣቶ ሓሳር መከራና!
 
ዓመጽ ናይዚ ህዝቢ ብድምጹ ክትረኽ
ብኲናትን ግፋን ቀጻሊ ከይህወኽ
ስርዓት ናይ መላኺ ካብ ሃገር ክሕከኽ
ህዝብና ነቂሑ ምስ ህግደፍ ክባተኽ
ዓቕማ ተወፊ’ላ ድምጺ ፎርም መድረኽ!
 
ኣርባዕቲአን ኣሕዋት ህዝቢ ዘገልግላ
ሓቅታት ዝገልጻ እናተቐባበላ
ዕምሩ እተሕጽር ንጉጅለ ጓይላ
ሓንቲ ዓባይ ስራሕ ግን ጎዲላተን ኣላ!
 
ከም ማይን ከም ጸባን ተተዋሃሂደን
ሓባራዊ ቅዋም እንተ ደኣ ሰኒደን
ብኣርባዕተ ኣእዳው ቅልጽመን ሰዊደን
ናብዚ *ዓምቢ ስርዓት ወስታ እንተ ሰዲደን  *ብደዉ ዚነቐጸ ቈልቋል
ሓዊ መንደድኦ መጋርያ ኣጒደን!
 
ቃልሲ ሓርነት፡ ብጽልኢ መላኽን ደገፍቱን ዘይኮነ፡ ብፍቕርን ክብርን ደለይቲ ፍትሒ’ዩ ዚዕወት!
 
ዕብየትን ምዕባለን፡ ክብርን ምስጋናን ነተን ብመላኺ ዝተዓብሰ ልሳን ህዝቢ፡ ማለት ማዕጾ መስከረም ብምርሓው፡ ድምጺ ውጹዓት ዘቃልሓ ዘለዋ፡ ናጻ ማዕከናት ሓበሬታ ኤርትራውያን ይኹን!
 
ካብ ሓውኹም መሲናስ 18-09-2014

aseye.asena@gmail.com

Review overview
2 COMMENTS
  • Awet Nihafash September 18, 2014

    BRAVO MESINAS…VOICE OF THE VOICELESS
    ከም ማይን ከም ጸባን ተተዋሃሂደን
    ሓባራዊ ቅዋም እንተ ደኣ ሰኒደን
    ብኣርባዕተ ኣእዳው ቅልጽመን ሰዊደን
    ናብዚ *ዓምቢ ስርዓት ወስታ እንተ ሰዲደን *ብደዉ ዚነቐጸ ቈልቋል
    ሓዊ መንደድኦ መጋርያ ኣጒደን!

    UNITY IS POWER

  • Yemane September 20, 2014

    Antum sebat tsbuk dehay do asmikumna ayneberkumn.
    Ksab eza elet ezia gizye nay nseha tewahibwom zeneberu Generalat nay
    Hgdef lomi endya eletom emo ke dea lomi endeyu abey abele eti teum dehay.
    Ewae kemey deyu gudu?????????????????????????????????????????????????????????????????????????????????????????????????????????????????????????????????????????????????????????????????????????????????????????????????????????????????????????????????????????????????????

POST A COMMENT