Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

“መስጣ አለዎ”

“The hardest to learn in life is which bridge to cross and which to burn”                                                         - David Russell   “Money can’t buy happiness, but it can buy the kind of misery you prefer”                                                - Hobart Brown   “When

“The hardest to learn in life is which bridge to cross and which to burn”

                                                        – David Russell

 

“Money can’t buy happiness, but it can buy the kind of misery you prefer”                                                – Hobart Brown

 

“When we remember we are all mad, the mysteries disappear and life stands explained”.                      – Mark Twain

 

ንምንታይ በዘን ምሳለታት ጀሚርካ ንዝብል ሕቶ ንምምላስ ክጥዕመኒ ስለዝደለኹ ጥራይ ኢዩ። መብዛሕቲኡ ኤርትራዊ ነዚ ዘሎ ስርዓት ብልቡ ደጊፉ ከይነስ፣ ነቲ ብቦንድን ብዝተፈላልየ ምኽንያት ትሕጆ ሒዝዎ ዘሎ ንብረቱ፣ ገንዘብ ይኹን ገዛ ስለ ዘይቀበጾ ጥራይ ኢዩ ደድሕሪ ህድገፍ ዝስዕብ ዘሎ። እቲ ካልእ ዘሎ ምኽንያት ብጸቢብ ኣተሓሳስባ ኣውራጃውነት ተቓማጢዑ ካብ ድሑር ኣተሓሳስባ ዘይወጽአን፣ እቲ መንግስቲ ናቱ እምበር ናይ ህዝቢ ኤርትራ ዝውክል ገይሩ ስለዘይቆጽሮ ካብ ድቃሱ ዘይተበራበረ ኣብ ሕልሚ ዝፍንጥዝ ዓሻ አተሓሳስባ ስለ ዘስነቑዎ “ዓሻ ካብ ኣምረረ በጊዕ ካብ በረረ” ኮይኑና ኢዩ ዘሎ። ሕግን ፍትሕን ምሕታትን፤ ኣብ ግብሪ ብተግባር ይውዓሉ ምባል፣ ገበነኛታት ከምድላዮም ይዓንድሩ ምባል ኣይኮነን። ንበቕሊ ልጋም ከምዝቆጻጸራ፣ ንበዓል ስልጣን ሕጊ የቕይዶ። ሕግን ቅዋምን ምሕታት ገበነኛ እንተግቢሩ፤ ሕግን ፍትሕን ዝጥሕስ ህግደፍ ኣብ ምንታይ ክቑጸር ይኸውን?

ዲክተታራዊ ስርዓት ከአ ብሕግን ፍትሕን ስለዘይቅየድ፣ ካብ ምልጋሱ ካልእ ኣማራጺ የሎን።

 

ሐደ ህዝቢ ኢና፣ ሐደ ልቢ ክንከውን ግን እቲ ሐደ ነቲ ሐደ ቀቲሉ ልቡ ክሰርቆ እንተዘይኮይኑ፤ ህዝቢ ሐደ ልቢ ክኸውን ኣይክእልን። እዚ ካብ ሓቂ ዝረሓቐ መደናገሪ ዘረባ እምበር ብውሑዱ ክልተሰብ ሐደ ልቢ ክህልዎም ኣይክእልን ኢዩ። ካብ ሐንቲ ማሕጸን ዝወጹ ኣሕዋት እንኳ ሐደ ዓይነት ጠባያት የብሎምን። ብሓሳብ ኮነ ብድሌት ኣዚዮም ዝረሓሓቑ፣ ብኣረኣእያ ዘይራኸቡ ባህርያት ዘለዎም ኢዩ። ብድፉኑ ግና ብዘረባ ሰኒዕኻ ዘይኹውን ክትገብሮ ምፍታን ናይ ዓያሹን ናይ ተበለጽትን ኣደናገርትን ሓሳብ ጥራይ ኢዩ ዝኸውን።

 

ህግደፍ ነቶም ብዕውሮምን ብጸማም እዝኖም ዝስዕብዎ ፍርቆም ገራሃት፣ ፍርቆም ዓያሹ፣ ፍርቆም ተበለጽቲ ካብ ኤርትራውያን ንላዕሊ ኤርትራውያን ክገብሮም ወላ እንተፈተነ፣ እንተኸነ ዕላምኡ ካብ ሓቅነት ዝረሓቐ ናይ ሓሶት ስብከት ጥራይ ኮይኑ ኢዩ ዝተርፍ።ልቦም ከም እምኒ ኣንቂጹ፣ ኣእምሮኦም ብናይ ሓሶት ዓፍራ እንተመልኦ፣ ንግዚኡ ብስምዒት ከታልሎም ይኽእል። ብስሚዒት ዝኸይድ ሰብ ከአ ከም ሕጻን ቆልዓ ዝሓስብ ጥራይ ክኸውን አለዎ። ንሐደ ክልተ ጫፍ ዘለዎ ገመድ ዓጺፍካ ናብ ሐደ ጫፍ ተራኽቦን ከም ድላይካ ትጠዋውዮ፣ ሐደ ህዝቢ፣ ሐደ ልቢ፣ ኢልካ ክተላግቦ ዘይፍተን ናይ ስነ ሓሳብ ጥፈሻ ክኸውን አለዎ።

 

ህግደፍ ከአ ነቶም ብጠጠዎም ዝሞቱ፣ ከም ድላዩ ዝጠዋውዮም ሰዓብቱ ሐደ ልቢ ኢኹም እንተበሎም፣ ልቢ ስለዘይብሎም ጥራይ ኢዩ። ካብ ክውንነት ዝረሓቐ ሐደ ልቢ ኢኹም እንተበሎም ክአምንዎ ድንብርጽ ኣይበልኩም። ካብ ክውንነት ዝረሓቐ ክአምኑ ዘይተሸገሩ ነቲ ክውንን ኣብ ሓቂ ዝተመርኮሰ ሽግር ህዝብናን ኩነታት ሃገርና ክክሕዱ ሽግር የብሎምን።

 

ነቲ ርእዩን ግሉጽን ሽግር ህዝብና ቀንዲ ጠንቁ እንዳፈለጡ ክክሕድዎ ምርአይን ምስማዕን ንሕልና ዘለዎ ሰብ ብጣዕሚ የደንግጽ። ሰብ ሕልና ስለዘይኮኑ ግና ካብኡ ንላዕሊ ካብአቶም ክትጽበ ከምዘይብላካ ምቕባጽ ጥራይ ኢዩ መልሱ። እንዳፈለጠ ዝደቀሰ ሰብ ነውኒኻ ክተበራብሮ ከም ዘይከአል፣ ነዞም ሕልና ሰብ ዘይብሎም ተዛሪብካ ከተስምዖም፣ መኺርካዮም ክርድኡኻ ኣይሕሰብን። ሕልና ሰብ ዘይብሉ ሰብ ነቲ ሓቂ ኪሒዱ ነቲ ሓሶት ክቅበሎ ሽግር  የብሉን።

 

ሕልና ዘለዎ ሰብ ግን ነቲ ዝኣምነሉን ሓቂን ቅኑዕ ዝብሎ ይምክተሉን፣ ናይ ተበላጽነትን ስሱዓት፣ ንዓይ ጥራይ ይጥዓመኒ ዝብል ባህርያት ዘይብሉ፣ ብተፈጥሮ ብስምዒት ዝጓዓዝ ኣይኮነን። ነቲ ዘይኣምነሉን ዘይዓግበሉን ከአ ክነጽጎን፣ ብዘይ ጥልዕ ጉንቡዕ ከአ ንሕልኑኡ ዝዓበየ ዋጋ ክከፍለሉ ድሕር ኣይብልን።

 

ሓንጎል የብልካን፡ ሓንጎል የብላን/የብሉን ክበሃል ሰሚዕና ንኸውን። በሃላይ/በሃሊት ከአ እቲ ቆፎ ርእስና ባዶ ከምዘሎን፡ እቲ ቀንዲ ኣድላዪ ሕዋሳት ኣካልና ክሰርሕ ዘድልዮ ብጣዕሚ ኣገዳሲ ዝኾነ ክፋል ሰውነትናን ዘንቀሳቅስ ሞተር ካብ ቦኸሮን፣ ጎደሎን፣ ህየውትና ትርጉም ዘይብሉ ምንባር (Under Vegetation State) ምስ ኣተኻ፣ ንሽሙ እስትንፋስ ህይወት ስለዝህልወና ንነብር አለና ክንብሎ ጌጋ ኢዩ። ህይወትና መዓልቲ ክደፍእ እምበር ከፍሪ ኣይኽእልን ኢዩ። ህዝቢ ኤርትራውን ዳርጋ ናብኡ ሙሉእ ንሙሉእ ኣይብጻሕ እምበር፣ ኣብቲ ኣፍደገ በጺሑ ጠጠው ካብ ዝብል ዓመታት ኣቑጺሩ።

 

ብርእሱ ዘይሓስብ፡ ብምልሓሱ ዘይዛረብ፡ ድሌቱ ዘይገብር፡ ናብ ድሌቱ ክኸይድ ዘይኽል፡ ትምኒት ሓሳብ ልቡ ከማልእ ብጻዕሪ ክሰርሕ ተሪፉስ ነታ ተስፋ ምግባር ናይ መወዳእታ ውሽጣዊ ስሚዒት እንኳን ተነፊጉ ተቐቢሊዎ ይኸይድ አሎ። ንስድረ ዶብ ሓሲብካ ተባሂሉ ክንደይ ዘይተኣስረን ዘይተቐጥቀጠን። እዚ ኹሉ ከአ ብሽም ልእላውነት ሃገርን ጸጥታን ዝግበር ግፍዒ ኣብ ዜጋታትና ካብ ውሑዱ ኢዩ። ከም እንስሳ ብሓይሊ ብበትሪ ዝኹብኮብ፡ እንተጻዓንዎ ዝሽከም፡ እንተ ሃረሙዎን ቀተልዎን ከም ናይ ውልቀታት ጥሪት ዝቑጸር ዝሓተሉ የሎን ጥራይ ከይኮነስ፣ ክሕተተሉ ዘኽእል ቅዋም ኮነ ሕጊ ኣብ ኤርትራ የለን።

 

ብዘይ ሕግን ቅዋም ዝናበር ከአ እንስሳ ናይ በረኻ (Wild Animals) እምበር እቶም ናይ ገዛ እንስሳ (Domestic Animals) ኣብ ምዕቡልን፣ ሕግን ቅዋምን ዘለወን ሃገራት ከም ከልብን ድሙን ከይተረፈ መከላኸሊ መሰለን ሕጊ ስለዘሎ፣ ዋና ኢየ ኢሉ ከምድላዩ ኣየከላብጦምን ኢዩ። ወላ እቶም በረኻ ወፊሮም ዝውዕሉ ኣማስእዮኦም ገዛ ዝኣትዩ ጠለ በጊዕን ከብትታት ከይተረፉ መሰል ዘኽብር ሕጊ ስለዘለዎም፣ ክሕረዱን ክጥብሑን ከለዉ እቲ ዋና በሃላይ ከምድላዩ ከይኮነስ በቲ ሕጊ ዘፍቅዶ ኣገባብ ጥራይ ኢዩ ንጥሪቱ ብስነ ስርዓት ክሓርደን ዝፍቀደሉ።

 

ኣብ ኤርትራ ግን ህይወት ወዲ ሰብ ዝኣክል ብዘይ ሕጊ ኣጥፊኢካ ሓታትን ተሓታትን ዘይብሉ ዓዲ፣ ካብቲ ካብ ናይ በረኻ እንስታት ዝገደደ ኣተሓሕዛ ህዝቢ ተታሒዙ ንግድያትን ጥፍኣትን ብስርዓት ህግደፍ ይፍጸም አሎ። ህግደፍ ከአ ፈትዩ ጸሊኡ ኣካል እቲ ህዝቢ ስለዝኾነ ነቲ ዝገብሮ ዘሎ ኣረመናዊ ጭካነ ብሕጊ ዝሕተተሉ ጊዜ ከምዘሎ ኣይስሕቶን ኢዩ። እዚ ካብ ኮነ እቲ ሓቂ ከአ ኣጥፍኤ ክጠፍእ ዝብል መርሆ ዝኽተል ሓደ ናይ እንስሳዊ ተግባር ዝፍጽም ገበነኛ ስርዓት ኢዩ። ህዝቢ ከአ ዓመት ዓመት መብጽዓ ይትረፈና፣ ሎሚ ብሕጊ ንመሓደር፣ መሰልና ይከበር ዘየብለሉ ምኽንያት ንዓይ ከም ሰብ ፍጡር ጥራይ ከይኮነስ ከም ሕልና ሰብ ብዛዕብኡ ምሕሳቡ ዘስደምም ኮይኑኒ አሎ። ህዝቢ ኤርትራ ከምቲ ብኣምሓርኛ ዝምስልዎ (“ላም አለኝ በሰማይ፣ ወተትዋንም ኣልኝ” ላሕሚ ኣብ ሰማይ ኣላትኒ፣ ንጸብኣ ግን ኣይርኦን’የ) ጥርሑ ተስፋ ኣሚኑ ስድራ ኤርትራዊያን ክበታተንን ክጥፍእን ኣጽቂጡ ተዓዛቢ ምኻን ዝመረጸሉ ምኽንያት ኣይርድኣንን። “ድሕሪ ሰለፋ፣ እንታይ ተረፋ” ዝብልዎስ ናይ ቀደም ምስላ ዓበይቲ አበይ ተጋሒፉ። ኤርትራን ኤርትርውያን ካብዚ ንታሕቲ ዘንቆልቁሉሉ ናይ ትዕግስቲ መወዳእታ አሎ ዝብል ዜጋ እንተሎ ኣብ ሕልሚ ዝነብር የዋህ ፍጡር ክኸውን አለዎ።

 

እቶም ሕልና ሰብ ዘይብሎም፣ ብህርፋንን ስስዐን ዝነብሩ፣ ሓላፊነት ዘይብሎም ዜጋታት ብዘይካ ንዓይ ይጥዓመኒ ዝብሉ ፍጥረት ኣረሜናን ክኾኑ ጥራይ አለዎም። እዚኦም ከአ ብጣዕሚ ዉሑዳት ስለዝኾኑ፣ ንድሌት ህዝቢ ብሓይሊ ኣጽዋር ከንበርክኹ ኣይክእሉን።

እቲ ሽግር ግና እቶም ቁሩብ ሕልና ዘለዎም በጃ ፍትሕን ሕግን ክጠፍኡን ክስደዱ ከለው እቲ ካልእ ዜጋ ከምዘይምልከቶ ጌጋ መርገጽ ብምሓዝ ሓዎም ከግድዑ ዝመርጹ በዚሖም። እምበር ጥፍኣት ሓውኻ ሎሚ፡ ጽባሕ ናባኻ ከምዝኾነት ኣይስሕትዎን። እንታይ ደአ ከምዚ ነዊሕ ሰልፊ ተሰሊፍካ ናይ ኩፖን ባኒ ክትገዝእ ተራኻ ትጽበ፣ ነታ ናትካ ተራ ጥፍኣት ኮነ ስደት ኣብ መስርዕ ኣቲኻ ትጽበ ምህላውካ ኣይትስሕቶን። እቲ ኣጥፋኢኻ ከአ ንዓኻ ኣጥፊኡ ከም ዝጠፍእ እንዳፈለጠ እዩ እታ ወንጀል ዝፍጽማ። እዞም ገበነኛታት ከአ ተረኦም ክሳብ ዝበጽሖም ንብዙሓት ንጹሃት ዜጋታት የጽንቱ። መፍትሒ ግን ህዝበይ ኣብ ኢድካ ከሎ፣ ካብ ዓመት ዓመት ባዶ መብጽዓ ዝገብረልካ፣ ካብ ርእሲ ገበነኛታት ክትጽበ ብጣዕሚ የደንጺ። ንስኻም ወዲ ህዝቢ ወዲ ሃገር ኢኻ እሞ ሓላፊነት ገበንካ ተቐበል። ልዕሊ 26 ዓመት መግዛእትኻ ንነጻነት ህዝቢ ረጊጽካ፣ ተራኢዩ ዘይፈልጥ ባርነትን ጥፍኣትን ኣንጊስካ። ይኣኽለና ባዕልኻ ንጥቕሚ ስልጣን ምግባት ዝፈጠርካዮ ስርዓት አልቦኻ ሒዝካ ጥፍአልና በልዎ።

 

ሽዑ እቲ ጅግንነት ኤርትራውያንን ፍትሕነትን ብግብሪ ክርአ ዝዕንቅፎ ኣንጻር ሓይሊ ጥርናፈ ኣይክህልን ኢዩ።ኤርትራውያን ትቸዓተ ብሔራት ዘለና ህዝቢ ምኻና አይንስሓቶ። ኩሉ ከአ ነናቱ ወካሊን ንጥቕሙ ተጣባኪን፣ ወካልን ከምዘድሊዮ ክንስሕት የብልናን። ንሳቶም ኢዮም ከአ ተጠርኒፎምን ብሐደ ዘትዮም ህዝቢ ብሰላም ከመሓድሩ ዝኽእሉ። ሃገር ናይ ህዝቢ እምበር ናይ ሐደ ኣውራጃ ኣይኮነትን።

 

እቲ ዘሕዝን ከአ ሃገር ብዘይ University (Research and Development) full lab and facility ኣብ ዘይብላ ብናይ 2 years vocational school (college) ክትምዕብል ኣይትኽልን። እቲ ንመጻኢ ወለዶ ክተሓላለፍ ዝግብኦ ባህላውን ያታውን ታሪኽና ብስነጥበባውያን ሃገርና ማዕቢሉ ከይተሓላለፍ፣ ዳርጋ ኩሎም ብሉጻት ተዋሳእቲ ኣብ ስደት ሓዲስ ቋንቋ ክመሃሩ ጀሚሮም። እቲ New Eritrean Movie 2017, 2016, 2015, and so on እንዳበለ ብክሊብስ (clips) or full movie ኣብ YouTube ብተደጋጋሚ ዝወጽእ ሐደ ናይቲ ስርዓት ምድስካል ዘረጋግጽ ምስክርነት ኢዩ። ሰባት ካብ ሃገር ካብዝወጹን፣ ፍርቆም ከአ ብህይወት ዘየለዉ ስነጥበባውያን ካብ መቓብር ተንሲኦም ዝሰርሕዎ ዘለው ፊልሚታት ምርኣይ ከም ሓዲሽ ኣየደንጽውን። ኤርትራውያን ክሳብ ክንደይ ናይ ምስትውዓልና ወይ ናይ ምጽማምና፣ ናይ Intentional denial acceptance ከምዘማዕበልና ጥራይ ኢዩ ዘርኢ።

 

እቶም ንህዝቦም ነጺጎም ናይ ባዕዳዊ ሃገር ባንዲራ (ናይ እስራኤል) ዘውለብልቡ ሸይጢ ሃገር፣ ዝኣረገ ካምሻ ናይ እስራኤል ወታደራት ስለ ዝተመጠወም፤ ኤርትራውያን ኢና ኢሎም ክምድሩ ምስማዕ ባዕሉ ዘሕፍር ኢዩ። ሃገር ንምሻጥ ዝተቐረቡ ዕሱባት ከምዘለዉ ምፍላጡ ግን ዓይቢ ብድሆ ኢዩ።

 

“መስጣ አለዎ”

መስጣ አለዎ – መስጣ ብሓቂ

ንኽብርቲ ወላዲቱ – ብተንኮል ዘብኪ

ካብ ማሕጸና – ከም ዘይወጸ ትማሊ

ማሕጸና ክደፍኖ – ዝጋየይ ሎሚ

ንኣሕዋቱ ክጸቅጥ – ንስልጣን ገቢቱ

መብጽዓ ክጠልም – ንስውኣት ኣዋሓቱ

ስስዐ ደፊንዎ – ኣእምሮኡ ተለኩቱ

ትምኪሕቲ ምስ ኮነ – መሳሪሒኡ ትዕቢቱ

አነ ጥራይ ምስ ኮነ – ዕለታዊ ደርፍታቱ

ሐደ ህዝብን – ሐደ ልብን ሰዓብቱ

እምነቶም መስሪቶም – ኣብ ጽጽዋይ ከንቱ

መንነቶም ኣረኪቦም – መሰል ሰብ ዝዘምቱ።

 

ነቲ ማሕጸን አደ – ንኹሉ ዘፍረየ

ሎሚ ተሪሲዑ – ስልጣን ኮይኑ ዝዓበየ

ብዘይ ፍትሒ ሕጊ – ምምሕዳር ዝበለየ

ሃገር ናብ ክፉት ማእሰርቲ – ስለ ዝተቐይረ

መብጽዓ ስውኣት – ቀልጢፉ ምስ ሓቐቐ

ተገዳላይ ስንኩል – ሞራሉ ምስ ወደቐ

መስጣ አለዎ ግፍዒ – ብጭካነ ዝተነድቀ።

 

ሕልንኦም ሸይጦም – ብድርቅና ዝምጉቱ

ሓቂ እንዳፈለጡ – ብሓሶት ዝምጉቱ

ንወላዲት ሃገሮም – ዝጓየዩ ከጽንቱ

ግብሮም ተኾሚሩ – ምስ መልአ መዝገባቱ

ንኹሉ ጊዜ አለዎ – ንሳቶም’ውን ክሕተቱ

ሽዑ’ዩ ሽግር – ምስ ጠፍኦም ምኽንያቱ

ንሃገሮም ኣዕንዮም – ንህዝቦም ዘጽነቱ

መስጣ ከም ዘለዎ – ውጺኢቱ ከንቱ።

 

ናይ አደ ማሕጸን – ከም ዝባሃል ዝጉርጉር

ወላ ማሕጸን አደ – እንተኾነ ናይ ሓባር

ልብና ኣእምሮና – ኣብውሽጥና ዝነብር

ውልቃውነት አለዎ – ክሓስብ ክመራመር

ርእይቶ ክፈላለ – ንሓቂ ክንምስክር

ምርጫና ክንመርጽ – ዝሃበና እግዛብሔር

ክውንንዎ ዝፍቱኑ – ከንቱ ምዕግርጋር

ካብ ፈጣሪ በሊጾም – ፈጣሪ ገይሮም ነፍሶም

ዕብዳኖም ዘመስክሩ – መሰል ዜጋታት ገፊፎም

ወላ ሐደ ህዝቢ – ሐደ ልቢ ለፍሊፎም

ዝሓስብ ሕልና ሰብ – ስለ ዘይብሎም

ይድቅሱ’ዶ ኮን – ብሐደ ተጠርኒፎም

ከም ከብቲ ተዳጉኖም – አብ ደንበ ተሓቓቑፎም

ሐደ ልቢ ሒዞም – ሐደ ኣካል ኮይኖም።

 

ውልቃዊ ስሚዒት – ውልቃዊ ፍቕሪ ዘይብሎም

ይድቅሱ’ዶ ይኸውን – ከም እምኒ ተኾሚሮም

ሐዳረይ ሐዳርካ – ልብኻ ልበይ ኢሎም

ንስልጣን ንዕንወት – ብስስዐ ዓዊሮም

ይድቅሱ ኣይምሰልኩም – ነንሕድሕዶም ተአማሚኖም

ግብሮም ስለ ዝፈልጡ – ከም ዘይነብሩ ቀሲኖም

ብአፎም እንተለፍለፉ – ባዶ ኢዩ ውሽጦም

መስጣ ከምዘለዎ – ንጹሃን በዲሎም።

 

ከም ዕንጨቲ – እንዲዮም ሓሪሮም

ከም ጉንዲ – እንድዮም ተሳዊሮም

ዘምጽኡ ነጻነት – ሰንኪሎም ተሰዊኦም

ደቆም ናብ ስደት – ሓርነት ተሓሪሞም

ከምይ ኢሉ መብጽዓ – ስውኣት ይጥለም

መስጣ አለዎ ንጨቆንቲ – ዝነብሩ ኪሒዶም።

 

ራህዋን ቅሳነትን ንውጹዕ ህዝብና፣

ዘለኣለማዊ ዝኽሪ ንጀጋኑ ስውኣትና፣

ጽንዓት ንህዝብና ልምዓት ንሃገርና፣

 

ሰለሞን ብርሃነ ሠንጋል

“ሕልና 06-20-2017”

aseye.asena@gmail.com

Review overview
2 COMMENTS
  • k.tewolde July 8, 2017

    Accurately said Berhane, fact is, this sad Eritrean state of affairs didn’t just drop out of the skies,they’ve been working on it since the splinter group (today’s HGDEF) came up with their infamous manifesto NIHNAN ILAMANAN. Their trademark and how they took foothold in the Eritrean political theater, guayla,dimudimu,regionalism,sectarianism,religion,self aggrandizing,blinding hysterical narrow nationalism,unrelenting militaristic propaganda targeting the under-educated social segment especially the peasantry……..voila! you looking at it, Anybody who has been exposed to this poison,they need lobotomy,craniotomy,hemispherectomy, shock treatment,mental detox………..if this fails decapitation.Unfortunately you can’t decapitate the whole nation.

    • k.tewolde July 8, 2017

      The other option is,simply wait patiently till the old brain cells die and new ones regenerate which is scientifically impossible,if it is,I am calling NINDS today.

Post a Reply to k.tewolde Cancel Reply