Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

መንነቶም ዘይተፈልጡ ዕጡቓት፣ ኣብ ሊብያ ንዝርከብ ኣምባሳደር ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ዓብደላ ሙሳን ሰራሕተኛታቱን ብቶኽሲ ከምዘጥቅዑዎም መርበብ ሓበሬታ ዓዋተ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ኣረዲኡ።

ዝሓለፈ ዓርቢ፣ መንነቶም ዘይተፈልጡ ዕጡቓት፣ ኣብ ሊብያ ከተማ ትሪፖሊ  ንዝርከብ ኣምባሳደር  ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ዓብደላ ሙሳን ሰራሕተኛታቱን ብቶኽሲ ከምዘጥቅዑዎም ካብ መርበብ ሓበሬታ ዓዋተ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ኣረዲኡ። እቶም ደም ኣብ ምፍሳስ ዘብጽሑዎም ዕጡቓት፣ ካብ ኤምባሲ ምልካዊ ስርዓት

ዝሓለፈ ዓርቢ፣ መንነቶም ዘይተፈልጡ ዕጡቓት፣ ኣብ ሊብያ ከተማ ትሪፖሊ  ንዝርከብ ኣምባሳደር  ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ዓብደላ ሙሳን ሰራሕተኛታቱን ብቶኽሲ ከምዘጥቅዑዎም ካብ መርበብ ሓበሬታ ዓዋተ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ኣረዲኡ።

እቶም ደም ኣብ ምፍሳስ ዘብጽሑዎም ዕጡቓት፣ ካብ ኤምባሲ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ሰነዳትን ውልቃዊ ንብረት ናይቲ ኣምባሳደር ዝርከቡዎም ናውትን ሒዞም ከምዝተሰወሩ ‘ውን እቲ ሓበሬታ የረድእ።

እቲ ብሚልዮናት ዶላራት ዝግመት ዘይሕጋዊ  ስደተኛታት ናይ ምስግጋር ንግዲ ሰበስልጣንን ኤርትራን ሱዳንን ብምትሕብባር ኣብቲ ዞባ ምስ ዝርከቡ በደዊንን ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝርከቡ ኤርትራውያንን ከምዝካየድ ዝኣመተ ዓዋተ፣ “ ኣብቲ ዘጕላዕልዕ ንግዲ ሰባት ኢምባሲ ምልካዊ ስርዓት ኢሳያስ ብርኪ ኣለዎም። እቲ ኣብ ልዕሊ ኣምባሳደር ናይቲ ስርዓትን ሰራሕተኛታቱን ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ድማ ምስቲ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ዝተኣሳሰረ ሕነ ናይ ምፍዳይ ተርእዮ ወይ ድማ ናይ ምቅሊት ምስሕሓብ ክኸውን ይኽእል ‘ዩ” ከምዝበለ ንሓደ ተዓዛቢ ይጠቅስ።

ኣብ ሚያዝያ 2015 ኣብ ሊብያ ዝርከብ ጨንፈር ናይቲ ጥሩፍ እስላማዊ ጉጅለ ISIS 28 ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ኣመንቲ ክርስትና ብምጕያሕ ብቪድዮ ንዓለም ከምዝዘርግሖ ይፍለጥ።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
9 COMMENTS
  • ግርማይ August 1, 2016

    ኣበይ ሞ ሂወቶም ሓሊፎም እንተ ትብሉንስ ከመይ ምተሓጎስኩ ኔረ፡በቓ ሞት ህግደፍን ኣዳኸርቶምን ዩ ዓወትና!!! እምበር ካብ ፋሕ ዝበላ ውድባት ኤርትራውያንስ ዓዲ ዊዒል ኮይና ኢና ።

  • teweldemedhin August 1, 2016

    ሓቂ እንተኾይኑ ግርም ገበሩ።ናይ ኤርትራ ሰበስልጣናት ዘይተሃባበሩዎ ኔሩ እንተዝከውን፡ትማሊ ኣማኢት ስደተኛታት ሊብያ ኣትዮም ንጽባሕቲ ኢሳያስ ምስ ጋዳፊ ኣብማይ ተኣናገደን።እቲ ስደት ናይ መንግስቲ ኤርትራ መሪሕነት ከምዘለዎ ካብ ቀደሙ’ዩ ኣፍሊጡ ኔሩ።ነዚ ንምፍላጥ ናይ ቢኤ ድግሪ ወይ ዲፕሎማ ኣየድልን።እትሃድመሉ ዘሎካ መንግስቲ ከምድላዩ ዝዕንድረለን ሱዳንን ሊብያን ምእታው ነቲ ስደተኛ ናይ ዓቕሊ ጽበት ነቲ መንግስቲ ኤርትራ ግን ኮነ ኢሉ ኤርትራ ንምብዳምን መንእሰይ ካብ ቅድሚ ዓይኑ ንምርሓቕ ቀጺሉ ካልእ ሃይማኖታዊ ጽልዋ ሃገራት ኣዕራብ ዚነበሮ ኣዕናዊ መደብ’ዩ ኔሩ።

  • PH August 1, 2016

    ህላውየ ኢምባሲ አርትረያ ኣብ ሊብያ ዘገርም ኢዩ።ምስዚ ኹሉ ሽግር’ከ ኢንታይ ገይሩ? ዶ!ወላስ ኣብ ዲዕ ዝበለ ንግዲ ደቂ ስባት ድዩ ተዋፊሩ? ወላ ሓንቲ ሂወት አርትራ ዘየድሓነ ኢንታይ ይገብር? ወረ ንሱኳ ክውሕዶ ፍእ—ንበሎ።

  • semere 2 August 2, 2016

    ናይ መንግስቲ ህግደፍ ዘይተወርየ እምበር ዘይተገብረ እከይ የልን
    This is just the tip of the iceberg. I wish more similar actions are taken to scare the criminals goons of HGDEF. When the glass is full it over floods.
    Courage brothers and sisters: we are at the ዘሮ ሰዓት

  • ዮውሃንስ ጸጋይ August 2, 2016

    ምስዚ ናይ መርማሪት ኮሚሽን ጸብጻብ ዝተኣሳሰር፡ እቲ ስርዓት ኣብቲ ናይ ምስግጋር ደቀሰብ ዝፍጸም ገበናዊ መርበብ ኢድ እንተነይሩዎ፡ ነዚ ኣሰር’ዚ ንምድምሳስ ወይ ንምጥፋእ፡ ኮነ ተባሂሉ፡ ብስርዓት ኣስመራ ዝተሰርሐ ድራማ እውን ክኸውን ይኽእል።

    ኣዚ ኣሰራርሓ’ዚ፡ ስርዓት ናዚ ናይ ጀርመን ዝጥቀመሉ ዝነበረ ኣገባብ ክኸውን ይኽእል። ስርዓት ናዚ፡ ነቶም ንወዲ ሰብ ብህይወቱ ኸሎ ናብ መጋርያ ሓዊ ዝተብሱ ዝነበሩ ፍሉያት ዓሳክሩ፡ እቲ ስራሕ ምስ ፈጸሙዎ፡ ንሳቶም እውን ከምጠፍኡ ይገብር ነበረ።

    ነቲ ሕጂ፡ መንግስቲ ኤርትራ፡ ይገብሮ ኣሎ ዝበሃል፡ ኣብያተ ማእሰርትታት ፈጺመን ከምዘይነበራ ንምምሳል ዝግበር ፈተነ፡ ወይውን “ገነት” ንምምሳለን ዝግበር ድራማታት፡ እዚ ናይ ሊብያ እውን ኣካል ናይዚ ዘመተዚ ክኸውን ይኽእል።

    ኣቲ ሓቂ ጽባሕ ንግሆ ምቕልዑ ዘይተርፍ ኢዩ።

  • Eyob T. August 2, 2016

    Eritreans meguhayti always only big talks and big writings but always small actions and small courageous.
    When do we see a big decisive and forceful actions against HGDEF and less talks and less writing and feKera?

  • k.tewolde August 2, 2016

    Eritrean embassies are money laundering outposts for HGDEF around the world,they have been operating that way for years,this is a crime cartel not a government,they don’t represent the Eritrean people and should be shut down and the perpetrators stripped off diplomatic immunity and brought to justice in front international tribunal. .

  • merhawit August 4, 2016

    ኮሎኔል ሙዓማር ቃዳፊ ዓርኪ ኤርትራ ከም ዝነበረ፡ ምስ ሊብያ ብዙሓት ዘራኽቡና ጉዳያት ከምዝነበሩን ዘለዉን ክርሳዕ የብሉን። መን ይፈልጥ፡ ብዘይሓገዝ መንግስቲ ሙዓማር ቃዛፊ፡ ኣብ ሳልሳይ ወራር ኢትዮጵያ ምናልባት ንምሉእ ኤርትራ ምተቆጻጸረቶ ነይራ ትኸውን። ኮሎኔል ቃዛፊ ንኤርትራ ካብ ጫፍ ራስ-ዱሜራ ክሳዕ ኣስመራ ብመሬት ጉዕዞ ዝተዃለላ ኣብ ታሪኽ ናይ መጀመርያ ዕዙዝ ውልቀ-ሰብ ኢዩ።

    ኮሎኔል ቃዳፊ ዲክታቶር ምንባሩ ዘይከሓድ’ኳ እንተኾነ፡ ህዝቢ ሊብያ ዝለዓለ ደረጃ መነባብሮ ኣብ ኣፍሪቃ ነይሩዎ፡ ካብ ናይ ብትሕቲ መሬት ዝኸይድ ውሕጅ ጀሚርካ፡ ኣብታ ሃገር ገዘፍቲ ናይ ምዕባለ ፕሮጀክትታት ይሰላሰሉ ነይሮም። ምስ ናይ ምዕራብ ገዘፍቲ ናይ ፔትሮል ኩባንያታት ዝወዳደር ሓደ ሃገራዊ ሊብያዊ ናይ ፒትሮል መከፋፈሊ ትካል ቆይሙ ነይሩ። ኣብ ኣፍሪቃ ሓደ ናይ ሓባር ባጢራ ንምፍጣር ኮሎኔል ቃዛፊ ከም መደብ ተታሒዙዎ ነይሩ።
    ነዚ ኩሉ ዝተመልከቱ ምዕራባውያን ሻቕሎት ኣሕዲሮም ኣንጻር ሊብያ ክተናኾሉ ጀመሩ። ዘለዎም ናይ ጎነጽን ወራርን ሓይሊ ተጠቒሞምን ብዝተገዝኡ ሃሱሳትን ሕሉፋውያንን ደቂ ሃገር ተደጊፎም ንኮሎኔል ቃዛፊ ቀቲሎሞ፡ ንቁጠባን ትሕተ-ቅርጺን እታ ሃገር ድማ ኮነ ኢሎም ኣዕንዮሞ። ሎሚ ሊብያ ኣብ ትሕቲ ዝተፈላለዩ ወሮበላታት ኣትያ ትሕመስ ኣላ። ኤርትራ’ውን ኣብ ትሕቲ ወሮበላነት ህግደፍ ኢያ ትሕመስ ዘላ። ወሮበላታት ኣብ ምምቓል ዝርፊያ ኢዮም ዝባኣሱ፡ እሞ ምስቶም ሰራሕተኛታት “ኤምባሲ” ኣብ ምምቓል ገንዘብ ተባኢሶም ከይኮኑ።

    ናጻን ዲሞክራሳዊትን ኤርትራ ግን ንኮሎኔል ቃዛፊ ኣብ ዋና ከተማኣ ሓወልቲ እንተስርሓትሉ’ውን ዘሕፍራ የብሉን። ኤርትራ ንከይትድምሰስ፡ ኤርትራ ንኸይትጥሕል ኣበርክቶ ዝወፈየ ኩሉ፡ ብወገን ኤርትራ ዝግባእ ካሕሳ ክረክብ ግቡእ’ዩ መስለኒ።

  • መሃረነ፡ወቀደሰነ August 4, 2016

POST A COMMENT