Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

መንእሰያትን መድረኽ ጃላነትን፡ – ብጎደፋ

እዚ’ውን ይሓልፍ! እታ ቃል ስንብታ፡ እታ ኣብ ዝኾነ ቀውጢ ግዜ’ውን እንተኮነ ኒሕ ተቐኒታ ዝበድሀት ዘይተሳዕረት፡ ንትንግርቲ ከኣ ዘልኣለም ክትዛረብ ኣብ ኣኻውሕ ተወቒራ ብደም መንእሰያት ዝተቐለመት“ እዚ’ውን ያሓልፍ’’ ዝበለት ቃል ኤርት ራውያን ተረሲዓ ዶ? እቲ ዘይተሰምዐ ዝህልህል

እዚ’ውን ይሓልፍ!

እታ ቃል ስንብታ፡ እታ ኣብ ዝኾነ ቀውጢ ግዜ’ውን እንተኮነ ኒሕ ተቐኒታ ዝበድሀት ዘይተሳዕረት፡ ንትንግርቲ ከኣ ዘልኣለም ክትዛረብ ኣብ ኣኻውሕ ተወቒራ ብደም መንእሰያት ዝተቐለመት“ እዚ’ውን ያሓልፍ’’ ዝበለት ቃል ኤርት ራውያን ተረሲዓ ዶ? እቲ ዘይተሰምዐ ዝህልህል ዘሎ ቃል ጽንዓት ናይቶም ኣብ ፈቐዶ ቤትማእሰርትቲ ህግደፍን ቅ ድሚኡን፡ ብክሕደት ኣሕዋቶም ዝተሰወሩን ገና ከኣ ኣብ ኣፍደገ ጥፍኣት ክንሱ ከምቲ ናይ ትሕቲ መሬት እሳተ-ጎመራ ጥሒሱ ክነቱግ ዝሕርን ዘሎ ቃል ህሉዋት ሰማእታትና ከይንርስዕ ኣብልብና ሰኒድናዮ ኣብዘለና እዋን፡ ንከሀምለና ዝሓለነ ድራማታት ንርኢ ኣለና።

ብኣጋጣሚ ቀዳማይ ሃገራዊ ጉባኤ መንእሰያት ኢዩ፡፡ ከተማና ናቕፋ “መሳርዕና ሓደ፡’ቲ ሩባና ሓደ………፡ ኣብኣ ትደ ዮ ሕደጎ፤ ቅልጽም ኩላህና ትድሃኮ…..“፡ ዝብል ገለ ካብቲ ንታሪኽ ዘቐመጠቶ ናስትሮታት፡ ክትሰምዕ ቀንያ ኣላ።“እ ንታይ ማለቶም ኢዩ’’ ኢልካ ክሕሰብ ድማ ይከኣል። ንወያነ ድዩ? ንኣመሪካ ድዩ? ንኢጋድ ዲዩ? ንብዓለማ ድዩ……። እቶም ቀዳሞት ገጠምትን ዘየምትን እንታይ ማለቶም ምንባሩ ኣጸቢቕና ስለእንፈልጦ፡ ብስም ኣብ ጓይላ ህግደፍ ዝደረፈ ዝተደርፈ መልእኽቱ ክጥምዘዝ ኣይከኣልን። ትርጉም ናይቲ ብበሊሕ ስነ-ጥበባዊ ዓቕሚ ዝተደርሰን ኣብ ኣ እዛንና ዝበጽሐን ዜማ ምስ ታሪኽ ኤርትራ ተሰኒዱ ንመሰል፡ ፍትሕን ሓድነትን ከድምቕን፡ ንዝሓንገደ ከኣ ክድራዕ ከምዘለዎ ክምህርን ክነብር ኢዩ። እቶም ብእዋን ውበ ዝጸመሙ ህግደፋውያን ግና፡ መንእሰያት ውራዮም ከዳምቕ ሎም፡ ክንእድዎም ዝበሃጉ ኢዩ ዝመስሎም’ሞ ተኾድጮም ከኣ ይሕደሩ።

“ ኣብ ጐድኒ ፕረሲደንት ኰንካ ስለዝተሰኣልካ እንታይ ተሰሚዕካ“? ክብል ንሓደ ተሳታፊ ተወኪሰዮ። “Nothing“ ኢሉ ኣሕጸሮ ንሕቶይ ብታህዋኽ። “እዋእ፡ፕረሲደንት’ዃ ኢዩ’’ደገምኩዎ እናተጠራጠርኩ።
“ So what…….“። ኢሉ ኣጽቀጠ።

ኣብዘይመንጠቢተይ ኢደይ ከእቱ ኣይገባኣኒ እምበር ምሕታትስ ኣይገደፍኩን። ንሱ ድማ ጉዳይ ናይታ ከቕርባ ዘይሰለጠቶ ፕረሲደንታዊ ምርጫ መመሊሱ ሓተተኒ። ከምኡ እንተዘይኮይኑ ማሕበር መንእሰይ ፍጹም ትርጉም ከምዘይብሉ ኢዩ ገሊጽለይ። ንዝሃበኒ መብርሂ ካብልቢ ኣመስጊነ፡ ብኣውራኡ’ውን ህግደፍ ዘቘመን ማሕበራውያን ሓይልታት እንታይ ከምዝመስላ ብዓቕመይ ኣብራህኩሉ። ከምንቡር ማሕበራት ብባህረን ናጻ ኮይነን ብምቛም ንመሰል ኣባላተን ክጣበቓ ምተገብአ። እንተኾነስ እዚ ዕድል’ዚ እውን ኣይተዓደለቶን ኤርትራ። ብሃገራ ብኣምሳልን ዊንታን ገዛእታ ክትዕምጸጽ ስለዘለዋ። ዕላማ ናይቶም መድረኽ ብጫን ቀጠልያን ካናቴራታት ዘሕለፉ ’ህ ግደፋውያን’ መናእሰይ ሎሚ ቀይሕ ሕብሩ ብምኽዳኖም ምስቲ ዝተመደረሉ ዕላማ ማዕረክንደይ ከምዝቃረን ተገንዚበ ከኣ ንወደብቱ  ኣውራ እሞ ንክቡር ፕረሲደንት ብሕልናይ ደሪቐ ጠመትኩዎ። ንሱ’ውን ሓሳባተይ ከምዝተረድ አ ኣዒንቱ ኣንጎልሒጡ ቀጽኣኒ። ኣብቲ ናይ ውሉዳትን ኣቦሓጎን መስርዕ ብሓቂ እንተዘይመርሖም ምሓሾ ። ንሱስ ኣብመንጎ መሳቱኡ ዝያዳ ምማዕረገን ምመርሐን።እንተኾነሰ ዝልእኮም’ምበር ዝመርሖም ከምዘየድልይዎ ከምዛዋዛ ብወግኢ ኣዊጁ ኢዩ። ክልተ ትውልዲ ኣሕሊፉ ክመርሕ ካብ ኣብሃጎ ግዳ እቶም ሰብቀይሕ ካናቴራ ድዮም ብዘይ ዕድመኦም ብሰለስተዕጽፊ ኣሪጎም ዋላስ ንሱ ብክንድኡ መጠን ወሪዱ? ተሰሪዖም እንከለዉ ኣነ ድማ ብልበይ እንታ ይ ይሓስቡ ከምዝነበሩ ንልቢ ክልቲኦም ክፍትሽ ኣይተጸገምኩን። እቲ ናይ አቦሓጎን ውሉድን ክልተ ልቢ፡ ክልተ ብ ልሒ ከኣ ነይርዎ። ሰባት ልቦም ይወሃሃቡ ኢዮም፡ ብፍቶትን እምነትን። ኣብቲ መስርዕ ግና ኣይከምኡን። ኣብሞንጎ “ንዓኹም ’’ውን ከርክበልኩም ኢየ“! ዝብልን፡“ ኣይፋል ከምቀደም ከይመስለካ ውሕጅ ከይወስደካ“ ዝብልን ናይ ጉ ርሒ ኩናት፡ ናይ ተፋጠጥ መድረኽ ምንባሩ ግሁድ ነበረ። መሸም ፖለቲከኛ እንተኣሪጉ ምሒር ኢዩ ዝዕሹ። ብቐን ዱ ድማ መድረኽ ስንብታ ዘራትዖ መንከማይ በሃሊ ስዕረቱ መራር ኢያ እምበር ኣብ ከምኡ መዓስ ምተወደቐ!!

እታ ሸያጢ ዘይብሉ ዓዳጊ ልቢ ዘአንገደት ከተማ ናቕፋከ እንታይ ኮን ትሓስብ ትነብር? እዛ ብናይ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ምርብራብ ዝተሓረረት ቀዳመይቲ ከተማ፡ጉባኤታት ምእንጋድ ከኣ ባሂሊ ገይራቶ ኢያ። ኣብ ታባ ብራውን ደይብካ እንሆ እንዳዱባለ፡ እነዋለ ጻዕዳን ወልዳትን ዝተሰውኡለን ታባታት፡ እንሀት ዳዊት ፍስሃየ/ ወዲፖሊስ/ ኣዒንቱ ዘወ ፈየላ ክብል ክኢለ። ቀጸልኩ ብሕልናይ ምስ ንበይነይ ዝረየኒ ንሰሜናዊ ወገን ናቕፋ ናብ እንዳ ሚስዮን። ኣብኡ ጸኒሖሙኒ ኣባላት ፖለቲካዊ ምንቅቓሕ ብዓል ሃይለ ድሩዕ። ቀጸልኩ ንታባ ዓሰርተን መዓልቲ መስዋእቲ ናይቲ ማንጁስን ብቑዕን ናይ ዘመነ-ካልኣይ ወገን ሰልፊ ናጽነት ብጻይና ኢሰይያስ ተወልደ/ ወዲፍላነሳ/  እንተላይመዋድቖ  ናይቲ ብኹሉ መዐቀኒ ትሕጃ መጻኢት ኤርትራ ዝነበረ ኢብራሂም ዓፋ።

ኦይ!! ገለ ኣስማት ምጥቃሰይ ብሓለፋ ምጥማተይ ኣይኮነን። ሓለፋኡ፡ ኩሉ ነገር ነገራት ስለዘለዎ ጥራይ ኢዩ’ሞ ይ ጽናሓለይ ድኣ በልኩ ብልበይ። እንተኾነ ኣይጸንሓለይን። ኩሉ ሰሰሜኑ ንዕርብርቦት ኤርትራዊ ከምዘንቀደ፡ ካብ ቦ ታ መጭወይቲ ክሳብ ባሕረ-ማያዊ ጋህስታትን፡ ቀባሪ ስኢኑ ፈቀዶ ምድረበዳታት ተሰንድዩ ዝደረቐ ሬሳታትና፡ከም ኡ ድማ እቲ ዕሙር ዕዳጋ ውሽጣዊ ኣካላት መንእሰያትና እንክዝከር ንከተማና ዝውከስ ሓደ ሕቶ መጽኣኒ። ኣብምን ትምንታይ ድዩ ድኣ ነይሩ’ቲ ኩሉ መስዋእት ስንክልናን?

ናቕፋ ብዓልቲ ሕድሪ ከምምዃና መጠን ብሓቂ ድማ መልሲ  ጸኒሕዋ ኢዩ። ብዛዕባ ውዕሎኣ ስለዘይትጠራጠር፡ ነቲ ናይ 94 ዝነበረ ሕድሪ ከተተግብር ኣለዋ። ሽዑ ምትካል ህዝባዊ መንግስቲ ዓንዲ ማእከል ኢዩ ዝነበረ። ነቲ ጠላም፡ ነቲ መብጽዓ ዝረገጸ ከተርክበሉ ኢያ በቶም መንእሰያታ ገይራ። ንሳቶም እቶም ሰብ ቀይሕ ካናቴራ ምእንቲ ቅዋማዊ መንግስቲ፡ ምእንቲ መሰሎምን ምሰል ኩሉ ኤርትራውን ከምዝስለፉ ቅንጣብ ኣይተጠራጠረትን ነብሰይ። ነገር ቅዋምን ቅዋማውነት ካብ ዘከርና፡ እሳ እታ ዕላማ ኩላህና ክንሳ ህግደፍ ምስደለዎ ዝረጥረጣ ውሕስነትና፡ ሎሚ ክትበራበርን ብዛዕባኣ ብዙህ ርኢቶታት ክስንዘርን ክንርኢ ጽብቕ ኢዩ። ንምንታይ ኩሉ ምስማዕ ድማ ስለዘለና ገለ ብሃይማኖታዊ መገዲ ክትንክፉዋ ዘይደልዩ፡ ገለ ከኣ ናይ ባዕሎም ቅዋም ሰሪሖም ክሳብ ሓፋሽ ዘእምኑ ዝጽበዩ ከምእኒ ህግደፍ’ውን እታ ድሮ ተዳልያ ዘላ እንተተተግቢራ ቀታሊቶም ስለዝኮነት ብዙሕ ወለቕዘለቕ ንርኢ ኣለና።

ነቕልበሉ ከምዘለና ብዛዕባ’ቲ ናይ ሓባር ዕላማና ዝኾነ ዕላል ዛዕባ ቅዋም ሃጢሩ ቀንዩ እንሆ። ኣብታ ውዕሎ ወርሒ መስከረም ከተአንግደና ተኣማሚንና ማዕረ ቲቪ ኤረ እንኸፍታ ፈነወ ኢንተርኔት መስከርም ዝጸንሓና ከሰንብደና ዝሓለነ ንርእሱ ሰንባዲ ዜናታት ግና ኣይውዕሎ መስከረምን። እታ ተስፋ፡ ጽንኣትን  መቐይሮ ወቕትን እተበስር መስከ ረም ብሓቂ ተመራሲሓ! ኮነ ኢልካ ከደናግር ዝተኣለመ፡ ሓሳባት ሰብ ክሰርቕ ዝሓለነ፡ ብሁል ክጥምዝዝ ዝፈተነዜና ሰሚዕና። ኣይትጽልኡና ኣይትጸላልኡና፡ እዃድኣ ርኢቶና ከምእትድግፍዎ እንዳተኣማመንና ገለ ኣብነታት ክንጠቅስ እንሆ፡-

እቲ ዘሰንበደ ዜና ምትእኽኻብ ኤርትራውያን መንእሰያት ኣብ ሽረ እንታይ ዘሰንብድ ኣለዎ? እቶም “ወያነ“ እናተባህለ ምንነቶም ዝጅላሕ ኤርትራውያን ድሮ ኣብ ኢትዮጵያ ብዕጥቂ ይቃለሱ የለዉን ድዮም? ኣብ ዜሮ ሰዓት ንናይ ውሽጢ ናዕብታት ንሳቶም መሪሖም ከይምርሹ እንተኾኢኑ እቲ ዘሰንብድ፡ ንሱ’ሞ ኣይተርፍን ኢዩ።“ጸላእቲ ሃገርና ንቅዋምና ጅሆ ሒዘሞስ ከመይኢልና ኢና ስቕ ኢልና ክንርኢ“ ኢሉ ዝጀመረ ርኢቶ ቅሩብ ከይተጻወረ “ቅዋም እን ተዝትግበር ንኢሰይያስ ምጠቐመ“ ክብል ንገዛእ ጠመተኡ ጀሊሕዎ። እዚ ማለት ቅዋም ብምድስካሉ ረብሓ ፕረሲ ደንት’ውን ተጎዲኡ ብማለት ከዐሽወና ዝሃቀነ ርኢቶ ብኣጋጠሚ እንተኾይኑ እርማት የድልዮ ኢዩ። እንተዘየሎ ቅዋ ም ማለትና እቲ ህዝቢ ዘጽደቖ ማለትና ምዃኑ ክፍለጥ ኣለዎ እምበር ኢሰይያስ ድኣ ብቕዋሙ እንድዩ ዝኸይድ ዘሎ። ብዛዕባ ህግደፍ ከም ዋናኣ መጠን ንቅዋም ተዓጢቕላ ምህላዉ ድማ መርሓባ ንብሎ። ክትጠቅሞ ድያ ክትበል ዖ ጥራይ እንዶ ብግብሪ ይጀምራ!! ማዕዳኹም ድማ መዓስ ምተጸበየ፡ እምበር መድረኽ ድኣ ገለ ነገር’ኮ ይጠልብ ኣ ሎ። ነዚ ክብለጸሉ ህግደፍ ገለ ከምዝፍሕሰ ክንጽበዮ ኣለና።ነቲ ስርዓት ለሚንካ ከምዘይኸውን ንዘውስአ ሓሳብ’ሞ ልክዕ ኢዩ፡ ገናኸ እንታይ ይገበር ። ተቓለስትና ኣብ ሰላማዊት ዕርዲ ተሰዂዖም ድዮም ብዘገምታ ካብ ሓነቕቲ ከናግፉዋ ንቅዋም? ዝገደደ ብሂል ከኣ ጉዳይ ቅዋም ቀዳምነቶም ከምዘይኮነ ምግላጾም ኢዩ። እዚ ሰባብ ዘረባ’ዚ ቃ ልንቃሉ ድግማ መደረ ፕረሲደንት ብምዃኑ ክገርመና ኣይግብኦን። እቲ ገና ሕቡእ ኣጀንዳ ኵናት የቕለልዎም ስለዘ ሎ፡ ምስ ምትግባር ቅዋምን ምርጫን ኣይክቃደወሎም ኢዩ። “መጥፍኢየይ ይብራሃኒ“ ከምዝበሃል፡ እምንቶ ወርቂ ብዘይስምምዕ’ውን ብባህሩ ጸራግ መገዲ ናብቲ ብስም ወሳኒ ዝተጠመቐ ሸይጣን ዝዓሽሮ ኣብዳሚ ኵናት ከየምርሐ ዶድኣ ክተርፍ ኢሉ። ዓሰርተው ኣርባዕተ ዓመታት ይሕለፍ እምበር እቲ ዝተሓብኡሉ ዝመስሎም ዕርዲ ከምኡ  ኢሉ ኢዩ ዘሎ። ዝኾነ ኮይኑ ቅባጸቱ ከኣ ንተጸበይቲ ጸንዓት ስለዝፈትረሎም ኣይጽላእን።

ኣብ ሓደ ንኡስ ዓንቀጽ ድማ “መድረኽ ቅዋም ብወግዒ ምኽፋቱ፡ ብዋናታቱ“ ክብል ምስቲ ፕረሲደንት ገና ጸላእቲ ስለዘለዉዎ ንሰብ ባህ ክብሎ ኢሉ ቅዋምን ምርጫን ከምዘይገብር ዝመደረሉ ምስሊ ብምንታዩ ከምዝመሳሰል እንድዒኸ። እቲ መዘናግዒ ቀጺሉ ሓድሽ ዓይነት ህድማ ከምዝጀመረ ብስእሊ/ካርቱን/ ኣሰንዩ ኣቅሪብዎ ኣሎ።ወይ ጉድ!! ሕራይ በሉ ምበልና፡ ግናእንዶ እቶም ክሰርቆም ዝረኣይዎ ምንእሰያት እሞ መዓስ ክመልሰሎም ክኣምንዎ ኮይኖም። ስለዚ እቶም ብምምላስ ናይቶም ያኢ ምሕረት ዝተገብረሎም መንእሰያት ዝተሰከፉ ሰብ ላንድክሩዘራት፡ ደለልቲ፡ ሸየጥቲ ናይቶም 90% ዝኾኑ ኤርትራውያን ካብቶም ዝተሸጡ፡ከምኡ ከኣ ዋጋ ናይ ኣብሲና ዝተሸጠ ኤርትራዊ ኣካላት ኣብ ኣስመራ ኮይኖም ዶላራት ክቕበሉ ዝጸንሑ ገበነኛታት ’ደቂ-ኣስመራ’ ኣይሰከፉ ድሓን። ዝለኣኾም እምበር ዝፈርዶም መንግስቲ ስለዘየለ እንታይ ኣሰከፎም ይቕጽልዎ ድማ ኣለዉ። ብርግጽ ከሰክፎም ዘለዎ ከነዘ ኻኽሮም እንተደልዮም ግዳ መወዳእታኡ ለኣኺኦም ህግደፍ ከምኣመሉ ክጠልሞም ክስልበጦም ምዃኑ ካብሕጁ ክፈልጡን፡ ምስጢሩ ክዓብጥ ድማ ክቐትሎም ከምዝኾነ ብእዋኑ ክስከፍሉ ንምዕዶም።

ብዛዕባ’ቲ እምብዛ ዝተጎስጎሰሉ መደረ ፕረሲደንት ህዝቢ ኤርትራ ብዓንተቦኡ’ውን ጽብቕ ስለዘይተጸበየ ሸለል ኢልዎ ነይሩ ኢዩ። ጠዊቖም ጠዋዊቖም ካብ ኣዛረብዎ ግና ገለ ካብቲ ዝበሃል ዘሎ ከነውጋዓኩም።

ሕቶታት ስሌማን ዓበ ኣይከምቲ “ መወዳእታ ፍልስፍና፡ መወዳእታ ታሪኽን ፍልስፍና ዓለማዊ ማሕበራዊ ፍትሒ“ ዝብል ኣጀማምራኡን። ናይቲ ዝተጠቕሰ መወዳእታ ካብተበጽሐስ ገለዶኾን መንፈስ ሃዋርያ ሕሹኽ ኢለሞ’ሞ ትንቢት ጥፍኣት ዓለም ተኸሲትሉ ኢልና ከይተጸበና ኣይተረፍናን። ክኢላታቱ ንዘለውዎ ኣመሃህራ ሰዋስው ቛንቛ ዘድሃበ ዕንኪላሎ ምስኮኖ፡ ጋዜጠኛ ድማ መለሳ እንተኾነ ግዲ ሓሲቡ ብዛዕባ ፕረሲደንት ኣብ እግሮም እናሰመረ/ ኢና
ኣጉለሐ/ ንዘንበቦም መጻሕፍቲ ዘኪሩ ከምዛ እንታይነቶም ምፍላጥ ዘድለየቶ መብርሂ ሓተተ። ሓቑ ኢዩ ስሌማን፡ ክቡር ፕረሲደንት ኣዒንቱ ከሳብ ዝቑልዕ መጻሕፍቲ ክገናጽል ይሓድር ይኸውን። እንተኾነ እዚ ሕቶታት’ዚ ወዝቢ እንተኾይኑ ዝመጽእ ዘሎስ፡ ኣብ ኣመሪካ ከኣ ንምዃኑ ፕርሲደንት ይድቅስ ድዩ፡ ዝድቅስ እንተኾይኑኸ ኣብ ንቡር ግዜ ክንደይ ሰዓት ከምእድቅስ ተጠይቑ ነይሩ እንድዩ፡ “ኣይትረስዑ ሳልሳይ እዋን ድማ ከምኣ ከይትሓቱ“ በሉልና
ሓደራኹም። ስሌማን ዓበ መልሲ ፕረሲደንት ድሕሪ ምስማዕ ዘቕረባ ሕቶ ናይ ባዕሉ እንተኾይና ሓቁ ኢዩ። ክንድ ቲ መጻሕፍቲ ካብ ኣንበበስ ኮን ዶኾን ካብዚ ጸበባና ዘናግፍ ገለ ፍታሕ ኣይረክብን ዘበገሶ ሕልና ይኸውን ኢልና ምሓለፍና። እዚ ከኣ ምስ ምዕላቚ ዝቑጸር ኣይምኾነን። እንተኾነ ዓለቊ እንታይ ማለት ኢዩ? ዝግደስሉ ይሕተትሉ ብወገነይ በቲ በዓልሞያ መንእሰይ እተኣማመን ኢየ። ንሱ ሓደ ካብቶም ካልኦት ብሉጻትና ኣዳለውትን ኣቅረብትን፡ ግዱሳት፡ ትጉሃትን ሰብ ኒሕን ኢዩ። እንተኾነስ ክሳብ ክንድኡዶ ምንጋጋ ኣንበሳ ከፊቱ ብዝሕን ብልሕን ናይቲ መቘ ርጠም ደቂ-ሰባት ኣስናን ክዕዘብ ይኽእል ኢዩ? ንሱ ሓደ ከምቶም ተቐፊዶም ዝሓቐቚ ዝተደፍኑ፡ ከምቶም ካብ ገ ዛእ ስራሖም ዝተባረሩ፡ ከምቶም ዕረ እናጠዓሞም ንዘይኣምንሉ ዝጽሕፉ፡ ተዳልዩ ንዝመጾም ዘቃልሑ ኢዩ። ብናይ ይምሰል ናጻነት ጋዜጠኛ ነታ ተዳልያ ዝመጸቶ በላ ዝተባህለ ጉዳይ ቅዋምን ምርጫን ብዘለዎ ድፍረት ምስኣራገፋ  ብዛዕባ ዝመጽእ መልሲ ክጽበ ዝመሰሎ ምስሊ ብሓቂ ናጻነት ጋዜጠኛ ርኢናዮ ኣለና። እንተ’ቲ ካብ ንባብ ፕረሲደን ት ዝተደለይ ፍታሕ እሞ ወይከ። እቲ ዘንብቦ መጻሕፍቲ እንታይ ክኸውን ስለእንሓስብ ኢና ተጸቢና ነብስና እንተን ሓታ ምሓሸ። እምበር ንሱስ ንኣብ ዓለም ዘሎ መጽሓፈ ፈላሊኻ ግዛእ ልዕሊ ፈልሰፍቱ ናፖሊዮነ-ማኪያቨሊታት፡ል  ዕሊ ተግበርቱ ስታሊነ-ሂትለራት ቆራጢምዎ ስለዝኾን፡ ህዝቢ ኤርትራ ብኣፍ ስሌማን ዓበ ኣቢሉ ንዘቕረበሉ ሰላማዊ ፍታሕ ከምቀደሙ ከምዘየዋጽኦ ጥራይ ዘይኮነ ገና ሕጂ’ውን ናይ ኵናት መደባቱ ኣተንቢሁ ኣሎ። እቲ ውጥም ድንዕ ምንዕ ኵናት መወዳእታኡ ክዉን ክከውን ኢዩ። ንኵናት ሰቢሕናሉ ንቕኒ ጥራይ ይግበረና!!

ጉዳይ መንእሰያት እቲ ካልእ ፍታሕ ዝደሊ መዛረቢ ነይሩ። ብዛዕባ ስለምንታይ ህድማን፡ እንታይከ ምግባርን ዘልዓለ ከይመስለኹም። ብዛዕባ መንእሰያት ከምኡ ምሕሳብሲ ናትኩም ስለዝኮነ ንዕዑ ኣይዓጦን ኢዩ። ንሳቶም ያኢ ነቲ ሓንሳብ ዘምለጥሉ ቤት ማሕቡስ ክምለስዎ የወናውኖም ከምዘሎ…….፡ ስለዚ ዓመታዊ 15 ሽሕ ዶላር ኣዋህሊሎም ኣብ ዓዶም ወፍሪ ተራእይዎም ክምለስዎ፡……….፡ ሽዑ ኢዱ ዘርጊሑ ክቕበሎም ስለዝኾነ ጽንጽያ ኣዒንቶም ዘንፍረ
ሎም ከምዘየለ፡ እንተኮነስ ክሕተቱ ኣለዎም:፡ መንኢዮም? እቶም ዝተላእኩ?እቶም ኣሕዋቶም ሸይጦም ቀቲሎም ዝኸዱ? ብመሰረት እተገብረሎም መብጽዓ ዝተመለሱ ድዮም ካልኦት? በየን ከ ወጺኦም? ካበይን ክንደይን ሒዞም ተመሊሶም? ምስቲ ኣብ ሕቖኦም ዘሎ ዕዳ ተወራሪዱ ብኪ ክተርፉ፡ ከምቲ ናይ ቀደምና ጥበብ ሓለዋ ሰውራ’ውን ፍሉይ ምልክት ተገይርሎም፡ ካልእ መደብ ስራሕ ስለዘየለ ጥራይ ዘይኮነስ ንምብላዖም’ውን ክጥዕም ምእንቲ ኣብ ሰራዊት ክምደቡ፡ መወዳእታኡ ዳግማይ ክሃድሙ ክተሓዙ፡ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ምስ ኣተዉ ዓሶ ርእሲ ክትምንጥሎሞ፡ ከምሓርበኛታት ድማ እንተ ብሙሉእ እንተ ብምዝሑቕ ኣካላቶም ኣሃዱኦም ባዕላ ክትቀብሮም……….።

ሕልሚ ደርሆ፡ ሕልሚ ደርሁ ጥራይ ከይመስለኩም። ምኽንያቱ ንሱ ብዝኾነ ተኣምር ብኣረጊትን ጠላምን ኣእምሮ ከታልሎም ኣይኽእልን ኢዩ። ኣይኣምንዎን ከኣ ኢዮም። እንተ ንሱ ገናገና!! መሸም እታ ምሕካኽ ኤርትራውነት ጻዓዱ ኣይከኣሉዋ ጸለምቲ ገዛእቲ። ናይ ሕጂ ግና እዋናዊት ኢያ። እንተኾነ እታ ዕላማ ፍጹም ተቀላዒት ኣይኮነትን ጥልመት ከኣ ብወዝቢ ድዩ ብዕላማ ኢልኩም ኣይትደናገሩ። ንኤርትራ ኩሉ ሓዲኣ ስለዝኮነ። ሓንቲ ሓቂ ግና ኣላ። ንሳቶም እቶም ገበርቲ እከይ ኣብ ዝመሰዮም ክሓድሩ ኢዮም። ኣንታ ኤርትራ ጥራይ ዝትጽቢትካኸ?

በሉ እቶም ሃገር ኣላትና፡ እንተኮነ ብዓብላልነትና ፡ ብጥበብና፡ ብሓድሽ ቁዋምና እንተዘይኮይኑ….፡ ልዕሊ ኩሉ ድ ማ ብሰለይታ ከነርክበሉ ኢና ኢልኩም እትሓስቡ፡ ሓሳባትኩም’ዃ ሕማቅ እንተዘይኮነ፡ ለውጢ ብዘይተመደበ ብሃንደበት ምስነቶገ፡ ሃገርኩም ናብ ብዘይምድላዋት ዝመጸ ለውጢ ናብ ሓደጋ ተእትዉዋ ከምዘለኹም እንተትርድኡ ምበለጸ። ኣብ ከምዚ ኩነታት ሓላፍነት ትስከሙ ዘለኹም ናይ ውሽጥን ወጻእን መንእሰያትከ ምድላዋተወኩም እንታይ ይመስል?

እዚ ኩሉ ዘመላኽቶ ነገር እንተኣልዩ፡ ንመድረኽ ጃላነት ኢዩ’ሞ ኣብ ክልተ ዝተኸፍለ ኣርእስቲ መፈጸምታኡ የርእና ድሓን ቀንዩ።

ጎደፋ።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
NO COMMENTS

POST A COMMENT