Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

መን’ዩ ጅግና ዝባሃል እቲ ኢዱ ዝሃበ ወይስ እቲ አብ ዕላምኡ ዝሞተ ?

መን’ዩ ጅግና ዝባሃል እቲ ኢዱ ዝሃበ ወይስ እቲ አብ ዕላምኡ ዝሞተ ? ሎሚ ንርእዮ ዘለና ቡዙሓት ሓለፍቲ ይሓልፉ አለዉ ብዘይ ቁምነገር ዝተቃለሱሉ ዕላማ ረስዔም ትማሊ ንሃገር ከምዘየገልገሉ ከምዘይሰርሑ ትማሊ ጀጋኑ ከምዘይተባሃሉ ሎሚ አገልገልቲ ናይ ውልቀሰብ

መን’ዩ ጅግና ዝባሃል እቲ ኢዱ ዝሃበ ወይስ እቲ አብ ዕላምኡ ዝሞተ ?

ሎሚ ንርእዮ ዘለና ቡዙሓት ሓለፍቲ ይሓልፉ አለዉ ብዘይ ቁምነገር ዝተቃለሱሉ ዕላማ ረስዔም ትማሊ ንሃገር ከምዘየገልገሉ ከምዘይሰርሑ ትማሊ ጀጋኑ ከምዘይተባሃሉ ሎሚ አገልገልቲ ናይ ውልቀሰብ ኮይኖም ዓገብ ከይበሉ ንሃገሮምን ንህዝቦምን ጠሊሞም ሑሱር ሞት ይመቱ አለዉ፡፡

አብዞም ናይዞም ሰባት ሞት ቡዙሓት ሰባት ዝተፈላለየ ርእይቶ አለዎም ገለን ጀጋኑ ይብሉዎም ገለን አይፋልን እዚኦም ጸረ ሕዝቢ ነበሩ ሰባት ከመይ ገይሮም ጀጋኑ ይባሃሉ ይብሉ ገለን ምውት አይክሰስን ኢዩ ይብሉካ ብዝኮነ ኩሉ ነናቱ አራእያን አታሓሳስባን አለዎ ልክዕ ሓደ ሰብ ድማ ማዕረ አተሓሳስብኡ ኢዩ ዝሓስብ እቲ አተሓሳስብኡ ድሩት እንተኮይኑ አስፊሑ ክሓስብ አይክእለን ኢዩ ፡፡ ብዝኮነ አነ ምስቶም ጀጋኑ ክባሃሉ አይክእሉን ኢዮም ዝብሉ ወገን ኢየ፡፡ምክንያቱ ጅግና ማለት ክሳብ መወዳእታ አብ ዕላምኡ ዝጸንዕ ኢዩ እምበር አብ መንጎ ኢዱ ዝህብ አይኮነን፡፡

ብመጀመርያ እቲ ዝገርመኒ ነገር ተሎ ብመጀመርያ እዞም ሰባት ንሃገርን ሕዝብን ክብጀው ኢዮም በረካ ወጺኦም በዚ ድማ ሰገጥ ከይበሉ ብትብዓትን ተወፋይነትን ምስ ሽሾ ሰራዊትን አጽዋርን ገጢሞምን ጠኒኖም ዝአትዉ ነበሩ ፡ ጽምእን ጥሜትን ተጻዊሮም ብቃላት ክትገልጾ ዘይካል መሰገደል ሓሊፎም አብ መወዳእታ ተዓዊቶም፡፡ ስለዚ እቲ አግራሞተይ እዞም ሰባት ሺሾ ሰራዊት ዝገጠሙ ብከመይ ኢዩ ሓደ ውልቀሰብ ከምበርክኮም ኪኢሉ ? ? ? ወይ ብካልእ አበሃህላ “ከመይ ኢሎም ካብ ጀጋኑ ናብ ጀጉናናት ክቕየሩ ክኢሉም?” አበይ በኒኑ እቲ ጅግንነቶም ? አበይ ከይዱ እቲ ሓልዮት ሕዝቢ ? አበይ አሎ እቲ ቅያታቶም ? ብሓቂ ታሪኮም ፈሺሉ ኢዩ እዞም ሰባት፡፡ስለዚ እዞም ሰባት ሕልናኦም ጥራይ ዘይኮነ ህልውንኦም ዝሸጡ ሰባት ኢዮም፡፡

እዚ ማለት ድማ ታሪክ ፈሺሉ ክባሃል ኮሎ ታሪክ ብትክክል አይቀረበን ወይ ታሪክ ብጉብእ አይተተረጎመን ብዓቢኡ ድማ አይቀጸለን ማለት ኢዩ፡፡ ከም ካልአይ ድማ ታሪክ ፈሺሉ ክንብል ኮሎና ልክዕ ከም ሓደ ናይ ዘርኢ ሓረግ አብ ዝኮነ ቦታ ተበንጢሱ ከም ማለት ኢዩ፡፡ ምክንያቱ እዞመ ሰባት መን ነይሮመ ከመይ ነይሮም ሎሚ ከመይ አለዉ ንማንም ቡሩህ ኢዩ፡፡ እቲ ናይ ታሪክ ሓረጎም ተበጢሱ ኢዩ ስለዚ ድማ እዚ ናይ ታሪክ ፍሽለት ይባሃል፡፡ናይ ብሓቂ ታሪኮም አይቀጸልዎን መወዳእቱኡ ድማ አየጸበቅዎን፡፡

ሓደ ሰብ ትማሊ ከመይ ነይሩ ስለትፈልጦ ከመይ አለካ እምበር ከመይ ኔርካ አይትብሎን ኢካ ምክንያቱ ታሪክ አብ ከመይ ኔርካ ዘይኮነ አብ ከመይ አለካ ተመርኪሲ ኢዩ ዝቅጽል፡፡እቲ ቀጻልነቱ ድማ አባካ’ዩ ዝውሰን እንድሕር ታሪክካ ከም ትማሊ ብጽቡቅ ቀጺልካዮ ታሪክካ ብጽቡቅ ክቅጽል ኢዩ፡፡በንጻሩ ናይ ትማልን ሎምን ታሪክካ ዘይራከብ ከም ሕቆን ክብድን ወይ ዘይሳነ እንተኮይኑ ታሪክካ ክፈሽል ግድን ኢዩ፡፡

ስለዚ ሎሚ ከምዚ ዓይንት ፍሹል ታሪክ መወዳእታኡ ዘይጸበቀ ኢና ንርኢ ዘለና፡፡ ምክንያቱ ሎሚ ኤርትራ ሃገርና ብናይ ትማሊ ታሪኮም ንሕና … ሳላና … እንዳበሉ ዝዕበዩ ንናይ ሎሚ ረሳሕ ታሪኮም ግዲ ዘይብሎም ሰባት ሒዛ ኢያ ተሪፋ ዘላ፡፡

ታሪክ ሓቀኛ ኢዩ አየናሕስይን ኢዩ ድማ ስለዚ ትማሊ ጅግና ተኔርካ ጅግና ኢሉ ክገልጸልካ ኢዩ፡፡ሎሚ ድማ ጀጉናን እንተኮንካ ጀጉናን ኢሉ ኢዩ ዝገልጸካ፡፡

ሓደ ሰብ ንሕልንኡ እሙን ዘይኮነ አይኮነን ጅግና ኢልካ ክትጽውዖ ሰብ ኢላካ ክትጽውዖ ከማን ገበን ኢዩ፡፡ምክንያቱ ከምዚኦም ዓይነት ሰባት ምስ ሕልናኦም ዝተቀራሓኑ ኢዮም፡፡ ስለዚ ሓደ ሰብ ሙሉእ ሰብ ክንብሎ እንተኮይና ንሕልንኡ እሙን ዝኮነን ሰብአውነት ዝስመዖ ምስ ዝከውን ጥራይ ኢዩ፡፡ ስለዚ እዞም ሰባት ገና ሰብአውነት ዘይስመዖምን ገና አብ ጌጋ ከምዘለ’ዉን አይተሰቆረሙን አሎ ገና እዚ ኩሉ በደል ዝፈጸምዎ አብ ሕዝቢ ኤርትራ ዘጣዕሶም አይመስሉን ኢዮም ምክንያቱ ሕልናና ከምተጋገየ ዝአምን ድማ ጣዕሳ ምስ ዘጋጥሞ ጥራይ ኢዩ፡፡ስለዚ ኩሎም እዞም አብዚ እዋን ዝሓለፉ ምስ ሕልናኦም ከይተዓረቁ ተቀራሒኖም ከለዉ ይሓልፉ አለዉ እቶም ዘለዉ ውን ከምኡ ምስ ሕልናኦም አብ ቅርሕንቲ ኢዮም ዘለዉ ክታዓረቁ አይካሉን ቅንጣብ ጣዕሳ’ውን ይስመዖም የለን በንጻሩ አብ ቁኑዕ መገዲ ክምዘለዉ ኢዮም ከም ከልቢ ዝነብሑልና ዘለዉ ስለዝኮነ ድማ ጌጋ አብ ርእሲ ጌጋ እንዳፈጸሙ ከንቱን ሑሱርን ታሪክ ይገድፉ አለዉ፡፡ ስለዚ በየናይ መለክዒ ወይ መግለጺ ኢና ጀጋኑ ኢልና ክንገልጸም ንክእል ?

እቲ ዘሕዝነካ ሎሚ አብዚ 21 ክፍለ ዘመን ነዞም ዝመሽመሸ ሕልና ዝሓዙን ሕልናኦም ዝሸጡ ሰባት ዝተዛረብዎን ዝበልዎን ከም ቃለ ነብያት ወሲዶም ዝአምንዎምን ዝቅበልዎምን ከም ጀጋኑ ዝአምንሎም አዳከርትን አጣቃዕትን ሰባት ምህላዎም ኢዩ፡፡ምናልባት ንሕዝብካ ምግፋዕ ከም ጅግንነት ዝቁጸር እንተኮይኑ እንድዒ ዘይንፈልጦ ካልእ ጅግንነት አሎ ማለት ኢዩ፡፡

አብዚአ ከይገለጸወኩዋ ክሓልፍ ዘይደሊ ሓደ ሓደ ሰባት አለዉ ብስምዒት ዝጎዓዙ ሓቂ ዘሕምሞም እዚ ድማ ኩሉ ግዜ ብስምዒት ዝጎዓዙ ሰባት ነገራት አስፊሕካ ምርአይን ሓቂ ካብ ሓሶት ምፍላይን ይሳአኖም ኢዩ ብዛዕባ እዞም ሰባት ክትዛረብ ኮለካ ሓቅነቱ ካብ ምርግጋጽ ንነገራት ብሃውሪ ወይ ብዘይምምዝዛን ስለዝርእይዎ ከም ብጽልአት ትዛረብ ዘለካ ዝመስሎም ቡዙሓት ኢዮም ልክዕ እዞም ሰባት ጀጋኑ ከምዝነበሩ ዝክሕድ ሰብ የለን ወይ ነዚ ናይ ትማሊ ጅግንነቶም አይኮናን ነነአእስ ዘለና ብዓቢኡ ብዛዕባ ትማሊ ዘይኮነ ብዛዕባ ሎሚ ኢና ንዛርብ ዘለና ስለዚ እዞም ሰባት ሎሚ ከመይ አለዉ እቶም አብ ሎሚ ዝሓለፉ’ከ እንታይ ገይሮም ሓሊፎም ኢና ንብል ዘለና ብሓቂ ነቲ ዝተቃለስሉ ናይ ሕዝቢ ነጻነትን ፍትሕን አብ ተግባር አውዒሎሞ ድዮም? ሕድሪ ስውአትና አይጠሎሙን ድዮም? ኢና ንብል ዘለና፡፡

ሎሚ አብዛ ጽሕፍተይ ክገልጾም ደልየ ዘለኩ ዓይነት ሰባት ነዞም ዝተቃለስሉ ዕላማ ዝረስዑን ገለ ገለ ብጥቅሚ ወይ ብነብሰ ፍትወት ዝሰከሩ ፤ ከብዶም ዝዘመዶም ዓይነት ሰባት ፤ ተመሳሲሎም ዝሓድሩ ፤ ናይ ስልጣን ህርፋን ዘለዎም ፤ ብዓቢኡ ድማ ትማሊ ንሽሾ ሰራዊትን አጽዋርን ዘይፈርሑ ሎሚ ግን ንሓደ ውልቀሰብ  ዝፈርሑ  ዘለዉ ሰባት …. ንምግላጽ ኢየ እቲ ቀንዲ መጽሓፍየይ ግን ሕልና ክገብሩን ንሕዝቦም ጠጠው ንክብሉ ምዝክካርን ማዕረ ክንደይ አብ ዝተጨማለቀ ሕይወት ከምዘለዉ ንምሕባርን ኢየ፡፡ምከንያቱ ሓደ ሰብ መገዲ አምላክ ገዲፉ መገዲ ሰይጣን እንተሒዙ ካብቲ መገዲ ሰይጣን ክትአልዮ ኢኻ ዘለካ እምበር ምስኡ አይትጎዓዝን ኢኻ፡፡

አነ ሕጂ ባህርያት ናይዞም ሰባት ሓደ ብሓደ ንምግላጽ ኢየ ደልየ፡፡ አብ ሓደ ስርዓት ቡዙሓት ዓይንተ ሰባት ክንረክብ ንክእል ማለት ነቲ ስርዓት ንክጽልን ክሻድንን ዝገብሩ ፡- ብተወሳኪ እቲ ገዛኢ ስርዓት ብመጀመርያ ሰባት ኢዩ ዝሕዝ ብዙሓት ዓይነት ሰባት ኢዮም ዘገልግልዎ ነዚ ንምትግባር ድማ ሰባት ብምውዳብ ነቲ ስርዓት ዘገልግሉ አብ ልዕሊ ሕዝቢ ፍርሕን ጸቅጥን ከምዝፈጥሩ ምግባር ቀንዲ ተግባሮም ኢዩ፡፡

እቶም ዝውደቡ ሰባት መብዘሕትኦም ግን አሚኖምሉ ዘይኮነ ግላዊ ጥቅሞም ስለዘቀድሙ ኢዮም ወይ ነብሶም ዘይአምኑ ፈራሓት ምስዝኮኑ ወይ ተመሳሲሎም እንታይ ገደሸኒ ሱቅ ኢለ ዘይነብር ባሃልቲ ኢዩ ዝአካክብ ብልክዕ ድማ ገዛእቲ መንግስታት አብ ሰልጣኖም ክጸንሑ እንተደልዮም ናይ ግድን ዝተሓባበሮም ሕዝቢ ፤ ሙሉእ ብሙሉእ አሜን ኢሉ ዝቅበልን ዝምእዘዞም ሕዝቢ የድልዮም ኢዩ፡፡ ነቲ ሕዝቢ ንምእማን ይኩን ጸቂጥካ ወይ ዓፊንካ ንምሓዝ ድማ ነዚ እከይ ተግባራቱ ዘተግቡሩ ሰባት ወይ ዕሱባት ግድን ኢዩ ዘድልዮ፡፡ ንአብነት ፡-

 

1 ተመሳሲሉ ሓዳሪ

መሲሉ ዝሐድር ሰብ ኩሉ ዝረከቦ ጸቡቅ አጋጣሚ ወይ ዕድላት ንናይ ግሉ ጥቅምን ዕላማን ንምትግባር ዝግበር ናይ ፓለቲካ መርገጺ ኢዩ ዘመልክት ጥቅሚ ዝረክበሉ ክሳብ ዝኮነ ንዝኮን መርገጺ ንምድጋፍ ብዘይምውልዋል ዓይኑ ብጨወ ሓጺቡ ንናይ ግሉ ጥቅሚ ክብል ጥራይ ናይቲ ስርዓት ወይ መንግስቲ ራአይ ወይ መምርሒ ንምትግባር ድሕር አይብልን ኢዩ እቲ ሕዝቢ ዝሃቦ ውክልናን ሰልጣንን ብምርሳዕ መረረ ሕዝብን መሰላትን ክብረትን ሃይማኖትን ጨፍሊቁ ብዘለዎ ናይ ሰይጣናዊ ባህሪ ድሕር አይብልን ኢዩ መሲሉ ሓዳሪ ሰብ አብ ናይ ዝኮነ ፓርቲ ናይ ፓለቲካ መርገጺ አይአምንን ኢዩ ኮይኑ ግን ልዕሊ ሰቡ እምነት ዘለዎ ነቲ ፓርቲ ወይ ስርዓት ልዕሊኡ ሓላይ ከምዘየለ መሲሉ ምቅራብን አብ ልዕሊ ሓለፍቱ ኩቱር ፍቅሪ ከምዘለዎ እንዳመሰለ ነታ ዝረክባ ጥቅሚ እንዳዓቀበ ይነብር እዚ ድማ እቲ ቀንዲ ሓጥያት ብሕዝቢ ዝተዋሃበካ ሓደራ ጠሊምካ ናይ ገዛእ ርእስካ ጥቅሚ ምቅዳም ኢዩ።

እዚ መሲልካ ምሕዳር ድማ ብፍላይ በቶም ሰበስለጣናትን ናይ መንግስቲ ሰራሕተኛታትን ምሰዝከውን ዓቢ ሽግርን ዕንወትን ኢዩ ዘከትል ምክንያቱ እምነት ፡ ግልጽነት ፡ ምዕቃብ ሚስጢር ፡ ቅንዕና ወይ ሓቅነት ፡ ተሓታትነት ፡ አድልዎ ፡ ንናይ ሕዝቢ ጥቅሚ ምሕላው ፡ ንናይ ሕዝቢ ሕቶ ምምላስ ፡ ብዓቢኡ ድማ አብነታዊ ምዃን እዚኦም ኩሎም አብ ሓንቲ ሃገር እንተዘየለዉ እታ ሃገር የላን ዕርቃና ወጺአ አላ ማለት’ዩ እዚ ኢዩ ድማ ሎሚ ዝንጸባረቅ ዘሎ፡፡እዞም ሎሚ ዝሓልፉ ዘለዉ ሰባት ውን ሃገር ዕርቃና ከምትወጽእ ገይሮም ዕርቃኑ ዝወጸ ታሪክ ገዲፎም ኢዮም ዝሓልፈ ዘለዉ፡፡

2 ህርፋን ስልጣን ዘለዎም

እዚኦም ድማ ብጀካ ስልጣኖም ተዘይኮይኑ ብዛዕባ ሕዝቢ ቅንጣብ ሓልዮት ዘይብሎም ዝወረደ ይውረድ ዘገድሶም አይኮነን ዝነገሰ ንጉስና ዝበረቀ ጸሓይና በሃልቲ ምስቲ መሲሉ ዝሓድር ተመሳሳልነት እኮ እንተለዎም እዚኦም ግን እቲ ቀንዲ ህርፋኖም ስልጣን ንምርካብ ኢዩ ንጥቅሞም’ውን አይሰርሑን ማለት ግን አይኮነን እቲ ቀንዲ ስርሖም ጎይታይ እምበይተይ እንዳበሉ ብከመይ ስልጣኖም ይውሰኩን የናውሑን ኢዩ ዘገድሶም። ብዛዕባ ሕዝቢ ይጥመ ይሳቀ ዘገድሶም አይኮነን፡፡ምክንያቱ ብስልጣኖም ተጠቂሞም ቀንዲ ሰባት ዘጋፍዑን ዝአስሩን እዞም ሰባት ኢዮም፡፡

ብተወሳኪ እዞም ሰባት ብገዛእ ሕልናኦም ዝተአሰሩ ድኩማት ፍጥረት ኢዮም እዚ ማለት ድማ አብ ልዕሊ ሰብአዊ ፍጡር እዚ ዘይባሃል ዓቢ ወንጀል ብምፍጻሞም እዚ ነገር ክገብሩ ከለዉ ናይ ድንቁርና መገዲ ስለዝተከተሉ ናይ ገዛእ ሕልናኦም ሰሒቶም ኢዮም፡፡

3 ብመትከል ጥራይ ዝጎዓዙ ሰባት ምህላዎም

እዚኦም ዓይነት ሰባት ድማ ቀንዲ ነቲ ስርዓት ዕድመ ክህልዎ ዝገብሩ ኢዮም ምክንያቱ አብቲ ሰርዓት ኩቱር ፍቅርን እምነትን አለዎም ነዚ ድማ ንነብሶም ከም ጽኑዓት ሰብ መትከል ገይሮም ይቆጽርዋ ልክዕ በቲ ሓንሳብ ነቲ ውዱብ ወይ ስርዓት ዝአመኑሉ እቲ ግዜ ይቀየር እቲ ስርዓት አሰራርሕኡን አከያይድኡን ይቀይር ብፍጹም ዘይስቆሮም ድፉን ሓንጎል ሒዞም ዝጎዓዙ ሰባት ኢዮም ሕዝቢ አበይ ኩነታት አሎ ዘየገድሶም እቲ ዝአመንሉ ውዱብ ወይ ስርዓት ክትንከፍ ከሎ ግን ዝሓሙ ሰባት ኢዮም እቲ ካብ ኩሉ ዝገርም ነብኦም ወይ ነዲኦም ወላ እንተቀተሎሎም ፍጹም ዘይሰቆሮም መትከል ክብሉ ተተኪሎም ዝነብሩ ዓይነት ሰባት ኢዮም ምናልባት እዞም ሰባት የዋሃት ዝገብርዎ ዘይፈልጡን ዝንቡዕ ኣእምሮ ዝተዓደሎም ኢልና ክንጽዎዖም ንክአል…፡፡መብዛሕትኦም እዞም ሎሚ ዘለዉን ዝሓለፉን ሰባት ናይዛ መትከል ትብል ተካል ቃል ተርጎምትን ሰዓብትን ኢዮም፡፡አብ መትከልካ ምጽናዕ ጽቡቅ እንድዩ ግን ምስ መን ፤አበይ ፤ ብከመይ ፤መዓስ ፤ ምፍላጥ አገዳሲ ኢዩ ምክንያቱ አብ መትከለይ ኢልካ ብሃውሪ ወይ ከም ፈረስ ብሓደ መገዲ ምካድን ብዋጋ ሕዝብካ ምጥላዕን ግን ገበን ኢዩ፡፡ ናይ በደሎም ዓስቢ ድማ መትከል ክብሉ ዝከረሙ አብ መወዳእታ ባዕሉ እቲ ዝአመንሉ ስርዓት አብ ታኬላ ከእትዎም ንርእዮም አለና፡፡

4 እንታይ ገደሰኒ በሃልቲ

እዚኦም ድማ እንታይ ይግበር አሎ ኩሉ ዝፈልጡን ኩሉ እንዳተረድኦም አብ ነገራት ወይ ከም ናቶም አተሓሳስባ አብ ሃለክለክ ወይ ሓደጋ ዘለዎ ሕይወት ክአትው ዘይደልዩ እንታይ ገደሰኒ ሱቅ ኢለ ዘይበልዕ ዘይሰቲ እቲ ዝድለ ምንባር ኢዩ ዝብል ድሑር እምነት ዘለዎም ብዛዕባ ነብሶም ተዘይኮይኖም ብዛዕባ ሕዝቦምን ሃገሮምን ቅንጣብ ሓልዮትን ድንጋጸን የብሎምን አብ ርእሲ እዚ እዞም ሰባት ፍርሕን ነብሰ ምፍታውን ዘለዎም ዓይነት ሰባት ኢዮም…፡፡

 

ንምጥቅላል እቲ ጸገም ኮይነ ዘሎ ሎሚ አብ ሃገርና ምስቲ ስርዓት ዝሰርሑ ዘለዉ ይኩኑ ተቃወምቲ እቲ ስርዓት ኩሎም ፍርሒ አለዎም ካብ ናይ ደቂ ሰባት ሕማም ኩሉ እቲ ብብዝሒ ዝርከብ ሕማም ፍርሒ ኢዩ ከም ሓደ ናይ ስነ-ልቦና ሓኪም ዝበሎ ‘ከም ፍርሒ ዝበለ ንናይ ደቂ ሰባት ሰብእና ጸላኢ የለን’ እዚ ድማ አዞም ናይ ሳይንስ ሰባት ክገልጹልና ዝደለዩ ናይ ጥዕና ዘይብሉ ፍርሒ እምበር ብዛዕባ ጥዕና ዘለዎ ፍርሒ አይኮኑን ምክንያቱ ጥዕና ዘለዎ ፍርሒ አገዳስን ጉብእን ኢዩ ጥዕና ዘለዎ ፍርሒ ንዓና ወይ ንገዛእ ነብስና ንምክልካል ዝተዳለወ ስርዓት ኢዩ፡፡ ጥዕና ዘለዎ ፍርሒ ዘይብሉ ሰብ ብልክዕ ዝተወደበ ስብእና አይህልዎን ኢዩ፡፡ ጥዕና ዘለወ ፍርሒ ካብ ሓደገኛን ናይ ደናቁር ወይ ናይ ዓያሹን ሰራሕ ንከይንሰርሕ ይሕለወና ኢዩ፡፡ ብዓቢኡ ድማ ጥዕና ዘለዎ ፍርሒ ዘይብሉ ሰብ ካብ አምላኩ ዝራሓቀ ሰብ ጥራይ ኢዩ፡፡

 

ስለዚ አብ መንጎ ጥዕና ዘለዎ ፍርሕን ጥዕና ዘይብሉ ፍርሕን ዘሎ ፍልልይ ንጹር እመስለኒ፡፡ ሓደ ሰብ ከይተረድኦ ወይ ከይፈለጠ ካብ ጥዕና ዘለዎ ፍርሒ ሓሊፉ ናብ ጸልማት ዝኮነ ጥዕና ዘይብሉ ፍርሒ ክአቱ ወይ ክሰጋገር ይክአል ኢዩ፡፡ ጥዕና ዘይብሉ ፍርሒ ብጣዕሚ ኢዩ ዘሸብረካ ብመዓልቲ ከሸብረካ ይውዕል ብለይቲ ድማ የጨንቀካ፡፡ ጥዕና ዘይብሉ ፍርሒ ናይ ጋን ምዃኑን ድንግርግር ናይ ምባልን ምንጭን ማእከልን ኢዩ አብ ውሽጢ ኣእምሮካ አትዩ ይህውከካ በዚ ድማ አብ ውሽጥካ ዝርከብ ሓይሊ ከምዝለምስን ከምዝወጽእን ይገብር ውሽጣው ሰላምካ የጥፍእ ፡ ሓይልካ ይድርቶ ፡ ካብ ውጽኢታዊ መገዲ የውጸካ ፡ ድሌታትካ የጥፍእ ብሓጺሩ ጥዕና ዘይብሉ ፍርሒ ዘስካሕክሕ ሕሰም ዝምንጭወሉ መርዛም ጉድጓድ ኢዩ፡፡ ስለዚ በዚ ናይ ጥዕና ዘይብሉ ፍርሒ ዝሳቀዩ ሰባት ብዙሓት ኢዮም ብሰንኪ እዚ ድማ ሓጎሶም ወይ ደስታኦም ሲኢኖም ዝሳቀዩ ሰባት አዲኦም ትቁጸሮም፡፡ እዚ ፍርሒ ኢዩ ድማ አብ ሃገርና ሰሲኑ ስቃይና ዘናውሕ ዘሎ፡፡

 

ስለዚ ናይዚ ሕማም መድሃኒት ድማ መጀመርያ ክፍለጥ ዘለዎ “ ሰብ ናይ ሓይልን ናይ ፍቅርን ናይ ነብስካ ምግዛእን መንፈስ እምበር ናይ ፍርሓት መንፈስ የብሉን ” በዚ አባሃህላ ክንአምን ከንክእል አለና ነዚ ድማ ብልክዕ አሚና ብተግባር አብ ኣእምሮና ውሽጢ ብዕምቀት አትዮም ቦታ ከምዝሕዙ ክንገብር ክንክእል አለና፡፡ ሰለዚ እቲ መድሃኒት ከኒና ወይ መርፍእ አይኮነ ቃላት ኢዩ አብዚ ቃላት ዝተሐበኤ መድሃኒት እንታይ ኢዩ ኢልና ምስ ንሓትት ንፍርሓት ክቃወም ወይ ክጻወር እቲ ሓደን ቀንድን ሓይሊ ናይ ምትእምማን ሓይሊ ኢዩ ምክንያቱ ምትእምማን ህያው ኢዩ ፤ ምትእምማን ንቁሕ ኢዩ ከም ጸሓይ ብርሃን ስለዚ ምትእምማን ከም መድሃኒት ከገልግለና ይኽእል ኢዩ ፡፡ ኣእምሮናን ነፍስናን ክፍውስ ዝክእል መድሃኒተ ኢዩ ፡፡

 

ጥዕና ዘለዎ ሓሳብ ንጥዕና ዘይብሉ ሓሳብ ስዒሩ ይወጽእ ፡፡ እዚ ናይ ምትእምማን ውጽኢት አብ ኣእምሮ አወንታዊ ውጽኢት ወይ ፍቱን መድሃኒት ምዃኑ ተረጋጊጹ ኢዩ እዚ ድማ እቲ ናይ ምትእምማን መንፈስ ልዕሊ ኣእምሮና ናይ አካልናን መንፈስናን ናይ ምሕዳስ ሓይሊ አለዎ እዚ ድማ አብ ቡዙሓተ ሰባት ተረጋጊጹ ኢዩ፡፡ ዓለምና ሎሚ በቲ ሰባት ዝጨበጥዎ አረአእያ ጠንቂ ብዘስግኡ ሰባት መሊአ ትርከብ፡፡ እዞም ሰባት አብ ኣእምሮኦም ጥዕና ዘለዎ አተሓሳስባ እንተዝለምዱ ወይ እንተዘማዕብሉ ኩሉ ነገር ምስተቀየረ፡፡ “ ነብሰ ምትእምማን “ ዘማዕበሉ ቡዙሓት ሰባት ብናይ ፍርሓት በትሪ ምቅጽዖም ተሪፉ ዝተረጋግኤን ሰላም ዘለዎም ሰባት ንክኮኑ አክኢልዎም ኢዩ፡፡

ስለዚ ብፍርሒ ክንውጠር የብልናን ርእሰ ምትእምማን ተለና ናይ ኣእምሮና ሓይሊ ተጠቂምና ፍርሓትና ከነወግድ ንኽእል ኢና፡፡ ፍርሒ አብ ልዕሌና ዝዕወተሉ ቀንዲ ምክንያት እቲ ናይ ሕይወትና ገመድ ዝኮነ ብነብሰ ምትእምማን ስለ ዘይንአምን ኢና፡፡

 

ካልአይ ድማ ናይ ፍርሒ መድሃኒት ፍቕሪ ኢዩ ፍጹም ፍቕሪ ፍጹም እምነት ኢዩ በዚ ድማ ፍጹም ፍቕሪ ፍርሓት ከጥፈእ ይኽአል፡፡ ፍቕሪ ተፈጥራውን መሰረታውን ርክክብ ኢዩ ፍቕርን ስኒትን ሓድነትን ዘለዎ ሰብ አብ ባይታ አይፈርሕን ኢዩ ንዝኮነ ከም ጸላኢ ስለዘይርኢ አይፈርሕን ኢዩ ፍጹም እምነት ስለዘለዎ ናይ ፍርሒ ስምዒት አይፈጥርን ኢዩ፡፡ ሎሚ ግን እቲ ጸገም ኮይኑ ዘሎ ንነብስና ስለዘይንአምን ማለት ነብሰ ምትእምማን ስለዘይብልና ክንገብር ማለት ነዚ ስርዓት ክንልውጦ ወይ ከነወግዶ ንክእል ኢና ኢልና ንአእምሮና ስለዘይነእምኖ ዘለና ናይዚ ውጽኢት ድማ ሓደ ምስ ሓደ ክንዲ ዝሰምርን ሓድነት ክንዲ ዝፈጥር በንጻሩ ሓደ ንሓደ ከም ጸላኢ ስለዝርኢ ንፈርሕ አለና፡፡

 

እቲ ናይ መወዳእታን ሳልሳይን ፍቱን መድሃኒት “ ዓሚቕ ኣእምሮ ” ክህልወና ይግባእ ምክንያቱ ፍርሒ አብ ውሽጥና ግዝአቱ ዘስፋሕፍሕ ዓሚቕ ወይ ዝተረጋግኤ ኣእምሮ ስለዘይብልና ኢዩ፡፡ ዘይተረጋግኤ ኣእምሮ ብቡዙሕ መገድታት ክፍጠር ይኽእል ንአብነት እዚ ዘለናዮ ማለት ህሉው ናይ ሃገርና ኩነታት ከም ሓደ ዘይተረጋግኤ ኣእምሮ ንክህልወና ከም ምክንያት ክጥቀስ ይካአል ይኸውን እቲ ጠንቂ ግን እዚ አይኮነን ገለ ነገር ንከይንገብር ዝሓላልከና ዘሎ ፍርሒ ኢዩ፡፡

 

ንአብነት ሕጂ ገለ ገለ ሰባት ፍርሒ እቲ ቀንዲ ሓሳቦም ንክኸውን ይፈቅዱ ፍርሒ ዝጅምረሉ ድማ ብናይ ንእሽተይ ናይ ኣእምሮ ስግአት ኢዩ፡፡ ከምዚ ኢሉ ድማ ንብዙሕ ግዜ ምስ ዝደጋገም ድማ ናብ ሕልናና ክሳብ ዝሰርጽ ድማ ልምዲ ኮይኑ ይተርፍ፡፡

 

እዚ ድማ ናይ ሓደ ሰብ ነፍሲ ወከፍ ሓሳቡ ናይ ስራሕ ፤ ናይ ጥዕንኡ ወይ ብሓፈሻ ዓለማዊ ሓሳብ አብቲ ናይ መሰረታውን ቀንድን ነገራቱ ናይ ፍርሒ ሓሳብ ቅርጹ ይሕዝ እሞ ምስ ፍርሕን ስግአትን ይሓብር፡፡ ናይ ሓሳብ ፍርሓት ከተወግዶ እንተጻዓርካ ከተምልጠሉ ግን አይትክእልን ኢካ ሰብ ድማ ሙሉእ መዓልቲ ዝሓስቦ ኢዩ ዝኸውን በዚ ድማ ፈራሕ ሰብ ትኸውን ፡፡

 

ነዚ ኩነታት ንምጥፋእ ድማ ካልእ ፍልይ ዝበለ ድልዱልን መሰረታዊ ሓሳብ ክትካእ ግድን ኢዩ፡፡ እዚ ናይ ፍርሓት ሓሳብ ብቀንዱ ክንዕወተሉ እንተኮይና እቲ ሓደን ወሳንን ነገር ቁኑዕ አተሓሳስባ ክህልወና ምግባር ኢዩ ምትእምማን ካብ ፍርሓት ይበልጽ፡፡

 

እቲ ጸገም ዝከውን ዘሎ ብቅንዕና ስለዘይንብገስን ከምኡ ድማ ቁኑዕ አተሓሳስባ ሒዝና ስለዘይንጎዓዝ ዘለና ነብሰ ምትእምማንና ነጥፍእ አለና በዚ ድማ መብዛሕትና ደቂ ሰባት ናይ ምስዓር ልምዲ ስለነማዕብል ዘለና ሕይወትና ናይ ስቃይ ሕይወት ይኸውን አሎ ፡፡ እቲ ሓቂ ግን አብ ልዕሊ ሕይወት ዘለካ አረኣእያ እንተለዊጥካ ዘይልወጥ ነገር አይክህልውን ኢዩ፡፡ ሕይወት ድማ ብቅንዕናን ስኒትን ፍቅርን እንተሒዝካያ ክፍአትን ተንኮልን አይክትንክፈካን ኢዩ፡፡

 

ስለዚ ነብሰ ምትእምማን ብከመይ ከነማዕብሎ ይካአል ? እንተኢልና ቁኑዕ አተሓሳስባ ብምጭባጥ ኢዩ ቁኑዕ አተሓሳስባ ምስ ዝደጋገም ድማ ልምዲ ይኸውን፡፡

ክልተ መሰረታውያን ናይ አተሓሳስባ መንገድታት ማለት ፍርሓትን ምትእምማንን ክሳብ ዝፍጠሩ ናብ ውሽጢ ሕልናና ብዕምቆት ይአትዉ፡፡ ኮይኑ ግን ፍርሒ ንምትእምማን ክስዕሮ አይኽእልን ኢዩ፡፡ አብ ናይ ምትእምማን መገዲ ብዕምቆት ምሰ ንአቱ ካብ ናይ ፍርሒ መገዲ ብፍጹም ኢና ንእለ በዚ ድማ ምትእምማን አብ ውሽጥና ይአቱ እሞ እቲ ቀንዲ ናይ ኣእምሮና ሓሳብ ይኸውን፡፡

በዚ ድማ እቲ ኩሉ ብዛዕባ ስድራቤትካ ፤ ሃገርካ ፤ ስራሕካ ፤ ጥዕናካን ሓፈሻዊ እቲ ኩሉ አብ ዓለም ክትገብሮ ዘለካ ነገራት ብምትእምማን ዝተዓብለለ አረኣእያ ወይ አከያይዳ ስለዝህልወካ ሕይወትካ ብሩህን ዘሕጉስን ቁኑዕን ይኸውን፡፡

 

ስለዚ አብዚ ግዜ ሓድሽን ቁኑዕን ሓሳብ ስለዝጨበጥና ብነብስናን ብሃገርናን ብመጻኢ ናይ ወዲ ሰብ ተስፋ ምእማን ንማሃር፡፡ ሕይወት ምቅርቲ ከምዝኮነት ዓሚቅን ቁኑዕን አረኣእያ ይህልወና አብ ሓደ ግዜ ዘፍርሑና ነበሩ ነገራትን መሰናክላትን ይስገሩን ይእለዩን በዚ ድማ ብኣእምሮ ወይ ብአተሓሳስባና ዓቢ ለውጢ ኢና ነምጽእ ብአካል ድማ ናብ ካልእ ዓለም ኢና ንሰጋገር፡፡ ብርግጽ ብዝተፈለየ መገዲ ስለትሓስብ ፍሉይ ሰብ ኢኻ ትኸውን፡፡ ሰብ ሙሉእ መዓልቲ ዝሓሰቦ ኢዩ ዝኸውን ፡፡ ናብ ናይ ዓወት መገዲ ዝወስዱ ድማ ቁኑዓት አረኣእያታት ኢዮም፡ ምክንያቱ አካልና ብኣእምሮና ኢዩ ዝምራሕ እሞ ኣእምሮና ብርግጽ አድላይ ኢዩ ስለዚ ኣእምሮና ክንምርምር ክንክእል አለና፡፡

 

ደቂ ሰባት አምላክ ብዝዓደለና ኣእምሮ ናይ ምሕሳብ ናይ ምስልሳልን ሓይሊ አለና፡፡ ኣእምሮና ብጉቡእ ምስንጥቀመሉ ኢና ድማ ናይ ብሓቂ ትርጉም ናይ ሓድነትን ስኒትን አስተማቂርና አብ ተግባር ክንሰርሓሎም ንጅምር ስለዚ ነዚ ዘሎ ስርዓት ህግደፍ ክንአልዮ እንተኮይና ብመጀመርያ ፍርሒ ነወግድ ቀጺልና ሓድነት ንግበር ብኤረትራውነትና ጥራይ ንእመን ሃይማኖት ፤ቀቢላ ፤ብሄር ወጊድ ኢልና ሰሚርና ንቃለስ፡፡ በጃኩም ነየናይ እዋን ኢና ሕድሕድ ክንወነጃጀልን ክንጎጃጀልን ሕይወት ሓጻር ኢያ ….፡፡

 

ከምኡ ድማ ብቃላት አይንጸናናዕ አብ አኬባታት ሰሚናራት አይንእመን አብ ተግባር ንእመን፡፡ እዚ ማለት ድማ ልክዕ አኬባታት ሰሚናራት ናብ ስጉምቲ ወይ ውሳኔ ክንበጽሕ ክሕግዘና አለዎ እምበር ባዕሉ ከም ስጉምቲ ክንወስዶ የብልናን እቲ ጸገም ዝከወን ዘሎ ንብገስ እሞ ካብቲ ዝተበገስናዮ ግን ስጉምቲ አይኮነን ስድሪ ንከይድ የለናን ካብ ዝተበገስናዮ ማለት ካብ ሰድያና ከይተሳእና ኮለና ብቃላት ተጸናኒዕና ንጽባሕ ካልእ ሰሚናር ይኩን አኬባ ንጽበ ወይ ንትምነ እታ ጽባሕ ምስ መጸት መሊስካ ንካልእ ጽባሕ ካልእ ትመኒት … በቃ ከምዚ እንዳበልና አብ አኬባን ሰሚናራትን ተሓጺርና ብናይ ቃላት ምጽንናዕን ተስፋን ነምቧህቅ አለና፡፡ አነ ሰሚናራትን አኬባን ጸሊኤ ወይ ንምንታይ ይግበር አይኮንኩን ዝብል ዘለኩ ግን ተግባር ዘይብሉ ኮይኑ በዚሑና ብልክዕ ንዘልል አለና ንዓልበሉ ቦታ ግን ክሳን ሕጂ አይፈለጥናን አለና፡፡ ስለዚ ድማ ተቆጺና ጠጠው ንብል አለና፡፡

ፍትሒ ንደለይቲ ለውጢ

ባቲሞ / ካርቱም

aseye.asena@gmail.com

Review overview
33 COMMENTS
  • Hidat April 20, 2014

    BATIMO
    NISKA NIMENOM TEFIKIR
    1.TEMASASILOM ZIHDIRU
    2.HIRFAN SILTAN ZELEWOM
    3.BMETIKEL TIRAH ZIGUAZU
    4.ENTAY GEDESENA BEHALTI
    5.KULOM KICH AMESEOMELEY ALEWU
    6.MELSI YEBELEIN.

    • Asghedom Woldeghiorghis April 20, 2014

      6 thankd

  • Filmon Brhane January 17, 2015

    ቀጽሎ

POST A COMMENT