Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ 200 ነጋዶ ሰብ ከምዝኣሰረ ቢቢሲ ሓቢሩ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ሰሜን ምዕራብ እታ ሃገር ኣብ እትርከብ ከተማ መተማ 200 ነጋዶ ሰብ ከምዝኣሰረ ጋዜጠኛ ቢ.ቢ.ሲ ካብ’ቲ ቦታ ሓቢሩ፡፡ ንሱ ንኣመሓዳሪ እታ ምስ ሱዳን እትዳወብ ከተማ ብምጥቃስ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ በታ ከተማ መብዛሕትኦም ኤርትራውያን ዝርከብዎም

መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ሰሜን ምዕራብ እታ ሃገር ኣብ እትርከብ ከተማ መተማ 200 ነጋዶ ሰብ ከምዝኣሰረ ጋዜጠኛ ቢ.ቢ.ሲ ካብ’ቲ ቦታ ሓቢሩ፡፡

ንሱ ንኣመሓዳሪ እታ ምስ ሱዳን እትዳወብ ከተማ ብምጥቃስ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ በታ ከተማ መብዛሕትኦም ኤርትራውያን ዝርከብዎም ስደተኛታት ናብ ሱዳን ከምዝሰግሩ ገሊጹ፡፡

እቶም ስደተኛታት ኣብ ጉዕዞኦም ንሞትን መከራን ከምዝቃልዑ ብምምልካት ድማ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንነጋዶ ሰብ ንምቁጽጻር ጽኑዕ ስጉምቲ ክወስድ ከምዝጀመረ ኣፍሊጡ፡፡

ብዘይካ’ዚ ብማዕከናት ዜና ሰባት ኣብ ጉዕዘኦም ዘጋጥሞም ጸገምን ሳዕቤን ዘይሕጋዊ ምስግጋርን ብዝምልከት  ኣስተምህሮ ከምዝህብ ‘ውን ተገሊጹ፡፡  ኣብ ልዕሊ ነጋዶ ሰብ ክሳብ ሞት ዝበጽሕ መቕጻዕቲ ክውስን ኣብ ባይቶ እታ ሃገር ከምዝተዘየሉ ቢ.ቢ.ሲ ብተወሳኺ ሓቢሩ፡፡

መንግስቲ ኢትዮጵያ ብፍላይ እቲ ኣብ ልዕሊ ኣመንቲ ክርስትና ዜጋታቱ ኣብ ሊብያ ብ ISIS ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ዝተወስደ ጃምላዊ ማሕረዲ ከምዚ ዝኣመሰለ ተሪር ስጉምቲ ክወስድ ከምዝደረኾ ቢቢሲ ይእምት።

ISIS_2015እንተኾነ እቶም ሽዑ ብ ISIS ዝተጎይሑ ኣመንቲ ክርስትና ዝበዝሑ ኤርትራውያን ከምዝነበሩ ካብቲ ኩነታት ዘምለጡ ውጻእ መዓት ኤርትራውያን ንድምጺ ኣሰና ብቓሎም ኣብ ዝሃቡዎ ምስክርነት ኣረጋጊጾም እዮም። ኣብቲ እዋን ‘ቲ ካብ ዝተሓርዱን ዝተረሸኑን ልዕሊ 50 ንጹሃት ዜጋታት እቶም ዝበዝሑ ማለት ልዕሊ 40 ኤርትራውያን ክኾኑ ከለዉ፣ እቶም ኢትዮጵያውያን 8 እዮም ነይሮም።

ኣብቲ ግዜ እቲ ህዝቢ ኢትዮጵያ፣ ኣብ ጎደናታት ውጺኡ ብሕርቃን ነቲ ኣረሜናዊ ግፍዒ ብምዅናን መንግስቱ ስጉምቲ ክውሰድ ክጽውዕ ከሎ፣ እቲ ኣውራ ግዳይ ዝኾነ ህዝቢ ኤርትራ ብምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ተመሳሳሊ ዕድል ምንፋጉ ከይኣክል፣ እቶም ኣብ ዶባት ኤርትራ ዘለው ኣዘዝቲ ሰራዊት ምስ ነጋዶ ሰብ ብምምሽጣር ካብ ነፍስወከፍ ሰብ 6 ሽሕ ዶላር እናመንዝዑ ሰባት ናብ ሱዳንን ኢትዮጵያን ከምዘስግሩ ጸብጻባት የመልክቱ፡፡

Source: BBC – How Ethiopia has cracked down on people smugglers

aseye.asena@gmail.com

Review overview
31 COMMENTS
  • MY LAND October 2, 2015

    EYOB,

    Just because gedli started with Sudanese ex military and had religious principles ,and killed christian students that came to join..and then under eplf..youngsters were snatched from their mothers’ laps to die for nothing ,and women tegadelti were intoxicated with dimu dimu ,causing them to be lose (free sex)..and because gedli was kidnapping ,raping and kiling ,,,does not make it shifta…Do not tarnish the holy name of gedli.

  • Dala Ksha October 2, 2015

    Hi Guinean Eritreans
    the person by the name of teclay,cowface,Madawa…Is another Mola Asgdom fighting Eritreans on cyberspace and the worst of it they are doing it in our own website as mola was doing in our own land with our own weapons and money.
    God save my people .

    • Eritra October 3, 2015

      “the person by the name of teclay,cowface,Madawa…Is another Mola Asgdom fighting Eritreans on cyberspace and the worst of it they are doing it in our own website as mola was doing in our own land with our own weapons and money.”

      Dala Ksha

      For one reason or the other, Assenna is not stopping these intruders.
      It seems, the admin who is deleting some of our comments at the spur of his whims, is tolerant when it comes to Teclay and his likes who pose as Eritreans to insult Eritrea, people and their Ghedli.
      They are here to frustrate and disrupt discussions that may lead to consensus.
      Isn’t that a form of cyber war ?
      For how we should tolerate that ?

POST A COMMENT