Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

መንግስታዊ ትሕተ-ሃገራውነት።

መንግስታዊ ትሕተ-ሃገራውነት።                  27-09-13። እቲ ብዋዛኡ ዝልለ ዓርከይ ድማ ገቢትኒ ቀንዩ እብለኩም። ንእግረ-መገዱ እናሰሓቐ “ኣንታ‘ዚ ህዝብስ ዎጮ እንተገምጠል ካዮ ዎጮ ምዃኑ ዘንጊዑ ዲዩ ለውጢ ዝጽበ? ክብል ይግረም። ተመሳሳሊ ትጽቢት ከይህልወኒ ክፍትሽ እናመሰለ ተኺሉ ብምጥማት፡ “ወለድና ‘መለሳ ቆሎስ

መንግስታዊ ትሕተ-ሃገራውነት።                  27-09-13።

እቲ ብዋዛኡ ዝልለ ዓርከይ ድማ ገቢትኒ ቀንዩ እብለኩም። ንእግረ-መገዱ እናሰሓቐ “ኣንታ‘ዚ ህዝብስ ዎጮ እንተገምጠል ካዮ ዎጮ ምዃኑ ዘንጊዑ ዲዩ ለውጢ ዝጽበ? ክብል ይግረም። ተመሳሳሊ ትጽቢት ከይህልወኒ ክፍትሽ እናመሰለ ተኺሉ ብምጥማት፡ “ወለድና ‘መለሳ ቆሎስ ጥጥቖስ‘ ዝበሉዎ‘ኮ ስቕ ኢሎም ኣይኮኑን፡ ዘረባኦም ካብመዓስ ኣብ መሬት ኣንከራር ያ ተሪፋ“? ክብል ጸኒሑ ብኡ ንብኡ ካን ከምዝሓረነ ኣስናኑ እናሓራቐመ “ ኣንታ፡ ጉልሻ ብምቕያር ዝምቅር ኣጻብሕ‘ኮ የ ለን ኣንታ! ክሳዕ መዓስ‘ዩ እዚ ስቕታ ከይዳ‘ኮ ሃገርና“! ብማለት ጠዋወቐኒ።

ኦይ! ወይለና ድኣ‘ዞም ዝንጉዓት‘ምበር ገለን መሰላቶምንስ ነዛ ማይ ከምዝገደፎም ዓሳታት ትመሳሰል እዋን ኣጠላላም ዝተ ዳለዉላ ኢዮም ዝመስሉ። ዝበዝሐ ህዝብና ድማ ምስጢር ናይቶም ምስ ዓቕሞም ዓቕሚ ከምዝወሓዶም መመሕነቒኦም ኣግማድ ሒዞም ንሞት ዝተሰርዑ ኣርካናት መሰል ስሩያት መዃንንቲ ከይዓጀቦ ኣይተረፈን።

ኣብ ዝሓለፈ ቅንያት፡ ብኣጋጣሚ ወርሒ መስከረም ኣነ‘ውን ብዓቕመይ ከምቶም ካልኦት ኩሎም ግዱሳት ብዛዕባ ሃለዋት ሃገርናን ከጓንፍ ንዝኽእል ነገራትን ወስ ብምባለይ ንገለ ዘባጭዉ ተቓሊዐን በቶም ዝጸምዱን ናይ አቕርቦት ዝዋዘዩን ከኣ ጸኒዐን ምቕናየይ ነዛ ንሂወተይ ጽቡቕ ብስራት፡ ንኩሉ ዜጋ ድማ ግሩም መዘክር ኮይኑና ቀንዩ። ወዝቢ‘ኮ ኣይኮነን። ወር ሒ መስከረም፡ ሓያለይ ባህርያውን ሰብ-ሰርሖን ክስተታት ከምዝረኣዩላ መጠን፡ ንዝኾነ ለውጢ ከኣ ልዕሊ ወርሒ ጥሪ እንተተጸበናያ ምስ ኣፈጣጥራናስ ዝኣበስና ኣይመስለንን። ብኡ እንተተሰማሚዕና ዝግበር ዘሎ ንጥፈታት ብወዛ ምሕደራ መንግስቲ ብምዕዛብ ንሕናኸ ሓድሽ ትጽቢትና ኮነ ኣስተዋጽኦናን ምድላዋትናን እንታይ ይመስል?

ትሕዞ መስከረም መቸም ምስክርነት ኣየድልዮን። ኮኾብ ዝኽሪ ናይ ሎሚ ዘመን መስከረም ድማ ብዛዕባ ማእሰርቲ ጉጅለ 15 ከምዝነበረ ከነስተብህል ክኢልና ኣለና። “በይኖም ድዮም ተኣሲሮም“? ኢልና ምዕሮ – እንቃዓ ኣይንልፍልፍን። ንዓኣቶ ም ብሓለፋ ብምርኣይ ድማ ኣይነዳኽርን። እንተኾነስ “ኣበይ ኔርኩም ድኣ“……. ኢልና‘ውን ብልሳን ህግደፍ ኣይንውቅርን ። ካልእ ኣይኮነን፡ ኣቐዲሙ ኩነታት ስለዘይጠዓሞም ከይተገደሱ ጸኒሖም ይምሰሉ‘ምበር ዳሕራዩስ ንሳቶም ኢዮም ምስ ቲ ኣቐዲሞም ጓንየሞ ዝመሰሉ ወናኒ ንጹህ ሕልና ኮይኖም ነታ ህዝባዊት መንግስቲ ተመንዮም፡ ነቲ ህዝቢ ዝሰምዖ “ካብ ትም ምባልስ ምጅማር ይሓይሽ ኢልና ጀሚርናዮ“ ዝበሉ። ንሳቶም ኢዮም ንዕብየት ናይ ነንዝተመደቡሉ ኣሃዱ ንጹር ፕ ሮግራማት ዝሓንጸጹ። ንሳቶም ኢዮም‘ውን ንእዋኑስ ከምዝግደዩ እናፈለጡ ንሓዋሩ ግን ሓፋሽ ከምዝስዕቦምን ሃገርና ድ ማ ኣብዘተኣማምን ሰረት ሃገራውነት ከምትቐውምን እናተኣማመኑ ከም ደለይቲ ለውጢ መጠን ከኣ ግዳይ ማእሰርቲ ኮይ ኖም ክተርፉ ዝወሰኑ።

ነዚ ፍትሓዊ ተበግሶ‘ዚ ሽዑን ሎምን ‘መሳርሒ ወያነ‘ ብዝብል ግዕዙይ ቃላት ክሕደት‘ዃ ይጠመቕ‘ምበር ቅኑዕነቱስ ፍጹ ም ኣየሻሙን። ምስክርነት እንተኣድልዩ ከኣ ልክዕ ኣብዛ መዓልቲ ዝኽሪ ዓመታዊ ዓመጻዊት ፍጻመ፡ ግደፍዶ ብኣምሳል ፈ ጣሪ ዝተፈጥረ ወዲ -ሰብስ፡ ትሕተ-ከርሲ መሬት ሃገርና ከይተረፈ ከጉረምርም ከምዝተሰምዐ ኤሪ-ቲቪ ክትዓብጦ ኣይተ ኻእላን። እዚ ተርእዮ‘ ዚ ናይ ኣጋጣሚ ዶኾን ይኸውን ዋላስ ካልእ ትንግርቲ ይነብሮ ንዝምልከት ድማ ገና ወር ሓ-መስ ቀለ- መስከረም ትፈትሖ ስንክሳር ዘፍጥረት ክኸውን ንጽበ ኣለና።

መቸም ከምቲ ልሙድ ብኣጋጣሚ መስከረም ካብ ዝተገብረ ሓያለይ ቃለ-መሕትታት፡ ካብ ናይ ክቡር ፕረሲደንት ኢሳይ ያስ‘ውን ሓያለይ ነገራት ክትንተን ቀንዩ ኣሎ። ንሕ/ሰብ ኤርትራ ምሒር ከምዝፈልጦ ዝገልጽ መራሒ ንየማን ከምተበገሰ ኣምሲሉ ቅጽበት ንጸጋሙ ክዕጸፍ ከቢድ ምህሮ ዝወሰደሉ ዓቢ ሞያኡ ብምዃኑ ቀጻሊ ከደናግር ከምዝኽእል እንተመሰሎ ኣይኣበሰን። ንሱ ንኩሉ ማሕበራዊ ሽግራት ከም ጭራሽ መፍትሒ ዘይብሎም ገይሩ ከእምነና‘ዃ እንተዘይከኣለ ብውሑዱ ስ “ካልእ ዝግበር‘ካ የለን“ ብማለት ክንቅበሎ ዝሓለነ መራሒ ንዓና ኣዛንዩ ናብ መደባቱ ተደቕደቐ።

ማለተይዶ ከብራሃልኩም። ንበል ኣብ መራኸቢታት ብዘመን ኣምጽኦ ናይ ቫይበር / Viber / ተክኖሎጂ ክንራኸብ እንተ ተመባጺዕልና፡ ብግብሪ ግን ርክብ ዝፈጥሮ ሓድነትን ምስጢሩ እናለሓኰ ስለዘሰንብዶን ክስተር ክብል ንኩሉ ናይ ኢንተ ርኔት ርክባት ጠንጢኑ ናብ ናይ 19 ክፍለ-ዘመን ታይፒኑ ክድርገም ስለዘዋጽኦ ኣዒንቱ ኣይሓስን። ከምኡ‘ውን ብኣፉ ክቱ ር ጥዕና እናተመነየልና፡ ጥራይ ኣኻእሎን መኽሰብ ትረኸባ‘ምበር ዒራ ኣመሪካ ሽፋን ኣላ እንድያ፡ንህዝብና ብተላጋቢ መ ንደፍ ክእርብደና ድሕር ከምዘይብልን ወዘተን ከምዘሎ ዘይምህማል ማለተይ ኢዩ።

ከምቲ ዝብሎ ኣነ‘ውን ኣብ ዝርዝራት ኣይክኣቱን ኢየ።ተወሳኺ ንምጥቃሱ ዝኣክል ግን ንበል ብዛዕባ ናይ ከተማታት ዘሎ ሕጽረት ኣገልግሎታት ዝተዋህበ ተስፋ ቆረጽ መግለጺኡ ንሃገረ-ኤርትራ ቦኹሪ ክድዓት ኢዩ። እዚ ብዓቕሚ ሕጽረት ጸዓ ት ዝቐረበ ምስምስ ልቢ ናይቲ ብሃገራውነቱ ዝኾርዕ በዓል ማል ኮነ ጉልበት ናይ ምስላብ ጥበባቱ ስለዝፈሸለ ኪኖ ናይ መንነቱ መጋለጺ ምዃኑሓሊፉ ዝፈየዶ የብሉን። ወዮም ብልሓታት መቸም ንበዓል ጉልበት ባርነት ኣዊጁ ከይኣክል ክሳብ መሸጣ ናውቲ ኣካላት ዝዘለቐ ኣረሜንነት ተራእዩ። ስርሒት ሲና ከኣ ብዙሕ ርቀት ዝሓተተ ፍጻመ ብምዃኑ ንከንቱ ኣይ ነበረን። መቐጸልታ ናይቲ ናይ ውሽጢ ሃገር ክትራ፡ ናብን ኣብን ስደት ድማ ዝኾነ ሰቡ ዘናግፍ በዓል ገንዘብ ዶላር ከው ሕዝ ስለዝነበሮ ማለተይ ኢየ።ንበዓል ማል‘ውን ንጉሆ-ንጉሆ ዘዘቑጸልጸለ ጥበባት እናገበረ ጃሕጃሕታ ዶላር ብምጽባይ ብሙሉኡ ሃብቲ ሃገር ኣብ ታስኪኑ ክድርግማ ተጋዲሉ።

“ካርካር…..ር“ ኢዩ ዝብል ዓርከይ ከምዝታት እንተሰሚዑ ቅድሚ ቃል ምዝራቡ ንነገር ኣጸቢቑ ስለዘስተማቕራ። ርእሱ እ ናሓኸኸ ድማ፡ “ ኣንታ ነታ ኣብ ቲቪ መደረ ማይ ለውጢ ዝጠለበት መንእሰይ ኣደ ድማ ‘ዓጋመ‘ ኢሎማ“ ድሕሪ ምባሉ ከምታ ኣመሉ ክርትም በለ። ኣቐድም ኣቢሉ‘ውን፡ “በል ተዳሎ ጥራይ፡ ግደፍ እንዳኮርያን መሰልቱንስ እታ ናይ ዘመነ-ደ ርጊ ‘ሓዳር ብግዲ‘ዃ ነይንረኽባ! ዓዓድና‘ውን ተኸያዲ ከይመስለካ“ ክብል ከምሕልና ፕረሲደንት ዓለም ብብርሃና ኣጸል ሚትለይ ጸንሑ ኢዩ። ኣይትተዓደልዎ‘ምበር  ዕድሎተይ ኮይኑ ኣነስ ንክልቲኦም ኢየ ተዓዲለ።

ቀጺሉ ድማ ንዓይ ዝኾነ ኩሉ ተራእየኒ። ብቐንዱ እታ “መን ኢዮም“ ትብል መጥመሪት ባሕሪ ሓሳብ መራሒና ኣዝያ ዓጀ በትኒ። “መን ኢዮም“ ትብል ከምዛዋዛ ስም ወናኒኣ ስዉእ ተ/ይ ስነ-ጥበባዊ ኢሳይያስ ጸጋይ ብምጥቃስ ከላህየና ፈቲኑ።

“መን ኢዮም“?  ኢየ ዝብለኩም ዘለኹ። “መን ኢዮም ማይ ዝጸምኡ? መን ኢዮም ገዛ ዝደልዩ? መን ኢዮም ፍቓድ ዋኒን ዝሓተቱ? መን ኢዮም ጽርግያን መሳለጥያን ዝበሃጉ? መን ኢዮም ሕክምና ዝተመነዩ? መን ኢዮም ባዕሎም ናብራኦም ክ መርሑ ዝተለሙ? መን ኢዮም ሰላምን ብልጽግት ሃገር ክትህልዎም ዝውጥኑ“?…………….። ህግደፍ ብደዉስ መን ኢዮም?

ዕግርግር ዕዳጋ ዝመችኦም‘ሞ እንተ ብገርሆም እንተ እንድዒ ብቐሊሉ ኣብቲ ሸረኽ ብምድርጋም  ንሳቶም‘ውን “መን ኢዮ ም“ ካብዝብል ገርሂ መሰል ሓሳብ ይትረፍ ጎደሎ ፊስቶ ብቀንዱ‘ምበር  ምጥማም‘ውን ተጋሂዱ ኣሎ‘ንዶ! ኣቐድም ኣቢሉ ኣብመንጎ ኣካረይትን ተኻረይትን ገዛ ብሞንጎኝነት ደላሎ ምኽንያቱ ብዘይገሃድ ሰበብ ኪኖ ቁጠባዊ ረብሓ ዝዓለመ ኣው ራጃዊ ወገንነት ምስሕሓብ ተኸሲቱ ከምዘሎ ንማንም ኣይተሰወረን። መን ኢዮም?

መን ኢዮም? ዓርከይ ግደፍ ንሓዳር ብግዲስኒ ከምቲ ፕረሲደንትና ዝበሎ ናብ ዓዓድና ምኻድ‘ውን ኣይተኣማመነላን። ከ መይ‘ቢሉ‘ሞ ክተኣማመን ኣብኣስ እንታይዶ ሒዝናላ ኢና? ትማሊ ክንዝክር ግደፍ ዝስተ ማይስ ፍቐዶ ጎዳጉዲ ነዳዲ ክት ነትዕ ከምዘይተጸበና ሎሚ ርኹባት ስኡናት ኴንና ተሪፍና። ምስራሕ ኣባይቲ እንዳኮርያ ኮነ መሰሉ‘ውን ወዲ ዳፍላ ዝነሓ ፎ ኪኖ‘ቲ እንርእዮ ዓላማ ኢዩ ዝነበሮ። መን ኢዮም‘ቶም ኣብኡ ገዛ ዝዕደሉ?

ናይ ሎሚ ዓመት መስከረም ቃል ብዙሓት ኢያ ኣስሚዓትና። ኣባል ሰልፊ ህግደፍ ምንባሩ ከምዘሐጉሶ ከይሓብአ ዝተዛረ በ ገዲም ተጋዳላይ ሎሚ ድማ ኣብታ ‘ዝቃለሰላ‘ ዘሎ ሰልፊ ኮይኑ ኣብ መጻኢት ኤርትራ ሕብረ-ሰልፋዊ ስርዓት እንተ ተ ተኺሉ ህግደፍ ከምሓደ ሰልፊ ክሳተፍ ከምዘይቃወም ከምዝገለጸ ኮይኑ ተሰሚዕኒ። ብሓፈሻኡ ኣባል ህግደፍ ምንባሩ እ ንተኣሐጎሶስ‘ዃ ሓቁ፡ ኩሉ ኣባል ህግደፍ ገበነኛ ከምዝኾነ ድማ ተጠቒሱ ኣይፈልጥን። ግናስ ከምቲ ሓንቲ እንዳ ብኣቦ ት ጽዋዕ ፡ ህግደፍ ከኣ በቲ ከምድላዩ ዘሽከርክራ ሰብ ስለትውነን ከምቲ ደርጊ፡ ናዚ.. ዝዓይነቱ ኣጠቓቕማ ክንጥቀም ግድን ኢዩ። ብፍሉይነት ንምዝራብ ካብ ኣድለየ ንርእሱ ከምገበነኛ ዝጥቀስ መራሒ እንታይ ካልእ ኣማራጺኸ ኣልይዎን ንመን ከደናግርን ኢሉ ኢዩ ክንድኡ ሸንኮለል? ዶስ ካብሕጁ ከምቲ ንኣባላት ናዝን ደርግን ዝወረዶም ዘዘኪሩዶ ተሰራጥዩ“? ዝ ብሉ ከምዘለዉ መጠን ጽባሕ ጨጭብጥኻ ሒዝካ ኣብዝውዕል መጋባእያ የውዕለና ጥራይ!

ብተመሳሳሊ፡ኢሳይያስ እዚ ኩሉ ሰብ እናፈተዎ ንስልጣንኑ ዝተጻብኦ ዘይብሉ ክንሱ፡ /ክሳብ ምርጫ እንተዝግበር 100% ንሱ ከምዝዕወት ጠቒሱ/ ንምንታይ በይኑ ክሳብ መሓውር ዜጋታቱ ክሸይጥ ከምዝመኸረ…. ብማለት ዝተሸገረት ሕቶ ድ ማ ነይራ። “ብሓቂ ዶኾን ንምንታይ ከምኡ ይግበር ከምዘሎ ተሰዊርዎ ይኸውን“? ኢልኩም ኣይትሸገሩ። ክሳብ ካብታ ዝ ገብራ ዘሎ ንላዕሊ፡/ብሓቂ ይገብር እንተኣልዩ / ሓንቲ ከምዘይገብር ምግላጹ ድማ ብመንጽር ዝጸንሐ ባዶ ጃህራን ትጽቢ ት ግዱዓትን ቅባጸትነቱ ኣገዳሲ ኢዩ እብል ብወገነይ። በዓል መን ኢዮም!!

“ገመል ሰሪቕካዶ ጉምቡሕ-ጉምቡሕ“ ከምዝበሃል ሎሚ-ሎሚስ እቶም ዝቐርቡ ናይ መሕብኢ ኣጫርቕ‘ውን ነቲ ጋህዲ ክ ሕደት ክጋርዱ ኣይብቑዓትን። መልሲ ናይቲ ኩሉ መንኢዮማት መቸም ህግደፍ ንዘይኮኑ ዝዓለመ ከምዝኾነ ተረዲእኩሞ ትኾኑ። ብሕትውና ሓደ ሰልፊ ንርእሱ መርኣያ ብምዃኑ ተቛደስቲ ጸጋታት ሃገር ኣባላት ንጽል ሰልፊ ኢዮም‘ሞ ካብኡ ን ላዕሊ መንግስታዊ ትሕተ-ሃገራውነት እንታይ ኣልዩ! ሕጂ ዝመጽእ ዘሎ ሓድሽ ብወዛ እምበኣር ሓድሽ ኣይኮነን። ከምቲ ኩሎም ዝገለጽዎ ምንዋሕ ዕምሪ ክሓስብ ክኽላእ ኣይከኣልን። ጥራይ ‘ሃገራዊኸ እንታይ ክሓስብ ይግባእ‘? ንበል።

ሎሚ ጥልዕ-ምልዕ የለን። ሎሚ “እንታይ ንግበር“ ኢልካ ምምንታው የለን። ዜጋታት ወይ መን ምዃንና ኣሚንና ንሃገርና ሰብ ንኹና ወይ በቲ ናጻነት ኣርእዩ ዝኾለፈና ክቖጻጸ ጸኒሕ ሎሚ ዝተጋህደ ንጹር እኪት መንግስታዊ ትሕተ-ሃገራውነት ተሳዒርና ንደቅስ። ኣኸለ ባቃ!!

መስከረም ደጊምኪ ሓፋሻዊ ቅያታትኪ ንስዕና!                                                                                   ዘልኣለማዊ ዝኽሪ ንስዉኣትና!                                                                                                     ጎደፋ፡

aseye.asena@gmail.com

Review overview
5 COMMENTS
  • yonas27g September 28, 2013

    ጎደፋ
    “ነዚ ፍትሓዊ ተበግሶ’ዚ ሽዑን ሎምን መሳርሒ ወያነ ብዝብል ግዑዙይ ቓላት ክሕደት’ካ ይጠቀም’በር ቅኑዕነቱስ ፍጹም ኣየሻሙን፡ምስክርነት እንተኣድልዩ ከአ ልክዕ ኣብዛ መዓልቲ ዝኽሪ ዓመታዊ ዓመጻዊት ፍጻመ ግደፍዶ ብአምሳል ፈጣሪ ዝተፈጥረ ወዲ ሰብስ ትሕተ ከርሲ መሬት ሃገርና ከይተረፈ ከጉረምርም ከምዝተሰሞዕ ኤሪ-ቲቪ ክትዓብጦ ኣይተኻእላን” ጎደፋ ሓንቲ ዝተዓደለትኒ 6ቲ ህዋስ ኣላትኒ በቲ ላዕለዋይ ኣቦ ጽሑፍካ ኩሉ ግዚየ እንታይ ክትብል ከምዝደለካ እርደኣኒ እዩ።ትንዋሕ ትሕጸር እታ መዓልቲ ክረክባ ኢዩ እዚ ዲያብሎስ ብደቂ ኤረትራ ተላጊጽካ ድቃስ የሎን።መሬት ኤረትራ ዝተባረኸ መሬትዩ።

  • COW FACE September 28, 2013

    ” A WIFE THAT LEAVES A LOVING HUSBAND TO BE A PIMP´S CRACK WHORE SHOULD NOT BLAME HER KIND EX-HUSBAND (ETHIOPIA) NOR SHOULD SHE BLAME HER PIMP (PRESIDENT ISAIAS´S RAPES),SHE DECIDED TO BE A CRACK WHORE,SHE SHOULD TAKE RESPONSIBILITY ,….BUT THEN A WHORE LIKES AN ABUSIVE PIMP THAT GIVES HER A BLACK EYE (Isaias)THAN THE HUSBAND THAT GIVES HER EVERYTHING (Ethiopia.)

    I have a poem for the millions of Crack whores ,not to blame anybody but themselves.

    ሙታንታ ወድየዮ _______ ስረ መሲሉኒ
    ነቲኳ ፣ባድመ ከይበጻሕኩ ___ ኣፍቲሖምኒ
    ጻሕጺሔሉስ _____ ህዝቢ ዓለም ስሒቑኒ
    ኣካኪ ዘራፍ ከምደየልኩ _ ዓቕሚ ከም ዘለኒ
    ዝኣረገ ሳእኒ እንተደርበየለይ ____ ግራስያኒ
    ተረፍ ስቃጥላ ___ እንተሰንደወለይ ሙሶሊኒ
    መንነተይ ሰንድየዮ _ ትግራውነተይ ኣኽሒዱኒ
    ደቂ በረኻ ____ ህዝበ ትግርኛ ኣጠሚቖምኒ
    ሓሙሽተ ኦሮሞ ቀቲለስ__ጅግና ይኣዪ ኢሎምኒ
    ሓሳዊ ታሪኽን፣ኣርቲፊሻል መዓንጣን እንተዕጠቑኒ
    በረኻ ወጻእኩ ________ ምንም ከይጎደለኒ ።

    ጣፍን ቡንን ነጺገ __ ዓጸባ ዓደስ ምስ ንቑጽ ባኒ
    ንዒቐዮም _ ሓወይ ወንድሜ ኢሎም ንዝሓቖፉኒ
    ንበደዊን ይጉምባሕ ኣለኹ _ሓሲመ ኣባላሽዮምኒ
    ምፍሳው እምበር ______ ምጥራጥሲ ኣብዩኒ
    መሳኪን መንእሰያት እምበር ንኣይሲ ሕራይ ገበሩኒ
    ንሓምሳ ዓመትት ____ *** ኣዕራብ ዘሄንጠየኒ
    ጠላዕ ሰብኣይ __ ምስ ናውቲ ኣቕሓይ ኣደቢሮምኒ
    ሓሞት ስኢነ _______ ድሙ ድሙ ግዲ ጎዲሉኒ
    ንዑቕ ዘይሓንኽ ኣመንዝራ ምዃነይ ኩሉ ፈሊጡኒ ።

    ኣበይ ኣለዉ ________ እንዳ ጃህራ ድራሮም ፧
    ሰለስተ ሞጎጎ ኣርሲኖ _____ ጾሞም ምሕዳሮም
    ተዓዊትና ዝብሉ _____ እንዳ ኣተዉ ተጸይሮም
    ኣብ በረኻ ዘጽነትዎ ____ ህዝብና ከይኣኽሎም
    ባድመ ሰዲዶም ___ቆለውዕ እንዳሰብ ኣሕሪሮም
    ፍርቂ ህዝብና _______ ትሕቲ መሬት ኣሲሮም
    ሎሚ ኣይኮኑን እኮ _ኣብ ሰብዓታት ዮመ ጀሚሮም
    ሕራይ ገበሩና ____ ሳልሕ ከለዉ ዝተቛጻጸናሎም
    ደም እዮም ዝቕለቡ _ካብ ዝፍጠሩ ከም ኣመሎም ።

    ጸሊኤዮም ወያነ ____ ኣይኮኑኒን መኸርቲ ዘመድ
    ክሕነቕየ እንተልክዎምሲ ____ኣቐቢሎምኒ ገመድ
    ሬፈረንደም ብዝኣበሶ ____ ቀለበይ እምኒ ሓመድ
    መሰልካ ኢሎም ፈሪሞምለይ፣ብገዛእ ሴፈይ ክጉመድ
    ንዓይ ኣባሪሮም፣ሃገሮምብምዕባለ ትውንጨፍ ኣብ ዓዓመት !!!

    ብዋናነት ንበረላ ________ ንዘሉኒ ኢትዮጵያዊት ሃገር
    ተሓሲመያ፣ብማዕጾ ወጺኤስ፣ብፊኒስትራ ይኣትዋ ከም ፈገር
    ስደተኛነት መሪጸ ___________ ኣብ ሽመልባ ክሕጸር
    ውርደተኛ ባንዳ እየ፣ሓንጎልይ ብፋሺሽትን ኣዕራብን ዝምሓደር
    ንሶም ይማዕብሉ፣ኣነስ ብሽምዓ ከብርህ ክሳዕ ብጠጠወይ ዝቕበር።

    ወራዳ ኣለ ጎንደሬ፣እንዴት ወራዳ ህዝቦች ነን።
    ይቕሬታ እቲ ብኢድ ጃንሆይ ቅርሺ ዝተቐበልኩሙሉ ቋንቋ ኣምሕርኛ ከም ዝረሳዕኩሞ ስሒተዮ።ይቕሬታ ኣነ ግን ናይ ደምቢያ ( ናይ ኣቦታት ድምበዛን ቋንቋ )ስለ ዝኾነስ ዋላ ኣይረሳዕኩዎን ´ነስ ሓሻኩም ።

  • COW FACE September 28, 2013

    “IF ETHIOPIA DOES NOT SHARE IT´s SUPER SONIC SPEED development specially in uping the Megawatts to unbelievable level ,it leaves us ,Eritreans no option but to re-invade it .(Off course we will have to use candles to find our trenches )

    Why did I say this ?

    I am Quoting Bloomberg News …

    1)Quote…”Reykjavik Geothermal, the Icelandic company that’s helped build power plants in more than 30 countries, agreed to develop as much as 1,000 megawatts of projects in Ethiopia over the next 10 years…..” END OF 1st QUOTE.

    2) Quote…“My vision is that over 30 years we will harness the 80,000 megawatts of renewables that we have,” including hydroelectric, wind and solar, Ethiopia’s Prime Minister Hailemariam Desalegn said today. “Aid is not a solution. Trade and investment is a solution. Trade and investment have a lasting impact.”..END OF 2nd Quote ”

    Fellow Eritreans ,

    While I am happy the border towns of Eritrea will not have to use candles anymore,,,as power will reach them due to their location..however Eritrea as a whole will have to buy it or invade it.
    I MEAN ;I AM HAPPY FOR ETHIOPIANS ,BUT THIS GOES TOO FAR ,THIS IS POKING US IN THE EYES.

    ከም ቀደም ይመስለክን ራሻይዳ ይወስደክን ትብል ኣሞይ ባህጉ፣ንዕቀቶም በዚሑ፣ንዓና ከህርሩ ኢሎም ዝገብርዎ ዘለዉ ፈተነ ከንቱ ኢዩ።ንሕና እውን ጽባሕ ንግሆ ሰሜን ኮረያ ወይ ሲንጋፖር ኣትዮም ዓዲ ሉቺ ብሉቺ ክገብርዋ እዮም።ወረ እቲ ካላሽናትና ከብርህ ይኽእል እንድዩ። ጠንጥነዎ ኢትዮጵያ !!! ይጠንጠን
    ንካባበር ኢትዮጵያ !!! ኤ_እእእ

  • habtu September 28, 2013

    Slezi tetseskum malet eyu natsinet bimrkaba eritrea.fugurat agame gena endatekeretskum kebdkum kitimetu ekum nihna eritrean dima kemey gerina kemnketlekum nifelts ena.

    • COW FACE September 29, 2013

      HABTU ,

      ሃብቱየ ፣ሓቅኻ___እዞም ¨ወያላት¨ ዓጋመ___(በቲ ባዕሎም ዝፈረሙልና ነጻነት ቀኒኦም። ነቲ ትሕቲ መሬት ንእሰሮ ዘለና _ነቲ ደቂ ኣንስትዮና ኣብ ድፋዕ ፡_በረኸኛታት ነበርን__ተራ ግዱዳትን ዝዕመጽኦ ዘለዋ፣ነቲ በደዊን ንሰብኡት ኣጎምቢሖም ከምዘይንጠርጥ ዘባላሽዉና ዘለዉ ቀኒኦምልና ወደይ ።ንሶም ብጽጋብን ዩኒቨርሲታትን ኢንዱስትርታትን ምዕባለ ዝሳቐይዎ ዘለዉ መርገም ጸሊኦሞ ። !!!!

      Nice joke god ,really funny ,you had to make me Eritrean ,Is this some kind of sitcom you enjoy ???
      Unfortunatelly ,atleast there are 4 Million Habtus.
      god ,why could you not have created some breathing vacuum ?
      THIS ARE THE PEOPLE YOU GAVE ME, 4.000.000 HABTUS & 1,000,000 useless half retarded cows.

      thanks god ,really ,thank you very much .

POST A COMMENT