Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

መን ከም ሃይለ ድሩዕ! ኣቦ ቃልሲ!

ካብ ምጉሓቱ ብዓል መትከል ናይ ህዝብኻ ሓበን ናይ ብጾካ ዓንዲ ማእከል ታሪካ ስለ ዝጸሓፍካ ብደምካ ኣብ ልብና ይጥጥዕ ኣሎ ታሪካ ኣንታ ሃይለ ድሩዕ! ኣቦ ቃልሲ ዘይውዳእ ስንቂ’ዩ ታሪካ ንስጋ ንነብሲ ኣርኪብካዮም ዶ! ነቶም ብደሞም ታሪኾን ዝጸሓፉ ከማኻ ንበዓል ዑቕበ፡ ሸሪፎ፡ በራኺ፡ ጀርማኖ

ካብ ምጉሓቱ ብዓል መትከል

ናይ ህዝብኻ ሓበን ናይ ብጾካ ዓንዲ ማእከል

ታሪካ ስለ ዝጸሓፍካ ብደምካ

ኣብ ልብና ይጥጥዕ ኣሎ ታሪካ

ኣንታ ሃይለ ድሩዕ! ኣቦ ቃልሲ

ዘይውዳእ ስንቂ’ዩ ታሪካ ንስጋ ንነብሲ

ኣርኪብካዮም ዶ! ነቶም ብደሞም ታሪኾን ዝጸሓፉ ከማኻ

ንበዓል ዑቕበ፡ ሸሪፎ፡ በራኺ፡ ጀርማኖ ናቲ …

ንብዓል ጆስዋ፡ ስዩም ጽሓየ … ንሓቂ ተማጎቲ

ሓቂ ክነግሩ ዝተጨውዩ ጋዜጠኛታት ጽሓፍቲ

ንሓሶት ቀቢሮም ንሓቂ ዝኹልዑ ተንተንቲ

ብድሕሬኹም ንዓና’ዩ ከፊኡና

ሰብ መትከል መራሕትና ንበላዒ ሂብና

ከም ናይ ክሳዳ ዝተቖርጸት ደርሆ መሬት የጠልቂ’ሎ ደምና

ትም ሕትም ኢልና

በላዒና ንዕድም ዘለና

እጃምና ምፍጻም ስኢና

‘ኣለና!’ ከኣ ንብል እናመትና

ምናልባት ብዓል ሃይለ ድሩዕ ዶኾን ይምለሱና

ከም ቀደሞ ክመርሑና

ዝተረፈ ታሪኽ ቃልሲ ህዝቢ ከነግሩና

እናበልና ንጽበ ኔርና

ሕጂ ግን ኦሮማይ ቀቢጽና

ሃይለ’ውን ከም ብጾቱ ሓሊፉ! ስለ ዝበሉና

ኣንታ ጅግና ሃይለ ድሩዕ! ንፈልጥ ኢና ንፈልጠካ

ንሃገር ናጽነት ከም ዝወፈኻ ህይወትካ

ስቓይ ማእሰርቲ’ውን ሓዲሽ ኣይኮነን ንኣኻ

ናይ ቀዳማይ ጸላኢ እንታይከ ዘይገብር ኢልካ

ተቐቢልካ ንመስዋኣቲ ድሉው ኔርካ

ስድራ’ውን ይሻቐሉ’ኳ እንተነብሩ ብኣኻ

ስንቒ የቐብሉ ኔሮም ይስምዑ ድሃይካ

ብትኣምር ክትድሕን ይጽልዩ ኔሮም

ንምዑታት ተጋደልትን ሻምበል ተኽለሃይማኖትን ጸዊዑ ጸሎትም

ካብ ኣፍ ሞት ድሒንካ ተጸምቢርካ ምስኦም

ብሓዲሽ መንፈስ ተላዒልካ ሓድሽ ህይወት ለቢስካ

ንናጽነት ሃገር ቃልስኻ ቀጺልካ

ንህዝቢ ትቃለስ ውፉይ ወዲ ህዝቢ ስለ ዝኾንካ

ምስ ፕረዚደንት ካርተር ኣብ ኣትላንታ ከንያ ሞጒትካ

ምስ ብጾትካ ቅያ ዓወት ናጽነት ተጎናጺፍካ

ዓዲ ኣቲኻ ምስ ህዝብኻ ተሓጒስካ

ማሕላና ስምምዕና ነኽብር!

ስልጣን ንህዝቢ ነረክብ! ቅዋም ይተግበር!

ኢልካ ንህዝብን ብጾትካን ኣፍሊጥካ

ህዝቢ ውራዩ ክከታል ተማሕጺንካ

ብጋዜጣ ምስ ዘርጊሕካ

ፈሊጥና! ብዓይኒ ከዳዕ፡ ጠላም! ኢሳያስ ከም ዝተወጋኣካ

ንስኻ ግን ሎሚ ፈሪሕና ካብ ዕላማና ንሃድመሉ ግዜ ኣይኮነን ኢልካ

ናይቶም ኣብ ሓደጋ ከይትወድቁ! ዝበሉኻ ምኽሪ ነጺግካ

ዝመጸ ይምጻእ ኢልካ

ኣብ መትከልካ ጸኒዕካ ቃልሲ ስለ ዝቐጸልካ

ብዘመስረትካዮ መንግስቲ ተጎቢጥካ

ንካልኣይ ግዜ ሃገር ናጻ ኮይና! ብርሃን ርኢና እናተባህለ ጸላም ውሒጡኳ

ድሃይካ’ኳ ኣብ ዘይስመዓሉ ሓመዱ እምኑ ዝረሰነ ሃሩር ቦታ ተጠቢስካ

ኣይረድ! ዘብል’ዩ ዝወረደ መዓት ናባኻ

ናብ ብጾትካ

ኢሳያስ ከም ቡዳ ተቐዳዲሙ ብፈታዊኡ’ዩ ምብላዕ ዝጅምር

‘ሰውን ማመን ቀብሮ ነው!’ ዝብል’ዩ እምነቱ ካብ ዝፍጠር

ግን እንድዒ እንታይ ከም ዝዓንዘዘኩም

ንዘይእመን ኣሚንኩም ዕጥቅኹም ምፍታሕኩም

ሕጂ’ውን ይበዝሕ’ዩ ዘሎ ተጨውዩ ዝስዕብ ናባኹም

ካብ መዓት ዘውጽኡ ጀጋኑ ስለ ዝሰኣነት ሃገርኩም

ኣንታ ሃይለ! ኣቦ ቃልሲ

ጣልማይዶ በሊዑካ ብዓል ክልተ መልሓስ ከይሲ

ነታ፡ ‘ዝኣመንኩዋ ድሙ ተምጽኣለይ ተመንየ!

ትብል ዛንታ መሲላዶ ተሰሚዓትካ

ኢሳያስኮ! ሓደ ልቢ ጥራይ ኣይኮነን ዘለዎ ከማኹም

ክልተ ኢዩ ዘለዎ

ሓደ ዝሕልዎ

ሓደ መልኣከ ሞት ኮይኑ ዘንጸላሉ ንኣኹም ንህዝብኹም

እንድዒ ህዝብና ንኢሳያስ እንታይ መሲሉ ከም ዝረኣዮ!

ከም ዝህደን ኣራዊት! ከም መጋበሪ ሰራዊት! ከም ዋህዮ!

ግን ከምዛ ንህዝቢ ኣብ ሳንጥኡ ዝጠቕለለ

‘ሓደ ልቢ ሓደ ህዝቢ!’ እናበለ

ክሳብ መዓልቱ ይጻወት’ዩ ዘሎ ታሓምበለ

በሉ እዝጊዮ ንበል በብእምነትና

መቕዘፍቲ ዝቕንጥጡ ጀጋኑ እንተተወልዱና

ሃይለ ድሩዕ! እንቋዕ ኣይትርኢ ኣይትሰምዕ

ዝወርደና ዘሎ መዓት

ብበዓል በሊዕና ንምት

ንጥፋኣት ዝተዓጥቁ ጉዳማት

ዝረስዑ ተዓንቂፍካ ከም ዘሎ ሞት

የርክሱዋ’ለዉ ነዛ ብርኽቲ ዝነበረት መሬት

ዓጽሚ ዘይብሉ መልሓሶም ዓጽሚ ይሰብር

ካብ ህልዋት ሓሊፉ ንስውኣት የባህርር

ግን ሕጂ’ውን መን ኔሩ? መን ኣሎ? ከማኻ ኣንታ ጅግና ሃይለ!

ኣብ ኣልጀርስ ምስ መራሕቲ መንግስታትን ወኪሎምን ዝወዓለ

ምስ ፕረዚደንት ቡተፍሊካ ሚኒስተር ያህያ ዝሞጎተ ዝዘተ

ምስ ኣርካናት ተማጒቱ ረቂቕ ውዕል ኣልጀርስ ዘቕረበ

ንፕረዚደንት ኢሳይስ፡ ኣልጀርስ መጺእካ!

ናይ ኣልጀርስ ናይ ሰላም ውዕል እንተዘይፈሪምካ!

ክሓተካ ኢዩ ህዝቢ ኤርትራ! ዝበለ

ኢሳያስ ዒረ እናጠዓሞ ውዕል ኣልጀርስ ከም ዝፍረም ዝገበረ

ህዝብ ኤርትራ ሞሳ ፕረዚደንት ቡቲፍሊካ ከይርስዕ ሓደራ ዝበለ

ብህይወቱ ኣሎ ኣንቶኒ ሌክ! ናይ ፕረዚደንት ክሊንተን ወኪል ዝነበረ

ምስ ሃይለ ኩናት ደው ክብል ዝደኸመ ዝጸዓረ

‘መን ኔሩ? መን ኣሎ? ከም ሃይለ!’ ዝበለ

ጥቕሚ ህዝቡ ሃገሩ ቅድሚ ኹሉ ዝፈለጠ ዘኽበረ

ሃይለ ጥራይ ኢዩ ድሕነት ህዝቡን ሃገሩን ውሑስ ዝገበረ

ኢሉ ዝመስከረ

ኣንቶኒ ሌክ! ሃይለ ድሩዕ! ብ ‘መንግስተይ ዝብሎ!

ሓቢሩ ዝመስረቶ!

ሃገር ከዲዑ፡ ተጨውዩ! ምስ ሰምዐ

ልቡ ምስ ተሰብረ

ብጓሂ ምስ ሓረረ

መን ኔሩ! መን ኣሎ! ከም ሃይለ

ፍልልይ ብሕጊ ክፍታሕ  ዝጸዓረ

ብማለት ዝመስከረ

ግን ክሕደት! ጥልመት! እስራት!

ኮይኑ ናይ ሃይለ ሽልማት

እዞም ጀጋኑ ከኣ! ‘ብእምነት ንሰርሕ ኔርና! ምባሎም

ዘይእመን ኣሚኖም ከም ዝጠፍኡ’ዩ ዘስምዕ ቃሎም

ከመይ ጌርምከ ክፈልጥዎ ንኢሳያስ! ልቡ ጠዋይ

ብቐትሪ ነጸላ ጫማ ወድዩ ዝርአ ክመስል ምስኪናይ

ብለይቲ ዘግፍሕ ንጀጋኑ ዝውሕጥ ቀላይ

እንታይ ኮን ክወልድ’ዩ እዚ ኩሉ መዓት ጥፍኣት!

ይፍጠረልና! ድኣ በሉ መዓት ዝቕንጥጥ ብልሓት!

 

ምልኪ ይፍረስ፡ ሕጊ ይንገስ፡ ህዝብና ንናብ ገዝኡ ክምለስ

ምስሉ ተኪኤ መጋቢት 01/2018

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
1 COMMENT
  • Foto April 16, 2018

    ሀይለ ወልደትንሳኤ “ድሩእ”…

    እዚዶ ምተገብኦ ንሃይለ…አታ አብ ምንታይ ጊዜ ኢና በጲሕና….አገብ ዝብል የለ…ልእሊ 16 አመት አብ ካርሸሊ ብዘይ ይግባይ…እሞ ከአ አይኒ ስኢንካ።እዚዩ ዝግባእ ነዞም ጀጋኑና።ድሓን ዲክቴተርን መሻርክቱን ጊዜኩም ቀሪቡዩ።አብ ትከዱዎ የብልኩምን።

  • Nahom Awalom July 17, 2018

    Stop talking about the past. Past is history and good only to learn out of it. It is better to think about the current political movement and build a better future. You don’t learn anything from crying about past injustices.

POST A COMMENT