Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

መአረምታ ኣብ መልሲታት መሪሕነት ባይቶ

aseye.assenna@googlemail.com ናብ ኣቶ ኣማኑአል ኢያሱ፡ ንጉዳይ ናይ ኣቦ መንበር ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ዶክተር ዩሱፍ ብርሃኑ፡ ብመሪሕነት ባይቶ ካብ ሓላፍነቱ ምውራዱ ዝተዋህበ ውሳነ ኣመልኪትካ፡ ምስ ኣቦ መንበር ባይቶ ኣቶ ጸጋይ ዮውሃንስን፡ ምክትል ኣደ መንበር ወ/ሮ ፍረወይኒ ሃብተማሪያምን ኣብ

aseye.assenna@googlemail.com

ናብ ኣቶ ኣማኑአል ኢያሱ፡

ንጉዳይ ናይ ኣቦ መንበር ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ዶክተር ዩሱፍ ብርሃኑ፡ ብመሪሕነት ባይቶ ካብ ሓላፍነቱ ምውራዱ ዝተዋህበ ውሳነ ኣመልኪትካ ምስ ኣቦ መንበር ባይቶ ኣቶ ጸጋይ ዮውሃንስን፡ ምክትል ኣደ መንበር ወ/ሮ ፍረወይኒ ሃብተማሪያምን ኣብ ዝገበርካዮ ቃለ መሕትት፡ ካብቲ ዝሃብዎ መልስታት ብዙሕ ካብ ሓቂ ዝረሓቐ ነጥብታት ዋላ እኳ እንተለወ ብቐንዱ ግን ኣብዞም ዝስዕቡ መሰረታውያን ንህዝቢ ክበርሁ ኣለዎም ዝበልኩዎም ነጥብታት ኣትኩሮት ጌረ ገለ መአረምታ ክገብር ፍቐደለይ።

እቲ መስርሕ ዝነበረ፡ እቲ ውሳነ መሪሕነት ባይቶ ብቐጥታ ብኣቶ ጸጋይ ዮውሃንስ ተዋሂቡ ክልቲኦም ኣባላት መሪሕነት ባይቶ ማለት ፍረወይኒ ሃብተማርያምን ኣብርሃም ነጋሲን ኸኣ ደጊፎም ተዛሪቦም። ብድሕርዚ ዕድል ንዶክተር ዩሱፍ ምስተዋህበ እዩ፡ ቅድሚኡ ተወሳኺ ርእይቶ እንተሎ ተባሂሉ ተሓቲቱ እምበር፡ “13 ካብ 15 ደጊፎም 2 ድማ ቅሬትኦም ኣቕሪቦም ዝበሃል” ካብ ሓቂ ዝረሓቐ እዩ። ድሕሪ እቲ ውሳነ ኣብ ዝነበረ መድረኽ ርእይቶታት፡ እቶም ኣብ ልዕሊ ዶ/ር ዩሱፍ ነቐፌታዊ ርእይቶ ዝሃቡ ብቑጽሮም ሓሙሽተ ኾይኖም፡ ዑመር ኢብራሂም፣ በሺር ይስሓቕ፣ መሓመድ ጠሃር ሸንገብ [ኣቡሻክር]፣ ኢድሪስ ዓሊ ስዒድ [ኣቡልሃማም]፣ ከምኡ’ውን ዓሊ ኣርዳይቶ እዮም። ነቲ ዝኸይድ ዝነበረ መስርሕ ብመሰረቱ ከምዘይተቐበልዎ ዝገለጹ ኸኣ፡ ብቑጽሮም ሓሙሽተ ኮይኖም፡ ዶ/ር ዩሱፍ ብርሃኑ፣ ዮውሃንስ ኣስመላሽ፣ ስዒድ እስማዒል፣ ትዕግስቲ ብርሃነን፣ ሰመረ ገብረእዚኣብሄርን እዮም። ኣብቲ መድረኽ ርእይቶኦም ዘይሃቡ ዓብዱ ኣሕመድ፣ ብሩኽ ተኽለ፣ ዑስማን መሓመድ ኪናን፣ ጃምቦ ወልዳይን እዮም።

ስለዚ “ብውሳነ ናይ መሪሕነት ባይቶን ብደገፍ ናይቶም ኣብኡ ተሳቲፎም ዝነበሩ ኣባላት ፈጻሚ ቤት ጽሕፈትን ካብ ሓላፍነቱ ኣውሪድናዮ” ዝበሉዎ’ውን ካብ ሓቂ ዝረሓቐ እዩ። ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ብመሰረቱ ኣብቲ ምስ መሪሕነት ናይ ባይቶ ዝግበሮ ኣኼብኡ፡ ንጉዳይ ናይ ዶ/ር ዩሱፍ ንምርኣይ ይኹን ካልእ ናይ ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ምቅይያር ኣብ ኣጀንዳ ዘይነበረ ምዃኑን፡ ኣብዚ ውሳነ ኸኣ ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ኢድ ዘይነበሮ ምንባሩን ብንጹር ኽቕመጥ ይግባእ። ኣቶ ጸጋይ ዮውሃንስ ነዚ ውሳነ ክወስድ ከሎ ዝተዛረቦ ቓል “ነዚ ተባዕ ስጉምቲ ክንወስድ ጠለብ ናይ ህዝቢ እዩ ኔሩ። ክነተግብሮ ኸኣ ቃል ኣቲና ኢና። ነዚ ኸኣ ክነተግብር ኢና፡ ኣብ ቅድሚ ባይቶ ኸኣ ብሓላፍነት ንሕተተሉ፤ ክሳድና ንህበሉ” ኢሉ። በዚ ምኽንያት እቲ ውሳነ ናይ መሪሕነት ባይቶ እዩ ኔሩ፡ መሪሕነት ባይቶ ኸኣ ይሕተቱሉ። መሪሕነት ባይቶ ድሕሪ እቲ ውሳነ ብዙሕ ዘይተጸበይዎ ተቓውሞ ካብ ዝተፈላለዩ ሸነኻት ናይ ባይቶ ምስ ኣጋጠሞምም፡ ንፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ኣብቲ ውሳነ ኣእቲዮም፡ ዝያዳ ሕጋውነት ከም ዘለዎ ከምስልዎ ምፍታኖም፡ ኣብቲ ናቶም ጽፍሒ ሓላፍነት ንዘሎ ሰብ ብታሪኽ ዘሕትት ዓቢ ገበን እዩ።

ሓቅነት ናይዚ መአረምታ ንምርግጋጽ ንኣባላት ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ብቐጥታ ተወኪስካ ሓበሬታ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ። ነዚ ጉዳይ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ብጉቡእ ክበርህ እትገብሮ ዘለኻ ጻዕሪ እንዳመስገንኩ ኣብዚ እሰናበተካ።

ሓደ ካብ ኣባላት ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ኤ.ሃ.ባ.ዲ.ለ.።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
20 COMMENTS
  • Truly Truly I say to you August 13, 2013

    ብፍላይ ነዚኣ ቃል ኣስተውኡሉላ። “ምድሪ ብዘላ ብሓደ ቓንቋን ብሓደ ንግግርን ነበረት። ኮነ ድማ ኣንሆ ኹላቶም ሓደ ዝዛረብኦም ሓደ ህዝቢ እዮም። መጀምርታ ግብሮም ከኣ እዚ እዩ። ሒጂ ድማ ኪገብርዎ ኢሎም ዝህቅንዎ ዘበለ ዚኽልክሎም የልቦን። እምበኣር ማንም ንዘረባ ብጻዩ ምእንቲ ኸይሰምዕሲ ፡ ንዑ ንውረድ፡ ኣብኡ ኸኣ ዘረባኦም ንደባልቕ፡ በለ። ”
    ቀደምሲ አንግሊዝ´ዶ ጥልያን´ዶ ንካይንስማማእ ስለዝዘርጉና እዩ ተባሃለ። ሕጂ´ኸ መን ስለዝዘርገና እዩ?

  • Semret August 14, 2013

    ሓጺር መልሲ ንኣቶ/ወይ ወ/ሮ፡- ነታባይ፡ ሰላም። ከም ስምረት ኣብ ዝሃብኩዎ ርእይቶ፡ እቲ ዝፈልጦ እዩ። ዶ/ር ዮሱፍ መን እዩ? ነቲ ተዋሂኡዎ ዘሎ ቦታ ይበቕዖ ዶ ኣይበቕዖን ዝብል ክትዕ ኣይኮነን መዛረቢየይ፡፡ እቲ ዘዛርብ ዘሎ፡ ኣብ ልዕሊ ዶ/ር ዮሱፍ ዝተወሰደ ካብ ሓላፍነቱ ናይ ምውራድ ውሳነ፡ 1. ሕጋዊ ድዩ? 2. ዲሞክራስያዊ ድዩ? 3. ፍትሕውን ሰብኣውን ድዩ? እዩ እቲ ዘዛርብ ዘሎ። ብፍላይ ንዓና ንኤርትራውያን ብቕዋም ናይ ምምሕዳር ኣድላይነት፡ ካብ’ቲ ዕድመና ሙሉእ ንፋሽስታዊ ስርዓት ኢሳይያስ ንምውጋድ ዘቃልሰና ዘሎ ክቡር ዕላማ እዩ። ብሓደ ወገን ንምትካል ቅዋማዊ ዲሞክራስያዊ ስርዓት እቃለስ ኣሎኹ እናበልካ፡ በቲ ካልእ ወግን ድማ፡ እታ ዝነኣሰት መጠርነፊትና ሕግን ስርዓትን፡ ብዝተፈላለዩ ምስምሳት እናጠሓስካ ኣበይ ክንበጽሕ ንኽእል? እቲ ኣዝዩ ኣተሓሳሳቢ ኮይኑ ዘሎን፡ ለውጢ ደለይቲ ዝኾና ኤርትራውያን ዘተሓሳስበና ዘሎን ጉዳይ እዚ ሓቂ’ዚ ምዃኑ ምግንዛብ የድሊ። ካብ’ዚ ሓሊፉ፡ ዶ/ር ዮሱፍ ብመንጽር ተዋሂቡዎ ዘሎ ሓላፍነት ብቑዕ እንተዘይኮይኑ፡ ውሽጢ ውሽጢ ውዲት ሰሪሕካ፡ ብሃንደበት መደራጉሕ ክሲ ብምውራድ ዘይኮነስ፡ እኹል ምቅርራብ ብምግባር ብዝካየድ ሕጋውን ዲሞክራስያውን ዘተ ክፍጸም ይግባእን ይከኣልን እዩ እብል። እዚ ኣከያይዳ’ዚ ድማ ንኩላትና ጽቡቕ ምሁሮ ዝህበና ይኸውን። ስለዚ ርእይቶይ ናይ ጸጊዕ ምውሳድ ጉዳይ ከምዘይኮነ ምርዳእ የድሊ። ወደሓንካ/ኪ።
    ስምረት

  • Mengis August 14, 2013

    Mejemerta, ezi nezi mearemta elu zitsihif zelo seb abkindi hade kab abalat elu zitsihif, shimu tekisu kitsihif nerwo. Ezi niriesu transparency zeyblu atsehahifa des zibil aykonen hakinet zelewo ewin aymesilin.
    bi meseretu eti shigir dr. yosuf ewin lack of transparency eu.
    Binatey rieyto, using my common sense dr. yosuf haknet zelewo aymesilin miknyatu neti kulu bi amanuel zitehatete hito ewin kizarebelu aydelin eye enabele eu halifwo.
    So, hizbi yiezeb alo nihzbi tetew zibelkum entekonkum haknetin gilutsnetin yihalikum
    shefino shefafino zibehal kiterif alewo hagerin hizbin kitedhinu fetinu.
    nezi mearemita zitsehafka seb dima eti tiblo zeleka haknet kisab zihalewo shimka negirka zeytitsihfelu miknyat yelen firhi wegid belo metkel yihaluka miknyatu bahli ertrawian haki tezaribka ab mengedi babur dekis eu zibil ezi wedhanka kbur haw or hafti.
    Yekenyeley
    Michael Mengistab
    From Toronto

  • Kombishtato August 14, 2013

    Does these groups care about democracy? Why did they waste so much time to shut up the Kunama for expressing their own concern and condemning a person in this case: Idris Awate as a genocidal monster? Why would a Kunama be forced to worship a person they see as a Janjawid killer?
    If worshiping Issaias is wrong why is condemning Awate, opposed by gangs who would never stop to lecture Eritreans about transparency and freedom of press.
    Here are some of the people who condemned, threatened and expelled the Kunama organization from their membership. This is hypocrisy in action of the hagerawi bayto.

    1. ሕብረት ደሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ኤርትራ

    2. ሰልፊ ጉባኤ ኤርትራ

    3. ሕዝብ ሙዕተመር ኤርትራ ቕያዳ ኣልጀምዕያ ፡

    4.ሰልፊ ለውጣዊ ምንቕስቓስ ንደሞክራስያዊት ኤርትራ

    5. ሰልፊ ንሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ

    6. ኤርትራዊ መርበብ ንሃገራዊ ዘተ

    7. ኤርትራዊ ሃገራዊ ደሞክራስያዊ ግንባር

    8. ከምኡን ንጡፋት ነጻ ኣባላት ኣፍረይትን ሓብሓብትን ቃልሲ።

  • weygud August 14, 2013

    The word democracy is really an abused term in the context of Eritrean politics. Almost all the so called opposition parties coin the word in the program to mislead the public.

    The first gravous mistake made unilaterally by the chairperson of the Executive body was the sacking of the Kunama party. Again now, time has come to sack him by his colleagues. This is a clear indication of managerial and leadership skills defficiencies. There is inherent arrogance and pride too. Crises are piling up. My goodness ! What is wrong with these people? Simply just squandering precious time and resources????????

POST A COMMENT