Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

መእረምታን ሓቀኛ መብርህን ንኣቡነ እንጦንዮስ ዝምልከት ዝወጸ ሓበሬታ።

ብዛዕባ ንቤተክርስትያን ተዋህዶ ገጢምዋ ዘሎ ፈታኒ እዋን ናብ ህዝብና ተብጽሕዎ ዘሎኹም መልእክቲ ምስጋናና ወሰን የብሉን። ግን ብኣካል ኣብ ኤርትራ ስለ ዘየለኹም ገለ ሓበሬታታት ውልቀ ሰባት ዝህብዎ ጌጋ ሓበሬታ ከይከውን ንምእራም እየ እዚ ዝሰደልኩም ዘሎኹ። እዚ ቃል እዚ

ብዛዕባ ንቤተክርስትያን ተዋህዶ ገጢምዋ ዘሎ ፈታኒ እዋን ናብ ህዝብና ተብጽሕዎ ዘሎኹም መልእክቲ ምስጋናና ወሰን የብሉን።

ግን ብኣካል ኣብ ኤርትራ ስለ ዘየለኹም ገለ ሓበሬታታት ውልቀ ሰባት ዝህብዎ ጌጋ ሓበሬታ ከይከውን ንምእራም እየ እዚ ዝሰደልኩም ዘሎኹ።

እዚ ቃል እዚ ኣብቲ ዕርቂ ካብ ዝተሳተፉ ሰለ ዝኾነ ከም ዘለዎ ቃል ብቓሉ ከቕርበልኩም እየ።

ንኹሉ ሕዝቢ ክበርሃሉን ክፈልጦን ዘለዎ ጉዳይ ቅድሚ ኣብ ዝርዝር ቅድሚ ምእታወይ፥ እቲ ጉዳይ መንግስቲ ኤርትራ፥ ባዕሉ ዘካይዶን ዝመርሖን ከም ዘሎ። ውሽጣዊ ምስጢር ዘለዎን ኮይኑ፥ ጀነራል ኣብርሃ ካሳ ድማ ቀንዲ ፓትርያርክ ኮይኑ ይመርሖ ከም ዘሎን ክበርህ ኣለዎ።

ብመጀምርታ ክትእረም ዘለዋ ቃል፥ “ ከም መቕጻዕቲ ቴለፎኖም ኣሕዲጎሞም።” ትብል ቃል እያ። ኣቡነ እንጦንዮስ ይትረፍ ተሌፎን፥ ብኣካልውን ከም ድላዮም ምስ ሰብ ዝራኸቡሉ ዕድል የብሎምን።  ኣብቲ ዝኸፍአ ቤት ማእሰርቲ ሓንቲ ጸባብ ገዛ እዮም ዝቕመጡ። እታ ተወሲዳ ዝተባህለት ተሌፎን ናይ ሰራሕተኛ ምግቦም ትቕርበሎም እያ።

ናይ መዓልቲ ጌጋ ኣሎ ረቡዕ 31 ነሓሰ እዩ ነይሩ እቲ ቆጸራ ዝተራኸቡሉ። ኣብቲ ኣኼባ ብዙሓት ገዳማት ኣይተሳተፉን፥ ባዕሎም ኣባ ሉቃስ ምስ ብርጋደር ጀነራል ኣብርሃ ካሳ ኮይኖም፥ ዝጸውዑና ኢና። ኣብዚ ክፍለጥ ዘለዎ እቲ ኣብ ኤርትራ ዝዓበየ ገዳም ደብረ ቢዘን ኣቡነ ፊልጶስ ኣብኡ መንኲሶም ጳጳሳት ዝተሾሙ ከይተረፈ ኣብዚ ናይ ሓሶትን ፖለቲካን ኣኼባ ኣይንሳተፍን ኢሎም ብትብዓት ምምካቶም እዩ። ኣባ ሉቃስ ብትሕተ ሃገራውነት ብኣውራጃ ክንጽልዎም ይፍትኑ ኣለዉ።

እቲ ኣቡነ እንጦንዮስ ብፍላጥ ብዘይፍለጥ ዝገበርክዎ ይቕሬታ ይሓተሉ ዝብል ጽሑፍ እቶም ኣተዓረቕቲ ኮሚቴ ከም ዘይንፈልጦ፥ ግን ከኣ ክንቃወም ይኹን ክንዛረብ ከም ዘይፍቀደልና ህዝቢ ይረድኣልና።

ኣርቀቕቲ እቲ ጽሑፍ ኣብ 30 ሕዳር, 2015 ጳጳሳት ዘውገዝዎም፥ ግርማይን ካሕሳይን፥ ደሓር ብትእዛዝ ሓይሊ ብርጋደር ጀነራል ኣብርሃ ካሳ ሓላፊ ሃገራዊ ድሕነት ኣብ ስራሕ ዝተመልሱ፥ ካልእ ሳልሳዮም መምህር ሰሎሞን ዝበሃል ኣባል ትምህርቲ ሰንበት ኪዳነ ምሕረት ማይ ተመናይ፥ ኣባ ሉቃስን ኣባ ባስልዮስን ኮይኖም፥ እዞም ክልተ ጳጳሳት ብኢድ ኣቡነ እንቶንዮስ ተሸይሞም መንበሮምን በትሮምን ብሂወት ከለዉ ክወርሱ ሃነፍነፍ ዝብሉ ዘለዉ እዮም።

እቲ ጽሑፍ ቅድሚ እቲ ጉባኤ ዝተገብረሉ በይኖም ኣርቂቖም፥ ኣብርሃ ካሳ ምስ ፈቐደሎም ብትእዛዙ ዝተዘርግሐ ጽሑፍ እዩ። ኣብቲ 8 ነሓሰ 2016 ኣብ መንበረ ፓትርያርክ ዝተገብረ ኣኼባ፥ ብዙሓት ጳጳሳት ብጀካ ኣባ ሉቃስ፥ ምስ ኣቡነ እንጦንዮስ እንዳ በኸዩ ኣዮምተሰዓዒሞም፥ ብስምዒት ጥራይ ኣቦና ንሕና ደቅኹም ንስኹም ኣቦና ይቕረ በሉልና፥ ንሕና ድማ ይቕረ ክንበለኩም ተዓሪቕና ስራሕና ንጀምር ዝብል ዋጭዋጭ እዩ ነይሩ። ብፍላይ ኣባ ቄርሎስ ኮፍ ክብሉ ኣይከኣሉን። ኣቡነ እንጦንዮስ ግን፥ እቲ ጉዳይ ብሆሆን ሕደጎ ሕደጎን ዝውዳእ ኣይኮነን ዓቢይ ጉዳይ ሃይምማኖት እዩ። ኣነ ከም ሰብ ብግለይ ኣብ ርእሴኹም ቂም የብለይን ንኣኻትኩም ዝበደልክዎ እንተሎ ድማ ይቕረ ይቕረ ክብል ግቡአይ እዩ። ጉዳየይ ግን ጉዳይ ግለይ ኣይኮነን ጉዳይ ምልእቲ ቤተ ክርስትያን እዩ። ዓሰርተው ሓደ ዓመት ንስኻትኩም ከሰስቲ ንስኻትኩም ኣእሰርቲ፥ ንስካትኩም ፈረድቲ ኮንኩም፥ ኣብ ቤተ ክርስቲያንን መዓርግ ፓትርያርክን ገበን ስለ ዝፈጸምኩም፥ እቲ ጉዳይ ብሕጊ ክጸሪ ኣለዎ፥ ንኣይን ንኣኻትኩምን ድማ ናጻ ይገብረና። ካብኡ ዝተረፈ ፍርዱ ከም ዝወድአ እሱር ስቕ ኢለ ጽምብር ኣይብልን እየ። ምስ በሉ  እዩ ንዳግማይ መዓልቲ ቆጸራ ን 31 ነሓሰ 2016 ክኸውን ተወሲኑ።

ትብዓትን ርግኣትን ቃላት ናይዞም ኣቦ፥ መሊሱ እዩ ልብኻ ዝሰብረካ። ቃላቶም ሒደት ግን ኣብ መሬት ኣይወድቃን ልብ ሰብ በሲዐን እየን ዝኣትዋ ትብዓቶም ብሓቂ ዝመነኑ ፈላሲ እዮም።

ቅድሚ 31 ነሓሰ 2016፥ ዕለት 21 ነሓሰ፣ 2016, ግን መንግስቲ 5 ሰባት ፈልዩ ናተይ እዮም ዝበሎም፥ ናብ ኣቡነ እንጦንዮስ ኣቐዲሙ ልኢኹ ነይሩ እዩ።  እቶም ልኡኻ “ኣቦና ነቲ ዕለት 31 ነሓሰ ዝግበር ኣኼባ፥ እምቢ ከይትብሉ፥ ሕራይ ጥራይ በሉ ኢኹም። ደሓር ምስ ተመለስኩም ኣብ መንበርኩም ኩሉ ትዕርይዎ፥ እቲ ዝብሉኹም ኩሉ ግን ስምዕዎም ሕራይ ኢልኩም ተቐበልዎም። ዝብሉ ናት ዝበሃሉ ለኣኸሎም። እቶም ልኡኻት፥  ኣቡነ እንጦንዮስ እቲ በዓል ግርማይን ኣባ ሉቃስን ይቕሬታ ሓቲቶም ዝብል ጽሑፍ ዝሰምዕዎ ኣይመሰሎምን። ካብ መልእኽቶም ዱቦላ እዩ ጸኒሕዎም። መልሲ ኣቡነ እንጦንዮስ “ኣብቲ ጉባኤ ዝተገብረሉ ዕለት ንስኻትኩም ኔርኩም ኢኹም፥ ኣነ ቅድሚ ዓሰርተ ዓመት ፓትርያርክ ኣብ ዝነበርኩሉ ግዜ ብፍለጠት ይኹን ብዘይፍለጠት ዝበደልክዎ ይቕሬታ ንቤተ ክርስቲያንን ንሲኖዶስን ክብል ብእዝንኹም ሰሚዕኩም? ክፍርምከ ብዓይንኹም ርኢኩም? ኣብ ምድሪ ንታሪኽ ኣይነበርትን ኢኹም፥  ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ንማዕተብኩምን ብህይወትኩምን ክትብሉ ነዓይ ዘይኮነ ንህይወትኩም መልሲ ሃቡላ። ንዓይ እንተ ከሓድኩምኒ ነቲ ኣብ ውሽጥኩም ዘሎ ዳኛ ልብኹም ኣይተረትዕዎን ኢኹም። ዝብል ካብ ደንጎላ ዝዓቢ መርትዖ ዱብ ምስ ኣበሉ። ኩሉ ዝኣተወ ርእሱ እንዳሓኸኸ እዩ ወጺኡ። ዝመለሰሎም ሰብ ግን ኣይነበረን።

ዕለት 31 ነሓሰ 2016 ምስ ኣኸለት ግን ቅድሚ ምእታውና ንኩልና ሓደ መምርሒ ተዋሂቡና ኣተና። መጀመርታ ዋላ ሓደ ሰብ ምስኦም ከይደናገጽ፥ ናይ ፍርሂ መንፈስ ከየርኢ። ኩላትና ሓደ ቃል ኮንና ክንድህሎም ኣሎና። ብዛዕባ እቲ ዝተዘርግሐ ጽሑፍ ሓንቲ ቃል በጨቕ ከይትብል። ዝኾነ ንዝሓትዎ መልሲ ከይትህቡ። እተን ጉዳይ ክልተ እየን። ሓንቲ ኣብዚ ተዳልዩ ዘሎ ጽሑፍ ፈርሙ፥ ካልኣይ ድማ ነቲ ውግዘት ዘንበርክሞ ኣልዕልዎ። ሕራይ እንተ ኢሎም እቲ ናይ መንግስቲ ኣካል ንድምጾም ክቐድሖ ምዃኑ፥ ተሪር ትእዛዝ ተዋሂቡና ኣቶና።

እቶም ኣቦ መንፈስ ኣምላኽ ሓዲርዎም ከም ዘሎ ኣብ ገጾም ኢኻ ትርእዮም፥ ከም እሱር ድምብርጽ ኣይብሎምን ሕጉስ ከኣ። ቃላቶም ሒደት እየን ግን ልብኻ እየን ዝስርስራ።

ኣብ መጀመርታ መእትዊ ቃል ኣቦና እዘን ጽሑፋት እሞ ፍርም ፍርም ኣብልወን፥ ደሓር ናብቲ ካልኣይ ናይ ምምላስኩም ኣብ መንበርኩም ዝምልከት ክንዘራረብ። ዝብል ቅልል ብዝበለ ኣዘራርባ እዩ ተጀሚሩ። እቶም ተወክልቲ ናይ መንግስቲ መቕድሒ ድምጺ ንምድላው እዩ መስለኒ ፍሕትሕት ይብሉ ነይሮም።

ኣቦና እንታይ ዝብል ወረቐት እዩ ኢሎም ድሕሪ ምሕታቶም፥  ናይ ዕርቂ እቲ ውግዘት ከኣ ክለዓል ክብሉ እቶም ክኢላታትን ለባማትን ዝበሃሉ መለሱሎም።

ዕርቂ ሕጂውን ኣይነጽጎን እየ። ኣነ ምስ ዝኾነ ቂምን ጽልእን የብለይን። ግን እቶም ጳጳሳት ኣብ ርእሲ ቤተ ክርስቲያንን ስልጣን ፓትርያርክ ገበን ፈጺሞም ስለ ዘለዉ እቲ ዝፈጸምዎ ገበን ክሕተቱሉ ኣለዎም ኣብ ቅድሚ ህዝብን ቤተ ክርስቲያንን ከኣ ይቕሬታ ክሓቱ ኣለዎም። ውግዘት ከኣ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኮንካ ኣይኮነን ዝፍታሕ፥ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ፍትሓት ዘወልድን ጸሎተ ንስሓን ሂብካ ስሬት ጌርካ  እዩ ዝፍታሕ። ስለዚ ኣብዚ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኮይነ ዘልዕሎ ውግዘት የለን። በሉ ብትብዓት። ከም ዝተኣዘዝናዮ ኩላትና ዋዕዋዕ በልና ንኽንድህሎም። ካብቶም ናይ ሃገራዊ ድሕነት ምሳና ዝኸደ መራሒና ብምግብዕባዕ ብሕጊ እኮ እዮም ዝሓቱኹም ዘለዉ፥ ፈርሙሎም እቲ ዝብልኹም ዘለዉ ድማ ስምዕዎም። ክብል ወታደራዊ ዝጥዕምን ብትርር ዝበለ ድምጽን ኣዘዘ።

እዚ ወደይ ብዕድመ ኣቦኻ ጥራይ ዘይኮንኩ ኣባሓጎኻውን እየ። ብረት ስለ ዘለካ ኢደይ ኣሲርካ ኣፈይ ክትኣስረኒ ኣይግብኣካን እዩ። ኣነ ናይ ግሊ ጥቕመይ ኣይኮንኩን ዝዛረብ ዘሎኹ። ብሕጊ ቤተ ክርስቲያን እየ። ብሕጊ እዮም ዝዛረብኹም ዘለዉ ዝበልካዮ፥ ሕጊ ዝፍጸም ኣብ ቤት ፍርዲ ዳኛ ተሰይሙ፥ ከሳስን ተኸሳስን ደው ኢሎም፥ ጠበቓን ሕጊን ዘንጊ ተተኺሎም እዩ ሕጊ ዝበሃል ኣቦታትካን ኣባሓጎታትካን ንፈልጦ። ነኣይ ኣይተፈራርሃኒ ፈላሲ እየ፥ ወዲ 90 ዓመት እየ።

ኩሉ ሰብ ነቲ ካድረ ንምሕጓስ ዋዕዋዕ በለ ኩሉ ግን ውሽጡ ጉዱእ እዩ። ዋዕዋዕ ኣይትበሉኒ ኣነ ሓደ እየ ዝሓተኩም ዘሎኹ ሕቶ ሓንቲ እያ። ኣነ ንዕርቂ ሎሚ ይኹን ጽባሕ ድልው እየ ዕርቂ ግን ዕርቂ ቤተ ክርስቲያን ደኣ እምበር ዕርቂ ናተይ ናይ ውልቀይ ስለ ዘይኮነ፥ ብግልጽን ንጹርን ይኹን።  ምእመን ስለ ዝተበደለ ቤተ ክርስቲያን ስለ ዝተበደለት፥ ናይ ዝተበደሎ ደበስ ክሰምዕ ኣለዎ።

እቲ ጉዳይ ጉዳይ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ጉዳይ እቲ ዝለዓለ ናይ ቤተ ክርስቲያን መዓርግ ፓትርያርክ እዩ።

ስለዚ ድማ መዕረፊ ክግበረሉ ዘለዎ ብሕጊ ቤተ ክርስቲያን እዩ። ጉዳይ ፓትርያርክ ብጳጳሳት ስለ ዘይርአን ዘይዳነን፥ ብዳኝነት ናይ ግብጺ ብፓትርያርክ ክርአ ኣለዎ። ገዳማትን ሊቃውንቲ ቤተ ክርስቲያን ድማ ክሳተፍዎ ኣለዎም። እቲ ዝወሃብ ናይ መወዳእታ ብይንን ዕርቅን ድማ ፍትሓት ውግዘት ተላዒሉ ሓድነት ቤተ ክርስቲያን ይረጋገጽ በሉ።

ብፍላይ እዚ ብናይ ብዳኝነት ናይ ግብጺ ፓትርያርክ ምስ ተባህለ እቶም ናይ ጸጥታ ኣባላት ካብ ውሽጦም ተቖቲዖም። ንሕናውን ናይ ደጌና ዋጭዋጭ ኢልና። ንኺድ ንዑናይ ኣብ ትበጽሕዎ ክንርኢ ኢና። ተባሂሉ ክንብገስ ምስ ሓሰብና።

ኣቡነ እንጦንዮስ፥ ሓንሳብ ዝብለኩም ኣሎኒ እሞ ስምዑኒ፥ በሉና ኣነ ግን ሽዑ ፈሪሀ። ተጽዕኖ በዚሕዎም ተምበርኪኾም እዮም ዝብል መንፈስ ንውሽጠይ ወረሮ፡ ኣብ ደገ ምስቶም ንተኣማመን ክንዛራረብ ከሎና ግን ናይ ኩላትና ውሽጢ ሓደ ነይሩ።

ሕራይ ኢልና ኮፍ ምስ በልና እታ ዝሓተኩም ንኣይ ትምልስዋ ኣይኮነትን ንስኹም ንባዕልኹም እትምልስዋ ሕቶ እያ። ኣብ ዝሓለፈ ርክብና ኣብ መንበረ ፓትርያርክ ኩልኹም ኔርኩም ኢኹም። ኣብ ምድሪ ንታሪኹምን ንውሉድኩምን፥ ኣብ ሰማይ ንሰማይኩምን ንፍርድኹምን፥ ኣነስ ንቤተክርስቲያንን ንሲኖዶስን በዲለ እየ ኢለ ክዛረብን ወረቐት ክፍርምን ንስኻትኩም ብእዝንኹም ሰሚዕኩም ብዓይንኹም ርኢኹም? ምስ በሉ ዋዕዋዕ ተጀመረ። ንኣኹም መልስዎ ኢሎም ንዘለኣለም ዘሳቕየና ዘይወጽእ ዕዳ ኣሰኪሞም ወዲአ እየ ደሓን ኢሎም ኣፋንዮምና።

እቶም ክፍሊ ስለያ ተመሊሶም ነታ ሰራሕተኛ ጸዊዖም ኣምጽእያ እታ ተሌፎን ኢሎም ነታ ተሌፎና ወሲዶማ።

ምስ ተመለስና ንኣባ ባስልዮስን ንኣባ ሉቃስን ሓበሬታ ሂብና። ሓጎስ ኣባ ሉቃስ ኣብ ገጾም ጥራይ ዘይኮነ ብቓሎምውን ሓጎሶም ብቓሎምው በጨቕ ኣቢሎም እዮም። ቀደሙውን እኮ ኣየድልን እዩ ስራሕና ንቐጽል ኢልና ኢና። ሕጂ ኩላትና ነዕርፍ በሉ።

ምምላስ ኣቡነ እንጦንዮስ ካብ ሰባት ተስፋ ዘለዎ ኣይመስልን ኩሉ ውሽጡ ተንኮል ዘለዎ እዩ።  ኣቡነ እንጦንዮስ ግን ንታሪኽ በቒዖም ሓደ ካብቶም ቅዱሳን ኮይኖም ኣለዉ። ንእኦም የማስለና ታሪኽና ይለውጠልና።

ንድሕነተይ ስማይ ክግለጽ ኣይደልን እየ እዘን ዝበልክወን ኩለን ግን ምናልባት ናይ ገለ ኣባሃህላ ቃላት ፍልለይ እምበር ከም ዘለዎ እየ እቲ ሓበሬታ ዝወዓለ ዘቕርቦ ዘሎኹ።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
3 COMMENTS
  • Wedi Hagher September 4, 2016

    “ዕለት 31 ነሓሰ 2016 ምስ ኣኸለት ግን ቅድሚ ምእታውና ንኩልና ሓደ መምርሒ ተዋሂቡና ኣተና። መጀመርታ ዋላ ሓደ ሰብ ምስኦም ከይደናገጽ፥ ናይ ፍርሂ መንፈስ ከየርኢ። ኩላትና ሓደ ቃል ኮንና ክንድህሎም ኣሎና። ብዛዕባ እቲ ዝተዘርግሐ ጽሑፍ ሓንቲ ቃል በጨቕ ከይትብል። ዝኾነ ንዝሓትዎ መልሲ ከይትህቡ። እተን ጉዳይ ክልተ እየን። ሓንቲ ኣብዚ ተዳልዩ ዘሎ ጽሑፍ ፈርሙ፥ ካልኣይ ድማ ነቲ ውግዘት ዘንበርክሞ ኣልዕልዎ። ሕራይ እንተ ኢሎም እቲ ናይ መንግስቲ ኣካል ንድምጾም ክቐድሖ ምዃኑ፥ ተሪር ትእዛዝ ተዋሂቡና ኣቶና።”

    They are torturing Abune Antonius, but God is on his side.

    • AHMED SALEH !!! September 4, 2016

      Wedi Hager
      Unfortunately the so called Tewahdo followers surrendered their Bishop
      to the hands of their master ‘ the one and only his excellence Issaias Afewerki.
      It might look offensive remark but sometimes TRUTH is BITTER to swallow .
      For God sake how many responses in support of this holy man posted in our
      forum anytime Assenna highlighted the perpetuated injustices , Last time one
      of those cowards expressed criticism against Moslems who spoke on Abune
      Antonius behalf . LEKHBAT HIZBI AMELMILOM HAGHER LEKIMOMA .

  • Logo September 4, 2016

    This well written historical document that needs to be broadcast directly to Eritrea by all radio stations. Patriarch Abune Anthonios is a very wise and dignified spiritual leader who has the guts of the ancient times spiritual leaders of the Tewahado Orthodox Church such as Abune Ewostateous.

POST A COMMENT