Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

መኸተ – ኣንጻር ስቓይን መከራን ዘናውሑ ዜጋታት ኤርትራ!!

ዝኸበርኩም አሕዋት ዜጋታት ኤርትራ፡ ህዝብና፡ ካብ ማንም ግዜ ንላዕሊ ብግዕዙይ ምሕደራ፡ ብድኽነትን ስእነትን፡ ብጭንቅን ሕሰምን ይሳቐ ከምዘሎ ካባኻትኩም እውን ዝተኸወለ ኣይኮነን።  ብሰንኪ ብልሹው ምሕደራ ዜጋታትና ከም ኣቕሓ ብይጽንሓለይ ይእሰሩን፡ ብዘይ ንቡር መስርሕ ፍርዲ ኣብ ቤት

ዝኸበርኩም አሕዋት ዜጋታት ኤርትራ፡ ህዝብና፡ ካብ ማንም ግዜ ንላዕሊ ብግዕዙይ ምሕደራ፡ ብድኽነትን ስእነትን፡ ብጭንቅን ሕሰምን ይሳቐ ከምዘሎ ካባኻትኩም እውን ዝተኸወለ ኣይኮነን።  ብሰንኪ ብልሹው ምሕደራ ዜጋታትና ከም ኣቕሓ ብይጽንሓለይ ይእሰሩን፡ ብዘይ ንቡር መስርሕ ፍርዲ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ይበልዩን ኣለው። ብሰንኪ ደረት ኣልቦ ግዱድ ዕስክርናን ዕዮን፡ መንእሰያትና፡ ወርሓዊ ብኣሻሓት ንስደት ይፈልሱ ኣለው። ኣብ ጉዕዞ ስደቶም ብሸፋቱ ይጭወዩን ይሽየጡን፡ ብጸረ መስቀል ይስየፉን ይቕዘፉን ኣለው። ህዝቢ ጨቐቕ ኢሉ መርፍእን ፈትልን ኣላጊቡ፡ ተለቂሑን ተመርቂሑን ዝሰርሖ ኣባይቲ ብዶዞራት ዓንዩ። ስለዚ፡ ነዚ ኣብ ህዝቢ ዝወርድ ዘሎ ስቃይን መከራን የብቅዕ፣ ማእሰርትን ሽርበትን፡ ሞትን ስደትን ከኸትም ኣለዎ።

ስለዝኾነ ኣብዚ ህዝባውን ሃገራዊ ጻውዒት እጃምኩም ክትገብሩ ትሕተቱ ኣለኹም።   መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰል ህዝቢ  ይከበር፣ ሕግን ስርዓትን ይተኸል፣ ብልዕልና ሕጊ ንገዛእ ምባል ስለምንታይ እዩ ዝጽላእ። ስለምንታይ እዩ ከም ነውሪ ዝቑጸር!! ኣቱም ብፍላጥን ብግርህናን ነዚ ህዝቢ ዝውጽዕ ዘሎ መንግስቲ እትድግፉ ዘለኹም ዜጋታት ደጊምኩም ሕሰቡን ኣስተውዕሉን። ህዝብኹም እናነብዐን እናተወጸዐን  እዝንኹም ኣይትዕበሱ።ክሳብ ምኣስ ኢኹም ህዝብኹም እናነብዔ ልብኹም ተትርሩ፧ ሓደራ ምስ ሕልናኹም ተዛረቡ   ሕልናኹም ኣይተዕርቡ፧

እቲ ህዝብና ቀያሕቲ ደቁ ዝኸፈለሉ፡ ቅዋማዊ ደሞክራሲያዊ መንግስቲ መስሪቱ፡ ብራህዋን ቅሳነትን ክነብር ዝተተምነየሉ ናጽነት ተኻሒዱ፡ ሰውራን ሃገርን ዝመርሑ ኣርካናት ጀጋኑ ብ18 መስከረም 2001 ብዓመጽ ተቐይዶም ብዘይ ንቡር መስርሕ ፍርዲ ኣብ ጎዳጉዲ ዒራዒሮ ተሸሪቦም ኣለው። እዛ ዕለት እዚኣ  ኣብ ኤርትራ ከም ጸላም መዓልቲ ጥፍኣት እንርእያ ዕለት እያ።

እታ መዓልቲ እቲኣ ነቲ ኣብ ኤርትራ ሰፊኑ ዝነበረ ትስፍው  ሃዋሁው ዲሞክራሲ ዘምከነት፡  ነቲ እናዓበየ ዝኸይድ ዝነበረ ፍናን ህዝቢ ዝቐተለት ዕለት እያ። እዛ ነተን ክዕምብባ ጀሚረን ዝነበራ  ናይ ብሕቲ ጋዜጣታትን ኣዳለውተንን ዘጥፈአት ዕለት፣ ነቲ በብዓቕሙ ቁጠባ ሃገር ከሰስን ዝሓለነ በዓል ንዋይን ጻዕራም ህዝብን ዝረመሰ፡  ነቲ ካብ ወጻኢ ዝመጽእ ዝነበረ ኤሪትራዊ ኪኢላ ዝተዓንቀፈትን ዝኾለፈትን ጸልማት ዕለት እያ።

እዚ እተምልኹዎ ዘለኹም ስርዓት ነቶም ንለውጢ ዝዓጠቑ ብጉጅለ-15 ዝስመዩ ሰበ ስልጣናት ንግሆ ሰብ ከይተንሰኤ  ኣዳህሊሉ ብናቱ ፍሉያት ልኡኻት ጸጥታ ኣብ ቀይዲ የእትዩዎም።   ኣብኡ ጥራሕ  እውን ደው ኣይበለን።  ንኩሎም ኣሰናዳእቲ ብሕታዊ ጋዜጣታት እውን ሓይሩዎም እዩ።

ናይ ምጽሐፍን ሓሳብካ ብነጻ ናይ ምግላጽን መሰል ኣኸቲሙ። እቲ ናይ  ዲሞክራሲ ኣተሐሳስባ ዝነበሮ ብሕልፊ  ከኣ ተጋዳላይ ህዝባዊ ግንባር ዝነበረን ንቑሕ ዋርሳይ መንእሰይ እናተሃድነ ክእሰር ስለዝጀመረ ብዙሕ ቁጽሪ ዶብ ሰጊሩ ክስደድ ጀሚሩ፣ ሕጂ እውን ይቕጽል ኣሎ።

ኣብ ፖለቲካው ውድብ ዘየፍቃድ መንግስቲ- እንኮ ክቃዎሙ ዝኽእሉ – ተመሃሮ ናይ   ዩኑቨርሲቲ እዮም። ኣዚ ብምግንዛብ ህግደፍ – ንዩኒቨርሲቲ ኣስመራ  ዓጽይዎ።  ካብ 12 ክፍሊ ንላዕሊ ዝወሃብ ክብ ዝበለ ትምህርቲ – ኣብ ትሕቲ ምምሕዳር – ሰራዊት የእቲይዎ።  እዚ ኣብ  ዝተበሃልካዮ ተኣዘዝ – እሺ ጎይታይ  ወተሃደራዊ ስነምግባር ሃዋሁው ተሐጺሩ ተሪፉ።  ኣካዳሚያዊ ሃዋሁው ዘይብሉ (Critical thinking)- ዘይመራመር  ወለዶ  ነብሲ ተኣማምነት የጥፍእ። ንጭቆና ኣብ ክንዲ ዝምክቶ ከም ካብ ሰማይ ዝወረደ ሕራይ ኢሉ ይቀበሎ።እዚ ተርእዮ እዚ ኣብ ብዙሐት ሀገራት ዝተራእየ እዩ። ኣብ ኮንጎ እታ በልማዝን ካልእ ኩቡር ማዕድናትን ኣብ ዓለም ዝሀብተመት – ወጻእተኛታት ጉሕጉሕ እናበልዎ – ህዝባ ግን ተዓዛባይ ኮይኑ ኣብ ድኽነት ይነብር ኣሎ። ኣብ ሃገር ህንዲ (the untouchable) ዝበሃሉ ዓልየት፥ ከም ትሑታት ፍሉያት ዓሌት ንነብሶም ወሲዶማ፡  ኣብ ሐዘን ጎሮባብቶም ክኸዱ ከለዉ ካልእ ሰብ ኣብ ኩርሲ ኮፍ ክብል ንሳቶም ኣብ መሬት እዮም ኮፍ ዝብሉ። ተቀቢሎሞ ከኣ ይርከቡ።

ተማሃራይ  ኤርትራ ነቲ  ብጊዜ ሃይለ ስላሰን ብጊዜ ደርግን ዘርእዮ ዝነበረ  ፍናንን ርእሰ ምትምማን ዘለዎ ኣንጻር መግዛእቲ ቃልሲ -ታሪኽ ኮይኑ ተሪፉ፣ ህግደፍ ኣግሂዱ ሐዲሽ ወለዶ ክንፈጥር ኢና  ዝበሎ  ተግበሮ ደኣ። በዚ ጥራሕ ኣይዓገበን፡ ብዝሒ መንእሰያት  ኣብ ከተማታት ስለዘስጎኦ ብምስምስ ሃገራዊ ኣገልግሎት  ንመንእሰይ ንዘይተወሰነ ጊዜ ኣብ መዓስከራት  ጅሆ ሒዝዎ።  ሳዕቤኑ ከኣ ሕሱም ስደት ኮይኑ።  ኣብ ወርሒ ክሳብ 5000 ህዝቢ መብዛሕቱ መንእሰይ- ትሕቲ ዕደመ ቖልዑ ከይተረፉ  ይስደዱ ኣለዉ።

ኩሉ ኤሪትራዊ ከም ዝፈልጦ   ኣውያት ህዝቢ ንሰማይ ይዓርግ ኣሎ፣ ኢሳያስ ግን ከም ፎርኦን ልቡ  ደኣ ኣትረረ ። ከምቲ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ምስ ተወልደ  ንጉስ ሄሮዶስ  ዘውዱ ከይምንጠሎ መታን  ኣልማማ ሕጻናት ክቕተሉ ዝኣዘዘ  ኢሳያስ ከኣ መንእሰያት ኤርትራ ከይቃውምዎ ብምስምስ ዋርሳይ ይከኣሎ   ኣብ ክፉት ቤት ማእሰርቲ ቀዩዱ መጻኢ  ዕድሎም ይሰብረሎም ኣሎ።  ( ከም ባሮት ብነጻ ይዓዩ – ንእስነቶም ይጽንቀቅ- ስድራኦም ኣይሕግዙ፣ ሐዳር ኣይገብሩ ) ኢሳያስ ሀገር ከም ንበይኑ ንዑኡን ንመተሐባበርቱን  ጥራሕ ከም እትብጽሖም  ሐዲጎሙሉ – ንስደት የምርሑ ኣለው። ብነጻ ሰሪሖምን ተማሂሮምን ዝነብሩሉ ቦታ ምኻድ ወሲኖም። ኣብ መንገዲ ሞትን- ማእሰርትን – ዘይተኣደነ -ማህረምትን- ኣብ ኢድ በድዊን መቅተልቲ፡ ኩሊቶም ተሽይጡ ብዙሕ መኽሰብ ክርከበሉ።  ኣብዚ ጊዜ ከኣ ብዳዒሽ ይሕረዱ ኣለዉ።  ሳዕበናቱ እምበኣር ከምዚ ዝስዕብ ኢዩ ። ንህዝቢ ጅሆ ዝሐዘ መንግስቲ- ናይ ህዝቢ ኣባይቲ ከፍርስ- ስኽፍ ኣይብሎን እዩ። (ኣብ ምድረበዳ ሰሃራ ዝሞቱን- ብኢድ በድዊን ዝተቐትሉን ኣብ ባሕሪ ዝጠሐሉን ቁጽሪ ካብ 6000 ክሳብ 10,000 ይግምገም።

ህዝቢ  ኤርትራ ኣብ ኣሰቃቂ ዝኾነ መድረኽ ኣትዩ ኣሎ። ነዚ ዝምልከቶም  ነቶም  ተቓወምቲ  ጥራሕ ዘይኮነ ብዝያዳ ነቶም ደገፍቲ እዩ። ምኽንያቱ ንሶም ክስምዑ ስለዝኽእሉ፡ ሐገዞም ከይንፈገኒ ክሰምዖም ክብል ስለ ዝኽእል።

ብናይ ሕቡራት መንግስታት ናይ መሰል ደቂ ሰብ  ናይ  2015 ጸብጻቡ  400,000  ኤሪትራውያን ስደተኛታት  ይርከቡ።  ካብኦም እዞም ዝስዕቡ  ኣብ ሰንፈላል ይርከብዎም፥ ኣብቲ ዘለውዎ መዓስከራት ሐገዝ የድልዮም እዩ።

  1. ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ኣብ ኢትዮጵያ 130,000
  2. ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ሱዳን              126,000
  3. ኣብ እስራኤል 37,000

እዚኣቶም እቲ ኣብ ዲያስፖራ ዘሎ ኤሪትራዊ ማሕበር ረዲኤት እናቖመ ዝተፈላለየ ሐገዝ ክገብረሎም ምተገበኤ፣ ብሕልፊ ነቶም ኣብ ሱዳንን ኢትዮጵያን ዘለው።  ንኣብነት ዶር ኣልጋነሽ ፍስሐ ነቶም ልዕሊ 2000 ዝኾነ ኣብ ኢትዮጵያ ዘለዉ ቆልዑ – ናይ መግቢ ሐገዝ ፕሮግራም ኣለዋ።

ኣብ ክንዲ ወገንኩም – ደቕኹም ኣዝማድኩም፡ ደቂ ሃገርኩም ዝኾኑ ግዳያት ህግደፍ  ትሐሙ ነቲ ኣብዚ ስቃይ  ዘብጽሖም ስርዓት ህግደፍ  ናይ ሐሶት ሕብሪ – ከም ኣኽባሪ  መሰል ህዝቢ ኤርትራውያን – ክትለኽይዎ  ምጽዓር ሀየንታ እዩ።  ለውጢ ናይ ግድን ስለ ዝመጽእ  ታሪኽ ክሐተኩም እዩ።  4 ናይ ካቶሊክ  ጳጳሳት ኤሪትራ  ናይ ኣቤቱታ ታሪኻዊት ጽሕፍቲ – “ኣበይ ኣሎ ሐውኻ”  ኢሎም ንዝዝተወጸዔ ህዝቢ ቆላሕታ ክግበረሉ ኣባታዊ ምኽሪ ንህዝቢ ኤርትራ ሂቦም – ዝበልዎ ኣብ ምሉእ ዓለም ተቓሊዑ።   – ንስኻትኩም  እውን – ህዝብና ኣበይ ኣሎ ኢልኩም ሕለይሉ – ኣብ ሐቂ ጠጠው በሉ። ። መንፈሳዊ ዕግበት ይሃልኹም።  ካብ ጨቓኒ ስርዓት ህግደፍ ህዝብኹም ይሕሸኩም።

ምስጋና ንኹሎም ነዚ መልእኽቲ ከብጽሑ ኣብ ኣፍደገ ናይ ህግደፍ ኣኼባ ኣብየት ንዝብሉ ደለይቲ ሰናይ ህዝቦም ዜጋታት።

ይንዋሕ ይሕጸር ብዘየገድስ ናይ ግድን ፍትሒ ክነግስ  እዩ።

 

ካብ ደለይቲ ፍትሒ ዓዲ  እንግሊዝ

ሎንደን 31/01/2016

aseye.asena@gmail.com

Review overview
2 COMMENTS
  • Yemane January 28, 2016

    መከተና ኣንጻር ስቓይንን ውርደትን ህዝብና ደዉ ክንብል ኩሉ ዓቅሚና ዓቅሚ ደላይ ፍትሒን ምስ ህግደፍ ጎንባሕባሕ ዝብሉ እምነቶምን ድልየቶም ብህግደፍ ዝተምንዝዑ ንብረቶም ብማዕዶ ዝርእዩ ይአክል ደጊም ኣብ ጽግዒ ዉጽዕ ህዝቦም ደዉ ክብሉ ነዚ መጻዋቕታ ብእተኩሮ ክርድእዎ ኣገዳሲዩ። በጃኩም ነዚ መጸዋዕታ ደጋጊምኩም ክከተማሓላልፍዎ ይላቦ።

  • wedifre January 28, 2016

    Dear Compatriots,

    Many people assume that extremism is only related with religion.
    Extremism is the act of stealing one’s mind through false promise and lie.
    It is common to hear about extremists committing suicide to kill innocent civilians as a soft target. This guys are innocent creatures with an empty mind. Some are committing this heinous crimes with the false promise of heaven and 7 virgins waiting for them at the door of heaven.
    This is the distortion of the correct meaning of Islam. The truth is Islam is the religion of understanding unlike what the extremists portray it.

    Similarly, we have extremists in Eritrea who falsely believe that Eritrea will be the land carpeted with gold. Our “Kuku” leader has perfected to preach the innocent and very few opportunists for 25 years with the same rhetoric, WE WILL!!! WE WILL !!
    Most of the innocent extremists are with TV ERE syndrome and mostly having no or very basic education.
    Some of them are in the Diaspora and with the same TV ERE syndrome but they have secondary school education before 40 years and they hardly can remember anything of it other than the language of the country that they are living in as refugees. For them Eritrea is a retirement place and they don’t care if the son of their neighbour or family is slaughtered in front of them. For them they care their retirement house that they can live from the retirement of their refugee home!!!
    There are few opportunist elites who cannot remember what happened before few years for dergue or Haile selassie.
    Actually we have a lovely proverb that says “KAB MUHROS AIMIRO ” because this people cannot differentiate between criticizing the system versus threatening Eritrea!!!
    Our extremists are allowing a criminal dictator to silent kill our sisters and brothers in dungeons!!!
    Please awaken your conscience!!! Please differentiate between asking your right and selling a country!!!!
    History will never forget you!!

    God Bless Eritrea and its justice seekers.

POST A COMMENT