Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

መዓልቲ ኑዛዜ ትመጽእ ኣላ

ስርዓት ህግደፍ ሓደ ካብቲ ካብ ነዊሕ እዋን ክጥቀመሉ ዝጸንሐን ዘሎን ሽጣራታትን ተንኮላትን፡ ኣብ መንቀራቅሮ ኣትዩ መውጽኢ ምስሓርበቶ፡ ካብ ተሓታትንት ንምህዳም፡ ሓቅታት ንምጥምዛዝን ተሓላቂ ንምምሳልን፡  ንህዝቢ ኤርትራን ዓለምን ንምድንጋር ዘውጽኦን ዘካይዶን ዘቆጸልጽል መግለጺታትን ዘካይዶ መናውራታት’ዩ። ኮሚሽን

ስርዓት ህግደፍ ሓደ ካብቲ ካብ ነዊሕ እዋን ክጥቀመሉ ዝጸንሐን ዘሎን ሽጣራታትን ተንኮላትን፡ ኣብ መንቀራቅሮ ኣትዩ መውጽኢ ምስሓርበቶ፡ ካብ ተሓታትንት ንምህዳም፡ ሓቅታት ንምጥምዛዝን ተሓላቂ ንምምሳልን፡  ንህዝቢ ኤርትራን ዓለምን ንምድንጋር ዘውጽኦን ዘካይዶን ዘቆጸልጽል መግለጺታትን ዘካይዶ መናውራታት’ዩ። ኮሚሽን ተጠባዊ ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት፡ ነቲ በቲ ስርዓት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝፍጸም ዘሎ በደልን ምግሃስን ጸብጻብ ምስቀረበ፡ ህግደፍ ዘካይዶ ዘሎ ምዕልባጥ ዝተሓወሶ ምስሉይነት’ዩ። ሓደ ኣብነት ናይዚ ድማ ሚኒስትሪ ወጻኢ ጉዳያት ህግደፍ ብ24 ሓምለ 2015 ንዘይሕጋዊ ፍልሰትን ንግድን ሰባት ኣመልኪቱ ዘውጽኦ ጸብጻብ’ዩ። እቲ ሚኒስትሪ ኣብ መግለጺኡ፡ “እዚ ውዱብ ዓለማዊ ገበን፡ ገና ብዝተራቐቐ ሜላታት ከጋልብ ቅድሚ ምጅማሩ፡ መንግስቲ ኤርትራ፡ ብቐጥታ ምስተን ዝምልከተን መንግስታት፡ ነቲ ተርእዮ ንምግታእን ፍትሒ ንምርግጋጽን፡ ዘይስልኪ ዕቱብ ጻዕርታት ከካይድ ጸኒሑ’ዩ’’ ኢሉ። እቲ ሓቂ ግን ስርዓት ህግደፍ፡ ብሕሰም ናብራን ምግሃስ መሰልን ሃገሮም ክገድፉ ዝተገደዱ ኤርትራውያን ቦታ ንምኽላእን ብዘይድሌቶም ንምምላሶምን ምስ መንግስታት ሊብያ፡ ግብጺ፡ ሱዳንን እስራኤልን ይሰርሕ ምንባሩ’ዩ። ኣማኢት ኤርትራውያን ካብ ኤርትራ ተበጊሶም ሱዳን ክኣትዉን ባሕሪ ክሰግሩን እንከለዉ ኣሽሓት ገንዘብ ዝቅበሉን ኣብ ዘይሕጋዊ ጉዳያት ዝተዋፈሩን፡ ካብ ከርሲ ህግደፍ ዝምንጭዉ’ዮም። ብተወሳኺ፡ ህግደፍ በተን ኣብ ኣብ ዝተፈላለየ ኩርናዓት ዘለዋ ናይ ሓሶት ኤምባስታት ትካላት ስለያታቱ ኣቢሉ፡ ኤርትራውያን መሰል ስደተኟታትን ፖለቲካዊ ዑቁባን ንኸይረኽቡ ምትዕንቃፍን ካብ ዶባትን መሬትን ሱዳን ብምጭዋይን  ዘይሕጋዊ ንግዲ ሰባት ንምግታእ ካብ ነዊሕ ዕቱብ ጻዕርታት ክገብር ከምዝጸንሐን ሰነዳቱ ከቅርብ ድሉዉ ምኳኑ’ውን ሓቢሩ። ስርዓት ህግደፍ፡ ኣሽሓት ኤርትራውያን ኣብ ባሕርን ኣጻምእን እናተቀዝፉን ኣብ ስደት ናተይ ዝብሎም መንግስቲ ስኢኖም እናተኸላበቱ እንከለዉ ብጩቅ ኢሉ ዘይተዛረበ፡ ብማሕበረሰብ ዓለም ‘’ብገበን ምጽናት ሰባት ተሓታቲ ኢኻ’’ ምስተባህለ ምስሉይ መግለጺ ምውጽኡ ድማ ንብዓት ሓርገጽ’ዩ። ምልካዊ ስርዓት ኢሳያስኣብ ክንዲ ነቲ ንሱን መሰልቱን ዝፍጽምዎ ዘሎዉ ገበን ዝርዕሙ፡ “ኤርትራን ህዝባን፡ ንልዑላዊነቶም ከይከላኸሉ፡ ሰባዊ ጸጋታቶም በታቲንካን ኣማሲንካን ምርማስ፡ ልምዓታዊ መኸተ ንኸይዕወትን፡ ቁጠባ ንኺዓኑን፡ ብተመሳሳሊ፡ ሰባዊ ጸጋታት ዘሪግካን መጺኻን፡ ዕንወትን ድኽነትን ምንጋስ’ዩ’’ ክብል ንውድብ ሕቡራት ሃገራትን ካልኦት ሃገራት ክጥቅኑ ፈቲኖም።

ምስ መግለጺ ወጻኢ ጉዳያት ህግደፍ ዝተኣሳሰረ፡ ሓላፊ ፖለቲካዊ ጉዳያት ህግደፍን ኣማኻሪ ውልቀ መላኺ ኢሳያስን ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ኣህጉራዊ ማዕከናት ዜና ብተመሳሳሊ፡ ወረጃን መደናገርን መግለጺ ሂቡን ብጋዜጠኛታት ዝቀረበሉ በዳሂ ሕቶታት ምምላስ ስኢኑ ተዋሊኡን። ኣቶ የማነ ምስ ኣገልግሎት ተለቪዥን ሩስያ ኣር ቲ ከምኡ’ውን ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ዝመደበሩ channel 4 ኣብ ዘካየዶ ቃለመጠይቅ ብዛዕባ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ ክምልስ ተሓቲቱ ሓቂ ክዛረብ ስለዝኣገሞ፡ዋሕዚ ኤርትራውያን ስደተኛታ ምስ ናይ ካልኦት ሃገራት ስደተኛታት ኣውዳዲርካ ንጣብ ማይ ኣብ ባሕሪ’ዩ፡ ኣብ ኤርትራ ኣብ መዳይ ሕክምናን ትምህርቲን ምዕባለታት ተራእዩ እንከሎ፡ ኣብ ግብጺን ኣስራኤልን ዘሎ ሃገራዊ ኣገልግሎት ካብዚ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ዝነውሐ ክንሱ መራኸቢ ብዙሓን ዓለም ንኤርትራ ምውቃሰን ጽቡቅ ናይ ኤርትራ ዘይምድላይን ጸለመን ምዃኑ ግዒሩ። የማነ ገብረኣብ፡ ዝተሰደ፡ ናብ ሳዋ ዝተላእከ፡ ዝተኣስረ፡ ኣብ ጉዕዞ ስደት ኣብ ባሕርን ምድረበዳን ዝሞተ፡ ዝተቀትለ ውላድ፡ ሓው፡ ሓውቲ፡ ኣቦ፡ ኣደ ወይ ዘመድ ስለዘይብሉ፡ እቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ሕሰምን መከራን ኣይስቆሮን’ዩ፡ ምክንያቱ ኣብ ከብዲ ጽጉብ ጥሙይ ስለዘየለ ወይ ዘይኩሩምትኻ ሑጻ ቆርጥመሉ ስለዝኾነ። እዚ ሕጂ ብዕድል ህዝቢ ኤርትራ ብፍላይ ድማ ብዝሞቱ፡ ዝሳቀዩን ዝስደዱን ዘለዉ ዝምሕልን ሰማይን መሬትን ዘላግብ ዘሉ ኣማኻሪ ስይጣን  ኣቶ የማነን ካልኦት ስሱዓትን ሕልና ኣልቦ ተሓባበርቱን  ከም ተስፋሚካኤል ገራሃቱ፡ ግርማ ኣስመሮም ሰመረ ርእሶሞን፡ ብሰሪ ሓንዃል  ኣሰራርሓ ህግደፍ ኣብ ኤርትራ ኩናትን ካልእ ተጻብኦን ምስ ዝፍጠር፡ ምስ ስድራቤቶም ሃዲሞም ዝዕቆብሉ ቦታ ኣጣጢሖምን ዶላራት ሓቢኦምን ኣለዉ። እቶም ግዳም ሕሰምን ሞትን ዝኾኑ ድማ እዞም ሕጂ ኣብ ትሕቲ ስርዓት ህግደፍ ዝሳቀዩ ዘለዉ ዜጋታት ጥራይ’ዮም። ምናልባት’ውን ኢሳያስ ብሓይሊ ካብ ስልጣን ምስዝእለ ወይ’ውን ብጸቅጢ በዓል ኣመሪካ  ‘”ደም ምፍሳስ ንምውጋድ ስልጣን’ካ ኣረክብ ብዘይ ክሲን ማእሰርትን መዕቆቢ ክንህበካ’’ ዝብል ምርጫ  ምስዝቀርበሉ፡ ኣቶ የማነ እቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝፈጸሞ በደል ከምዚ ሕጂ ንሓቂ ጠምዚዙ ዘቅርቦ ዘሎ ሓሶትን ለመጭ ኣቀራርባን ከይሓፈረ ‘’ብሰለማዊ ኣገባብ ከነዕርዮ ፈቲና ግን ኣይሰለጠናን’’ ኢሉ ንኢሳያስ ክትክኦ ሕልሚ ይህልዎ ይኽውን። እቲ ክውንነት ግን፡ ውልቀ መላኺ ኢሳያስ፡ የማነ ገብረኣብን ሰዓብቶምን ሓንቲ መዓልቲ  ኣብ ቅድሚ ሕጊ ቀሪቦም ዋጋ ጨካን ተግባራቶምን ጥልመቶምን ፍርዲ ከምዝረኽቡ ክስሕትዎ ኣይግባእን። መዓልቲ ኑዛዜ ከይመጸት ሕሰም ህዝቢ ኤርትራ ንምውጋድ ኣብ መስመር ሓፋሽ ምጽምባር ድማ እቲ ዝበለጸን ዘምሕርን ምርጫ’ዩ።

ጽላል ካብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ (8/1/15)

aseye.asena@gmail.com

Review overview
14 COMMENTS
  • Mike August 3, 2015

    This message is brief and a very well written view. Whoever wrote it, should be well informed and well read. Exposed the tyrant government point by point. well done.

  • ogbai August 4, 2015

    There are no dictators to be seen with out blind followers. Of course, our DICTATOR EXISTANCE IS AS THE RESULT OF OUR WICKNESS. As far as we are not reasoning on the reality and abondoned him. He is going to reign on us with winding and lying fooling us and dividing us easily that using any means of corrupting the Nation. On this condition, that we have two chooses,1. to follow him to what ever takes us to level of North Korea or worse style yES aYAY. 2. TO REMOVE HIM BY FORCE OR UNITED VOICE AND REPLACE HIM BY THE RULE OF LAW. The choice is ours not any bodies job. We have to stop blaming others, and lets start working to together with united hands and VOICES, Instead being remained living under his evil shadow.

POST A COMMENT