Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

መዓልቲ ካራ (ሴፈ-ጎዞሞ)! 7ይ ክፋል።

መዓልቲ ካራ (ሴፈ-ጎዞሞ)!       7ይ ክፋል።        11-04-14። ብሕሉፍ ዘይተገደሰ መጻኢ የብሉን። ……ንሕና ደቂ ኤርትራ ተጻሪፍና ተታሪኽና ደም ከነው ጽኦ እንደሊ ህዝቢ ወይ ሃገር ስለዘብህገና ኣይኮነን ንዛ ረብ ዘለና። ዘዛርበናስ ሎሚ ድማ ተርእዮ ማሕላን መ ሸላን ስለዝበዝሐ ጥራይ ብምዃኑ

መዓልቲ ካራ (ሴፈ-ጎዞሞ)!       7ይ ክፋል።        11-04-14።

ብሕሉፍ ዘይተገደሰ መጻኢ የብሉን።

……ንሕና ደቂ ኤርትራ ተጻሪፍና ተታሪኽና ደም ከነው ጽኦ እንደሊ ህዝቢ ወይ ሃገር ስለዘብህገና ኣይኮነን ንዛ ረብ ዘለና። ዘዛርበናስ ሎሚ ድማ ተርእዮ ማሕላን መ ሸላን ስለዝበዝሐ ጥራይ ብምዃኑ ዝተበደልናዮ ከይንዛ ረብ ግደፍ ኣፍና ዝዓብሰናስ ቅልጽምና’ውን ከምዘይተ ዓጸፈ ኩሉ ክርዳኣልና ኣይነዕጀጁውን። እቲ ናይ ትማ ሊ ዳግማይ ዝተራእየ ወተሃደራዊ ረጽሚ ድማ ፍታው ን መደብን ህዝቢ ኤርትራ ከምዘይምዃኑ ከምጸሓይ ቀ ትሪ ስለዝበርሀ፡ ተመሊስና ናብ ዕንኪላሎ ዘእቱ ኣብ ዘ ይሃለወሉ እዋን ታሪኽና ክንፈልጥ ንእንገብሮ ቃልሲ  ብቂምን ተኹታኹነት ጸረ-ሰላምን ክጥመት የብሉን። ዘይፈለጥናዮ ወይ ገና ዝተዓብዓበ ናይ ውሽጢ ኮነ ናይ ግዳም ታሪኽና ስለዘሎ ድማ ከምዚ ዝብል ጽኑዕ እምነት ኣለና። ትማሊ ዝመሰለቶ ንዘይፈለጣ ጽባሕ ንእትመስሎ ኣይክትራ ኣዮን ኢያ”!! ንቐጽል በሉ።

“እንታይ ንግበር”?  ጉዳይ ምሩኻት ዓሳክር ቅልጡፍ ውሳነ ክዋሃቦ ነይርዎ። ዝኾነት ሃገር ድማ ክሳብ ኣብ እዋን ሓደጋ ከይተ ረፈ ዘዘዋጽኣ ፖሊሲ ትሕንጽጽ እንድያ፡ ወነንቲ ዓወት ዓድዋ’ውን ብመሰረት “በፍትሓ ነገስት” ናይቲ ግዜ ቅዋም ኢቲዮጲያ ምዃኑ ኢዩ) ን800 ኤርትራውያን መቕጻዕቲ (ቅጣት) ተበየነ። እንታይ ዝኣመሰለ ቅጣት? ብመንጽር ፍትሓውነትኸ?

ፍትሒ እንታይ ማለት ኢዩ? መንኢዩኸ ፍትሒ ዝደሊ? ንዝብል ኣጽኒሕና እቲ “ቅጣት” (መስለብቲ መሓውር) ከመይ ነበረ? ናብ ዝብል ነምርሕ።

ዋእ፡ መቸም ኣብ ዓለም ብዙሕ ዓይነት ግፍዒ ተራእዩ ኢዩ። ዋላ’ዃ ከይመጸ ክኽልከል፡ እንተመጸ’ውን ክውሕድ እናተኻእለ እንተዘይተገብረ፡ ንከም ኣብዳሚ ሕማም፡ ባህርያዊ ሓደጋታትን መሰላቱንሲ “ተኣዚዙ” ተባሂሉ እናተመኽነየሉ ሰብ ይቕበሎ ይነብር። ሰብሰርሖ ህልቂት ግና ንሕዱር ጽልኢ፡ ቂምን ሕነን ኢዩ ዝዕድም። ዓለምና ድማ ብዙሕ ከምዚ ዓይነት ርእያ ኢያ። ግዳያት መቕዘፍቲ ኲናት፡ ጃምላዊ ግዳያት ፎርኖታት ሂትለር፡ ጃምላዊ መቕዘፍቲ ጎዞሞ ናይ ሩዋንዳ፡ በቢዓይነቱ ብሰበብ ፖለቲካ ዝፍጸም ማሕነቕትን ብዙሕ ወዘተን ክጥቀስ ይከኣል። ነገር ዓለም ኮይኑ ዝኾነ ሰብ ብሞት ዘቕጽዕ በደል ምስዝብድ ል ብሕጋውን ሞራላውን መገዲ ምስዝፍጸም ምቕባሉ ዘገድድ ክኸውን ይኽእል። ብፍላይ ንሕጋዊት ውሳነ ሞት ፍትሒ ስለ ትፍውሳ መድሃኒት ሕነን ዕግርግርን ኢያ። ውሳነ ሞት ብሕግን ፍትሕን እንተጸዲቑ’ውን ብሞራላዊ መገዲ ክፍጸም ይግባእ። እዚ ማለት ብጥይት፡ ብማሕነቕቲ ዝኣመሰለ ተፈጻምነቱ ይርአ። ሕልፍ-ሕልፍ ኢሉ’ውን ብናይ ኤለክትሪክ መንበራት ወይ ዓራውቲ ዝፍጸም ሞት ይርአ’ዩ። እንትርፎ ኣብገለ ሃገራት ምስሃይማኖት ብዝተኣሳሰር ነገር ኣንጻር ስርቂ ተባሂሉ ዝተገብረ እንተዘይኮይኑ፡ ንምሩኻት ኲናት ዝተበየነ መቕረጽቲ መሓውር ኢልካ ነገርከ እንታይ ኢዩ? ኣበይ ክፋል’ዛ ዓለምከ ተራእየ?

ሕጂ’ውን ንመንፈስ ፈጸምቱን ፍትሓውነቱን ገዲፍና፡ እስከ ንተፈጻምነቱ ንተዓዘብ።

ብወገነይ ግደፍዶ ንመቑረጽትስ፡ ነቲ ዝገበሩ ገይሮም ንክቕሽሹና ክብሉ “ኢቲዮጲያ እናትኩም፡ እህትኩም፡ ጎረቤትኩም ፍን ጫሕ-መሰንገለኹም ወዘተ….ዝብሉዎ ጣቛ ከይተረፈ ፍጹም ኣይብርሃንን ኮይኑስ ተዛረበሉ ኣይመጻንን ኢዩ። እሞ በሉ እቲ ኣገባብ መስለብቲ መሓውር (እንተላይ ብልዕቲ ወዲ-ተባዕታይ ይሰልቡ ኢዮም ኢለሞም) ምሩኻት ኤርትራውያን ብከመይ ከምዝነበረ ንርእሱ “ነባሪ ፖለቲካ” ስለዝኾነ ባዕልኹም ፋሕቲርኩም ክትረኽቡዎ እንተዘይኮይኑ ብወገነይ ዝነግረኩም ቅንጣ ብ ነገር የብለይን። እንተደሊኹም ግን ከምዚ’ንዶ ሕሰቡ፡-

አእ! ሰብ ምቕታል ከምቲ ኩሉ ካልእ እኪት ተለማዲ ኮይኑስ፡ እንተኾነ ከምቶም ናይ ናዚ ሰራሕተኛታት ሞት ከምዕለታዊ ስ ራሕ ይልመድ፡ ካብኡ ዝተረፈ ዋላ’ዃ እንተዘይተደልየ ንዝኾነ ሰብ ብጥይት ከተዕርፎ ንኩልኻ ግልግል ኢዩ። ሕጊ ጸቒጡካ ብማሕነቕቲ ከተሕልፎ እንተተኣዘዝካ’ውን እታ ገመድ ኣብክሳድ መዋቲ ኣእቲኻ ንዝኸውን ነገር ንዘይምርኣይ ገጽካ ክትክው ል ከምዝካኣል ዝጠቕሱ ኣለዉ። ሓኪም ኮንካ ንድሕነት ሰብ ክትብል ንርእሱ ብዙሕ ድፍረት ዘድልዮ ነገር ኣሎ። እዚ ግን ካ ብቲ ንዶላር ክትብል መቀያየሪ ኣካላት ክትምዝሕቕ ሂወት ሰብ ምጥፋእ ኣንጻር ፍትሒ ብምዃኑ ዘራኽብ የብሉን። ብተወሳ ኺ ብዛዕባ ናይቲ ውጽኢትን ክንክንን ናይቲ ዝውገስ ዘሎ ሰብ ብዙሕ ምተባህለ። ዝኾነ ይኹን መቑረጽቲ ከምፖለቲካዊ መ ቕጻዕቲ እንተተኣሚንሉ ምቑራጽ መሓውርከ ከመይ ነበረ ኢና ንብል ዘለና።

ኣይኣዝዝ እንድዩ፡ እንተተኣዚዙ ግን ዋላ ጽባሕ ብዝኽፈሎ ጻማ ሰማያውነት እንተተኣማመነ፡ ኣካላቱ ንካራ ኣሕሊፉ ዝህብ ሰ ብ ኣይተፈጥረን’ሞ ንጎነጻዊ ውሳነ ምድላው ምርጫ ዘይኮነ ግድነት ምዃኑ ካብመን ይኽወል? ፈጸምቲ’ውን ነዚ ስለዝርድኡ ከምዚ ዝስዕብ ከምዝገበሩ ክከውን ይኽእል ኢልኩም ሕሰቡ።

እስከ ምስሊ የሱስ ኪርስቶስ’ሞ ዋላከምኣብነት ሓዙ። ንሱ ብፍቓዱ ኣብታ መስቀሉ ምስተሸንከረ ክገብሮ ዝኸኣለ ነገር ኣይተ ራእየናን። ነቶም ኤርትራውያን ድማ ጉምቦ ኣካላቶም ክቑረጽ እንከሎ ክመጽእ ንዝኽእል መልሰ-ተግባር ንምልኣም ከምቲ ዝ ተጠቕሰ ንሓደ ሰብ ኣብ ሓደ ቃሬዛ መሰል ዝተጸርበ ከቢድ ገረብ የደቅስዎ’ሞ፡ የማናይ ኢዱን ጸጋማይ እግሩን ኣንሰላልዮም ብመጽዓን ወይ ገመድ ኩላ ነብሱ ምስቲ ጉንዲ ብሓይሊ ገሚዶም ምዕይ ከምዘይብል ምስኣሰርዎ፡ (እቲ ስእሊ ኣዕብይዎ’ሞ ምስሊ ክራኣየኩም’ዩ) ወዮ ክምስራሕ ዝተዋደደ ፍጡር ከየእዊ ድማ ኣብ ኣፉ ጉርማጸ-ልዓት ምስደርገሙሉ፡ ኣዒንቱ ኣብ ክ ንዲ ብቅብጸተ-ተስፋ ዝዕጸዋ ዘልኣለማዊ  ታሪኽ ክስንዳ ክመስላ ንማህደረ ዛንታ እናኣቕባሕብሓ ንዝኸውን ይዕዘባ።

ሓደ ረሳን ሰብ በዓል ፉሉሕ ደም ሰለሙነ-ሳባዊ ወዲ ሽዋ-ይስራኤለታይ፡ ጎተናኡ ከምፋረ ጋውና ኣግዒሱ ጋማ ቀያሕ ጨርቂ ዝኣሰረ ክዳን ሓበሻ ተኸዲኑ ነጸላኡ ተደግዲጉ ብየማናይ ኢዱ መላጸ ዝብልሑ ዱልዱል ካራ ብምዕታር፡ ከምጽጋባ ብዕራይ መሬት እናፋሕተረ ኣብርእሲ’ቲ ብሂወቱ ዝተገንዘ ሰብ ብምዛር፡ ሽዑ የዝሙሩዋ እንተነይሮም ድማ “የፍየል ወጠጤ” ክሽልል ጸኒሑ“ቱታ፡ቱታ፡……..እናበለ ምስፈከረ፡ ንወያ ጉምቦ የማነይቲ ኢድ ግኑዝ ዕትዕት ኣቢሉ ‘ንስኺ ዲኺ ቃታ ስሒብኪ ንወዲ ኣቢሲኒያ ከተላእሚ መጺእኪ ኣንቲ ውርደተኛ”!! እናበለ ብሓያል መነሊከ-ኣሉላዊ ወኒ ካብታ ጉምቦኣ ምንጥል!! ኣቢሉ ንወገ ን የማኑ (ናይ ኣእዳው መአከቢ ምዃኑ ኢዩ) ደርብዩ፡ ብጭራሽ ክመታትሮ እናመሰለ ኣፍጢጡ እናጠመቶ ይሕንሕን።

ከመቅጽበት መሬት ብመኾፊ ዘይበቕዖ ሃይቂ ውጹእ ቀይሕ ደመ-ነፍሲ ተጥለቕልቕ። ሽዑ ንሽዑ’ውን ነታ ግዳይ ከምኣካል ወ ጌሳ ተጸብጺቡ ዝግበረላ መቐምረሪ’ዃ እንተነበረ “ገደደ”! ኢልኩም መታን ልብኹም ከይትዝልሕጠኹም ኣይነግረኩም ኢየ።

ቀምራሮ ንወያ ሓኽሊ መሰል ጉንድብቲ ኢድ ኣብ መቐምረሪ እናደርገምዋ፡ ሰላባይ ከኣ ብኣንባኣ ብናይ ፈራህ ጭካነ ነታ ው ጥርቲ ጸጋመይቲ ጉንቦ እግሪ ዓትዒቱ “ናብዛ ቅብእቲ ምድረ-እስራኤልሲ እንታይ ኣምጽኣኪ ኣንቲ የሁዳ”! ብዝዓይነቱ ክቱር ‘ጀግንነት’ እናኣንፈርፈረ ምንጥል! ኣቢሉ ንጸጋሙ ሰው የብላ’ሞ፡ ቦታ ንቀምራሮ ገዲፉ ክሳብ ካልእ ዝምስራሕ ዝቕርቡሉ ኣ ብ ዝተዳለወሉ መንበር ኮፍ ኢሉ ብኢቲዮጲያዊ ትዕቢት ብርዙ እንዳጨለጠ ካራኡ ይስሕል።

ኣብ ሓንቲ ጉምቦ ኢድ ክንደይ መትኒ ደም፡ ህዋሳት ስምዒት፡ ጀማምትን ጭዋዳታትን ከምዘሎ ፈላጣት ሕተቱሉ። ወያ ፍጥ ረት ኣምላኽ እምባኣር ካብቲ መፈጠራዊ ኣካላ ሓንሳብን ንሓዋሩን ብምፍላያ ከምዛ ጭራ ጠበቕ’ዃ እንተ ኣንፈርፈረት፡ ንዋና ኣ ድኣ ይዋኡ’ምበር ንሳስ ሓንሳብን ንሓዋሩን ተፋንያ ኢያ። ወያ ቁራጽ ጉንዲ’ውን ዳግማይ ንዘይትጭብጭብ ነገር ተጎልዒማ ትተርፍ። እቲ ብፍርሂ፡ ቃንዛን ኣውያትን መሬት ከየጨንቕ ኣፉ ዝተለጉመ ግዳይ ግዳ ትርፎ ዓፍራን ግዕራን ከምቲ ዝተጸበ ይዎ ወይከ ኣውያት! መብዛሕትኡ ሓንሳብ ኣዒንቱ ምስተዓመታ ኣየምለሰን። እቲ ብሂወት ዝተረፈ’ውን ክመስሎም ክብል ክ ራታዕ ኣይረኣዩዎን። ኣይመሰሎምን’በር ቀደሙ ንዓዖም ምስኣመነ እንድዩ ተጠሊሙ ዝመተ! ሞት’ኮ ከምታ ክትፍጠር ንሳ ድ ማ ሓንሳብን ንሓዋሩን ኢያ። ንካልእ መለኮታዊ እምነትን ትጽቢት ዳግመ-ፍጥረትን ከይረሳዕና፡ ኣብዛ ምድራዊት ዕድልና ግ ና ሓንሳብ ንፍጠር፡ ሓንሳብ ድማ ንመውት ባቃ!!

ሃሙሽተአን ፋብሪካታት እቶን ሂትለርስ ኣብ ሰዓት ክሳብ ኣርባዓ ምዉታት ናይ ምዱዃዕ ብቕዓት ነይርወን ይባሃል። ወዮ ’ሓ ርበኛ ሰላብ መሓውር ሙሩኻት’ ከ ኣብ ሰዓት ወይ ኣብ ሓደ መዓልቲ ክንደይ መሓውር ይኽንትፍ ይነብር? ክንደይ ቆረጽቲ ይነብሩ፡ ኣብ ክንደይ መዓልቲኸ ተወዲኦም ይኾኑ ዜጋታትና? መታን ብቆራጻቶም ክነብሩ ዝተገብረሎም ሕክምናኸ……….

ኣብ ማሕበራዊ መዳያቱ እንተረኣና ‘ዓንቛስ ያኢ እግሪ ክኾነለይ’ እናተባህለ ዝሰዓበ ባጫን ውርደትን ኣየርእኹም። ዝኾነ ኮይ ኑ እቲ ሽዑ ዝትንከፍ ዘይመሰለ ሰኽራም ዓወት ጎረቤትና ዘፍ ዝበለሉ ወቕቲ ክሳብ ዝዕለሎ፡ እቲ ሽዑ’ሞ ጣልያን ወራሪ ኮይ ኑ’ዩ ዝመጸና። ‘ሓቂ ንምዝራብ’ ኢሎም ዝትርኹ ክስምዑ ንሱ ንዓሳክሩ ነበር ብሓፈሻ፡ ብፍላይ ድማ ንስንኩላቱስ ኣይጠለመ ን። ደቦዚቶ ትፈልጡ ሰባት ምስሎምን ናብሮኦምን ትዝክሩዎ ኢኹም። ሎሚ ድማ ንሕና ገላዩ ኰንና ባዕልና ብምምጻእ ዓዱ ኣዕለቕሊቕናዮ እነና። ኩሉ ተገላቢጥና ጣልያን ዝምስገነሉ ግዜ ኣርኪብና። ንሱ ንስንኩላቱ ብጥይት ኣይኣርበደን ማለተይ’የ!!!

‘ሓሪስካ ኣይሓለፈ ተጋዲልካ’ ክብል ባሺኖስ ሓቁ’ዩ። ክውስኸሉ፡ ሸቂልካ ኣይረሃወ ተሰዲድካ። ዕጫ ኤርትራዊ!!

ስርዓተ-መስለብቲ ብከምዚ ዝተባህለ እንተቀሪጽናዮ ንምልኣተ-ታሪኽ “ኣበይከ ተፈጸመ”? ምባል ኣይተርፍ። እንተኾነስ ንሓ ዋሩ ምስታ ቦታ ንዘይምጽላእ ዝኣክል ኣብቲ ከባቢ ምንባራ ጣራይ ይኣኽለና። ንጭብጥነቱ ግን በቲ እዋን ኩሉ ክርእዮ ግዲ ተደልዩ ነይሩ ብዝኸድካዮ ውዳቕ ቁራጽ ኣካላት ተዘሪኡ ከምዝነበረን፡ ንጉስ ድማ ብዝመጾም ጥርዓን (ራእሲ ወልደንኪኤል ናብ ንግስቲ ቀሪቡ ሓያል ተቓውሞ ከምዘቕረበ) ደው ከምዘበሉዎ ይትረኽ። ሙሩኻት መቸም ኩሎም ተቖሪጾም ኢዮም። እ ንተ’ቲ ብሂል ግን ምናልባሽ ንሙሉእ ህዝቢ ኤርትራ ከየስዕብዎ ግዲ ተፈሪሁ ነይሩስ፡ ‘ብርህራሀ’ ጃንሆይ መቕረጽቲ ደው ከ ምዝበለ ነገሩና።

ዝኾነስ ኮይኑ፡ ብሓደ ዝተፈጥራ ኣካላት በበይነን ክመታን ክቅበራን ክትርእስ ክንደይ ይኸፍእ!

ዓለም ድማ ብፍጡራታ ክትዋዘ ከምዝማዓራ በቲ ሓደ ማእለያ ዘይብሉ ንጹህ ህዝቢ ከምዛዋዛ ክእርበድ እናተዓዘበት ሎሚ ከኣ ሂወት ክትራታዕ ምርኣይ ከምስቅያትን ሓጥያትን ተቖጺሩ እዚ ሓድሽ ዎሎዶ ፈረንጂ ክሳብ ነታ ባዕሉ ዝበልዓ ደርሆ-ሓ ሰማ ክሓርዳ እንተነጊርካዮስ ይትረፍ እንተ ኣርኢኻዮ’ውን ከምኡ ዓይነት ፋሽሽትነት ርእዩ ስለዘይፈልጥ ከይተገረመ ኣይሓል ፍን። እቲ ዝብሉና ሓቆም እንተኾይኖም ብኸምኡ ዝዓበየ ሰብ ንከምኡ ሰብ ክእርብድ ምርኣይከድኣ ምጾታት ዶኾን ኮይኑ?

ኣብ ዝቕጽል የራኽበና።

ጎደፋ፡

 

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
27 COMMENTS
  • Dala ksha April 11, 2014

    Tezareb wedi sbagadesh
    You trying to hide the crime of your grandfathers I don’t blame you

    • Kalighe April 12, 2014

      “You trying to hide the crime of your grandfathers I don’t blame you”

      DK

      Brother; the guy who uses here in this Forum more than ten nicknames, is one if the most hate monger Ethiopianists.

  • SARA April 12, 2014

    THE BEST THING TO DO IS TO DIVIDED ERITREA INTO TWO PARTS. ONE PART WOULD GO BACK TO SUDAN AND THE OTHER PART WOULD GO BACK TO TIGRAY. WHEN THE ITLIANS CREATED ERITREA THEY PUT TOGETHER PEOPLE THAT SHOULD NOT BE TOGETHER.

    • MightyEmbasoyra April 13, 2014

      Sara,
      If countries like Singapore can survive and flourish, why would you think Eritrea shouldn’t survive on its own?
      Take a look at this simple data, if you think it is so small.
      Singapore: 274.1 sq miles (710 km²), Population: 5.312 million (2012)
      Eritrea: 45,406 sq miles (117,600 km²), Population: 6.131 million (2012)

      When Isayas is gone from “Midre Eritrea”, you will see how Eritrea will get back on its feet and develop gradually.
      You can’t just simply divide an independent country to its neighbours. I hate to disappoint you but Eritrea is no for sale. Sorry.

  • Kalighe April 12, 2014

    THE BEST THING TO DO IS TO DIVIDED ERITREA INTO TWO PARTS. ONE PART WOULD GO BACK TO SUDAN AND THE OTHER PART WOULD GO BACK TO TIGRAY. WHEN THE ITLIANS CREATED ERITREA THEY PUT TOGETHER PEOPLE THAT SHOULD NOT BE TOGETHER.

    Sara aka Tezarb, Bokre

    This is what you wish and dream but will never happen.
    If you don’t learn to be Eritrean, it’s you who will go back to your ancestors land or pay the consequences of hate mongering business you are doing.

  • SARA April 12, 2014

    KALIGHE,
    MY BROTHER I HAVE NOTHING BUT RESPECT FOR YOU, AS AN ERITREAN, I AM PURPOSING A SALUTATION TO OUR ON GOING ISSUES. ERITREA CAN’S SUSTAIN ON ITS OWN AS A COUNTRY.

  • ahmed saleh April 12, 2014

    Sara
    You think Ethiopians will welcome you
    back respectfully with all the dirt on your backyard , I don’t think so . Clean
    yourself first then we will see what is
    next . Only cowards run to hide from
    facing facts .

  • selam April 13, 2014

    Sara
    this is your dream,but impossible

  • Ateshim April 13, 2014

    100 years ago, barbaric measures which were taken by anyone, there are 1000 reasons to accept, why it happens. In 21 century killing people in Elaero is not accepted. Please tell us about Eritrean heros like Okbe Abreha who are leading the worst punishment ever under your leadership HIGDEF

  • fikre gebremeskel April 13, 2014

    I felt sorry for Eritreans.Are the always stupid or are they trying to waste their time blaming others for their own failure….get your life. your problems are not in Ethiopia, they are in Asmara’s palace.

POST A COMMENT