Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

መዓልቲ ፍርዲ ቀሪባ’ያ

ቅድሚ ክልተ ዓመት እዚ እዋን’ዚ፡ በቶም ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ደሴት ላምፐዱሳ ሂወቶም ዝሰኣኑ 368 ኣሕዋትናን ኣሓትናን ጉሂና፡፡ ማሕበረሰብ ኤውሮጳ እንተላይ ጳጳስ ቫቲካንን ካልኦትን ንስድራ መወቲን ማሕበረሰብ ኤርትራውያንን ሓዘኖምን ደገፎምን ገሊጾም፡፡መብዛሕትኦም ደለይቲ ሰላም ኣባላት ማሕበረሰብ ኤርትራውያን

ቅድሚ ክልተ ዓመት እዚ እዋን’ዚ፡ በቶም ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ደሴት ላምፐዱሳ ሂወቶም ዝሰኣኑ 368 ኣሕዋትናን ኣሓትናን ጉሂና፡፡ ማሕበረሰብ ኤውሮጳ እንተላይ ጳጳስ ቫቲካንን ካልኦትን ንስድራ መወቲን ማሕበረሰብ ኤርትራውያንን ሓዘኖምን ደገፎምን ገሊጾም፡፡መብዛሕትኦም ደለይቲ ሰላም ኣባላት ማሕበረሰብ ኤርትራውያን ኣብ ኤውሮጳ ተኻፈልቲ ሓዘን ስድራ ቤት መወቲ ኮኑ፡፡

ኣባላት ህግደፍ ሽዑ ኣብ ልዕሊ መቓብር ኣሕዋቶምን ኣሕዋቶምን ክስዕስዑ ፌስቲቫላት ይውድቡ ነይሮም፡፡ኣባላት ባይቶ ኤውሮጳ ንስድራቤት መወቲ ደገፎም እናገለጹ ፡  ኣብ ገምገም ላምፐዱሳ ዝተደርደር ቃሬዛ ግዳያት ዘይርኢ ኣእምሮኡ ዝሓመመ ጉጅለ፡ፓራኖያ ይበሃል፡፡ በቶም ግዳያትን በቶም ኣብ ምፍናው ሬሳ ዝነበሩ ኤርትራውያን ዝተሰምዖ ሓዘን ንምግላጽ ባሮሶ ከም ህጻን ነቢዑ፡፡

እዚ ካብ ምልኪ ብምምላጥ ሂወቶም ከድሕኑ ናይ ዝፈተኑ ጃምላዊ ዘይንቡር ሞት’ዩ፡፡

ብዙሓት ኣባላት ህግደፍ: ኣብ 80ታት ኤርትራ ብኢትዮጵያ ተታሒዛ ኣብ ትሕቲ ሽበራ ደርግ ከላ ንሳቶም እውን ሓተቲ ዕቑባ ምንባሮም ረሲዖም፡፡ ኣብ ኣሜሪካን ኤውሮጳን ዑቕባ ብምሕታት ዝተጣየሱ ሰባት ዝሓለፈ ታሪኽ ረሲዖም፡ ኣብ ልዕሊ እቶም ፍትሒ ደልዮም ዝስደዱ ኣሕዋቶም ከም’ዚ ግናይ ተግባር ብከመይ ይውዕልዎ፡፡  ምልካዊ ኢሳያስ ሬሳ ኤርትራውያን ኣብ ሃገሩ ንቡር ከይረክብ ከልኪሉ ከብቅዕ፡ሰባት ኣብ ልዕሊ’ዚ ኣብ ቅድሚ ዓለም ዝተፈጸመ ህልቂት ኤርትራውያን፡ ጌጋ ክፍጽሙ ከቢድ’ዩ፡፡

ኣብ ህላወ ናይ 21 ክፍለዘመን ነዚ ገዚፍ ጥፍኣት ብከመይ ንርስዖ? ኣብ ትሕቲ ምልኪ ኢሳያስ ሰብኣዊ መሰል ተጋሂሱን ብዙሓት ግዳያት ክብሪ ተነፊግዎምን፡፡ በዞም ግዳያት ዝውዳእ ኣይኮነን፡፡ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ብዙሓት ሰባት ግዳይ ነጋዶ ሰብ ኮይኖም ምርኣይ ተለሚዱ፡፡ በዚ ድማ ቅልጽምና ብምትራር ኣንጻር ምልኪን ሰብኣዊ ግህሰትን እንተዘይተቓሊስና መፍትሒ ከምዘየልቦ የዘኻኽረና፡፡

ክሳብ ኣብ ኤርትራ ፍትሒን ሓርነትን ዝረጋገጽ ድማ በብዕለቱን ኣብ ነፍወከፍ ዓመትን ጥዋፍ ብምብራህ ክንዝክሮም ኢና፡፡ክሳብ’ታ መዓልቲ ፍርዲ ድማ ጥዋፍ ደለይቲ ፍትሒ ኣብሪህና ወትሩ ንዘክሮም፡፡

 

ዝኽሪ ግዳያትና

ብዛዕባ’ቲ ህልቂት ጋርድያን ዝተባህለ ጋዜጣ ዝስዕብ ኣስፊሩ፡-

ዝሓለፈ ጥቅምቲ ኣብ ደሴት ላምፐዱሳ ኢጣልያ ሓንቲ ጃልባ ጥሒላ ተሳፊሮማ ዝነበሩ 366 ስደተኛታት ሞይቶም፡፡ እንታይ ስዒቡ? እዚ ታሪኽ ናይ ሓደ ካብ’ቶም ብሂወት ዝተረፉ ፋኑስ ዝተባህለ’ዩ፡፡ ንሱ  ካብ’ቶም በብዓመቱ ካብ ኤርትራ ብምህዳም ዑቕባ ዝሓቱ ኣሽሓት ሰባት ሓደ’ዩ፡፡

3 ጥቅምቲ ዝሓለፈ ዓመት ሰዓት 2 ናይ ለይቲ፡ ልዕሊ ዓቕማ ዝተጻዕነት ጃልባ መግፈፍ ዓሳ፡ትሕቲ ፍርቂ ማይል ካብ ደሴት ላምፐዱሳ ናይ ኢጣልያ ጥሒላ፡፡ነቶም ኣብ’ታ ጃልባ ተጸፍጺፎም ዝነበሩ 518 ሰባት፡ እቲ ብልጭታ መብራህቲ ናይ’ታ ደሴት ምልክት ምዝዛም ነዊሕን ኣጸጋምን ጉዕዞኦም ነበረ፡፡ነፍስ ወከፎም ባሕሪ ቆሪጾም ኤውሮጳ ክኣትው 1600 ዶላር (964 ፓውንድ ስተርሊንግ) ከፊሎም፡፡መሬት ብምርኣዮም ዝተመርጸ ልብሲ ለቢሶም ፌስታላት ጠርኒፎም ናብ ኤውሮጳ ክኣትው ተሸባሸቡ፡፡ ድሕሪ ናይ 36 ሰዓታት ሓጎጽጎጽ ሞተር ጸጥታ ሰፈነ፡፡ እቲ እንኮ ድምጺ ብማዕበል ዝጋጮ ክፋል ጃልባ ዝፈጥሮ ነበረ፡፡

መራሕቲ ጃልባ ኣብ ከም’ዚ ኩነታት ዝበዝሕ ጊዜ ሞተር ብምጥፋእ ሓለዋ ገማግም ባሕሪ ኢጣልያ ጎቲቶም ክውጽእዎም ይጽበዩ፡፡ በዚ ድማ ኣብ መንጎ’ቲ ዝሰግር ሰብ ተሓዊሶም ብምውጻእ ካብ ማእሰርቲ የምልጡ፡፡ ኣብ ላዕለዋይ ክፋል ጃልባ ዝነበሩ ሰባት ካብ ቀዝሒ ክድሕኑ ኮቦርታ ተኸዲኖም፡ ገለ ሽጋራ እናትከኹ ናብ’ቲ ብማዕዶ ዝነበረ መብራህቲ ብምዕዛብ፡ ኣብ ኤውሮጳ መጻኢሓዲሽ ሂወት ሰኣሉ፡፡ኣብ ታሕተዋይ ወገን እታ ጃልባ ሙቐት ነበሮ፡፡ ኣብኡ ብዙሓት ሕሙማት ኣብ ዝተወሰነ ቦታ ተጸቓቒጦም ነበሩ፡፡

ቆልዑት እውን ከም ወለዶም ግዳያት ኮኑ፡፡

ኩነታት እናበኣሰ ከደ፡፡ ነቲ ሓደጋ ዝከላኸል ምልክት ኣይነበረን፡፡ ነፍስ ወከፍ ፍታሕ ከናዲ ሃሰው በለ፡፡ እንተኾነ ኣብ ሓዲሽ ዓለማዊ ስርዓት ሓያላት ሃገራት እንተዘይደልየንኦ መፍትሒ የልቦን፡፡ ውልቀ መለኽቲ ብዋጋ ሚልዮናት ሰባት ኣብ ዙፋን ይኹደጩ፡፡

ኣብ 2015 ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ጃላቡ ብምጥሓለን ዝስዕብ ሞት 1600 ሓሊፉ

እቲ ሓደጋ መቐጸልታ ናይ’ቶም ናብ ኤውሮጳ ክኣትው ዝሕልኑ ኣብ መንገዲ ዝሞቱ ዘለው ሰባት’ዩ፡፡ ንሳቶም ብቕዓት ብዘይብለን ጃላቡ ኣብ ሰሜን ኣፍሪቃ ንዘሎ ዕግርግር ተጠቒሞም ካብ ሕጊ ወጻኢ ብዝሰርሑ ነጋዶ ሰባት ይሰጋገሩ፡፡

ኣብ ማእከላይ ባሕሪ 700 ሰባት ምስ ጠሓሉ፡ ጳጳስ ካቶሊክ ኣቡነ ፍራንሲስ ምስ ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ባንኪ ሙን ስጉምቲ ክውሰድ ጸዊዖም፡፡ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ሓለዋ ባሕሪ ኢጣልያን 28 ሰባት ጥራይ ከምዝደሓኑ ገሊጾም፡፡ኣብ’ታ 20 ሜትሮ ጃልባ 700 ሰባት ከምዝነበሩ ጸብጻባት ገሊጾም፡፡

“ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ዝኸፍአ ህልቂት ንዕዘብ ዘሎና ንመስል” ኢላ ኣፈኛ ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ውድብ ሕቡራ ሃገራት ካርሎታ ሳሚ፡፡

ቀዳማይ ሚኒስተር ማልታ ጆሰፍ ሙስካት ብወገኑ ሂወት ኣድሕን ኣብ’ቲ ቦታ ተዋፊሮም ኣብ መንጎ’ቲ ጸብለል ዝብል ሬሳ ፡ ብሂወት ንዘለው ሰባት የናድዩ ከምዘለው ገሊጹ፡፡ንሱ “እዚ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ካብ ዘጋጠመ ዝኸፍአ ትራጀዲ’ዩ፡፡ ቆልዑ፡ ኣንስትን ሰብኡትን ሞይቶም” ብምባል ገሊጹ፡፡

ህልቂት ሰባት ከኸትም ፡ኣቡነ ፍራንሲስ ንመራሕቲ ሕብረት ኤውሮጳ ተማሕጺኖም፡፡

ንሶም ኣብ ሰሙናዊ ስብከት ንኣመንቲ ካቶሊክ ኣብ ኣደባባይ ቅዱስ ጴጥሮስ ተረኺቦም” እዚኦም ከም ኩላትና ሰብኡትን ኣንስትን ኢዮም፡ንዝሓሸ ሂወት ዝስደዱ ኣሕዋትና’ዮም” ብምባል ተመሳሳሊ ትራጀዲ ከይድገም፡ መራሕቲ ብትብዓትን ብህጹጽን ስጉምቲ ክወስዱ ጸዊዖም፡፡

ዋና ጸሓፊ ው.ሕ.ሃ. ሚስተር ባን  በቲ ሓደጋ ኣዝዩ ከምዝጎሃየን ከምዝሰንበደን ገሊጹ፡፡ሚስተር ባን  ኣብ ቅድሚ’ዚ ቅልውላው ፡ምትሕብባር ክገብርን ጾር ክካፈልን ንኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ጸዊዑ፡፡ ንሱ መንግስታት ኣብ ምድሓን ሰባት ካብ ባሕሪ ጥራይ ከይተወሰና ናይ’ቶም ብዓለም ደረጃ ካብ ውግእ ብምምላጥ ዑቕባ ደልዮም ብብዝሒ ዝሰደዱ ዘለው መሰል ከረጋግጻ ሓቲቱ፡፡

 

መፍትሒ እዚ ትራጀዲ እንታይ’ዩ?

ንስድራ ቤት ግዳያትን ደቆምን ብሞራልን ብገንዘብን ንምድጋፍ እዚ ዘይውዳእ ትራጀዲታት ንውሳነና ዳግም ክንርኢ ትምህርቲ ክንቀስመሎ ይግባእ፡፡ ኣብ ክፍለ ዓለምና ሰባት ቤቶም ዝገድፉሉ ሓደ ካብ’ቲ ጠንቂ ፡ ስእነት ዲሞክራሲ፡ ምልኪን ሕገ-ኣልቦነትን ዝምንጩ ድኽነት ኢዩ፡፡

ኣብ ጉዳይ ኤርትራ ክልቲኡ ሕገ-ኣልቦነትን ብኢሳያስን ጉጅለኡን ብመደብ ዝፍጸም ናይ ምጽናት ተግባር’ዩ፡፡ እንተኾነ ንሱ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ በብዕለቱ ብዝሃልቕ ዘሎ ኤርትራዊ ዝዓገበ ኣይመስልን፡፡እዚ ምልካዊ ብሂወት ኣብ ስልጣን ክሳብ ዘሎ፡ መከራና ዝውዳእ ኣይመስልን፡፡ በጃኹም ኣንጻር ምልኪ ብሓባር ንቃለስ፡፡

ክብሪን ሞገስን ንስውኣትን ንግዳያት መንግስተ ሰማይ የዋርሶም

ክንዕወት ኢና

ተ. ይትባረኽ

ትርጉም ዳኘው ኣስፍሃ

ኦስሎ ኖርወይ

12.10.15

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
2 COMMENTS
  • Haile Tewolde October 13, 2015

    ዝኸበርካ ዳኘው ዓርከይ ነዚ ዘይርሳዕ ጸሊም ታሪኽና ኣገዳስነቱን ርዝነቱን ሪኢኻ ካብ ተ.ይትባረኽ ብ’እንግልዘኛ ዝተጻሕፈ ጽሑፍ ምቱርጋምካ እንዳኣመስገንኩ ኣምላኽውን ሓይልን ጥዕናን ዕድመን ይሃብካ፡ መታን ንኸምዚኦም ዝኣመሰሉ ጽሑፋት ከይረብረብካን ከይደኸምካን ኣበርኩቶኻ ክትገብር መታን ኩሉ ናይዚ ጽሑፍ ተኻፋሊ ክኸውን።
    ሓቂዩ ከምቲ ሓውና ይትባረኽ ዝጸሓፎ፡ ንሕና ብዛዕባቶም ብኽንደይ ሽግርን መከራን እሞ ካብቶም ዝበዝሑ እቶም ዝዋሓዱ ብምርኣይና ንሕጎስ ንኸውን ምሑጋስናውን ሕማቕ ኣይኮነን እንተኾነ ግን ብኽፍሊት ገንዘብ ሂወቶም ከድሕኑ ዘይከኣሉ ኣብ ሲናይን ኣብ ዉሽጢ ናይ ካይሮ በትማእሰርትን ብዝተፈላለየ መንገዲ ኣካላቶም ተጠቢሑ ኣብ ናይ ዓለም ዕዳጋ ዝተሸጠን፡ ኣጸያፊ ዝኾነ ኢሰብኣዊ ገበናት ኣብ ልዕሊ ደቀንስትዮን ደቂተባዕትዮን ዝውረደ ማህሰይትን ገናውን ዝወርድ ዘሎ ናይ ሰብኣዊ መሰላት ተጣበቕቲ ዝምስክሮዎ ሓቂ እዩ። ገናውን ኣብ ዘይፍለጥ በትማእርትታት ግብጽን ሊብያን ተዳጉኖም ዘለዉ ጭብጥታት ከም ዘሎውን ንፈልጥ። እዚ ኾይኑ ግን ንሕና እቶም ደቂሃገር ንበሃል ኣብ ግዜ መግዛእትን ድሕሪ መግዛእን ንወጻኢ ዝመጻእና እንታይ ንገብር ኣለና? ዝብል ሕቶ ሰፊሕን ኣካታዕን ዝኾነ ኣርእስቲ ስለዝኾነ ኩሉ ናይ የእሙሮ ጥዕና ዘለዎ ተኣኪብና ክንመያየጠሉን ክንዛረበሉን ይግባእ ምኽንያቱ ካልእ መፍትሒ ስለ ዘየሎ፡ ተራኺብካን ተኣኪብካን ጥራይ ኢኻ ብዛዕባ ኩነተትናን ኩነታት ተቓውሞ ደንበን ክንግምግን ንኽእል፡ እንተዘይኮይኑ ተቓዉሞ ዉድባት ሓቢረን ገለ ዘይገብራ ምባል እኹል ስለ ዘይኮነ፡ ኩላህና ካብ ጸቢብ ውድባውን ሃይማኖታውን ኣውራጃውን ኣታሓሳስባ ወጺእና ነብስና ወኪልና ንራኸብ እሞ መፍትሒ ክንረኽበሉ፡ እንተዘይኮኑ ንከይትራኸብ ኣብ ሑቆን ከብድን ኮይናሉ ዘለና ህሞት ብጀካ ምስትምሳልን ምግሃይን ካብኡ ሓሊፍና ንገብሮ የብልናን። መጀመርያ ካብዚ ንውጻእ ሓላፍነት ንሰከም ካብ ጽበት ስፍሓት ነማዕብል፡ ካብ ትምክሕትን ህልኽን ምክብባርን ፍቕርን ነማዕብል ከመይሲ ሽግርና ባዕልና እንተዘይኮይኑ ካልእ ግዳማውን ግዝያውን ሽግር ጥርይ እዩ ክገብረልና ዝኽእል እሞ፡ ከምቲ ኣቦታትና ዝብልዎ ዘይተርፍ ጋሻስ ኣጥቢቕካ ስዓሞ ካብ ኮነ፡ እሞ ፍታሕ ካብ ደለና ንፍታሕን ንለውጥን ቁሩብነትና ነረጋግጽ።

    • Dagnew Asfaha October 17, 2015

      MY DEAR HAILE ARKEY ?! I READ your articulate with great interest. You are absolutely right, we need to come together for the common good of our country.The only way of the predicament befallen on us is dialogue & genuine debate & communication among peace loving citizens, as you have pointed out in your view.again thank you for your kind words keep it up.

POST A COMMENT