Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

መዓልቲ 8 መጋቢት ትንሳኤ ጓል ኣንስተይቲ ዓለም !!!

ብገዛኢ ኪዳነ ኣደይዶ ክብለኪ ወላዲተይ ኣደይዶ ክብለኪ ሓዛሊተይ ኣደይዶ ክብለኪ ሓብሓቢተይ ኣደይዶ ክብለኪ መዕበይተይ ሓፍተይዶ ክብለኪ ካልኣይተይ ጎድነይዶ ክብለኪ ኣካላተይ መትነይዶ ክብለኪ ህዋሳተይ ብጸይተይዶ ክብለኪ መማኽርተይ ብርሃን’ኮ ኢኺ ባና ናይ ህይወተይ።   ፈራይት ጸጋይት ኣንስተይቲ ጾታ ፍንጫል ጎድነይ ናይ ልበይ ትርግታ መትኒ ልበይ ናይ ናብራይ መሰታ መሰልኪ ክሕሎ ይህበኒ

ብገዛኢ ኪዳነ

ኣደይዶ ክብለኪ ወላዲተይ

ኣደይዶ ክብለኪ ሓዛሊተይ

ኣደይዶ ክብለኪ ሓብሓቢተይ

ኣደይዶ ክብለኪ መዕበይተይ

ሓፍተይዶ ክብለኪ ካልኣይተይ

ጎድነይዶ ክብለኪ ኣካላተይ

መትነይዶ ክብለኪ ህዋሳተይ

ብጸይተይዶ ክብለኪ መማኽርተይ

ብርሃን’ኮ ኢኺ ባና ናይ ህይወተይ።

 

ፈራይት ጸጋይት ኣንስተይቲ ጾታ

ፍንጫል ጎድነይ ናይ ልበይ ትርግታ

መትኒ ልበይ ናይ ናብራይ መሰታ

መሰልኪ ክሕሎ ይህበኒ ሩፍታ

መሰልኪ ክገሃስ ይሓድረኒ ስክፍታ።

ኣንቲ መፋጥርተይ ብርሃን ወርቂ ዘቦ

ሎሚ ዘይኮነ ካብ ጅመር ብዓንተቦ

ከም ኣብራሃምን ሳራን ፈጺምና መውስቦ

ዓለም መሊእናያ ብዝረሃዎ ብዝጸበቦ።

ኣብዛ ራህዋን ጸበባን ዝተፈራረቓ ዓለም

ንምግሃስ መሰላት ብዙሕ ኢዩ ዝእለም

ኣብ ወረቐት ዝሰፈረ ከይነቐጸ ቀለም

ማሕላን መብጸዓን ብዙሕ ኢዩ ዝጥለም።

 

ሰባት ኣሎዉ መሰል ፍጡራት ዝግህሱ

ንጾታኺ ብንዕቀት ብብዳዐ ዘናኣእሱ

ነቲ ለዋህ ባህርያትኪ ዘራኽሱ

መሰል ንዘይምኽባር ሓዊ ዘናኽሱ።

 

ሾመንተ መጋቢት ድማ ደበኽ በለት

ነቲ ድሑር ብደዐ ክትበትኽ ሰንሰለት

ታሪኻዊት መዓልቲ ብርኽቲ ዕለት

ናይ መሰል ሰንደቅ ኣብ ልባ ሰቐለት።

 

ኣንቲ ፍንጫል ጎድነይ ኤርትራዊት ወለላ

ንጽህቲ ጓል ሂዋን ዘይምኖ ዕላላ

ኣካቢት ስድራ ተጣባቒት መሰላ

ሓንቲ ዝመትከላ ዘይትዓጽፍ ቃላ።

 

ከመይ ኣሎ ናብራ ኣንበሲት ዋዕሮ

ዓዲ ከመይ ኣሎ ምልኪ ዝወረሮ

ብሰንኪ ህግደፍ መሰል ዝበኾሮ

መንእሰይ ኣብ ጉድጓድ በዂሩ ምህሮ

ናይ ሓሶት ዳንከራ በዚሑ ኮበሮ

ህዝብና ደበስ ስኢኑ ህይወት ዝኸሰሮ።

 

ኣብ ስደት ዘሎኺ ኤርትራዊት

ኣብ ዓዲ ዘሎኺ ሃገራዊት

መሮር ዝሰፈርኪ ከም ኣራዊት

ከመይ ኣሎ ናብራ ኣንቲ ተፈታዊት።

 

8 መጋቢት ክብርቲ መጺኣ ከም ቀደማ

ታሪኻዊት ዕለት ናትኪ ግርማ

ንመሰልኪ ተጣቢቓ ዘእሰረትኪ ጋማ

ናትኪ ኢያ ኣዛ መዓልቲ ብሕታዊት ኣርማ።

 

በሊ ሃየ መሰልና ተደፊሩ ሃገርና ከይሃጉግ

ኢድ ንኢድ ተተሓሂዝና ምልክነት ክንሰጉግ

መሰልና ንምኽባር ኣብ ቃልሲ ንበል ዕጉግ።

 

 

ዕላማ 8 መጋቢት ሽግ ወሊዕኪ

ንዕናይ ናብ ቃልሲ ከም ቀደምኪ

ኤርትራዊት ዋዕሮ ኣስምዒ ድሃይኪ

ምእንቲ ህዝብኺ ምእንቲ መሰልኪ

ሎሚ’ውን ከም ቀደም ኣትርሪ ቅናትኪ።

 

ኣንትን ንህግደፍ እትድግፋ

ኣብ’ቲ ስርዓት ዘሎክን ሓለፋ

ዙርያ ተኸዲንክን እትጻረፋ

ልቢ ግበራ ብዙሕ ኣይትለፍልፋ

ጸርፊ ግደፋ መልሓስክን ዕጸፋ።

 

ኣብ ዓዲ ስደት ምስ በረድ ምስ ኣስሓይታ

ወጽዓኣ ዘየለለየት ፈናጅል ኣዒንታ

ኣብ ልዕሊ ዙርያኣ ኣሲራ ቅናታ

ነጸላ ጫማ ወዲያ  ምስ ስልማታ

ጽብቕቲ ፍጥረት ዘይብላ መሰታ።

 

እንታይ’ሞ ክኽውን ሓብተይ ሕሰብሉ

ሕሰም ሕዝብኺ ሕሰምኪ እንደኣሉ

ናይ ጭቁን ህዝብኺ ኣይተዕብሪ ቃሉ

ንመሰልኪ ክትቃለሲ ቃል እተውሉ።

 

 

ብትእዛዝ ህግደፍ ዙርያ ተኸዲንኪ

ነቲ ጨቋኒ ህዝቢ ንህግደፍ ደጊፍኪ

ንህዝቢ ዝኣስር ዘየኽብር መሰልኪ

ንኣስሓይታ ንቁሪ ሂብክዮ ዝባንኪ።

 

ኣይፋልክን ሓፍተይ ኤርትራዊት ወገነይ

ልምድና ኣይኮነን ይጥዓመኒ ንበይነይ

ህዝቢ ተወጺዑ እናተሰሓገ እንከሎ

እናተቃለሰ መሰሉ ክሕሎ

እንታይ ገደሰኪ እንዳ ህግደፍ ውዕሎ

ኣይምሰልኪ ቀሪቡ ኢዩ ህግደፍ ክዕሎ

ሕሰብሉ ደኣ ኣንቲ ወገነይ ኩሑሎ።

 

እተን ኣብ ስልጣን ዘሎዋ ውሑዳት ኣንስቲ

ብዛዕባ መሰል ዘይዛረባ ናይ ጻርያ ኮነት ጥንስቲ

ኣብ ፓርላማ ኣሎዋ ይበሃል ቀመም መሓውስቲ

መዕጸዊ ኣፍ ክኾና ንጓል ኣንስተይቲ።

 

ንሰን ስለ ዝረብሓ ንስኺ ኣይረባሕኽን

ኤርትራ ዓደን ኢዩ እምበር ኣይዓድኽን

ሕሰብለን ደኣ ንተን ጩቁናት ኣሕዋትኪ

ቀደም ተጋጊኺ ሎሚ ይኣኽለኪ

ምኽረይ ተቀበሊ ኣነ ክነግረኪ

ህዝብኺ ኣይትህሰዪ ንህግደፍ ደጊፍኪ

ድሓር ከይትጉዪ ብሕሉፍ ታሪኪ

እዚኣ ኢያ ምኽረይ እዚ ወድሓንኪ።

 

 

ዓወት ንዕላማ ን8 መጋቢት

ውድቀት ንህግደፍን ኮራኹሩን።

 

 

 

 

 

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
NO COMMENTS

POST A COMMENT