Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

መዓስ ሎሚ ዄይና ተደፊርና!! – SPEECH MADE IN LOS ANGELES ANAHEIM CA DEMO NOV 11, 2017

መዓስ ሎሚ ዄይና ተደፊርና!! ሜዳ ክንስለፍ ቀለቤት ቃልኪዳና ምስ ተሓደግና፣ ሮሜር ሰዓትካ ንሓላፊ እያ ትግባእ ተባሂሉ ምስ ተሃገርና፣ ድያቖናት ካብ ኣብያተ ክርስትያናት ኣድባራትን ወርቅን ብሩርን መሳቕልን ሒዞም ክስለፉ ምስ ተገብረ፣ ኣዴታት ብሃገራዊ ስምዒት ኣረሳሲንካ

መዓስ ሎሚ ዄይና ተደፊርና!!

  • ሜዳ ክንስለፍ ቀለቤት ቃልኪዳና ምስ ተሓደግና፣
  • ሮሜር ሰዓትካ ንሓላፊ እያ ትግባእ ተባሂሉ ምስ ተሃገርና፣
  • ድያቖናት ካብ ኣብያተ ክርስትያናት ኣድባራትን ወርቅን ብሩርን መሳቕልን ሒዞም ክስለፉ ምስ ተገብረ፣
  • ኣዴታት ብሃገራዊ ስምዒት ኣረሳሲንካ ወርቀንን ጨርቀንን ምስ ተገፈ፣
  • ኣቱም/ኣንትን{ ኣቦይ ዓቢ ኣደይ ዓባይ ዝብል ክብሪ ተሪፋ ኣታ ሰብኣይ ኣንቲ ሰበይቲ ምስ ተባህለ፡
  • ኣብ ታዕሊም፣ ንሓውኻ ወዲ ዓድኻ ሰላም ከይትብል ከይተዕልል ምስ ተባህለ፣
  • ታዕሊም ክሳብ ትውድእ ምስ ማንም ሰብ ከይትዛረብ ተባሂልካ ክትዕዘም ምስ ተገብረ፣
  • ኣብ ሜዳ ምዝገባ፣ ክሳብ ኣቦኡ ንኣቦሓጎኻ ትሕተት፣ ሓረግካ ተፈሊጡ ከኣ፣ ወይ መራሒ ወይ መጋቢ ናይ ሰራዊት ክትከውን ምስ ተገብረ፣
  • ብጻይ እከለ/እከሊት ኣበይ ኣተወ/ት ኢልካ ተሓተትካ ንዓኻ ዝምልከት ኣይኮነን ምስጢር ንምፍላጥ ህርድግ ኣይትበል ምስ ተባህለ፣
  • ኣብ ባህልናን ታሪኽናን ጓል ኣንስተይቲ ሕልፈት እምበር ሞት ኣይትፍረድን ዝነበረ ክልተ ምሩቓት ጅኦሎጂስትስ ቅድመ ግንባር መድቡና ስለ ዝበላ ንሞት ምስ ተፈርዳ
  • ዘይገበርካዮ ገበናት ኣሰኪሙ፣ ሓለዋ ሰውራ ዳጕኑ፣ ኣነ ስላዪ እየ ኢልካ ተናዘዝ ክንምሕረካ ተባሂልካ ትቕጥቐጥ እሞ፣ መሪሩካ እወ ምስ በልካ ከኣ መጋብኣያ ኣኪቡ እንታይ ትፈርድዎ ተባሂሉ ብብጾቱ/ብብጾታ ሞት ምስ ተፈርደ/ተፈርደት፡
  • ንሓደ ዓመት ሓደ ኣውራጃ/ሃይማኖት በቲ ሓደ ኣውራጃ/ሃይማኖት ኣቐጥቂጡ፣ ኣብ ካልኣይ ዓመት ዘራይ ክመስል ኣነ ዘይፈልጦ’ዩ ነይሩ ተራኹም በልዎም እናተባህለ በብእብረ ምስተጀላለጥና፣
  • ኵናት ወሊዑ ይሕባእ እሞ፣ ኣነ ኣይነበርኩን በዓል ውጩ፣ ርእሲ ምራኽ፣ ወዲ ዕዘት፣ በዓል ህበይ፣ በዓል እከይ፣ እዮም ጌሮሞ እናበለ ምስ ኣጣፋኣና
  • ኣብ ሜዳ ዓይነት ዝምድናና ምስ ደርግን፣ ወያነ ሓርነት ትግራይን፣ ሃያላን መንግስታትን፣ ካልኦ ሃገራትን፣ እንታይ እዩ እንተበልካ፣ ዝምልከቶ ኣካል ኣሎ ትም በል ምስ ተባሃልካ
  • ደቀንስትዮ ዲና ንውድብ ደቂተባዕትዮ? ዝብል መጽናዕቲ ግበሩ ተባሂሉ፣ ከም ዘመነ ጊላነት፣ ሰብኡት ጊሎት ኣብ ድላይካ ትሸጦም ኣቕሑት ምዃኖም፣ ኣደ ግን ወሊዳ ደቃ ተዕቢ ተምህር ትምግብ ንሳ ስለ ዝኾነት ተባዕትዮ ኣይትገደሱሎም ተባሂሉ ውጽኢቱ ከኣ እንነሆ ጥር ኢላ ትቃወም ጓል ኣንስተይቲ ክሳብ ትሰእን፣ ኣዴታት ዘዕወረ ናይ 40 ዓመት ስርሒት ምስ ተገብረ፣
  • ናይ ደቀንስትዮ ተራ ድሕሪ ነጻነት ኣብ ቤት ጥራይ ተወሲኑ ምስ ተባህለ፣ እንታይ ደኣ ደሊኹም ተባሂሉ ምስትሽካዕለሉ፣
  • ደቅና ኣብ ድፋዓትን መደበራትን ነቑጣታትን መጻወቲን መዘናግዕን መራሕቲ ህግደፍ ክኾና ምስ ተገብረ፣
  • ሒዝናዮ ዝኣተና ንብረትን ብረትን ናትና እምበር ናይ ህዝቢ ኣይኮነን ምስ ተባህለ
  • መሬት ኤርትራ ናትናዩ ተደሌና ንሸጦ ተደሌና ንልውጦ ምስ ተባህለ
  • ስድራቤት ኤርትራ ናትናያ ቆልዑ ንዓና ተፍሪ፡ ንሕና ከኣ ከም ጥሪት ነፍሮምን ንመልሶምን፣ ምስ ተባህለ
  • ብምልዮናት ዝቑጸሩ መንእሰያትና፣ ብጉልባብ ሃገራዊ ኣገልግሎት፣ ኣይትምህርቲ፣ ኣይስራሕ፣ ኣይመርዓ ኣይደርዓ፣ ኮይኖም ዝሃደሙ ከኣ ግዳያት በደዊንን፣ ስጥመተ ባሕርን ምስኮኑ
  • ብዲዛይን ሓማሴናይ ኣበይ ከገልግል፣ ሰራወታይ ኣበይ ክሰርሕ፣ ከለጉዘታይ ኣበይ ክነብር፣ ቆለታይ እንታይ ክገብር ኣብ ዘዝተሓዝኣሉ ግንባራት ናይ ወፍሪ ንዘለኣለም ክበታተንን፣ ብሓደ ንኸይሰርሕን ምስተገብረ
  • ሓንቲ ዝነበረትና ዩኒቨርሲቲ ክትዕጾ ፕሮፈሰራት ንመጀርያ ኣኪቡ፡ ኣይተድልዩናን ኢኹም፣ ኣብ ድላይኩም ክትከዱ ትኽእሉ ኢኹም ምስ ተባህለ፣
  • መራሕቲ ሃይማኖት ክርስትናን፣ እስልምናን ጅሆቫን ጴንጤን ኣብዚ ኣተዉ ዘይበሃል ምሰጥፍኦም፡
  • ናይ ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተክርስትያን ፓትርያርክና ጅግና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣቡነ ኣንጦንዮስ ስብከተወንጌል መንእሰያት ደው ከብሉ ኣይፋል ስለ ዝበሉ ኣብ ማእሰርቲ ምስ ኣተዉ
  • ሕጊ ተማሂረ ሳይንስ፣ ተማሂረ እናበልካ’ባ ጨለነት ኢልካ ክሽክዕለል ውዒሉ፣ ንጽብሒቱ ሓታቲ መንእሰይ ብመኪና ተረጊጹ ክጠፍእ ምስ ተገብረ፣
  • ምሁራት፣ ስነጥበባውያን፣ ፈላጣት ዓበይቲ ዓድን፣ ተተሳሒቦም ገለ ኣብ ባሕሪ ክሰጥሙ፣ ገለ ከኣ ኣሰር ዘይብሎም ክጠፍኡ ምስ ተገብረ፣
  • ቅዋም ተነዲፉ፣ ጸዲቑ ክትግበር ምስ ተባህለ ናይ ዶብ ውግእ ኣሳቢብካ በማኢት ኣሽሓት መንእሰያት ኣጥፊእካ ከም ዘይትግበር ምስ ተገብረ፣
  • ንነጻነት ኤርትራ ዝተዋግኡ ሓርበኛታት ኣብ ማይሓባር መሰሎም ኣብ ዝሓተትልሉ ብጭካኔ ተዅሲ ክኽፈተሎም ምስ ተኣዘዘ፣
  • ሕጊ የለ፣ ክሲ የለ፣ ቤት ፍርዲ የለ ፍትሒ የለ ኮይኑ ዝተኣስረ ኣበይ ከምዘሎ ኣይንፈልጥን ከነዳልየኩም ግን ንኽእል ምስተባህለ
  • ለውጢ የድሊ ኣሎ ዝበሉ ሓርበኛታት ሰበስልጣን ኣሽሓት ገንዘብ ካብ ጸላኢ ተቐቢሎም ተባሂሉ ኣብ ጎዳጕዲ ቤት ማእሰርትታት ምስ ተዳጕኑ
  • ባዕላቶም ኣሲሮም፣ መእሰሪኻ ትፈልጥዶ ይብሉኻሞ፣ ኣይፈልጥን ምስበልካ፣ በል ክሳብ ተፈልጥ ኣብኣ ጽናሕ ምስተባህለ፣
  • ጸሓፍትን፣ ጋዜጠኛታትን፣ ሰባት ኣንቂሕኩም፣ ሕቶታት ኣብዚሕኩም፣ ዘይምልከተኩም ሰሪሕኩም፣ ሲ.ኣይ ኤይ ለኣኾ፣ ወያነ መወሎ እናተባህለ ዒራዒሮ ምስ ተቐብረ፣
  • ንህልውስ ይትረፍ፣ ንዝሞተ በዓል ስልጣን ነበርውን ይኹን ኣብ መሬቱ፣ ንኸይቅበር ወይ ንኸይትቕበር ዝውሰነልና ሓደ ሰብ ጥራይ ምስ ኮነ፣
  • ካብ ወጻኢ ዝኣቱ ሬሳ ቤተክርስትያን መንግስቲ ዝሳለም ፍትሓት ክግበረሉ፣ ተዘይኮነ ከኣ ንቡር ከይረኸበ ክድፈን ምስተገብረ፣
  • ህዝቢ ኣስመራ ኣብ ጽርግያ ወጺኡ “እግዚኦ መሓረና ክርስቶስ” ስለ ዝበለ እዚ ምህልላ እዚ እንደገና ከይድገም፣ ናብ ሰላማዊ ሰልፊ ከኣ ከይቅየር ተኸታተልዎ፣ ምስተባህለ፡
  • ኣብ መጨረሽታ ስድራቤታትና ፋሕፋሕ ኣቢሉ፣ ህንጻታትና ኣፍሪሱ፣ ናብ ቤት ትምህርታት ሃይማኖታትናን እምነታትናን፣ ፈጣሪናን፣ ባህልናን፣ ምስ መጸ ግን፣ ሓላፊ ናይ ኣብ ኣስመራ ዞባ ኣኽርያ እትርከብ ቤት ትምህርቲ ድያእ ኣል እስላምያ ጅግና ኣቦና ሓጅ ሙሳ መሓመድ ኑር ኣነስ እመውት እምበር ብህይወተይ ከለኹ እዛ ቤት/ት እዚኣ ኣይትውረስን ምስ በሉ………ተመሃሮ ኣብ ሰልፊ ወጽዮም፣ ተዅሲ ተኸፊቱሎም፣ መምሃራንን፣ ወለድን ምስ ተኣስሩ፣ ኣጆኹም ምሳኹም ኣሎና ንምባል ኢና ተኣኪብና ዘሎና!!!! እዚ ናይ መሰል ምክልኻል እምበር፣ ናይ ሃይማኖት ጥሩፍነት ጌርካ ክግለጽ ኣይግባእንይ’ሞ …………………..

 

ምፍልላይ ይኣክል፣ ብሓባር ጸላኢና ንመክት!!!

 

አቕንየለይ!

ልዑል ኣምላኽ ዝተባረኸ ይኹን!!!!

aseye.asena@gmail.com

Review overview
1 COMMENT
  • Kalighe November 14, 2017

    ኵናት ወሊዑ ይሕባእ እሞ፣ ኣነ ኣይነበርኩን በዓል ውጩ፣ ርእሲ ምራኽ፣ ወዲ ዕዘት፣ በዓል ህበይ፣ በዓል እከይ፣ እዮም ጌሮሞ እናበለ ምስ ኣጣፋኣና

    Yes, he never says I did it.
    Mostly, he will come out of his hiding when the battle is over.
    Acting like he was there all the time, involved in what was going on.
    Few people knew then what kind of person he was, but now he is totally exposed.
    The aura created around him by ’03’ propaganda has gone.
    Ordinary Eritreans, now can clearly see the true nature of monster some had worshiped for too long.

POST A COMMENT