Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

መዘከርታ ንኣቶ ገብረመድሂን ብስራት፤

መዘከርታ  ንኣቶ ገብረመድሂን ብስራት፤ ሞት እንተ,ሎማስ ክንደይከ ምድፋራ ንጉስ ኣይትምሕር ሽመቱ ዘኪራ ጳጳስ ኣይትገድፍ  መዓርጉ ኣኽቢራ ሊቃውንቲ ኣይትብል ፍጡር ኣየሕፍራ ሰላሕ,ላ ትኣቱ ዕርዲ ሰባቢራ ሓያልን ድኹምን መልግባ ፍሒራ ብማዕረ ትወስደካ ብሽለን ጠሚራ ለከ! ሞት ኢሎማስ ዘይትርስዕ ግብራ። ሓሊፍኩም እምበኣር ከምቶም ዝሓለፉ እምበኣር ከም ህዝብኹም ሓመድ

መዘከርታ  ንኣቶ ገብረመድሂን ብስራት፤
ሞት እንተ,ሎማስ ክንደይከ ምድፋራ
ንጉስ ኣይትምሕር ሽመቱ ዘኪራ
ጳጳስ ኣይትገድፍ  መዓርጉ ኣኽቢራ
ሊቃውንቲ ኣይትብል ፍጡር ኣየሕፍራ
ሰላሕ,ላ ትኣቱ ዕርዲ ሰባቢራ
ሓያልን ድኹምን መልግባ ፍሒራ
ብማዕረ ትወስደካ ብሽለን ጠሚራ
ለከ! ሞት ኢሎማስ ዘይትርስዕ ግብራ።
ሓሊፍኩም እምበኣር ከምቶም ዝሓለፉ
እምበኣር ከም ህዝብኹም ሓመድ ክትንጸፉ?
ነጸላ ምትጥምጠሙ! ኣብ ሽለን ክትዕጸፉ
ጽንሕ,ንዶ ኣይትብሉ ንምንታይ ትስከፉ፣
ድሒሩን አቅዲሙን ናይ ወዲ ኣዳም ትርፉ
ኩሉኮ! ኣይተርፎን ዘለ,ኣለም ምዕራፉ።
ወየ! ምተገበኣኩም ናይ በሃራት በሃሮ
ሞያኹም በዚሑስ በየናይ ክጅምሮ
ፈቒደ,ኳ ኣይውደኦን ብምንታይ,ከ! ክሰፍሮ
ብምሸዶ ክሰፍሮ ብንውሓት ክምትሮ
መምህር ኢኹም ነርኩም ንዝሰኣነ ምህሮ
ፍልጠት ንዝውሕዶ ኣብ ልቡ ከሕድሮ
ረሲእ ከይበዝሕ ኣብ ርእሱ ክስቆሮ
ጽላል ኢኹም ነርኩም ጸሓይ ዝመረሮ
መፍትሕ ኢኹም ነርኩም መቑሕ እተኣስሮ
ኣፈት ኢኹም ነርኩም ሓጹር ንዝዞሮ
ቀዳዲ ብርሃን ነርኩም ከብዲ ዝዓቖሮ
ምርኩስ ኢኹም ነርኩም ኣብራኹ ዝሓጸሮ
ጥቡብ ኢኹም ነርኩም  ,ኣእዳዉ ,ተሰብሮ
ኣእሙሮ ኢኹም ነርኩም ልቡ ,ተሰወሮ
በዓል ሙሉእ ራእይ ናይ ዘመን መቐይሮ
ንስኹም እትጸሩዎስ መንሞ ይጽሮ።
እሞ ወየ! ከይንፍትን ዓዲ,ንዶ ርሒቑ
ከም ቀደም ኣይኮነን ወዲ ኣዳም ሓሚቑ
ዓዲ ጠንጢኑዋ ሕልቡ ጽንቃቑ
ወራዙት  ሓሊፎም ወዮም ዘጸብቑ
እንዳቦና ደኺሞም ውራይ ዝዕጠቑ
ኣጋዕዝ ሓሊፎም ወዮም ዝምርቑ
ኬናብ እንተ ሸዲኑ! ሃያብ እንተ በቒቑ
ኣንበሳ ካብ ሞተ,ስ ዝብኢ ክንቁ
ኣዛብእ ክግርግሩ፣ ኣናብስ ክነዓቑ
ጅግና እንክፋኖስ ተኣኪቦም ዝስሕቁ።
ናትኩምስ እዙይ ኣይነበረን ብዙሕ ምጸሓፍኩ
ወየ! እንትዘይከኣልኩስ ምስ ህዝበይ ምበኸኹ
ደንጒየ ደኣ ሰሚዐ ገይሸ ምስ ቀነኹ
እምበር እዙይ,ስ ውሒዱ ኣስፊሐይ ምበልኩ፣
እሞ! ከስከሰ ምላሽ,ከ  ውዒሎም,ዶ! ይኾኑ?
ኮዓቲት ብድፍን! ውዒሎም,ዶ! ይኾኑ?
ሰገነይቲ ብድፍን! ውዒሎም,ዶ? ይኾኑ?
ደቀምሓረ ብድፍን! ውዒሎም,ዶ! ይኾኑ?
ሰሚዖም እንተኾይኖም ጸሊም ክኽደኑ
ግብሪ ኣዳም ኮይኑ,ምበር ከመይ,ሎም ክኣምኑ።
ሓማሴንን ሰራየን ሰሚዖም,ዶ! ይኾኑ?
ሰሚዖም እንተኾይኖም ብሓቂ ክሓዝኑ፣
ደንከልያን ሰምሃርንከ ሰሚዖም,ዶ! ይኾኑ?
ሰንሒትን ሳሕልን ሰሚዖም!ዶ ይኾኑ?
ጋሽን ባርካን ሰሚዖም,ዶ! ይኾኑ?
ሰሚዖም እንተኾይኖም ክሓዝኑ ክደንኑ፣
ተጋሩስ  ኣይክቐብሩን ጸጊሙ እዋኑ
ሰሚዖም እንተኾይኖም ሓቂ ከስተንትኑ፣
ዝግበር ደኣ የለን ይመልሶ ዘመኑ፣
በሉ ካብ በልኩምስ ኪዱ ደሓን ኩኑ
ክርስቶስ ይቀበልኩም ናብ የማናይ ጎኑ ,,2,,።
ንኣቶ ገብረመድህን ብስራት ብኣካል እንትዘይፈለጠ ብወረ ግን ዘይፈልጥ ኤርትራዊ ኣይነበረን፣ የለን,ውን ክበሃል ይከኣል። ከምቲ መንፈሳውያን ኣቦታትና ውልደ ክህነት እናተበሃሉ ካብ ውሉዶ ናብ ውሉድ ኣስማቶምን መንፈሳዊ መዓርጋቶምን እናተወራረሰ ዝሓልፍ፣ ክቡር ኣቦና ኣቶ ገብረመድህን ብስራት  ከኣ ውልደ ሊቃውንቲ ኪነ,ጥበባውያን ተባሂሎም ካብ ዝስመዩ በሃራት ኣከለጉዛይ (ኤርትራውያን) ኣብ ቁጽሪ ሓደ ዝጥቀሱ ፍሉጥን ውሩይን ኪነ ጥበባዊ ኣቦ እዮም ዝነበሩ። ኣነ ድልየት እንትዘይኮይኑ ብዙሕ ኣፍልጦኳ እንትዘይሃለወኒ፣ ከምቲ ጊዝይኡ ኣኺሉስ ኣብ መጻሕፍቲ,ውን ዝቀላቐል ዘሎ ታሪኽ ኪነ ጥበባውያን ኤርትራውያን! ካብ ዕላላትን ያታትትን ካብ ዝኣራረኹዎ ብመጠኑ ውሑድ ተዘክሮታት ክትንክፍ እንተደኣ ኮይነይ!! ኣቶ ገብረመድሂን ብስራት መማህራነይ ኢሎም ካብ ዘድንቑዎም ዝነበሩ ኣቦ ሓጎታት ኪነ ጥበባውያን ብርክት ዝበሉኳ ይኹኑ,ምበር ካብ ብዙሓትስ ውሑዳት ንምጥቃስ ዝኣክል፣
1ይ ባሻይ መዝገበ ሃይሉ (መዝገበ ሃሪ) ዓዶም እንዳጋብር-ኮኾባይ /ወደከለ/
2ይ ኣቶ ገብረመድህን ወልደስላሴ (ገብረመድህን ዛቑናይ) ዓዶም ነድወ-መልዓሳ /ዝባውንቲ/
3ይ ኣቶ ተመልሶ ቐለተ ዓዶም መንደፈራ /ዓረት/ ወዘተ…።
4ይ ካብ መሳተኦም ከኣ እቶም ቅድሚ ውሑድ ዓመታት ዝሓለፉ ፉሉጥ ኪነ ጥበባዊ ብዕድመን ክእለትን መወዳድርቶም ንኩቡር ኣቦና ንኣቶ ገብረመድህን ዝነበሩ! ክቡር  ኣቦና ኣቶ ነጋሽ ባይራኡ /ሳግላ መስሓል-ወደከለን/ እዮም።
ከምዙ ሎሚ ከይኮነ ሓፈሻዊ ረድዮን ጋዜጣን ኤለክትሮኒካዊ መስለጥያታትን ከይማዕበለ ህዝባውን ምምሕዳራውን ጉዳያት መእኽትታቱን ጽልዋታቱን ብቓል ኪነጥበባውያን እዩ ዝመሓላለፍ ዝነበረ። ኣብ እንዳቦና ሞትን ሓዘንን ይኹን መርዓን ሓጎስን ከጋጥም እንከሎ ተደላይነትን ክብርን ኪነ-ጥበባውያን ዓብዪ ቦታን ግምትን እዩ ዝነበሮ። ስለዙይ ኣብ እንዳቦና ሽመያና /ማለት ዋላ ኣብ ኣከለጉዛይ ብድፍኑ/ ዓበይቲ ኣጋጣሚታት ክርከብ እንከሎ ሎሚ,ኸ! ገብረመድህንን ነጋሽን እንታይ-እንታይ በሉ?፣ ይበሃል ነበረ። ነቲ ኣገጣሚታትን ተረኽቦታትን ዘንጸባርቕ ማሰን መልቀስን እንተተፈጺሙ ዝለዓለ ምስጋናን ሞጎስን እዩ ዝውሕዘሎም ዝነበረ። ኣብቲ ኣገጣሚታት ጉድለታት ኣንተርእዮም ከኣ ኣብ ካልእ ኣጋጣሚታት ከከም ተረኽቦታቱ ብማሰን መልቀስን ጌሮም ይእርሙዎን የስተኻኽሉዎን ነበሩ። ክቡር ኣቦና ኣቶ ገብረመድህን ብስራት ሞያኦም ኪነ-ጥበብ ጥራይ ኣይነበረን ክበሃል ይከኣል፣ ብኻልእ መዳይ ትቡዕ ፖለቲከኛውን እዮም ነይሮም። ሪም ዓደቦ ክድፈርን! ፍትሒ ባይቶ ዓደቦ ክጎድልን! ድኻ ኣብ ቅርዓት ዓደቦ ክብደልን! ኣብ መጋባእያ ዓደቦ ፍርድን ፍትሕን ክዝንብልን እንከሎ!! ብሕልና ኣቶ ገብረመድህን ብስራት ስቅ ኢልካ ኣይሕለፍን ዝነበረ። ብኻልእ መዳይ ከኣ! ኣንደበት ኪነ ጥበብነት ኣቶ ገብረመድህን! ንኻሳዱ  ዘሕበጠን ኣካላቱ ዝረይጠጠን ከም-ከም ኣካላቶም ምሕባጥን ምርይጣጥን ዘይኮነስ ከም-ከም ተግባራቶም እዩ ብማሰን መልቀስን ዜማ ዝዝየመሎም ዝነበረ። እምበኣር ሞያን ጥበብን ኣቦና ኣቶ ገብረመድህን ብስራት ሚስጥሩን ክብደቱን ዓሚቕ ስለዝኾነ ኣብ 2-3 ገጻት ሓናጢጥካ ዝኣክል ስለዘይኮነ እዚ ሓጺር ጽሕፍ እዙይ ናይ ሕልና ጉዳይ እንትዘይኮይኑ ካብ ባሕሪ ብጭልፋውን ኣይተቐንጨበን።
ለበዋ!!
ኣብ መወዳእታ በዚ ኣጋጣሚ ኣቢለ ናብ ኪነ ጥበባውያንን ደረስትን ሃገርና ለበዋይ ከመሓላልፍ ዝደልዮ እንተሃለወኒ! ቅድሚ 28 (ካብ 1986-1994 ንስታት 8ተ ዓመታት) ዓመታት ብዛዕባ ኪነ ጥበባውያን ዓደቦና ዝኣከብኩዎን ጌና ኸኣ ዘየጸጸየኹዎ ስነ ብሂላት (ብዝያዳ ንማሰን-መልቀስን ዝምልከት) ናይ ዕድል ጉዳይ ኮይኑ ኣብ ነጸላ ወረቓቕቲ,ምበር ከምዚ ሎሚ ኣብ ጥበብ አለክትሮኒክ ከይተዓቕረ ብምንባሩ! ብጉፍርኡ እንከሎ ካብ ማእከል ገዛይ ተሰሪቑ ስለዝጠፍኣኒ፣ ይኹንምበር ድሕሪ ልዕሊ 17ተ ዓመታት ንኻልኣይ ጊዜ ኣብ መጽናዕትን ሰነዳት ምጥርናፍን ላዕልን ታሕትን እብለሉ ኣብ ዝነበርኩሉ ወቕቲ፡ እተፈላለዩ ደረስቲ (ጸሓፍቲ) ሃገርና ብዝማዕበለን ዝጸፈፈን ኣገባባት ሰነዳት ጠርኒፎም ንንባብ ጆባእ ክብሉና ክዕዘብ እንከለኹ ዝስመዓኒ ደስታን ፍሰሃን ደረት የብሉን። ኮነ ኸኣ! ኣብዚ ቐረባ እዋናት ብስም,ቶም ፍሉጥ ኪነ ጥበባዊ ኣቦና ኣቶ ነጋሽ ባይራኡ ዝተጠርነፈ ሞያዊ ምስክርነት ኣብ መጽሓፍ ከንብብ እንከለኹ ዘሕደረለይ ስምዒት ደረት ኣይነበሮን። በዚ ኣገጣሚ ኸኣ! ንደራሲ ኣቶ ሰለሞን ጸሃየን፣ ከምኡውን ንቀሺ በርሃነ, ቀሺ ዘርኣይ፣ ን,ጆሜ/ ሙሉጌታ ገ/እግዚኣብሄርን፣ ውሩይ ኪነ ጥበባዊ ኣቶ ሚኪኤል ኣዶናይን፣ ምስጋናይ ከበርክተሎም እፈቱ። እምበኣር ንታሪኽን ሞያን ኪነ-ጥበባውያን ሃገርና ዝምልከት ጌና ዘይተዳህሰሰን ካብ ባሕሪ ብማንካ ዘይተጨለፎን እዩሞ! ብስም ናይ ክቡር ኣቦና ኣቶ ነጋሽ ባይራኡ ሞያን ጥበብን ምኽንያት ብምግባር ናይ ብዙሓት ኪነ ጥበባውያን ሃገርና ኣብ መጽሓፍን ተዳልዩ ንንባብ ካብ በቕዐ፣ ብምቕጻል ብስም ዉሩይ ኪነ-ጥበባዊ ኣቦና ኣቶ ገብረመድሂን ብስራትን ናይ ብዙሓት ኪነ ጥበባውያን ሃገርናን ኪነ ጥበባዊ ሞያታቶም ዘካተተ ሰነዳት ብመልክዕ መጽሓፍ ተሰኒዱ ንንባብ ክቐርብ ተስፋን ትምኒትን ብዙሓት ምዃኑ ሓበረታ የድልዮ ጉዳይ ኣይመስለንን። ይረደኣና እዩ፣ እዚ ከምዚ ዓይነት ሰነዳት ጠርኒፍካ ናብ ንባብ ምቕራብ ማለት ልዑል ጻዕሪ ከምዘድልዮ። ኣብ ልዕሊኡውን ሓላፍነታዊ ምዃን። ይኹንምበር ትብዓትን ጻዕርን ኣጻሚድካ ንዝስራሕ ኣብ ቅድሚ ታሪኽ ዓብዪ ቦታ ከም ዝህልዎ ጥርጥር የብሉን። ስለዙይ በርትዑ,ሞ! ብዙሓት ኪነጥበባውያን ኣሰርኩም ክኽተሉኹም እዮም ብምባል ለበዋይ ከመሓላልፍ እደሊ።
መስከረም 25 2013
ገብረእግዚኣብሀር, ገብረገርጊስ (ወዲ ባሻይ)፣ ጀርመን።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
4 COMMENTS
  • yonas27g September 26, 2013

    GEBRE’EGZABHIER;
    XBUK HASABT EYU (SENED) TARIK KEDAMOT MEKAB ZMESLWO YELEN

  • weygud September 28, 2013

    May God his soul in peace. Traditional artists are dying off one by one wthout passing the knowledge and skills oral rhymes, poems, ballads and fairy tales to the young generation. Let’s preserve our culcure and use our indgenous knowledge rather than being lost the in mist of alien cultures.

  • simret September 28, 2013

    very sad to hear this news

  • Simon September 30, 2013

    It is sad day for those who knew the mans work and his family.
    Thank you ገብረእግዚኣብሀር, ገብረገርጊስ (ወዲ ባሻይ) Your article is amazing. You knew who are the important people in Eritrea. I read you book not only one but many times.
    ኣቶ ገብረመድሂን ብስራት፤ was an extremely talented Eritrean from Shimjana with great contribution on Tigrina and its culture. He deseves woye.. woye by a similar talented peeers. It is unfortunate all his peers passed away.
    Please e-mail me to get copy of your book to hamidsherrif77@gmail.com

POST A COMMENT