Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

መዘኻኸሪ ሰላማዊ ሰልፊ ጀኔቫ – 26 ሰነ 2015

ዝኸበርካን ዝኸበርክን ሓውን ሓፍትን እቲ ንህዝቢ ኤርትራ ካብ ስርሃት ህ.ግ.ዲ.ፍ. ዝወርዶ ዘሎ ግፍዕታት መከራን ብፍላይ ከኣ ነንምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ኣመልኪቱ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ብፍሉይ ኮሚሽን ተታሒዙ መጽናዕቲ ከካይደሎ ድሕሪ ምጽናሕ ኣብ ዝመጽእ ሰሙን ኣብ ስዊዘርላንድ ጀነቫ

ዝኸበርካን ዝኸበርክን ሓውን ሓፍትን

እቲ ንህዝቢ ኤርትራ ካብ ስርሃት ህ.ግ.ዲ.ፍ. ዝወርዶ ዘሎ ግፍዕታት መከራን ብፍላይ ከኣ ነንምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ኣመልኪቱ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ብፍሉይ ኮሚሽን ተታሒዙ መጽናዕቲ ከካይደሎ ድሕሪ ምጽናሕ ኣብ ዝመጽእ ሰሙን ኣብ ስዊዘርላንድ ጀነቫ ኣብ ዝርከብ መጋባእያ ሕቡራት መንግስታት ከም ዝቐርብ ተፈሊጡ ኣሎ::

ነዚ ጉዳይ እዚ ብትሪ ንምምካቱ ካብ ዝብል ሕልና ኩሉ ደላይ ፍትሒን ዲሞክራሲን ንዕለት 26.06.2015 ኣብ ቅድሚ ቤትጽሕፈት ሕቡራት መንግስታት ጀነቫ መረርኡ ንምግላጽ ናይ ሰላማዊ ሰልፊን ዘተን መደባት ሒዙ ኣብ ምቅርራብ ይሸባሸብ ኣሎ::

ብስም ኣዳላዊት ሽማግለ ሰላማዊ ሰልፊ ጀነቫ ነዚ ዝስዕብ መልእኽቲ ከመሓላልፍ ይፈቱ::

1ይ እዚ ጉዳይዚ ንኹልና ደለይቲ ፍትሒ ዝምልከት ብምኽዋኑ ኩልና ብዝከኣለና መንገዲ ኣብዚ ሰላማዊ
ሰልፊ ክንሳተፍ እኹል ጻዕርታት ክግበር ኣለዎ:: ናይ መጎዓዝያ ኣገልግሎት ተዳልዩ ስለዘሎ ኩሉ
ግዱስ ነዚ ክግልገለሉ ነተሓሳስብ

2ይ እቶም ብዝተፈላለየ ምኽንያታት ክትከዱ ዘይትኽእሉ የሕዋት ነቶም ክኸዱ ዝደልዩ ጽጉማት የሕዋትና
ብዝከኣል ናይ ገንዘብ ደገፍ ክትገብሩ ነማሕጽን

3ይ ኣዳላዊት ሽማግለ ሰላማዊ ሰልፊ ጀነቫ ነቲ ስራሕ ንምስልሳሉ ከኽእል ናይ ገንዘብ ሓገዝ ሓቲታ ስለዘላ
ኣብዚውን ብኽእለትኩም ክትተሓባበርዋ ብኽብሪ ንጽውዕ:: ሓገዝኩም ድማ እንተተኻኢሉ ብመንገዲ
ፐይፓል
Paypaladress: Asefaw Gebrekidan -> asgkidan@yahoo.co.uk
ወይ ድማ ቀጥታ ናብታ ሽማግለ ክለኣኽ ዝሓሸ መንገዲ እዩ::

4ይ ነቶም ኣብ ኢጣልያ ዝርከቡ ጽኩማት የሕዋትና ስደተኛታት ኤርትራውያን ሓገዝ ክኸውን ኩሉ ዝከእል
ናይ ክዳውንቲ ሓገዝ ክትገብሩ ነማሕጽን:: ነቲ ክርከብ ዝኽእል ናይ ክዳውንቲ ሓገዛት ብመንገዲ
እቶም ናብ ጀነቫ ዝኸዱ የሕዋት ክማላእ ምግባር ሓጋዚ እዩ::ፍ

ምስ ሰናይ ትምኒትና::

ያቆብ ኣብርሃም
jacob@smerr.com
ቁጽሪ ቴሌፎን   +49 162 251 9999

aseye.asena@gmail.com

Review overview
3 COMMENTS
  • Nasinet June 19, 2015

    Well done! Eritreans in Washington DC, USA!

    Get ready Eritreans in Geneva, in Europe.

    God bless Eritrea and the courageous Eritrean demonstrators in Washington DC, the capital city of the USA. Thanks for waving the Eritrea’s liberation flags! (Semayawit banderan!)
    Let freedom ring in Eritrea!
    The Eritrean Liberation Flag will rise up again!
    Eritrea will be the land of the free and the home of the brave!!

  • ARON KIDANE June 19, 2015

    selam bemejmerta kabzi keselie kea eta nelet 26-06-2016 elkum begega detsehafekuma mearemta neketegeberula yelabewekum 26-06-2015
    thanks yekeneyeley
    ARON

  • Tsegai June 23, 2015

    Let’s go to geneva. for.
    “Courage isn’t the absence of fear, it is the awareness that something else is more important.”

POST A COMMENT