Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

መጋረጃ ይቀንጠጥ ካብ ኮን ሰዓቱ 29

መጋረጃ ይቀንጠጥ ካብ ኮን ሰዓቱ 29 መጋረጃ ይቀንጠጥ ኣኺሉ መዓልቱ ኤርትራውያን ንዛረብ መዓጹ ካብ ተኸፍቱ ክንደይሻዕ ክንሕባእ ኣብ ቀሚሽ ክንኣቱ ይኣክል ናይ ብርዒ፡ ይገለጽ ኣስማቱ። ዘይሓስብ ኣይንገድ፡ ብዕዳ ከይ ድብደብ!!!! ኣስመራ ካብ ኮነት ማይ ኣልቦ! መብራህቲ ኮነ ፍትሒ ኣልቦ ኣብ መዓሙቕ ወሪድካ ማይ ኣልቦ ዝተወልዱ

መጋረጃ ይቀንጠጥ ካብ ኮን ሰዓቱ 29
መጋረጃ ይቀንጠጥ ኣኺሉ መዓልቱ
ኤርትራውያን ንዛረብ መዓጹ ካብ ተኸፍቱ
ክንደይሻዕ ክንሕባእ ኣብ ቀሚሽ ክንኣቱ
ይኣክል ናይ ብርዒ፡ ይገለጽ ኣስማቱ።
ዘይሓስብ ኣይንገድ፡
ብዕዳ ከይ ድብደብ!!!!
ኣስመራ ካብ ኮነት ማይ ኣልቦ!
መብራህቲ ኮነ ፍትሒ ኣልቦ
ኣብ መዓሙቕ ወሪድካ ማይ ኣልቦ
ዝተወልዱ ኮይኖም ፍቅሪ ኣልቦ
ሕማም ድሓር ጸገም ናይ ዓደቦ
ትሕዝቶኡ ጸገም ማና ዘይርከቦ።
ኣስመራና ተኸቢባ ብማይ ኣልቦ
ኣስመራና ትሓድር ብርሃን ኣልቦ
ኣብ ዕሽነት ዝነገሰ መን ከርክቦ
ብጸልም ዝተኸበ ሽምዓ ኣልቦ
ይገርም እዩ ናይ ማይ ኣልቦ
ንዘንገሰካዶ ኣዕቢኻ ገበል ትህቦ
ህዝቢ ምኸር ሓሲብካ ርኸቦ
መንግስተይ ዝበልካዮ ሕድሪ ኣልቦ።
ልቢ ጠፊኡ ኩሉ ጸገም ኮይኑ
ወድ ሕጊ ክበኪ ፍትሒ ሲኢኑ
ከይላዘብ ኣቀዲሙ ተደይኑ
ሓዘን በዚሕዎ ይነብር ቃዚኑ
ዝዓበይ ዝነኣሱን ደቁ ብምስኣኑ
ደቁ ተመንጠሉ ሓቢሮም ከይስስኑ
ዘርኢ ኣልቦ ኮይኑ ሃገር ማሲኑ።
ኣዋልድ ሃገርና ዝርዛሕ ክነብዓ
ትምህርቲ ስኢናስ ተሰካሚት ቆልዓ
ኣዋጅ ሸፋቱ፡ ናይ ባዶዩ መብጽዓ
ኣብ ፈኸራ ዝነብር ብጀካ ጠራዕራዓ
ማእምናት ሰሪዑ ፈቀዱኡ ዘጉርዓ
ክውድሳ ዝነብራ ነዚ ዓቢ ቖልዓ
ዘርኢ ማይ ኣልቦ! ጠላሚ መብጽዓ።
ጨው ዝነገደ ኣብ ከረምቲ
ማይ ኣተዎ ሓቐቐ ብለይቲ
መንእሰይ ገስገሰ ኣብ ጸልማቲ
ከምልጥ ካብ ቀተልቲ ካብ መጽነቲ።
ሃገርና ተዘሚታ ብኸተርቲ
ተንኮሎም ይነዝሑ ብሰጋርቲ
ንዘብለዖም ደጋጊሞም ነኸስቲ
ኣመሪካ እናበሉ ጨደርቲ
ይግዕሩ ቀትሪ ኮነ ለይቲ
ህዝቢ ንከይሓስብ መደንቆርቲ
ህዝቢ ከበሳ በረሰ በብሓንቲ።
ወዲ ከበሳ ተቐባሊ ጋሻ
ይጽመዶ ብጎቲም ማሕረሻ
ትቕጥቀት ትነብር ብመዶሻ
ንዓባ ሰናድካ ጥይት ኣጉርሳ
ዓዶበኻ በሪሱ ነይብልካ ጥሻ
ዓዲ ንዝነብር ናብራኡ ተሓሚሻ።
ዝተዘርኤ ከይሸወት ዘሕረረ
መንእሰይ ኤርትራ ዶብ ሰገረ
ትምህርቲ ኣልቦ ልቡ ተሰብረ
ዕስክርና ጻማ ኣልቦ ብዘይፍረ
መንበሪ ስኢኑ ፍትሒ ምስ ከሰረ
ከምጨው ሓቐቐ ብለይቲ ተሰወረ።
ወዲ ዓሊ ፎርቶ ምስ ደየበ
ተስፋ ደበና ቀልጢፉ ዘነበ
መስዋእቱ ቀልጢፉ  ኣርከበ
ህዝቢ ብሃንቀውታ ይጽበ
ዋጋ ሓርነት ብደሙ ኣመዝገበ።
መርኣያ ሃገርና ላምፖዱሳ
ተገልጸ ምስጢራት ብሓፈሳ
ሽግር ህዝቢ ኤርትራ ኩላ ንሳ
መርዓት ዓድና ኣብ ባሕሪ ሓርሳ
ኣይሓቖፈትን ዝወጸ ካብ ከርሳ
ህጻን ከይበኸየ ሞተ! እንተሎ ንሳ
ሃጸጸ ትምኒት ዘይርከቦ ካሕሳ
ኣብ ዓወት ክብጻሕ ህዝቢ ተቓለሳ።
ነጋዳይ መኽሰብ ካብ ስኣነ
ሓረስታይ ማሕረሱ ካብማህመነ
ጸሎተኛ ጸመዎ ገረውሮ ካብ ኮነ
ኣማኒ ብምሰኣን ኩሉ ርእሱ ደነነ
ወዲ መርየት ብጠጠዉ ማሰነ።
ከይጸነት ህዝቢ ብኹላ ሃገርና
ንቀላጠፍ ኢደይ ኢድካ ተባሂልና
ማፍያ ህግደፍ መርዚ ከይዘርኣልና
ጥንቃቔ የድሊ ምስ ልብና መኺርና
እንሰርሖ ኣርቂቕና ኣስተውዕሊና
ነለልዮ ረይሳ ንጉስ ሸፋት ዓድና
ካብ ሱሩ ክንቀል ጥርናፈ የድልየና
ጥሙር ሓይሊ”ዩ ዓድና ዘእትወና
ነጊድና ከምዘፍረና ንሓፍስ መኽሰብና።
ርሑስ ሓዲሽ ዓመት
ዉድቀት ንማፍያ ህግደፍ
ፍትሕን ሰላም ንህዝቢ ኤርትራ
ሃይለ ገብረትንሳኤ
ኢንድያናፖሊስ ኢንድያና
28 ታህሳስ 2013

aseye.asena@gmail.com

Review overview
5 COMMENTS
  • May tsemiena may Democracy! December 27, 2013

    Bitami tsibikti gitmi bizuh hasabat atamira nhizbi teberabrin nkhat tiwisikn. Tsibuk aleka kalsi endihri koynu tihabieka aykonen bikilue kikewin alewo minalbat gina kulu gzye kikewin aykieln yikewin neabinet ab wishti Asmera konka bikilue entegeberkayo HIGDEF eyu zikesib, slezi mitikam nay brie sim kekem kunetatun adlaynetun kintikemelu yihaysh mesleni. Gitmitatka aytewhidelna, nemesgineka. Tsiruy may Democracy enisetyelu gzye akilu eyu.

  • my lovely country December 27, 2013

    “ወዲ ከበሳ ተቐባሊ ጋሻ
    ይጽመዶ ብጎቲም ማሕረሻ
    ትቕጥቀት ትነብር ብመዶሻ
    ንዓባ ሰናድካ ጥይት ኣጉርሳ
    ዓዶበኻ በሪሱ ነይብልካ ጥሻ
    ዓዲ ንዝነብር ናብራኡ ተሓሚሻ።”

    ምናልባሽ እቲ ወዲ መታሕት ጋሻ ከይቅበል ኣብ ገዛእ ሃገሩ መሬቱ ተዛሚቱ ንሃብታማት ድያስፖራ ትግርኛ ኤርትራውያን ኮንትራት ስለ ዝተዋህበ እሞ ኣብ ገዛእ ሃገሩ ጋሻ ስለ ዝኾነ ዶ ኾን ይኸውን ።ቀንዲ ተቐባሊ ጋሻ ህዝቢ መታሕት እዩ ኔሩ፣ ግን ፎጋ ኣውጺኦሞ ኣብ ገዛእ ሃገሩ ጋሻ ኮይኑ መሬቱ ኣብ ሱዳን ተሰዲዱ ብማዕዶ ይርእዮ ኣሎ። ነገራት ካብ ስርዓት እንተወጺኦም ኣነ ብጣዕሚ ይፈርህ ከኸትሎ ዝኽእል ደም ምፍሳስ።ኣይግበረልና ኣይትምነዮን ።ግን ብዙሕ ግፍዒ ዝርኣየ ህዝቢ ኣሎ ኣብ ኤርትራ ።ናይ ጭቆና እውን መለክዒ ኣለዎ ።ኣነ ይሰግእ።

    • Diana da Bologna December 28, 2013

      ቅሰን My love country!
      ኣብ መንጎ ዜጋታት ኤርትራ ጋሻን ትቐባል ጋሻን ዝብሃል ነገር የልቦን!! አዚ ብኣመሓደርቲ Awate.com `መሬትኩም ብደቂ ከበሳ ተወሪሩ`አንዳተባህለ ንህዝቢ መታሕት ንምልዕዓል ዝተገብረ ከንቱ ፈተነ ኣይሰርሕን ኢዩ። ዝበልኩም አንተበልኩም፡ ዝረሃጽኩም አንተራሃጽኩም፡ ፈተነኹም ድኻም`በር፡ ፋይዳ ኣይክህልዎን ኢዩ። ህዝቢ ኤርትራ ነንሓድሕዱ ዝፋለስ ህዝቢ ኣይኮነን።

  • ER ITRAWIT December 28, 2013

    my lovely country,
    Don’t worry aytsga my dear everybody suffer with this shall I say( Gojle ) the day he disappear everything will be the way they use to be God is Great.

  • ahmed saleh December 30, 2013

    Abzi ghizye zelenayo ghele deki hager ” ab adna zeysemanayo imber zeyteghebre yelen ” yiblu .
    Kemti nay Tigre derafay zibelo ” mn raeka Tm mn
    semaeka Tm , Tm, Tm….” iyu iti shigrna . Baelu dea
    Rahwa yemxealna ember negheratu si ayghiden .

POST A COMMENT