Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

መግለጺ መርበብ ደቂ-ኣንስትዮ ኤርትራውያን – ካብ በዓል ናጽነት ናብ መዓልቲ ሰማእታት

መግለጺ መርበብ ደቂ-ኣንስትዮ ኤርትራውያን ካብ በዓል ናጽነት ናብ መዓልቲ ሰማእታት   ኣብ ዝሐለፈ ውሑድ ሰሙናት ህዝቢ ኤርትራ ብዓሰርተታ ኣሽሓት ዝቑጸሩ ብሉጻት ዕሸላት ደቁ ከፊሉ ዘምጸኦ ጽንብል ናጽነት ብዝተፈላለየ መልክዓት ከብዕል ቀንዩ። ካባኡ ናብኡ ድማ ነቲ መዐልቲ ናጽነትን ልኡላውነት

መግለጺ መርበብ ደቂ-ኣንስትዮ ኤርትራውያን

ካብ በዓል ናጽነት ናብ መዓልቲ ሰማእታት

 

ኣብ ዝሐለፈ ውሑድ ሰሙናት ህዝቢ ኤርትራ ብዓሰርተታ ኣሽሓት ዝቑጸሩ ብሉጻት ዕሸላት ደቁ ከፊሉ ዘምጸኦ ጽንብል ናጽነት ብዝተፈላለየ መልክዓት ከብዕል ቀንዩ። ካባኡ ናብኡ ድማ ነቲ መዐልቲ ናጽነትን ልኡላውነት ሀገርና ኤርትራ ኩውን ንዝገበሩ፤ እቶም ኣብ ንእስነቶም ንህዝብና ምእንቲ ክሐልፈሉ፡ ኣየር ናጽነት ከተንፍስ፡ አብ ገዛእ ሃገሩ ከቢሩ ክነበርን ክሰርሕን ክምዕብልን ንሕና ክንሓልፍ ኢሎም ኣብ ክንዲ ህዝቦምን ሃገሮምን ንዝተዋደቑ ኣሓትናን የሕዋትናን ንዝክረላ መዓልቲ ድሮ ኣርኪባ እነሆ ክብርቲ መዓልቲ ሰማእታት እውን ብዝተፈላለየ መልክዓት ክትዝከር ትርከብ።

 

ስለዚ ሃገርን ሰማእታትን ኣካለዊ ዝምድና ኣለዎም፡ እዛ ናይ ኩልና ኤርትራውያን ክብርን መንነትን ዝኾነት ሃገርና ብመስዋእቲ ጀጋኑ ሰማእታትና ዝተወሃበትና ክብርቲ ህያብ እያ። ይኹን’ምበር እታ ሰማእታትና ዝሓልምዋ ዝነበሩ ኤርትራ ብርግጽ እዛ ናይ ሎሚ ናይ ህግደፍ ሕስረትን መከራን ግፍዕን ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ብጅምላ ዝሕላገታን ንመንእሰያትና ኣደዳ ስደትን ሓደጋታቱን ተሳጥሕ ኣይነበረትን። ስለዚ ሰማእታትና ንዘልዓለም ኣብ መቃብሮም ቅሳነትን ሰላምን ምእንቲ ክረኽቡ ንምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ምልጋሰ ኣብ ዕንኡ ከኣ ዲሞክራስን ፍትሕን ሰላምን ራህዋን ዝሰፈና ሓዳስ ኤርትራ ብምርግጋጽ ሓዲሽ መድረኽ ክንከፍትን ሕድሪ ሰማእታት ክነኽብርን ቃል ንኣትወላ መዓልቲ እያ።

 

ህዝቢ ኤርትራ ንፍርቂ ክፍለ-ዘመን ዘካየዶ ከቢድ መስዋእቲ ዝተኸፈለሉ ጀግንነታዊ ተጋድሎ ንባዓዳዊ መግዛእታት ስዒሩ ንመላእ መሬት ኤርትራ ሓራ ድሕሪ ምውጻእ ብዕለት 24 ግንቦት ነጻን ልኡላውነታ ዘረጋገጸት ሃገር ኤርትራ ብምእዋጅ ጽንብል ዓወቱ ለቢሱ። እዚ ታሪኻዊ ሃገራዊ ዓወት’ዚ ንህዝቢና ካብ መድረኽ ሃገር ሓራ ምውጻእ ናብ ሓዲሽ ብድሆ ህንጸት ሃገር መድረኽ ክም ዝሰጋገር ገይሩ። ህዝብና ከኣ ንዕማም ህንጸት ኣብ ጐድኒ ስልጡናትን ምዕቡላትን ሃገራት እትስለፍ ሓዳስ ኤርትራ ጋህዲ ንምግባር ኩሉ ዝውንኖ ንዋታውን ንያታውን ዓቅምታት ኣዋፊሩ ተዓጢቁ ተበጊሱ።

 

እንተዀነ እዚ ቅዱስ ባህግታትን ተስፋታትን ብግስ ከይበለ ኣብ ዕሸል መድረኻቱ ብሰንኪ ምልካዊ  ምሕደራ ህግደፍ ተኾሊፉን በርዒኑን ጥራይ ዘይኰነ ሃገርናን ህዝብናን ንሓደጋታት ጥፍኣትን ብርሰትን ተሳጢሑ ይርከብ። አብ ከምዚ ዝአመሰለ አስጋኢን ሓደገኛን ህልዊ ኩነታት ሃገርና ደቂ-ኣንስትዮ መንእሰያትን ካብቶ አዝዮም ተጠቃዕቲ ግዳያት ምኳኖም ዘይክሓድ ሓቂ እዩ።

ስለዚ ኣብዚ እዋን’ዚ ሃገርና ኤርትራ አብ ኣዚዩ ተሃዋሲ ቀራኒ መንገዲ ትርከብ። እቲ ሓደ መገዲ ብድሕረይ ሳዕሪ ኣይብቆል ዝብል ንዕንወትን ብርሰትን ሃገርናን ህዝብና ዘምርሕ ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ዝኽተሎ መገዲ ፍሽለትን ጥፍኣትን እዩ። ብመንጽሩ ከኣ እቲ ካልኣይ ሓይልታት ደለይቲ ዲሞክራስን ፍትሕን ዘላቒ ሰላምን ለውጥን ዝኽተልዎ መገዲ ድሕነት ሃገርን ህዝብን እዩ። ስለዚ ዓድኻ ክዓኑን ህዝብኻ ክጸንትን ዓይንኻ ኣይዕመትን ከም ዝበሃል፡ ኩሎም ኤርትራውያን ሃገራውያን ኩሉ’ቲ ዝውንንዎ ዓቅምታት ጠርኒፎም ንድሕነት ህዝብን ሃገርና ክልዓሉን ክቃልሱ ብታሪኻዊ ሓልፍነት ይሕተቱ።

መርበብ ደቂ-ኣንስትዩ ኤርትራውያን ነዚ መሪር ክውንነት’ዚ ክንጠቅስ ከሎና ንምእንቲ ምግናን ዘይኰነ ኣብ ነገራዊ መርትዖ ዝተመርኮሰ ህያው ሓቂ መሰረት ዝገበረ’ዩ። ኣብ ፖለቲካዊ ተመክሮ ኤርትራ ሕሉፍ ስሰዐ ስልጣን ዘይሃስስ ስምብራት ምፍንጫላትን ምድማይን ኣትሪፉልና እዩ። ድሕሪ ናጽነት እንተኾነ’ውን ኣብ ኮረሻ ስልጣን ዝደየበ ምልካዊ ስርዓት ኣብ ክንዲ ንኩሎም ኤርትራውያን ሃገራውያን ብማዕረ ዘሳተፈ ሰፊሐ ህዝባዊ መንግስቲ ዝምስርት ከም መግለጺ ምልካዊ መርሆኡ ናይ ሓደ ሰልፊ ምልካዊ ስርዓት መስሪቱ። ከም ውጽኢቱ ድማ ህዝብና ብሓፈሻ፤ ብፍላይ ከኣ ደቂ-ኣንስትዮን መንእሰያትናን ጅሆ መወዳእታ ዘይብሉ ሃገራዊ ኣገልግሎት ተታሒዞም ንኣደዳ ስደትን ቅዝፈትን ጽንተትን ተሳጢሖም ይርከቡ።

ብመንጸሩ ድማ ውድባት ተቃውሞ ጸቢብ ውድባዊ ፖለቲካዊ ውድድር ስልጣን ካልኣይ ደረጃ ኣትሒዞም ንቃልሲ ድሕነት ሃገርን ህዝብን ከም ህጹጽ እዋናዊ ዕማም ቀዳማነት ሂቡም ንምልካዊ ስረዓት ህግደፍ ክስዕርዎ ዘይምኽኣሎም ህዝብና ተስፋታትን ትጽቢትን ኣብ ልዕሊኦም እናጸነቀቐ መጺኡ።

ስለዚ መርበብ ደቂ-ኣንስትዮ ኤርትራውያን ካብዚ ክውንነት’ዚ ብምብጋስ ድሕነት ሃገርን ህዝብን ብስምዒትን ጽቡቅ ድልየት ጥራይ ዘይኮነ ኣብዚ ዝስዕብ መደባትን ዝተመርኰሰ እስትራተጂ ምውጻእ ቅድመ-ኵነት ኣለዎ።

ኣለዎ።

  1. “ናይ ኣረኣእያ ሓድነት”፡ ናይ’ዚ እዋን’ዚ ህጹጽ ዕማም ‘ድሕነት ህዝብን ሃገርን ንምዕቋብ ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ክውገድ ዘለዎ ቅደመ-ተደላይነት’ ማእከል ዝገበረ ናይ ኣረኣእያ ሓድነት ዘንጸባርቕ ‘ቻርተር’ ብሓባር ንምጽዳቅን ንኩሉም ፖለቲካውን ስቪካውን ማሕበራውን ሓይልታት ዘሳትፍ ሰፊሕ ናይ ልዝብ መድረኽ ምክያድ ኣድላይነት ኣለዎ።
  2. “ናይ ኣሰራርሓ ሓድነት”፡ ዋላ’ኳ ኣብ ኤርትራ ብዙሕነት ፖለቲካዊ ውድባት ሕጋዊ ቅጥዒ ዘይብሉ ምርባሕ እንተዀነ፡ ብመትከል ከም መግለጺ ዲሞክራስያዊ ምሕደራ ብዙሕነት ክህሉ ዘለዎ ጥዑይ ተርእዮ እዩ። ግና እዋናዊ ህጹጽ ዕማም ንምዕዋት ናይ ኣሰራርሓ ሓድነት ስለዘድሊ ኣብ ክሊ “ስሙር እስትራተጂካዊ ግንባር” ኩሉ ሰብኣውን ነገራዊ ዓቅምታት ህዝብና ምጥርናፍ መድርኻዊ ጠለብ’ዩ።
  3. “ሕሉፍ ስስዔ ስልጣን”፡ ሕቶ ስልጣን ንባህግታትን ረብሓታትን ህዝቢ ንምርግጋጽ ዝውሃብ ሓላፍንት ድኣ’ምበር ንጸቢብ ውልቃውን ጃንዳውን ማሕበራውን መኽሰባት ንምርግጋጽ ዝወሃብ  ሽመት ኣይኮነን። ስለዚ ኣብ ፖለቲካዊ ተመክሮ ኤርትራ ንወሰንቲ ሃገራዊ ዕማማት ዘበርዐነ መሰረታዊ ጠንቂ ናይ ምፍንጫላትን ሓድሕዳዊ ውግኣትን ምድማይን ጠንቂ ዝኾነ ሕሉፍ ስልጣን ስሳዔ ነይሩን ኣሎን ክብሃል ይካኣል። ኣብ መጻኢ  ዓወትና ግድን ክኸውን እንተድኣ ኮይኑ ሃርጓፍ ናይ ስልጣን ስስዔ ክስበረን ክውገድን ብዘወሓደ ኣብ ሕድገት ክብጻሕ ኣለዎ።
  4. ምውህሃድ ኣብ መንጐ ናይ ውሽጥን ወጻእን ተቃውሞ”፡ ኣብ መንጐ እቲ ንምርግጋጽ ዲምክራስን ፍትሕን ኣብ ውሽጢ ሃገርን ኣብ ወጻእን ዝካየድ ቃልሲ ምውህሃድን መርበባት ምፍጣር ኣብ ሓደስ ኤርትራ ዘላቒ ሰላም ክሰፍን ውሕስነት ዘውህብ እዩ።

 

በዚ ኣጋጣሚ’ዚ መርበብ ደቂ-ኣንስትዮ ኤርትራውያን ንተቃላሳይ ህዝብና ብሓፈሻ ንተቃወምቲ ውድባትን በርገሳዊ ማሕበራትን መንእስያትን ሃገራዊ ምክልኻል ሰራዊት ኤርትራ ብፍላይ ነዚ ኣብ ሕቆ ህዝብና ተጻዒኖ ዘሎ ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ንምውዳቅን ኣብ ዕንኡ ዲሞክራስን ፍትሕን ዝሰፈና ሓዳስ ኤርትራ ንምህናጽ ዓቅምታቶም ኣወሃሂዶም ዕዙዝ ቃለሲ ከካይዱ ይጽውዕ። ስውኣት ኣሓትናን የሕዋትናን ካብ መቓብሮም ይደሃዩና ኣለዉ እሞ ሓላፍነትናን ግቡእናን ብምግንዛብ ሎሚ መዓልቲ ኢድ ንኢድ ተተሕሒዝና ሕድሪ ሰማእታትና ክዉን ንምግባር ንበገስ።

 

ዓወት ንተቃለሳይ ህዝቢ ኤርትራ

ድሕነት ሃገርን ህዝብን ልዕሊ ኩሉ

ዓወት ንደለይቲ ዲሞክራስን ፍትሕን

ውድቀት ንምልካዊ ስርዓት ህግደፍ

ዘልዓለማዊ ክብርን መጐስን ንሰማእታትና

aseye.asena@gmail.com

Review overview
NO COMMENTS

POST A COMMENT