Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

መግለጺ መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜሪካ ብምኽንያት እቶም ኣብ ባሕሪ ላምፐዱሳ ዝሃለቑ ኤርትራውያን

በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሓዱ ኣምላክ ኣሜን። እምበኣርሲ ሕጂ’ውን ብጾምን ብብኽያትን ብቑዝማን፣ ብምሉእ ልብኹም ናባይ ተመለሱ፣ ክዳንኩም ዘይኮነስ ልብኹም ደኣ ቅደዱ ይብል እግዚኣብሔ። ንሱ ንኹራ ደንጓዪ ብምሕረት ከኣ ምሉእ ካብ ክቐጽዕ ኪምሕርን ኪርኅርኅን እዩ ዚፈቱ

በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሓዱ ኣምላክ ኣሜን።

እምበኣርሲ ሕጂ’ውን ብጾምን ብብኽያትን ብቑዝማን፣ ብምሉእ ልብኹም ናባይ ተመለሱ፣ ክዳንኩም ዘይኮነስ ልብኹም ደኣ ቅደዱ ይብል እግዚኣብሔ። ንሱ ንኹራ ደንጓዪ ብምሕረት ከኣ ምሉእ ካብ ክቐጽዕ ኪምሕርን ኪርኅርኅን እዩ ዚፈቱ እሞ። ናብ እግዚኣብሔር ኣምላኽኩም ተመለሱ። ኢዮኤል 2፣ 2፣12-13።

መንእሰያት ሃገርና ሎሚ ንቡር ቀብሪ ዘይኮነስ ንቡር ሞት ስኢኖም፣ ንኽትሰምዖ ዝኹርኵሕ፣ ክትርእዮ ዘስካሕክሕ፣ ክትኣምኖ ዘጸግም፣ ኣብ ዓለም ዘይተራእየ፣ ዘይተጻሕፈን ዘይተነገረን ታሪኽ፣ መዘና ዘይብሉ ህልቂት ኣብ ልዕሊ ዕሸላት መንእሰያትና ይፍጸም ኣሎ።

እዚ ኣሰቃቒ ህልቀት እዚ፣ ንዓለም ብምሉኡ ዘሰምበደ፣ ንወላዲት-ማህጸን ዘንቀጥቀጠ፣ እምኒ ዘቐንጠወ ሓዘን፣ ኣብ ልዕሊ ሕዝቢ ኤርትራ ወሪዱ እዩ። ብ2011’ውን 400 ዝኾኑ ኤርትራውያን ብተመሳሳሊ ሃሊቖም፣ ናይ እዋኑ ሓዘን ተሓዚኑ ከም ኩሉ ዝርሳዕ ተረሲዖም እዮም።

እዚ’ውን እቲ ብመራኸቢ ብዙኃን እንሰምዖን እንርእዮን ዘሎና ደኣ እምበር፣ እቲ ኣብ ዝተፈላለየ ቦታታት ኣብ ምሥጢራዊ ጎዳጉድን ኣብ መዓስከር ሰደተኛታትን፣ ምድረ በዳን ሲናይን ካልእ ውሕስነት ዘይብሉ ቦታታት ዝሃልቕ ዘሎ መንእሰይ ብውሑድ ናይ ኣሽሓት ቁጽሪ ዝሕለፍ ኣይኮነን።

ሕዝቢ ኤርትራ፣ ክቡርን ሕፉርን ባህሊ ዘለዎ፣ ፍርሃት ኣምላኽ ዘዘውትር ምሩቕ ሕዝቢ እዩ። እንተኾነ እዚ ናይ ሕጂ ወለዶ፣ “ወሊድካ ኣይትልኣኽተባሂሉ ከም ዝተረገመ፣ ወሊዱ ክልእኽ ይትረፍስ፣ ነቲ ዝወለዶ ውሉዱ’ውን፣ ወደየ ጓለየ ኢሉ፣ ኣልዒሉ ኣንቢሩ፣ ናይ ምቕባርን ምቕባጽን ዕድል ስኢኑ፣ ዛራዪ ንብዓት እናነብዐ፣ ደበስ ዘይብሉ ሓዘን ተኸዲኑ ይነብር ኣሎ።

ሕዝብና ኣብዚ እዋን እዚ ዝለዓለ ምጽንናዕ ካብ ኣምላኽ ክመጾ ሓቢርና እንጽልየሉን፣ ነፍሲ ወከፍ ኃጢኣቱ ተኣሚኑ ምሕረት እግዚኣብሔር ዝልምነሉን እቲ እንኮ ኣማራጺ መገዲ ኣብ ኣምላኽ ምጽጋዕ ጥራይ እዩ።

እታ ዝወለደት ማህጸን፣ ቀዳማይ ዘርኢ- ምድሪ ንናጽነት ሞባእ፣ ካልኣይ ንሓጹር ምክልኻል ሃገር ወፍያ እያ። ነቲ ሳልሳይ ግን እታ ኩሉ ዝተኸፍላ መሬት ረመጽ ድጉል ሓዊ ተቐይራቶ፣ ኣብ ጎዳጉዲ፣ ኣብ ምድረ በዳን ባሕርን ብታእላው ይጠፍእ ኣሎ። እዚ መሪር ሓዘን እዚ ንወላዲት ክሳብ ክንደይ ከቢድን መሪርን ምኳኑ  ንምግማቱ ዘጸግም ኣይኮነን።

ተወሊዶም “መርዓኹም የርእየና” ተባሂሎም ዝተመረቑ መንእሰያት፣ ደምበ ገዝኦም ኣብ ክንዲ ዳስ ንሓጎስ፣ ስብሕቲ ንሕጽኖት፣ ደምበ ንዕልልታ ዝስርሓሉ፣ ብኣንጻሩ፣ ዳስ ንሓዘኖም፣ ሕሩድ ንመስሓግ፣ ደምበ ንመሕዘኒ ምቕያሩ ንሓዘንና ዝያዳ የምርሮ።

ቆናጁ ጎራዙ መርዑትን ኣኃትና፣ ተመርዕየን ዝቑነናሉ ዝቑንጅዋሉ፣ ውላደን ዝሓቑፋሉን ዝዘምዳሉን ዕድመ ንእስነተን፣ ብኣንጻሩ ርእሰን ዝላጸያሉ፣ ዝድርመማሉ፣ ገጸን ዝማድዋሉ፣ ካብ ሰበይቲ እገለ፣ ሓያም ጓል እገለ: ናብ ዚብል ደረጃ  ዝወረድናሉ ኣዝዩ ሕማቕ እዋን በጺሕና ኣሎና።

ልቢ ዘይሰኹዑ፣ ሕቑፈ ወላዲኦም ዘይጸገቡ ኣሎ እምበር የሎን ኢሎም ዘይፈጡ ጨላቅዕ ሕፃናት፣ ካብ ድኽነትናብ ዝኽትምና ዝተሰጋገሩ ሒደት ኣይኮኑን።

 

ክቡራት ሕዝቢ እግዚኣብሔር

“መን ቀዲሙ ኣእወየ” ዘስምዕ ናይ ፖለቲካ ሃልክን መኽሰብን ንምርካብ እንጓየየሉ እዋን ኣይኮነን። ሓደ ነቲ ካልእ ኣብ ምጽላም ንምእታው’ውን ክኸውን ኣይግባእን። ነፍሲ ወከፍና ካብቲ ናይ ወቐሳ ሕይወትን ታሪኽን ወጻኢ ክንከውን ዝከኣል ኣይኮነን። ስለዚ ድማ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ንድሕሪት ምልስ ኢሉ ክግምግም፣ ብስድራ፣ ብሃይማኖት፣ ብሃገር ብመንግሥቲ፣ ዝተፈጸመ ጉድለት፣ “ብኃጢኣተይን ኃጢኣት ሕዝበይን” ዚብል መንፈስ ኬሕድር፣ ነፍሱ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ከማዕቁብን፣ ኣብዚ ዘይሓልፍ ዚመስል ከቢድ ጸገም፣ ናብቲ ጽባሕ ብርሃን ሓጎስ ዘልብስ ኩሉ ከሕልፍ ዚኽእል እግዚኣብሔር ከነረክቦ ይግብኣና።

እዚ ሓደገኛ ኣካይዳ፣ ዓይንኻ ዓሚትካ እዝንኻ ሎዂኻ፣ ብሃውሪ ዝኽየድ ዘሎ ኣንፈቱ ዘጥፍአ ኣብ ቅድሚ ዓይንና እንርእዮ ዘሎና ዘፍርህ ጉዕዞን ዘመንን እዩ። ብሥጋ ብሓደጋ ሞት ዝተፈልዩና፣ ብጸሎትን ብሓዘንን “ንቑጻት እግሪ ይግበርኩም” ኢልና ኣፋኒና ዘብቅዕ ኣይኮነን። ደግሲ ሕማም ደሓር ሓዲጉልና ይኸይድ ምህላዉ ድማ ንመጻኢና ዝብድህ  እዩ።

ክቡራት ሕዝቢ እግዚኣብሔር!

እዚ ኩሉ ዘሎና ጸገማትን ሽግራትን፣ ከንፈርና ብምርምጣጥን ነቢዕካን ዝሕለፍ’ውን ኣይኮነን። ከመይሲ፣ እቶም ኣብ ጎዳጉዲ ንዓመታት ብጽምዋን ብብኽያትን ዘሕለፍዎ፣ ጊዜ መርዓኦም፣ ጊዜ ትምህርቶም፣ ጊዜ ንእስነቶም ንብላሽ ዘሕለፉ፣ ብጣዕሳን ብጓህን ዝመልአ ኣእምሮ ልክዑ ዝሰሓተ ኣተሓሳስባ፣ ምዝንባል ናይ ኣእምሮን ክህልዎም ክንጽበዮ ዘሎና ከቢድ ናይ መጻኢ ብድሆና እዩ።

እቶም ኣብ ሓደ መኣዲ ሥጋይ ሥጋኻ ኢሎም ተመናጢሎም ዝተመገቡ፣ ኣብ ሓንቲ ዓራት ዝደቀሱ፣ ሓንቲ ክዳን ተከዲኖም ዝዓበዩ፣ ይትረፍ ንዘለዓለም ንሰዓታት ተፈላልዮም ዝናፋፈቑ ኣኅዋትን ኣኃትን፣ ዘሰቅቕ ኣማውታ ኣኅዋቶምን ኣኃቶምን ብዓይኖም ዝረኣዩ፣ ሰብ-ቃል ኪዳኖምን ደቆምን ብዘይንቡር ሓዘን ዘፋነዉ፣ ዘይሃስስ በሰላ ስቓይ ኣብ ኣእምሮኦም ሓዲጉ ምህላዉ ዘሻቕልን ኣብ ዝባን ኩልና ተጻዒኑ ዘሎ ከቢድ ጾርና ምዃኑ ሰለም እነብለሉ ጉዳይ ኣይኮነን።

ዓቢይ ገኒሑን ምዒዱን ዘየዕበዮም ወለዶ ዝፈረይዎ ዘመን ኢና በጺሕና ዘሎና። እዚ ወለዶዚ፡ ንቡርን ስሩዕን ናይ ሥነ ኣእምሮ ኣተሓሳስባን ናይ ጽቡቕ ሥነ ምግባር ባህርይን ክህልዎ ኢልካ ምሕሳብ ከቢድ እዩ። ናይ ባህልን ጽቡቕ ልማድን ዕንወት ክፍተት ሓዲጉልና ስለ ዘሎ’ውን ኤዕረፍቲ ዝህብ እዋን ኣይኮነን። ንዝፈረሰ ሕንጻ ዘይኮነ፣ ንዝፈረሰ ኣእምሮ ከተዕሪ ዝወስዶ ጊዜ ድማ ሓጺርን ቀሊልን ኣይከውንን። ነዚ ኩሉ መስበርትና ዚዝንን፣ ቁስልና ዝፍውስ፣ ፍሩስና ዝነድቕ ኣምላኽ ስለ ዝኾነ ድማ፣ ኩለንትናና እቲ ዘሎና ናብ ኣምላኽ ምስ እነቕርብ ጥራይ እዩ።

ክቡራት ሕዝቢ እግዚኣብሔር!

ቤተ ክርስቲያን ኣደ ኩሉ ከም ምዃና መጠን፣ ንግፍዒ ትቃወሞ፣ ፍትሒ ጎደለ፣ ድኻ ተበደለ ኢላ ኣብ ጎድኒ ውጹዓት ደው እትብል ኣምባሳደር ክርስቶስ እያ። ኣብዚ እዋን እዚ እቶም ዝበዝኁ ነዚ ሓደጋ’ዚ ተቓሊዖም ዘለዉ፣ ብጥምቀት ካብ ማሕጸን ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ ዝተወልዱ ስለ ዝኾኑ ንሓዘንና ዝያዳ ዕጽፊ ይገብሮ። ስለዚ ድማ ኣብ ምጽንናዕ ሕዙናት፡ ኣብ ጸሎትን ምህልላን ዝያዳ ናብ ኣምላኽ ብንብዓት እትገልጸሉ እዋን እዩ።

ክቡራት ሕዝቢ እግዚኣብሔር

ጠንቂ እዚ ኩሉ ጸገምን ስደትን፣ ብዙኅ ኪበሃል ዝከኣል እኳ እንተኾነ፣ እቲ ኣብ ርእሲ ሃገርና ሰፊኑ ዘሎ ዘይፍትሓዊ ምሕደራ ምዃኑ ንኹሉ ብሩህ እዩ።

ስለዚ: መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜሪካ: እዚ ህልቂትን ዕንወትን ስደትን እዚ ከብቅዕ፣ ዝሰኸነ ኣእምሮ ዘለዎን፣ ኣርሒቑ ዝሓስብ ወለዶን ንምፍራይ፣ እቲ ጉዳይ ኣዝዩ ከቢድ እኳ እንተ ኾነ፣ እዋናዊ ፍታሕ ኪኸውን እዩ ኢልና ብምእማን እዚ ዚስዕብ ጸዋዒትን ለበዋታትን ናብ መንግሥትን ሕዝብን ኤርትራ ነቕርብ።

1. መንግሥቲ ኤርትራ፣ በዚ መወዳእታን ማዕልቦ ዘይብሉን ኩነታት፣ መንእሰያት ዓቕሎም ክሳብ ዝጽንቅቑን ዘይንቡር ውሳኔ ክሳብ ዝወስዱን ከይተጸበየ፣ ንመጻኢ ተመሳሳሊ ነገር ንኸይስዕብ፣ ማዕልቦ ክገብረሉ ብስም ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ንሓትት።

2. “ብሕጊ ዝተቖርጸት ኢድ ከም ዘላዝበሃል ምስላ ኣበው፣ ፍትሕን ርትዕን ኣብ ሃገር ክሰፍን፣ እዚ ንሓደ ምሉእ ዘመን ሰላምን ፍትሕን ዝሓረሞ ሕዝቢ: ፍትሒ ክረክብ፣ መንግሥቲ ናይ ምሕረት ኣዋጅ ኪህብ፣ ብስም ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ኣቤቱታና ነቕርብ።

3. ኣብ ስደት ዘሎኹም መንእሰያት፣ ብድሕሬኹም፣ ኣብ ሽግር ሓዲግክምዎም ዝመጻእኩም፣ ዝሓለፍክምዎ ጸበባን ሽግርን፣ ብተግባር ነቲ ኣብዚ ፈተና እዚ ንምእታው ዝዳሎ ዘሎ መንእሰይ፣ ምኽርኹምን ሓበሬታኹምን ክትልግሱ፣ ኣብ ምእላይ እዚ ሓደገኛ ተርእዮ፡ እጃምኩም ከተበርክቱ ብስም ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ንጽውዕ።

4. ኩለን ኣብያተ ክርስቲያናትን መሳጊድን፣ ነዞም ብሓደጋ ኣብ ባሕሪ ዝጠፍኡ ዘለዉን፣ ኣብ ፈቐዳ ስደትን ኣብያተ ማእሰርቲ ዝበልዩን ዝሓቁን ዘለዉ፣ ዓው ኢለን ቃለን ከስምዓን፣ ስደትን ጥፍኣትን ከብቅዕ፣ ጸሎትን ትምህርትን ኣብ ሕዝበን ከስፋሕፍሓ ምጽንናዕ ኣብ ሕዝቢ ክዝርግሓ ንጽውዕ።

5. ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን፣ መንፈሳዊ ሓላፍነታ ከይትፍጽም፣ ብኣስገዳድ ኣደራዕ ዝተጻዕና፣ ሓላፊ ምምሕዳር ኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ቤት ጽሕፈት ፓትርያርክ ዚብል ተሰኪሙ፣ ኣብ ዝባና ደይቡ ከም መንደዓት ተጻዒንዋ ዝርከብ ኣቶ ዮፍታሄ ድሜጥሮስ፣ ክለዓል እቶም ብመንፈስ ቅዱስ ዝተመርጹ ቀኖናዊ ኣቦ ፓትርያርክ ኣቡነ እንጦንዮስ ኣብ ቦታኦም ክምለሱ፣ ንመላእ ምእመናን ኦርቶዶክስን ፈተውቱን ንመንግሥትን ጸዋዒትና ደጊምና ነመሓላልፍ።

6. ሬሳ ኤርትራውያን፣ ኣብ ሳንዱቕ ተዓሺጉ፣ ንቡር ናይ ቀብሪ ሥነ ሥርዓት ከይረኸበን ሓመድ ኣዳም ከይለበሰን፣ ኣብ ጓይላን ፈንጠዝያን ምልሃይ ይኣክል። ዓገብ ድማ ንብል።

ኣብ መደምደምታ፣

እግዚኣብሔር ንሕዝቢ ኤርትራ ብፍላይ ድማ ንቤተሰብ እዞም ብሓደጋ ዝጠፍኡ ጽንዓት ክህቦም፣ ኣብ ጎዳጉዲ በረኻታት ሲናይ ኮነ ኣብ ጸበባን ስቓይን ንዘለዉ ኤርትራውያን ድማ፣ ኣምላኽ መዋጽኦን ራህዋን ክፈጥረሎም ቤተ ክርስቲያን ወትሩ ብጸሎት ትዝክሮም።

ነታ ኣሽሓት ኣኅዋትናን ኣኃትናን ከፊልና ብረድኤት ኣምላኽ፣ ብጸሎት ወለዲ፣ ብስንክልና ኣሽሓት ዝተረኽበት ናጽነት ሃገር፣ ከምቲ ቀደም እግዚኣብሔር ንሃገርና ዝባረኸልናን ዘውዲ ዝደፍኣላን፣ ሕጂ ድማ ኣብ ማእከላ ኣምላኽ ክብሪ፣ ኣብ ዶባታ ቀጽሪ ሓዊ ኮይኑ ክሕልወልናን፣ ንኹሉ ተጻብኦታት ከርሕቐልናን ብጸሎት ናብ ኣምላኽና ንቐርብ።

እግዚኣብሔር ንዝሞቱ ሰማያዊ  ዕረፍቲ፣ ንዝሓዘንና ድማ ዘጸናንዕ መንፈስ ቅዱስ ይሃበና። ኣሜን።

ኤርትራዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ፣ መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜሪካ።

2 ሕዳር 2013 (ጥቅምቲ ፳፫, ፳፻፮ ግእዝ)

ዋሽንግቶን ዲሲ ሕ.መ.ኣ

aseye.asena@gmail.com

Review overview
1 COMMENT
  • Samuel Girmay November 12, 2013

    ህግደፋዉያን እንጻር እዛ ጥንታዊት ቤተክርስትያን መራሕታን መእመናን ዘካይድዎ ዘለዉ ጸለመ ምፍርራሕ እዚ ኢልካ ክንገር ኣይከኣልን በትሪ ሓቂ ትቐጥን እንበር ኣይትሰበርን፡፡ እዞም መናፍቓን ኣብኦም ስድራ ቤቶም ዘምልኵዎ ሕያው ፈጣሪ ሓዲጎም ነዚ አረመን ተረፍ ማርክሳዊ ሃይማኖት ከምልኩ ጀሚሮም ሃገር ህዝቢ ንዞም ስሉባት ወዲ እፎም እዩ፡፡ ክምዛ ንሱ ጥራይ ተቓሊሱ ዘምጽኣ ዝኣምኑ ከሓዲ ኣሕዋቶም ስዉኣት ዝገበሩ እንተገበሩ እዛ ጥንታዊት ቤተክርስትያን ከምትስስን ከምትብድሆምን ክፈልጡ ኣለዎም፡፡ ሕብኡኒ ሕብኡኒ ኣጋግዮምና ክብሉ ጀሚሮም ኣለዉ ኣብልቦም እንተተመልሱ ኣሕዋትና እዮም እቲ ዝኣምንሉ መሲሕ ሓዋርያቱ ዝሕይርን ዝበልዕን ክምዝኮነ መዓስ ጠፊእዎም ካፍርሒ ድይፕም ዘምልኵዎ?

POST A COMMENT