Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

መግለጺ ንዝኽሪ ሐርበኛ መምህር ኢብራሂም መሓመድ

መምህር ኢብራሂም መሓመድ ብዕለት 28 መስከረም 1947 ዓ.ም. ኣብ ኣስመራ ተወሊዱ። ናይ መባእታ ደረጃ ትምህርቱ ኣብ ኤርትራ ተማሂሩ፡ ናይ ማእከላይን ካላኣይን ደረጃ ትምህርቱ ኣብ ኢትዮጵያ (ኣብ ደሴን ኣብ ኣዲስ ኣበባን) ድሕሪ ምዝዛሙ፡ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ቀዳማይ

መምህር ኢብራሂም መሓመድ ብዕለት 28 መስከረም 1947 ዓ.ም. ኣብ ኣስመራ ተወሊዱ። ናይ መባእታ ደረጃ ትምህርቱ ኣብ ኤርትራ ተማሂሩ፡ ናይ ማእከላይን ካላኣይን ደረጃ ትምህርቱ ኣብ ኢትዮጵያ (ኣብ ደሴን ኣብ ኣዲስ ኣበባን) ድሕሪ ምዝዛሙ፡ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ቀዳማይ ሃይለሰላሴ ብጂኦግራፊ ብባችለር ዲግሪ ተመሪቑ (B.A in Geography. HaileSelassie I University, Addis Ababa, Ethiopia)። ናብ ዓዲ እንግሊዝ ብምኻድ ብማስትረይት ዲግሪ ተመሪቑ (M.A in Library and Information Science.  Loughbrough University of Technology, UK)። ኣብ ኮተቤ ናይ መማሃራን ኮለጅን ኣስመራን ዩኒቨርስቲን ሓላፊ ቤት ንባብ ከምኡ’ውን ናይ ጂኦግራፊን ናይ ላይብረሪ ሳይንስን መምህር (Head of Library as well as Geography and Library Science lecturer) ኮይኑ ብተወፋይነትን ብኣብነትን ሰሪሑ።  ብዝሓደሮ ከቢድ ሕማም ንልዕሊ ሓደ ዓመት ኣብ ትሕቲ ሕክምና ድሕሪ ምጽናሕ ብ 26 መጋቢት 2018 ዓ.ም. ኣብቲ ክእለየሉ ዝጸንሐ ሆስፒታል ዓሪፉ። መምህር ኢብራሂም መሓመድ ባዓል ሓዳርን ኣቦ 3 ቆልዑን እዩ ኔሩ።

መምህር ኢብራሂም ግድላት ናይ ምፍታሕ ድሌትን ክእለትን ዝውንን ኣብ ኣዝዩ ጽንኩር እዋናት ብፍሽኽታ ንጸጋማቱ ዝገጥም ሓያል ልቦና ዝውንን ግዱስ ኤርትራዊ እዩ ኔሩ። ኣብ ርእሲ’ዚ ፡ ሕልፍ ዝበለ ትዕግስትን ጽን ኢልካ ምስማዕን ካብ ቀንዲ መለለይታት መምህር ኢብራሂም እዮም። መምህር ኢብራሂም፡ ንደቂ ሰባት ብሓፈሻ ንኤርትራውያን ከኣ ብፍላይ ብኣውንታ ንምጽላው ዕድል ኣብ ዘጋጠሞ ግዜ፡ ማሕበራዊ ብድሆታት ንምፍታሕ እጃሙ ንምብርካት ብተወፋይነትን ብቕንዕናን ብምሉእ ዓቕሙ ንምግባር ድሕር ዘይብል ህርኩትን ግዱስን ኣብነታዊ ኤርትራዊ ዜጋ እዩ ኔሩ።

መምህር ኢብራሂም ሓደ ካብ መስረትቲ ዓለምለኸ ተበግሶ ኤርትራውያን ንምድንፋዕ ህዝባዊ ምንቅስቓስ እዩ። ዕረፍቲ ናይ መምህር ኢብራሂም ንኹሉ ደምበ ፍትሒ ኤርትራ ብሓፈሻ ንሓይሊ ዕማም ዓለምለኻዊ ተበግሶ ኸኣ ብፍላይ ሰፍ ዘይብል መተካእታ ዘይርከቦ ክሳራ እዩ፡፡ ኣባላት ዓለምለኻዊ ተበግሶ፡ ንስድራቤት መምህር ኢብራሂም ጽንዓት ይሃብኩም እንዳበልና ዝተሰማዓና ከቢድ ሓዘን ንገልጽ። ንሓውናን ብጻይናን መምህር ኢብራሂም ኣምላኽ አብ ገነቱ ይቀበሎ።

ሓይሊ ዕማም ዓለምለኻዊ ተበግሶ

aseye.asena@gmail.com

Review overview
NO COMMENTS

POST A COMMENT