Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

መግለጺ ጽላል ኖርወይ ብምኽንያት ባሕቲ መስከረም 2015

ከም መቐጸልታ ናይቲ ኣቐዲሙ ዝተኻየደ ሰላማዊ ቃልሲ: ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ባሕቲ መስከረም 1961 ብረታዊ ቃልሲ ጀሚሩ።  ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ባዕዳዊ መግዛእቲ ጣልያን ኣብ 1890 ከም ሃገር ካብ ዝቖመትሉ ጀሚሩ  ህዝብና ብዝተፈላለየ መልክዕን ደረጃን ኣንጻር መግዛእቲ

ከም መቐጸልታ ናይቲ ኣቐዲሙ ዝተኻየደ ሰላማዊ ቃልሲ: ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ባሕቲ መስከረም 1961 ብረታዊ ቃልሲ ጀሚሩ።  ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ባዕዳዊ መግዛእቲ ጣልያን ኣብ 1890 ከም ሃገር ካብ ዝቖመትሉ ጀሚሩ  ህዝብና ብዝተፈላለየ መልክዕን ደረጃን ኣንጻር መግዛእቲ ተቓሊሱ ኢዩ።

እዚ ብውሑዳት ሓርበኛታት ዝጀምረ ብረታዊ ተጋድሎ ኣብ መስርሕ ብተሳትፎ ሓፋሽ ህዝቢ ኤርትራ መግዛእታዊ ህላወ ኣብ ኤርትራ ተሳዒሩ ሃገርና ኣብ 24 ግንቦት 1991 ነጻ ሃገር ኮይና።

እዚ ናይ ነጻነት መስርሕ ኣብ ናይ 1993 ረፈረንዱም መደምደምታ ረኺቡ ኣብ ዘመናዊ ታሪኽ ህዝቢ ኤርትራ ንመጀመርያ ግዜ ኤርትራውያን ሃገርና ከነመሕድር መሰልና ኣረጋጊጽና።

እዚ መሰልዚ ልዑልን ክቡርን መስዋእትነት ተኸፊልዎ ኢዩ ተረጋጊጹ። ናይቲ ዳርጋ ንሓደ ክፍለዘመን ዝተኻየደ ቃልሲ ዕላማ ድማ ኣብ ሃገርና ሓቀኛ ነጻነትን: ሰላምን: ራህዋን :ዲሞክርስን: ፍትሕን: ልምዓትን ንምርግጋጽ ኢዩ ነይሩ።

እንተኾነ እዚ ብሽም ግዚያዊ መንግስቲ ን ኤርትራ ካብ 1993 ጀሚሩ ዘማሓድር ዘሎ ዲክታቶሪያዊ ስርዓት ኢሰያስ ኣፎርቂ ንሃገርናን ህዝብናን ኣብ ናይ ሽግር ዓዘቕቲ ሽሚሙ፣ ንሕብረተሰብ ኤርትራ ኣብ ናይ ምብትታን ሓደጋ ኣሳጢሕዎ ይርከብ ኣሎ።

ሎሚ ስርዓት ኢሰያስ ኣፎርቂ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ኤርትራን ህዝቢ ዓለምን ተቓሊዑ፣ ናይ ምትላልን ምድንጋርን ሜላታቱ ተወዲኦሞ መዓልቲ ሞቱ ይጽበ ኣሎ። እምበኣር ሎሚ ንዲሞክራስያውያን ኤርትራውያን ዝጽበዮም ዘሎ ዓቢ ዕማም ነዚ ነቕ ነቕ ዝብል ዘሎ ስርዓት ብቕልጡፍ ምእላይን ኣብ መቓብሩ ዲሞክራሲያዊት ኤርትራ ናይ ምህናጽ ዕማማት ብምልኣት ምስልሳልን ኢዩ። ሃገርና ኤርትራን ሕብረተሰብናን ኣብ ከምዚ ዝበለ ናይ ምብትታን ሓደጋ ኣትዮሙሉ ኣብ ዘለዉሉ ግዜ ኩሉ ዕማማትና ነዚ ሓደጋዚ ምክልኻል ክኸውን ኣለዎ።

ነዚ ጉዳይዚ ናይ ምስላሳል መስርሕ ዕቱብ ብዝኾነ መንገዲ ክጅመር ዝኽእል ብቐዳምነት ኩላትና እቶም ኣንጻር ጸላኢና ስርዓት ህግደፍ ንቃለስ ዘሎና ሓይልታት ኣብ ነንሕድሕድና ናይ ምክብባርን ምጽውዋርን ዝምድና ብዘይ ውዓል ሕደር ክንምስርት ከሎና ጥራሕ ኢዩ።

ኣብዚ ናይ ዲሞክራሲያዊ ቃልሲ መስርሕ ዋላ ሓደ ናይ ቃልሲ ሞኖፖል ዘለዎ ውልቀ ውድብ፣ ፓርቲ፣ ማሕበር ወይ ውልቀሰብ የለን። እቲ ቃልሲ ናይ ሙሉእ ህዝቢ ኤርትራን ንሙሉእ ህዝቢ ኤርትራን ጥራሕ ኢዩ። ባሕቲ መስከረም ክንዝክር ከሎና፤ ነዚ ሓቅዚ ክንቅበልን ከም ውድብ፤ ፓርቲ፤ ማሕበር ወይ ውልቀሰብ ክህልወና ዝኽእል ውሱን ተራ ንበይኑ ኣብ ዋላሓንቲ ከም ዘየብጽሓና ክንግንዘብን ኣሎና።

ሎሚ ካባና ዝጥለብ ቀዳማይ ነገር፤ ዲሞክራሲያዊ መተካእታ ኴና ናይ ምቕራብ ብቕዓት ኢዩ። ክሳብ ሕጂ ነዚ ተደላይነትዚ ክንምልሶ ኣይከኣልናን ዘሎና። ብሰንኪ ናይ ገዛእ ርእስና ዘይብቕዓትን ናይ ህግደፍ ናይ ምፍልላይ ሜላታትን ክሳብ ሕጂ ኣብ ሞንጎና ንጹህ ናይ ምትሕብባር ሃዋህውን ኣድማዒ ናይ ሓባር ግንባር ኣንጻር ህግደፍን ክንፈጥር ኣይከኣልናን ዘሎና።

እዚ ሃጓፍዚ ስቓይ ህዝብና ኣብ ምቕጻል ናቱ ተራ ይጻወት ኣሎ።

ጽላል ኖርወይ፤ ዲሞክራሲያውያን ኤርትራውያን ነዚ ዝጥለበና ዘሎ መድራኻዊ ሕቶ ናይ ምምላስ ዓቕሚ ኣሎና ዝብል እምነት ኣለዎ። ብተወሳኺ ምስጢር ዓወት ናይ ብሓባር ኴንካ ምቅላስ ተኽእሎ: ቅድሚ ኩሉ፤ ኩላትና ነፍሲ ወከፍና ንሕና ይኹን እቶም ካልኦት መተካእታ ዘይብሉ ተራ ከም ዘሎና ምእማን ኢዩ።

በዚ መሰረት ጽላል ኖርወይ ኩሎም ዲሞክራሲያውያን ኤርትራውያን ብቕልጡፍ ኣብ ናይ ሓባር መድረኽ ክእከቡን ኣንጻር ጸላኢና ስርዓት ህግደፍ ሰፊሕ ናይ ሓባር ግንባር ክምስርቱን ይጽውዕ።

ጽላል ኤርትራውያን ንዲሞክራሲ ኣብ ኖርወይ

  1. 2015

ኖርወይ

aseye.asena@gmail.com

Review overview
2 COMMENTS
  • AHMED SALEH !!!. September 1, 2015

    The worst enemy Eritreans face nowadays is not only
    Issayas and his policy but the weakness on ourside
    that we refuse to admit played against Eritrean people interest .
    We are not in a level of sociopolitic progressive ideas excuses to fool around . We need to prove our sincere
    intention by focusing at simple point ; how to manage
    the issue which is critical and basic requirement for
    advancement ;
    ” heal the wounds , close unnecessary past difference
    and focus on ways how to bring UNITY in broken society .

POST A COMMENT