Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

መግለጺ ጽላል ዲሞክራሲያውያን ኤርትራውያን ኣብ ኖርወይ ብዛዕባቲ ኣብ ኤርትራ ዝርአ ዘሎ ተባዕ ህዝባዊ ተቓውሞ ዝምልከት

መግለጺ ጽላል ዲሞክራሲያውያን ኤርትራውያን ኣብ ኖርወይ ብዛዕባቲ ኣብ ኤርትራ ዝርአ ዘሎ ተባዕ ህዝባዊ ተቓውሞ ዝምልከት ብ31 ጥቅምቲ 2017 ኣብ ኣስመራ ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ንምቅዋም ኣብ ሃገርና ኤርትራ ተራእዩ ዘይፈልጥ ናዕቢ ተገይሩ። እዚ  ናይቲ ህዝብና በጺሕዎ ዘሎ ናይ

መግለጺ ጽላል ዲሞክራሲያውያን ኤርትራውያን ኣብ ኖርወይ

ብዛዕባቲ ኣብ ኤርትራ ዝርአ ዘሎ ተባዕ ህዝባዊ ተቓውሞ ዝምልከት

ብ31 ጥቅምቲ 2017 ኣብ ኣስመራ ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ንምቅዋም ኣብ ሃገርና ኤርትራ ተራእዩ ዘይፈልጥ ናዕቢ ተገይሩ። እዚ  ናይቲ ህዝብና በጺሕዎ ዘሎ ናይ ቆራጽነት ደረጃ ምልክት ኢዩ። ጸላኢና ህግደፍ ስርዓት ይትረፍዶ ሰላማዊ ሰልፊ ክትገብርስ ነጻ ኰንካ ክትሓስብውን ዘየፍቅድ ኣረሜናዊ ስርዓትዩ። ኣብ ትሕቲ ከምዚ ዝበለ ሃዋህው ኤርትራውያን ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ብግሁድ ሰላማዊ ሰልፍታት ክገብሩ ምጅማሮም፣ ህዝብና ሎሚ ድሕሪዚ ኩሉ ምጽማም «ደጊም ይኣክል!» ኢሉ ተበጊሱ ከምዘሎ ዘበስርዩ። እቲ ክሳብ ሕጂ ህዝቢ ሓይሩ ዝጸንሓ ናይ ፍርሓት መጋረጃ ተቐንጢጡ ምህላዉውን ህያው ኣብነትዩ።

ካብዚ ሓሊፉውን እቲ ፍጻሜ ናይ ህግደፍ ምምሕዳር ኣብ ናይ «ዓይኒ’ብለይ እዝኒ’ብለይ» ናይ ደንበርበር ሃለዋት ኣቲዩ ከም ዘሎዩ ዘረጋግጽ። ጸላኢና ህግደፍ እቲ ካብ ቀደሙውን ኢድን እግርን ዘይነበሮ ዝርካቡ ናይ ምምሕዳር መትንታቱ ደጊም ከም ዝተበታተኸዩ ከም ጸሓይ ቀትሪ በሪሁ ዘሎ።

እዚ ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት ኣብ ኣስመራ ብፍላይ ድማ ካብ ኣኽሪያ ተበጊሱ ዝትራእየ ህዝባዊ ተቓውሞ ኣንጻር ጸላኢና ህግደፍ መቐጸልታ ናይዚ ህዝቢ ኤርትራ ካብ ድሮ ነጻነት ካብ 1991 ጀሚሩ ዝተገብረ ተቓውሞታትን ኣረሜናዊ ተግባራት ጸላኢና ህግደፍን መቐጸልታ ኢዩ።

ኣብ 20 ሰነ 1991 ‘’ኣብ ግዜ ብረታዊ ቃልሲ ካብ ህዝባዊ ግንባር ወጻኢ ዝነበሩ ተጋደልቲ ይቕረታ ሓቲቶም ክኣትዉ ይኽሉዮም» ዝብል መግለጺ ኢሰያስ ኣፎርቂ.፣ ምቕንጣጥ መሰልን ማእሰርትን ዮሆዋ መሰኻኽርን ካልኦት ኣመንቲ ክርስትናን እስልምናን ኣብ 1993፣ ናይ 1993 ናይ ተጋደልቲ ምልዕዓል፣ ናይ ስንኩላት ማይሓባር  ተቓውሞ ኣብ 1994 ፣ ምእሳር ጋዜጠኛታትን ላዕለዎት ሓለፍቲ ህግደፍን ኣብ 2001,፣ምዕጻው ኣስመራ ዩኒቨርሲቲ ኣብ 2001,፣ ምእሳር ፓትሪያርክ ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስትያን ኤርትራ፣ ምእዋጅ መወዳእታ ዘይብሉ ሃገራዊ ኣገልግሎትን «ወፍሪ ዋርሳይ ይከኣሎ» ዝበሃል ናይ ጊላነት ፕሮጀክትን ኣብ 2002 ዝእመሰሉ ጉዳያት ከም ኣብነት ክቐርቡ ይኽእሉዮም።

ህዝቢ ዘልዕሎ ሕቶ ኩሉ ግዜ ህዝባዊ ሕቶዩ። እንታይ ሕቶ ተላዒሉ ኣየናይ ህዝቢ ኣልዒልዎ ብዘየገድስ ይውሓድ ይብዛሕ ህዝቢ ዘልዕሎ ህዝቢ ህዝባዊ ሕቶዩ። ብዲሞክራሲያውን ሰላማውን መንገዲ ድማ ክፍታሕ ይግብኦ።

ኢሰያስ ኣፎርቂ ይትረፍዶ ሎሚ ኣብ ማእኸል ኣስመራ ናይ ገባርን ሓዳግን ሓይሊ ረኺቡስ ቀደም ኣብ ግዜ ዕጥቃዊ ቃልስውን ውልቃዊ ስልጣን ልዕሊ ሃገራዊ ጠቕሚ ዝሰርዕ ምዃኑ ሎሚ ንኹሉ ብሩህ ኮይኑዩ።

ድሕሪቲ ናይ ከተማ ኣስመራ ህዝባዊ ተቓውሞን ኣረሜናዊ ስርዓት ህግደፍ ዝወሰዶ ስጉምትን ኣብ መላእ ዓለም ነቲ ናይ ህዝባዊ ሕቶ ዝድግፍ ሰላማዊ ሰልፍታት ይግበር ኣሎ።

ኣብ ኖርወይውን ብተመሳሳሊ፣ ኣብ ኦስሎ ንቀዳም ዕለት 11.11.2017 ሰላማዊ ሰልፍ ክግበር ማሕበር ደቀንስትዮ ኖርወይ  ተበግሶ ወሲደን ከም ዘለዋ ሓቢረናና።

ጽላል ኖርወይ ንዝኾነ ኣንጻር ህግደፍ ዝግበር መደባት የተባብዕዩ። በዚ መሰረትውን መሪሕነት ጽላል ንኹሎም ኣባላቱ ኣብቲ ተሓሲቡ ዘሎ ሰላማዊ ሰልፊ ክሳተፉን ግቡኦም ክገብሩን መልእኽቲ ኣመሓላሊፉ ኣሎ። ድሮውን ኣብ ኦስሎ ዝርከቡ ኣባላቱ ነቲ ሰላማዊ ሰልፊ ንምዕዋት ኣብ ዝግበር ዘሎ ምድላው ናቶም ተራ ይጻወቱ ኣለዉ።

ብዘይካዚውን ኩሎም ንኣረሜናዊ ተግባራት ህግደፍ ዝቃወሙ ኤርትራውያን ካብ ሙሉእ ኖርወይ ናብ ኦስሎ ብምምጻእ ኣብዚ ተጠቒሱ ዘሎ ሰላማዊ ሰልፊ ክሳተፉ ይዕድም።

 

ኣውሃሃዲት ኮሚቴ

ጽላል ዲሞክራሲያውያን ኤርትራውያን ኣብ ኖርወይ

aseye.asena@gmail.com

Review overview
NO COMMENTS

POST A COMMENT