Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

መግዛእቲ ድያብሎስ!

መግዛእቲ ድያብሎስ! ሳልሳይ ክፋል፥ እቲ ንዕስራን ክልተን ዓመታት ምሉእ፡ ብጃንዳ ህግደፍ ‘ድንግል ባሕሪ’ እናተባህለ ዝተዋጠየሉን ምስ ፍረኡ ኸሎ መኺኑን ዘሎ ባሕርናኸ ሰኣን ንህዝብን ሃገርን ዝሓሰብን ዝውፈን መንግስቲዶ ኣይኮነን’ዩ ክሳዕ ሎሚ ብድንግሉ ዝነብር ዘሎ!? ዋናታቱ ብጥምየት እናሃርበትና (ዝብላዕ

መግዛእቲ ድያብሎስ!
ሳልሳይ ክፋል፥
እቲ ንዕስራን ክልተን ዓመታት ምሉእ፡ ብጃንዳ ህግደፍ ‘ድንግል ባሕሪ’ እናተባህለ ዝተዋጠየሉን ምስ ፍረኡ ኸሎ መኺኑን ዘሎ ባሕርናኸ ሰኣን ንህዝብን ሃገርን ዝሓሰብን ዝውፈን መንግስቲዶ ኣይኮነን’ዩ ክሳዕ ሎሚ ብድንግሉ ዝነብር ዘሎ!? ዋናታቱ ብጥምየት እናሃርበትና (ዝብላዕ ስኢንና እናኣህነፍነፍና) ምስ ስፍሪ ኣልቦ ሽሻዩ ከሎ፡ ኣዒንቱ ኣፍጢጡ ኪጥምተና ዝነብር ዘሎ። ድንግልና ባሕሩ ምድፋር ዝሰኣነ ጉጅለ ህግደፍ ድማ እኖሆ ብዘይውላድ (ብዘይፍረ) መኻን ኮይኑ ከም ዝነብር ጌሩዎ! ህግደፍ ተሰርዩ ከይከውንዶ ደብተራ ኣምጺእና ፍትሓት ክንገብረሉ!? መዓስኮን ይኸውን ባሕርና ጸጋይት ላም ብምዃን ፍርያቱ ዝሕለብ? ጃንዳ ህግደፍ ኣይኪሰርሕ ኣይከስርሕ፡ ብኢድናን እግርናን ብምእሳር፡ ክሳዕ መዓስ’ዩ ካብ ፍርያት ባሕርና ሓሪሙ፡ ተጸበይቲ ኩፖኑ ጌሩና ክቕጽል? እዚ ግን ብፍላጥ ኮነ ኢልካ፡ ህዝቢ ኣብ ትሕቲ ምልክኻ ብምቑራን ንምቁጽጻር ዝተገብረ ስለ ዝኾነ፡ ንየዋህ’ምበር ንፋህምሲ (ንለባምሲ) ኣየገርሞን’ዩ።
እዛ ብጃንዳ ህግደፍ ወትሩ እትደጋገም መደናገሪት ቃል፡ ማለት፡ “ኣብ ቀረባ መጻኢ ኤርትራ ኪሓልፈላ’ዩ!” እትብል ታፍላ (ህርፋን) እተሐድር ቃልከ መዓስኮን ትኸውን እትብጻሕ? ህግደፍ ደጋጊሙ፡ ዋላውን ኣብ ገደና ሓደ ህርኩት ሓረስታይ፡ ዝሸወተ ዕፉን እናርኣየ፡ ‘ኤርትራ ኣብ ቀረባ መጻኢ ኪሓልፈላ’ዩ! ረኣዩ!’ እናበለ ዘደናግረላ ናይ ተስፋ ሓረግ፡ ማለት፡ እዛ ሕልማዊት ናይ ህግደፍ ገነት፡ ክንደይ ኪሎ ሜትርድዩ ርሕቐታ!? ን22 ዓመታት ተጓዒዝና ክንበጽሓስ ይትረፍ ዋላውን ባናኣ ብማዕዶ ክንርእዮ ዘይከኣልና ቀረባ እትባሃለና ምዕባለ! ወረ ኣንፈታውን በየን ወገን ከም ዝኾነ ኣይሓዝናዮን ዘለና። ብንጹር ርሕቐታ ኪንደይ ማይልስ ምዃኑስ እዚ ጉጅለ ሕሰም ኪነግረና ይኽእልዶ ይኸውን? ኣብ ቀረባ መጻኢ ህግደፍ’ኮ ጸንፊ (መወዳእታ ናይ ምድሪ) ኮይናትና! እቶም መንነት ፈያት (ሸፋቱ) ህግደፍ ብግቡእ እንርዳእ ሰባት’ኳ ኣብ ዘበነ ድያብሎስ ከምዘይንበጽሓ ጽቡቕ ጌርና ንፈልጥ ኢና። እቶም እንተ ብልውሃት እንተ ብኽፍኣት ኣፎም ሃህ ኣቢሎም ብሃንቀውታ ዝጽበዩዋ ዘለዉ ሰብ ፍሉይ ረብሓ ሰዓብቲ ህግደፍ ግን ብውሕዱ እዛ ን22 ዓመታት ቀሪባ ዝበሃለላ ዘሎ ጦብያ (ኣእምሮ ዝቐረጻ ናይ ሕልሚ ሃገር) መዓስ ከም ትብጻሕ ነቲ ‘መንግስትና’ ዝብሉዎ ማጃ (ጃንዳ) ክሓቱዎ ይግባእ።
ገለ የዋሃት ኤርትራውያን፡ ‘እዚ ሕጂ ነሕልፎ ዘለና ሕሰምን ሽግርን፡ ብዶብ ወይ ድማ ብሰንኪ ወያነ’ዩ መጺኡን ዚቕጽል ዘሎን! ስለዚ፡ ዶብ ምስ ተሓንጸጸ ኩሉ ነገር ኪፍታሕ’ዩ!’ እናበሉ ነብሶም ዝጥብሩን መጋበርያ ዉልቀ መላኺ ዝኾኑን፡ ሰብ ዘይጭበጥ ተስፋን ሕልምን ከም ዘለዉ ፍሉጥ’ዩ። ገሊኦም ከኣ ‘ህግደፍ ጌና ኣሎ፡ ኣብ ዙይን (ሬሳ ናብ መቓብር ዝወስድ ዓራት ወይ ቃሬዛ) ኣይተሰቕለን፤ ከምቲ ናይ ናዶው ጠፊኡ እናተባህለ ተኣምር ዝሰርሐ፡ ሕጂውን ከምኡ ፈሪሱ እናተባህለ ተኣምር ኪፈጥር’ዩ!’ ኢሎም፡ ነተን ኲዒተየን ዝበለን ዒላታት ክቖጽሩን ክጽብጽቡን፡ ብቲቪ ኤረ ክንፍሑን ዝውዕሉ ንጦብያ፡ ማለት፡ ኣብ ዓለም ዘየሎ፡ ኣእምሮ ዝቐረጾ ኣዝዩ ምዕቡል ሃገር ዝጽበዩን የዋሃት ኣለዉ።
ኣብዚ ሓደ ነገር ኪዝንጋዕ ዘይብሉ ጉዳይ ግን ኣሎ። ህ.ግ.ሓ.ኤ ንናደው እዝ ኪድምስስ ዝኸኣለ፡ ሓይሊን ደገፍን ህዝቢ ስለ ዝነበሮ፡ ብመስዋእቲ ውፍያት ጀጋኑ ደቂ ህዝቢ’ምበር ብብልሓትን ውጥንን ሓለፍቲ፡ ከምዘይተደምሰሰ ዋላ እቲ ሃዚል (ዓሻ ወይ ዓዋን) ነገራት ዘየመዛዝን ሰብውን እንተኾነ ኪግንዘቦ ዚኽእል ሓቂ’ዩ። ሎሚ ጃንዳ ህግደፍ፡ ነታ ቀደም ንህዝቢ ኤርትራን ዓለምን ንምድንጋር ኢሉ፡ ባዕሉ ስመይ ኢሉ ዝተጠመቓ፡ “ህዝባዊ ግንባር ንደሞክራስን ፍትሕን” እትብል ምስልይቲ ስም፡ ደፊሩ ንኪጽውዓውን ተጸይፍዋ ኣሎ። ያኢ ሎሚ ነቲ ቀደም ብሰንኩ ዝሸፈተ ልቢ ህዝቢ ኤርትራ ንምምላስሲ ‘ህዝባዊ ግንባር’ኮ ከምዚ ጌሩ’ዩ! ህዝባዊ ግንባር’ኮ እዚ ሰሪሑ’ዩ! ወዘተ.’ እናበለ ስንክሳር (ገድሊ ቅዱሳን) ብዝመስል ቃና፡ እዝንና ከደንቁር ሓዲሩ ይውዕል ኣሎ። ናይ 22 ዓመታት ትዕዝብትና ወይ ተመኩሮና ኣብ ባህሪ ህግደፍ ከም ዝሕብሮ ግን ገንዚ ህግደፍ፡ እዚ ተግባራት’ዚ ዚፍጽም፡ መሬት ጽንክር ኪትብሎ ከላ ጥራይ ምዃኑ ንኹሉ ብሩህ ኮይኑ ኣሎ። ብርግጽ ከኣ ሎሚ ማጃ ህግደፍ፡ ኣብ ናይ ሞትን ሕየትን እዋን’ዩ ዝርከብ ዘሎ! ብኣንጻሩ ከኣ ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣብ ኣፋፈት ግዝኣን (ሓርነት) ይርከብ ኣሎ።
ፈንጊ (ጉጅለ) ህግደፍ ምስ መን ተጻሊኡ ምስ መንከ ጽቡቕ ኣሎ ንምፍላጥ፡ ብዓቕሊ ነታ ባዕሉ ‘ድምጺ ሓቂ’ ኢሉ ዝሰመያ፡ ድምጺ ሓሶት ማዕከን ዜናኡ ምክትታል ጥራይ እዩ ዘድሊ። ምኽንያቱ፡ ንሳ ናቱን ናይ ፈተውቱን ጸይቂ ብምሕባእ፡ ናይቶም ጸላእተይ ዚብሎም ግን ኣሎ ዚብሃል ሕማቕ ነገር ኣራርያ፡ ‘ናይ ቀረባ ተዓዘብቲ ከም ዝበሉዎ’ እናበለት ዑፕ ስለ ትብል፡ ምስ መን ተጻሊኡ’ሎ ምስ መንከ ተፋቒሩ’ሎ ንምፍላጥ ዘጸግም ኣይኮነን። እዚ ብዘይዝኾነ ሓበሬታ ካብ ተመኩሮ ህግደፍን ባህርያቱን እንግንዘቦ ሓቂ’ዩ። እዚ ብህወይት ጀጋኑ ደቂ ህዝቢ፡ ኣብ ኮረሻ ስልጣን ዝሓኾረ ጉጅለ ሕሰም’ዚ ኸኣ ዋላ ብሕጂ ኣብዛ ሃገር፡ ከምቲ ሓለምቲ ዝብሉዎ፡ ብተኣምር ማና እንተውረደውን፡ እቲ ክሳዕ ሕጂ ኣብ ልዕሊ ህዝብናን ሃገርናን ፈጺሙዎ ዘሎ ግፍዕን በደልን መዳርግቲ ስለ ዘይብሉ፡ ብሕጂ ጽቡቕ ይግበር ኣይግበር ብዘየገድስ፡ እቲ ጥርዚ ናይ ሕማቕ ግብሪ በጺሑዎ ስለ ዝኾነ፡ ናብ ፍርዲ ምቕራቡ ኣይክተርፎን’ዩ። ነዚ ኣጸቢቑ ስለ ዝርዳእ ድማ’ዩ ክሳዕ መጠረሽታ ብመገዲ ጥፍኣት ኪጓዓዝ መሪጹ ዘሎ።
ስለዚ፡ ልብወት (ናይ ምፍላጥን ምስትውዓልን ክእለት) ዘሎዎ ሰብ ኩሉ የስተውዕል! ኣብዚ ብልቀት (ካብ ዝተፈላለየ ሓቅታት ብምብጋስ፡ ናብ መወዳእታ ብምብጻሕ) ምውሳን ኣዝዩ ኣገዳሲ’ዩ። ምስ’ዚ ናብ ዕራርቦ ገጹ ዝጓዓዝ ዘሎ ማጃ (ወገን) ንኸይጠፍእ ነፍሲ ወከፍ ንጹህ ዜጋ ይጠንቀቕ! ነባሪ ታሪኽ’ምበር ነባሪ ህይወት የለን! ብዘይወዓል ሕደር ኣብ ጎድኒ ህዝቡ ተሰሊፉ፡ ንዘለማ ምልኪ፡ ማለት፡ ንመርገጽትን ጭቆናን እዚ ማሕበር ወጊድ ይበል! ናይ ኣርባዓን ሰለስተን ዓመታት ጉዕዞ መጭወይትን መቕዘፍትን ከተያ (መዛዘሚ) ይገበረሉ ይበል። ሃገርና ፍትሕን ህዝባዊ ምምሕዳርን ንኽነግሳ፡ ዓው ኢሉ ይጸውዕ! ጸወን (ዕቑባ) ደሊኻ ካብ ሃገርካ ምስዳድ ይኣክል ይበል! ነባሪ ህዝቢ’ምበር ነባሪ ስርዓት ከምዘየለ ፈሊጡ፡ ምስ ግዝያውያንን ሓለፍትን ፋኖታት (ሸፋቱ) ተደናጊጹ፡ ነቲ ነባሪ ህዝብን ሃገርን ኣይበድል! ምስሉን ተግባሩን ኣብ ልቢ ህዝቢ ንምሕዳግ፡ ሎሚ ይጽዓር! ሓገራ (ውጥንን ራኢን) ይሃሉዎ። ጽኑዕ ዕላማ ይሃሉዎ። ዕላማ ምህላው ንባዕሉ ዓወት’ዩ። ዕላማ ዘይብሉ ሰብ ግን ሱር ከምዘይብሉ ገረብ ምዃኑ ይፍለጥ!!!
ውልቀ መላኺ ግን ዕላማ ዘይብሎም ሰባት ሒዙ ብዕላማ’ዩ ዚጓዓዝ ዘሎ። ዕላማ ውልቀ መላኺ፡ ነቲ ሕሉፍን ህሉውን ኩነታት ሃገርን ህዝብን ብሓፈሻ፡ ብፍላይ ድማ ኣካይዳ ኢሳያስን ውዱቡን ተገንዚቡ፡ ኣዛዊሩ ንዝሓስብ ሰብ ዕላማ ውልቀ መላኺ ኣዝዩ ንጹር’ዩ። ዝተፈላለየ ዘይትገበር መብጽዓን ዘይጭበጥ ተስፋን ንህዝቢ እናሃብካ ክሳዕ ግዜ ሞትካ ኣብ ኮረሻ ስልጣን ተሓቢእካ ገባርን ሓዳግን ኴንካ ምንባር’ዩ። ድሕሪ ሞቱ ዝግለጽ ኣበሳኡን ገበኑን ንእኡ ኣየሰክፎን’ዩ! ነዚ ንምትግባር ከኣ ኩለን ኣብ ኤርትራ ይኹና ካብ ኤርትራ ወጻኢ ዘሎዋ ማሕበራትን ወከልቲ ህዝቢን ብጉልባብ ድሕነት ሃገር ጠበቓ መንግስቲ ኮይነን ከም ዝህነጻ’ዩ ጌሩወን። ዋላ ሰብ ብዘይ ሕግን ፍርድን ይተእሰር ይረሽን ኩሉ ንድሕነት ሃገር ብምባል ቅቡል’የን ዝቈጽሩኦ።
ኣብዚ ሎሚ እዋን ኤርትራውያን ስደተኛታት፡ ቅድሚ ናብ ስደት ምብጋሶም፡ ኣብ ክንዲ ኣድራሻን ቁጽሪ ስልክን ኤምባሲ ሃገሮም ሒዞም ዝወጹ፡ ቁጽሪ ስልኪ ኤርትራዊት ተጣባቒት መሰል ኤርትራውያን ክብርቲ ሓፍቲ ሜሮን እስቲፋኖስ ሒዞም’ዮም ዝወጹ ዘለዉ። ሽግር ከጋጥሞም ከሎ ኸኣ ብቐጥታ ናብኣ ብምድዋል፡ ከም ኣምበሳደር ሃገሮም ርድእና እናበሉ የእውዩ ኣለዉ። እዚ ንገዛእ ርእሱ ብዘይካ ውሑዳት ሰብ ፍሉይ ረብሓ ካልእ ኩሉ ኤርትራዊ ንጉጅለ ህግደፍ ከም ሽፍታ’ምበር ከም መንግስቲ ዝቘጽሮ ከም ዘየሎ’ዩ ዘነጽረልካ። ብርግጽ ከኣ ገንዚ ህግደፍ ፈያታይ (ሽፍታ) እምበር መንግስቲ ኣይኮነን። ጎረባብትና ንሓድሕዶም ብምድግጋፍን ብሓገዝ ዝተፈላለዩ ኣህጉራዊያን ማሕበራት ይኹና ሃገራት፡ ሃገሮም ብምህናጽ ርኡይ ለውጢ ኣብ ሃገርን መነባብሮ ህዝብን ከርእዩ ከለዉ፡ ጃንዳ ህግደፍ ግን ኣብ ህዝብን ሃገርን ብዓይኒ ዝረአን ብኢድ ዝድህሰሰን ምንም ለውጢ ከየምጽአ 22 ዓመታት ምሉእ፡ በተን “ንህዝቢ ሓበሬታ ምሃብ ባህልና ኣይኮነን!” ዝብላ ማዕከናት ዜናታቱ ኣቢሉ ‘ከይረስሕን ከይሕስኽን ግቡእ ናይ ጽሬት ክትትል ዘይግበረሉ ዒላ ኲዒተ፣ ድንግል ባሕሪ ከለኩም ዓሳ ተፍርዩሉ ሓጽቢ ሰሪሐ፣ ዶክተራትን መድሃኒትን ዘይብሉ ክሊኒክ ሃኒጸ፣” ወዘተ. እናበለ የዋሃት ኣደናጊሩ ዕድመ ስልጣኑ ከናውሕ ለይትን ቀትርን ይግዕር ኣሎ።
ሎሚ ካብ ነዚ ህዝብን ሃገርን ሊኪሙ ንኺጠፍእ፡ ናብ ጸድፊ ገጹ ዝጓዓዝ ዘሎ ጉጅለ ሸፋቱ ተዓሲብካ ምግልጋል ንላዕሊ፡ ዘሕፍርን ዘነውርን ነገር ከምዘየለ ኩሉ ዝተገንዘቦ ሓቂ ኮይኑ ኣሎ። እቶም ዕሱባት ነዚ እኩይ መላኺ’ዚ ከም ሓደ ሓላዪ ሃገርን ህዝብን ብምቑጻር፡ ከምኡውን ብገንዘብን ረብሓን ተኣሲሮም፡ እንተ ተቐንዘወ ዝሓሙ፡ እንተ ሓመመ ዝሞቱ፡ ኣብ መበል 21 ክፍለ ዘመን ከም ዘሎና ዘይርድኡ፡ ተበለጽትን ባጊራትን (ኣዝዮም ድሑራት) ገዲፍካ፡ እቲ ዝበዝሕ ህዝቢ ግን እዚ ብኹሉ ወገኑ ሓሳረ መከራ ዝኾነ ኮም’ዚ፡ ኪጠፍኣሉ ዘይደሊ ኤርትራዊ ዘሎ ኣይመስለንን። ነስተውዕል! ካብዚ ንዜጋታት ኤርትራ፡ ኣብ ዘቤትን ግዳምን ስደተኛታት ብምግባር፡ ንዘይተወሰነ ግዜ ስድራቤታት ፈላልዩ ዝገዝእ ዘሎ ሕሱም ጉጅለ’ዚ ንምድሓን፡ ክልተ ምርጫታት ጥራይ እየን ዘሎዋና። ብፍላይ ድማ ንኣደታት ኤርትራ!
እቲ ቀዳማይ ምርጫ፥ ነዚ ኣካሉ ኣብ ኣስመራ፡ መንፈሱን ኣተሓሳስባኡን ድማ ኣብ በረኻ ዓምበርበብ ዚነብር ዘሎ ድሑር መላኺ፡ ጠቕሊልካ ካብ ገጽ መሬት ኤርትራ ብምውጋድ ንቡር ህይወት ምንባር ክትከውን ከላ፡ እታ ካለአይቲ ምርጫ ድማ እዚ መላኺ’ዚ ኣብ ስልጣን ክሳዕ ዘሎ፡ ስድራቤታት ክተኣኻኸባ ከምዘይክእላ እናፈለጥና፡ ምእንቲ ንሱ ኣብ ስልጣን ኪቕጽል ግን ስድራቤታትና ተፈላልየን ይንበራ ዚብል ምርጫ ምውሳድ’ዩ። ካብ ክልቲአን ሓዲአን ክንመርጽ ኣለና! እንተዘይኮይኑ ሽግርና፡ እዚ ሰብ’ዚ ብህይወት ክሳዕ ዘሎ ወይውን ሰራውሩ ከይተበርቆቘ፡ ብተስፋ ጥራይ ሕግን ፍትሕን ኣብ ሃገርና ነጊሱ፡ ሰብኣዊ መሰልና ተኸቢሩ፡ ስድራቤታት ንቡር ህይወት ከሕልፉ ማለት ኣበደን’ዩ! እወ፡ እዚ ምርጫ እዚ’ዩ ኣብ ቅድሚ ኩሉ ኤርትራዊ ተገቲሩ ዘሎ። ኣብዚ ንህግደፍ ምድጋፍን ምጥባቕን ኣዝዩ ሕሱርን ዘሐፍርን ተግባር ከም ምፍጻም ተቖጺሩሉ ዘሎ እዋን፡ ምስ ጃንዳ ሕሰምን መከራን ምድንጋጽ ማለት ከምቲ ኣቐዲሙ ዝተገልጸ ኣነዋርን ደዋኒ ክብረትን መንነትን ብምዃኑ እኖሆ ነዚ ዝተገንዘበ ንቁሕ ኤርትራዊ ብሓባር ከምዚ ይብል፥
ካብ ሕግን ቅዋምን ፍጹም ዝሸፈቱ
በጽሒ ብዘይገደብ መዝሚዞም ጉልበቱ
ካብ ሃገር ዘጥፍኡ ኪሽየጥ ኩሊቱ
ካብ ንጉጅለ ህግደፍ ምግልጋል ብኾንቱ
እንታይ ኣሎ ዘሕፍር ውርደት ዚምህርቱ!? ይብል ኣሎ።
ሕሰምና ንኺድምደም፡ ውድቀት ንጉጅለ ሕሰም!
ይቕጽል፥
ካብ ሓውኹም መሲናስ 10-05-2013

aseye.asena@gmail.com

Review overview
2 COMMENTS
  • NEW HOPE ERITREA May 10, 2013

    Brother Messinas ,

    I am extremely impressed by your clear & corrective solution you pointed out.
    I just wanted to add..THE DEVIL DID NOT START TO SHOW HIS COLORS IN 1991,97 or 2001..SINCE BIRTH ,HE HAS BEEN A DEVIL & HE HAS BEEN RECRUTING …regular & high ranking devils.IF THE HIGH PRIEST HAS BEEN A DEVIL SINCE CONCEPTION..HIS ARMY (BANDITS)…COULD NOT BE EXPECTED TO BE LITTLE ANGELS.
    THE ORGANIZATION HAS BEEN DEVIL AND THE SO CALLED TEGADELTI whether knowingly or being fooled have been & still are THE DEVIOL´s OF SATAN´S TEMPLE (EPLF/MUDADA/PFDJ/SELFI NETSANET)
    ካብ እንቋቝሖ ተመን ርግቢት ንጽበ ማህቡላታት ህዝቢ ስለ ዝኾንና፣ንዓና እውን ክንንቀፍ ይግብኣና። ጀብሃ ጠፊኤን__ዓጋመ ተደምሲሰን እናበልና ነሳሲ ዝነበርና ወስላታት ሕጂ ¨ብወያነ¨ስለ ዝተሳዕረ እምበር ገፋዒ ብምዃኑ ዘይንጸልኦ ሰባት ዓቐን የብልናን፥
    ከም ገለ ጉዳይ ተገልቢጣ እንደሞ__¨ንወራር ወያነ¨መሊሱ ደፊኡ__ሓሙሽተ ሜትሮ ኣየርሕቖምን__እቶም ሃዋሳ ዘለዉ ከጣቕዑ ምጀመሩ።ከምቲ ኢትዮጵያ ጸላኢና ናይ ንብረት ድኽነት ኢዩ ኢሎም ዝምክትዎ ዘለዉ__ንሕና ኤርትራውያን ድማ ናይ ኣተሓሳስባ ዘኽታማት ምዃንና ኣሚንና ነጺህና እንተ ንትሥእ፣ ንወያነ ኣንኳይዶ ብቓጣር ደፊእና ኣብ ዓሰብ ደፊእናዮም ዘለና __ክሳዕ ባጽዕ ውን መጓየናዮም ይብል ኣነ።

  • tekeste May 12, 2013

    This is an excellent article which describes the current situation in Eritrea.

POST A COMMENT