Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

መጠንቀቕታ 3 ዓኮስኤ(ICER)

ኩነታት ስደተኛታት ኤርትራ ካብ ጊዜ ናብ ጊዜ እንገደደ ይኸይድ ምህላዉ ካብ ዉሑዳት ሰባት ጥራይ ዝተሰወረ ኢዩ እንተበልና ኣየጋነናን። መጀመርያ ንስደት ዘምርሕ ዘሎ መንእሰይ ካብ ዝብኢ ዓደይ ዝብኢ እንዳማተይ ይብልዓኒ ዝብል ዘሎ ይመስል። እዚ ተገላቢጦሽ ብሂል 

ኩነታት ስደተኛታት ኤርትራ ካብ ጊዜ ናብ ጊዜ እንገደደ ይኸይድ ምህላዉ ካብ ዉሑዳት ሰባት ጥራይ ዝተሰወረ ኢዩ እንተበልና ኣየጋነናን። መጀመርያ ንስደት ዘምርሕ ዘሎ መንእሰይ ካብ ዝብኢ ዓደይ ዝብኢ እንዳማተይ ይብልዓኒ ዝብል ዘሎ ይመስል። እዚ ተገላቢጦሽ ብሂል  ናይ ቅብጸት መንፈስ ዘመልክት ጥራይ ዘይኮነስ ካብ ዘርኢ ዝተወርሰ ነፍሲ ቅትለት ዝተጸናወቶ ፍጡር ዝኽተሎ  ኣገባብ ይመስል። ስደተኛ ኤርትራ ዘጋንፎ ዘሎ ዘይሰብአዊ  ፍጻሜታት ብሁድእ ዓቕሉ ምስ ዘስተንትኖ ምርጫ ከም ዘለዎ ክግንዘብ ምኸአለ ኔሩ ንብል። እቲ ካብ ምርጫታት ሓደ ጌርና እንእምቶ ድማ ኣብ ሃገርካ ሽልብግልብ እንዳበልካ ንበር ዘይኮነስ፡ መሬት ክሳብ ዝወግሕ ሂወትካ ዓቂብካ እትነብረሉ ኣብቲ ብስምካ ኣብ እተዳለወ መዕቆቢ ስደተኛታት ዓቕሊ ጌርካ ምጽናሕ ኢዩ። ካብ መዕቆቢ ስደተኛታት ውን ተዘሪፍካ ከም ጤለበጊዕ ክትሽየጠሉ ዝማህመነ ዕድል ዘለዎ ቦታ ምምራጽ ናትካ ግደ ኢዩ። ንአብነት ናብርኡ ሑሱም እኳ እንተኾነ ኣብቲ ከም ቃንጢሻ ዝብቁል ዘሎ ስደተኛታት ካምፕ ኢትዮጵያ ዝሓሸ ኢዩ ንብል።

ካብ ሃገርካ ምስ ወጻእካ ዘሎ ሽግር ምስቲ ናይ ይምሰል ናብራ እስራኤል ይኾን ካልእ ቦታት ዝወዳደር ኣይኮነን። ቲ-ሸርት ለቢሶም ኣብ ደንደስ መኪና ተሳኢሎም ዓወቶም ንምብሻር ብዝፍንውዎ ናይ ሓሶት ዘመተ ከትታለል ኣይግብአካን። የግዳስ ነታ ናይ ካሊኢት ዝና ንምትራፍ ኣብ ዝግበር ናይ ይምሰል ዘመተ ንምንጽብራቕ ዝአክል፡ ነቲ ዘጋነፎም ሰብአዊ ግህሰትን፣ ከምጨጋዕ  ኣድጊ ዝተቐጥቐጥዎ ማህረምትን፣ ዝለመሸ ኣካላቶምን ዝሕደርዎ ዓባይ ስዓልን ከም ሕልሚ ደርሆ ቆጺሮም ይሓልፍዎ። ይርሳዕ ድማ።

ክንደይ መንእሰይ ኢዩ ብግብፃውያን ናይ ዶብ ሓለውቲ ተረሺኑ ዘይሞተ፣ ክንደይ ደቂ ኣንስትዮ ኢየን’ከ መላገጫ ሱዳንን በደውይንን ዘይኮና፣ ክንደይ ብሽሓኒ ምሕጻብን ታክሲ ምዝዋርን ዝመሓደር ኣብ ወጺኢ ዘሎ ዜጋ ንጁባ ሸፋቱ ንምስሳን  ናብራኡ ዘርሚዘርሞ ዘይተረፈ። እዚ ስዉር ስንብራት ኣብ ነፍሲ ወከፍ ኤርትራዊ ከም ዝለሓመ ዘጠራጥር ኣይኮነን።

እቲ ኣዝዩ ዘስደምም ድማ ከምቲ ብ 17 ክፍለ ዘመን ዝነበረ ናይ ባሮት ሃድን ኣብ ቅድሚ ዓይንና ምፍጻሙ ኢዩ። ቕድሚ ሕጂ ከምዝገለጽናዮ ካብ ናይ ሱዳን ስደተኛታት ካምፕ ብዝተፈላልዩ መንግድታት ክሳብ ሽንቲ ማይ ክኽዕዋ ንዝወጻ ደቂ ኣንስትዮ ጠልፎም ኣብ ባርነት ከምዝእተወውን ንዝክር። ደቂ ተብዕትዮ እንተኾኑውን ስራሕ ክንህበኩም ብዝብል ምስምስ ሓቢሎም ኣደዳ ናውቲ ስውነቶም ኣብ ምሽጥ ኣውዒሎምዎም። ብዙሓት በዚ ጠንቂ’ዚ ሂወቶም ከምዝሓለፈ ጋዜጣታትን ተለቪዝናት ፈረንጅን ከቃልሕኦ ሓገየን ኢየን።  እዚ ከይአክል ድማ ክልተ ሰሞን ይገበር ንሰምዒ ብዘደንጹ ኣብ ልዕሊ 15 ኤርትራውያን ኣብ ሱዳን ዝተገብረ ፍጻሜታት ኢዩ። ዘረፋ ካብ ሱዳን ጥራይ ዘይኮነስ ሑሉፍ ሓሊፉ ካብ ውሽጢ ሃገር ምፍጻሙ ኢዩ ዝደንቀና።

3 ኤርትራውያን ኣብ ከባቢ ጉሉጅ ኣብ ዝርከብ ዓበይቲ ሕርሻታት ክሰርሑ ምስ ሓገዩ ብረሻይዳ ይኹን ብተሓባበርቶም ተጠሊፎም ኣብ መሬት ሱዳን ኣተዉ። ካብአቶም  ሓደ ሽምግል ዝበለ ኮይኑ ኣቦ 8 ቖሉዑ ምንባሩ ሜሮን እስቲፋኖስ ብተለፎን ኣዘራሪባ ክትርድእ ኪኢላ ኣላ። እቶም ዘይጠርጠርቲ ለዋሃት 12 ድማ ዶብ ጢሒሶም ኣብ መጀመርያ እትርከብ ኑቕጣ ሱዳን ኢዶም ሃቡ። ከምቲ ጉብእ ድማ እቶም ሓለውቲ ዶብ ሱዳን ክንዲ ናብ ስደተኛታት ካምፕ ከዕቆቡ ዝሕብርዎም፡ ንጠለፍቲ ጸዊዖም ዋጋ ዕዳጋ ገበርሎም። ጠለፍቲ ከአ 3000 ዶላር ሕጂ ትኸፍሉ ንእስራኤል ከነሳግረኩም በልዎም። ግዳያት ድማ ንእስራኤል ንምኻድ ውጥን ከምዘይብሎም ግንከስ ናብ ስደተኛታት ካምፕ ክኸዱ ከምዝደልዩ ገሊጾምሎም ከብቅዑ ካብዚ ሰዓት’ዚ ሹዩጣት ምዃኖም ክሳብ እቲ ዝተሰለዓሎም ገንዘብ ዝኸፍሉ ድማ ነጻነቶም ተሓሪምዎም ከምዝጸንሕ ኣርድእዎም። ካብቶም 12 ሓደ ኣብ ቀረባ ዝጸንሔ ምስኪን ፍጡር ድማ ብአን ብአን ሂወቱ ሓለፈት።

እዚ ምሕጽንታ’ዚ ነቶም ብዓቕሊ ጽበት አዕሚቖም ከይሓስቡ አእምሮኦም ብጻዕዳ ዓለባ ተጋሪዱ ዝርከብ ደቂሰባትን፡ እቶም ብዘይሓሰብካዮ ኣይመርገም ኣይምርቓ ግዳይ ኮይኖም ዝርከቡ ፉሉያት ሰባትን፣ እቶም ካብ ዘይብሎም ጮቖቕ ኢሎም ብዘይዊኖኦም መሻርኽቲ ሸፋቱ ዝኾኑ ሪሂጸ በላዓት ኤርቶ-ኣመሪካን ኤውሮጵን ካብ ድርጊቶም ክቑጠቡ ከምኡውን ሰበሰልጣን ኤርትራ ነዚ ኣብ ኣፍንጮም ዝፍጸም ተግባራት ያዕ ንምባል ብሁቡብ ክሳታፉ ስለ ሕዝቢ፡ ስለ እታ ንሓምሳ ዓመት ወላድ መካን ዝኾነት ኣደ፡ ስለ ሃገራዊ ምኬሔ ንሓትት።

ዓኮስኤ(ICER)

aseye.asena@gmail.com

Review overview
4 COMMENTS
  • Mike January 11, 2012

    Eritrean proverb says “Hizuka zbeki haw ayhabka”. ICER may have a long run plan, but for the time no one can unfortunately see any effort done for the victims from the side of ICER!!!!

  • Fekrawi January 11, 2012

    THe writing style is very poor and dehumanizing!! and the content is so detached from the victims it tries to advocate for. For example:ካብቶም 12 ሓደ ኣብ ቀረባ ዝጸንሔ ምስኪን ፍጡር ድማ ብአን ብአን ሂወቱ ሓለፈት. I think the writer is trying to make a joke out of the suffering Eritrean refugees??? This letter must be from PFDJ or its puppets!

  • Cambo January 12, 2012

    Dear ዓኮስኤ(ICER),
    I want to thank you for the work you are doing trying to warn and help Eritrean refugees and asylum seekers. This is the most needed work now, that is, informing young Eritreans.
    Radio Assenna should broadcast these warning messages one by one. There are many Eritreans who lack proper information. ዓኮስኤ(ICER) and its efforts to this noble cause should be commended.
    If there are Eritreans out there who could do better, lets read and hear your comments or opinions. ዓኮስኤ(ICER) is doing what it can, what are you others doing, instead of belittling the work of others? Are you supporting the likes of ዓኮስኤ(ICER), Elysa Chyrum, Meron, Dr. Yebio, Dr Yonas … with your expertise, with your time and money, or are you just out there doing nothing? Only action solves problems.

  • k January 12, 2012

    test

POST A COMMENT