Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

መጸዋዕታ ንኹሉ ግዱስ ኤርትራዊ ኣብ ከተማ ቶሮንቶ

መጸዋዕታ ንኹሉ ግዱስ ኤርትራዊ ኣብ ከተማ ቶሮንቶ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራሲያዊ ለውጢ፡ ንኹሉ ኤርትራዊ ዘሳትፍ ኣኼባ፣ ንምቋም ምምሕዳር ዞባ ሰሜን ኣመሪካ ጨንፈር ቶሮንቶን ከባቢኣን፡ ንዕለት ሰንበት 08/04/2012 ካብ 1፡00 ድ.ቀ.-6፡00ድ.ቀ. ኣብ…YORK CIVIC CENTRE 2700 EGLINTON AVENUE WEST, TORONTO

መጸዋዕታ ንኹሉ ግዱስ ኤርትራዊ
ኣብ ከተማ ቶሮንቶ
ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራሲያዊ ለውጢ፡ ንኹሉ ኤርትራዊ ዘሳትፍ ኣኼባ፣ ንምቋም ምምሕዳር ዞባ ሰሜን ኣመሪካ ጨንፈር ቶሮንቶን ከባቢኣን፡
ንዕለት ሰንበት 08/04/2012 ካብ 1፡00 ድ.ቀ.-6፡00ድ.ቀ.
ኣብ…YORK CIVIC CENTRE
2700 EGLINTON AVENUE WEST, TORONTO ONTARIO.
Eglinton & Keele (One block west of Keel)
ምሳና ክትውዕሉ ዕድሜኹም ንብል። እዚ ዕድመ’ዚ ንኹሉ ግዱስ ኤርትራዊ ኣብ ድሕነት ሃገሩን ህዝቡን ዝግደስ ዕድመ ኢዩ። እዚ ኣኼባዚ ኩሉ መዳያዊ ቃልሲ ንምስልሳል፡ ግደ ውጹዕ ህዝብና ኣብ ቃልሲ ተሳትፎኡ ብብዝሒ ክብ ክብልን፡ ግዴኡ ፈሊጡ ኣድማዒ ግደ ክጻወትን፣ ማዕረማዕሪኡ ድማ ኣብ ስራሕ ተጸሚዱ፡ ካብ ብቕዓቱ ብቕዓት፡ ካብ ክእለትካ ክእለት፡ ካብ ጊዜኡ ድማ ጊዜ፡ ካብ ድቃሱ ድቃስ ከበርክት ድሉው ዝኾነ ናይ ስራሕ ህዝባዊ ሽማግለ ንምምራጽ ኢዩ።
ብመሰረት ኣብ መጨረሻ ወርሒ 11/2011 ዝተጋብአ ዕዉት ኤርትራዊ ሃገራዊ ጉባኤ ንዲሞክራሲያዊ ለውጢ፣ ዝቆመ ዕዉት ባይቶን ዕዉት መደባቱን ብጉቡእ ክንጥቀመሉን፡ ብዕቱብነት ክንሰርሓሉን ውጺኢታዊ ፍረ ክንሓፍሰሉን፡ ካብ ማንም ጊዜ ንላዕሊ ሓድነትና ከም ዓረ ኣትሪርና እጃምና ከነበርክት ትዕደሙ።
ብደሓን ምጹ!
ኣባላት ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራሲያዊ ለውጢ።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
NO COMMENTS

POST A COMMENT