Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ሙኒቺፕዮ!

እታ ሰይቲ ስውእ ቈልዑ ዘለውዋ ኣብዚ ግዚ ሕሰም ዘበን ናይዚ *ባልዋ   *ኣርሓ መፍለስ መጠቓ ሰንኪታ *ከይትምሽት ስዋ      *ከይትሽቅጥ ዳጉሻ ብምስኣና ፍጹም ሓርቢቱዋ ቆሎ እንተሸቀጠት ቊሩብ ንክርህዋ ወተሃደራት ከተማ ኣይተሳቕይዋ! ኮሚደረ ሹጉርቲ ኣብ ክሻ ዘርጊሓ ኣብ ጸሓይ እናወዓለት ድኻ ተሰጢሓ ብሃድን ሙኒቺፕዮ ኣመና ሰኪሓ ከምታ ካብቲ ነብሪ

እታ ሰይቲ ስውእ ቈልዑ ዘለውዋ
ኣብዚ ግዚ ሕሰም ዘበን ናይዚ *ባልዋ   *ኣርሓ መፍለስ
መጠቓ ሰንኪታ *ከይትምሽት ስዋ      *ከይትሽቅጥ
ዳጉሻ ብምስኣና ፍጹም ሓርቢቱዋ
ቆሎ እንተሸቀጠት ቊሩብ ንክርህዋ
ወተሃደራት ከተማ ኣይተሳቕይዋ!
ኮሚደረ ሹጉርቲ ኣብ ክሻ ዘርጊሓ
ኣብ ጸሓይ እናወዓለት ድኻ ተሰጢሓ
ብሃድን ሙኒቺፕዮ ኣመና ሰኪሓ
ከምታ ካብቲ ነብሪ እትሃድም ሰሳሓ
ወትሩ ምዩቕ ትብል ንኣኻትኩም ፈሪሓ
ሰላም ከሊእኩማ ከይትነብር ሰሪሓ!
ደሮና ብንፋስ ዓይና እናገሰማ
ዕጅብ እንከይበላ ኣስሓይታ *ደሚማ      *ካፋ፡ ጢፍጢፍታ
ሽታ ፋኛቱራ ርእሳ እናሕመማ
ብነበልባል ጸሓይ ማድያ ጸሊማ
ሓላፍነት ስድራ በይና ተሰኪማ
ደቃ ተዐቢ ኣላ ሽግር ተጸሚማ!
ካብ ምእንተ ማርያም ተጸጊዓ ኣብ ከውሊ
ዝዓቕማ ሰሪሓ ስድራኣ ክትኣሊ
ድኻ እንተሸቀጠት ሽጉርቲ ምስ ሓምሊ
ሽላ ተፈጢርካ ካብ ስጡሕ መንጣሊ
ኣደ ስውእ እንድያ ቊሩብ ዘይትሓሊ
ነዚድዩ ኣታ ነይሩ እዚ ኹሉ ገድሊ!
እዛ ጻዕራም ኣደ ክትብድህ *ዘለማ       *ብሓደ ገባርን ሓዳግን ዚፍጸም ረገጻ
ደቃ እናዕበየት ሰሪሓ ብዓቕማ
ሃንደበት መጺእኩም ትኣትውዋ *ህጅማ   *ብጥንኖ ምእታው፡ ጥሕሳ
ንብረታ ከተድሕን ካባኻትኩም ሃዲማ
ሓደጋ ማኪና ድንገት ከይልክማ
ኣንቱም ሙኒቺፕዮ ሓላውቲ ከተማ
ዘይትርድኡላ ነዛ ኣደ ጸገማ!
ይግባይ እትብለሉ ዘየለ ቤት ፍርዲ
ላዕልን ታሕትን ኢልካ ዘይርከቦ *ገዲ  *ጽቡቕ ዕድል፡ ኣሳልጦ ዘሎዎ
ግዜ ኮይኑዋ እምበር ጠላሚ ከሓዲ
ሰብ እናረገጻ ሓላፊ መንገዲ
መዓስ ደስ ኢሉዋ ሸቐጥ ማርሻበዲ
ማእሰርትን ስደትን ሽበራ ምስ ራዕዲ
ብውልቀ መላኺ ቀውጢ ኮይና ዓዲ!
ስቓይና ንኽድምደም ውድቀት ንጉጅለ ሕሰም!
ካብ ሓውኹም መሲናስ 06-02-2013

aseye.asena@gmail.com

Review overview
5 COMMENTS
  • Berhe Tensea February 7, 2013

    Yes you are a mother who cares.

  • GULLIBLE PEOPLE February 7, 2013

    ዝኸበርካ ሓው መሲናስ፣

    ናብ ህግደፍ ደዊለ ኔረስ ሰኺሮም ረኺበዮም፣ነቲ ብግጥምኻ ዝሓተትካዮ እዚ ዝስዕብ መልሲ ሂቦምኻ(ኢሎምኒ)
    ተጸሊልካ ዲኻ እዚ ትሓተና፣ምናልባሽ እቲ ዝተሰውኤ ሰብኣያ እውን ንሕና ብሓይሊ ዘጋደልናዮ (ዘሸፈትናዮ)ኢዩ ዝኸውን።ንኣካለ ስንኩላን እውን ደስ ዘይብል ሕቶ ስለ ዝሓተቱ ረሽሪሽናዮም።ብግብሪ ኣብ ማይሓባር ብቐትሪ ክብሃል ኣይሰማዕካን ዲኻ ፧በረኻ ከለና እውን ሃገረሰብ ኤርትራውያን ንሓርድ ኔርና ኢና (ኩሉ ዝፈልጦ)።ስለዚ ብኣና ሸነኽ ዝተቐየረ ነገር የለን። ህዝቢ ኤርትራ ካብ ክብረት ናብ ስቓይ ምኻድ ስለ ዝመረጸ ደቁ ኣብ ረመጽ እናእተናዮም ን፵ ዓመት ኣጣቒዑልናን የጣቕዓልናን ኣሎ ።ስለዚ ግጥሚ እሞ ይበል ፣ግን ንፍርቂ ዘበን ዘይገበርናዮ መሰል ሕጂ ክንጅምሮ ኣይኮንናን። ኣትሊስት ካብ ናይ ኢትዮጵያ ኮሎኒ ኣውጺእናኩም ኣለና።ኢትዮጵያ ካብ ኣፍሪቃ ሻምነይቲ ዝዓበየት ኤኮኖሚ ኮይና ኣታዊኣ ዓሰርተ ዕት ስፊ ከም ዘማዕበለቶ ንፈልጥ።ሃገራውነት በዚ ኣይግለጽንዩ።ኤርትራዊ ዋጋ ከም ዘይብሉ ኩሊቱ ከይሸጠት ጣፍን ቡንን ክብረትን እናሃበት ህዝቢ ዘባዕለገት ኮሎኒ እያ።ንሕና ውን ነቲ ሽያጥ ኩሊት ብዓሰርተ ኢድ ከነማዕብሎ ኢና።ናይ መጨረሻ መልእኽቶም ድማ ፣ነቶም ስመርርር፣ሃገር ብፖትላክ ኣይፈርስን እዩ በሎም። ደቂዛ……..ኢሎም ብዙሕ ብዕልግና ተዛሪቦም መሊሶም።

    • rahwa2013 February 7, 2013

      zikkeberka/ki Gullible People,

      bunin Tafin nay Ethiopia bigenzebna kinEdigo, chewnan wedebnan bigenzebkum kitEdiguwo silezimeretsena aynidelyekumin elna tewaGeena abarirnakum ena. bisenki hiji agatimuna zelo kunetat neti mEnti natsnet zekayednayo kalsi kemzeyentaselu degimna degagimna neregagitselkum. weyo daa kemuu konkum ember kisikorekum mitegebeaa.

      zelena tsegem misAlena kindey Etsfi kemnisigum edme entehibuka kes elka kitreyo ekka.
      ab gudayna hinfishfish kiteEtiwu aytifetinu, sesiraHna nigber kuburat gorebabitina.

      • GULLIBLE PEOPLE February 8, 2013

        ዝኸበርኪ ራህዋ ፣

        ምንም ´ኳ እንግሊዝኛ ናይ ኩላትና ጸገም ይኹን እምበር፣ወይ ትግርኛ ይጽግመኪ እዩ ወይ (ኮመን ሰንስ)ጸጋም ኣለኪ።ኣነ ኢትዮጵያዊ እየ ኣይበልኩን ።ኣእምሮ ስለ ዘለኒ ግን ኢትዮጵያዊ ክኸውን ኣለዎ ኢልኪ ምሕሳብኪ ፣ከም ኤርትራዊ እዚ ዓቢ ጸርፊ ኮይኑኒ።ምንም ካብ ሓምሳ ኣይንብለጽ እምበር መስተውዓልቲ ኤርትራውያን ውን ኣለና ኢኖ፣ነዚ ዘየድሊ ናይ ሕሶት ነጻነት ሰላሳን ሓሙሽተን ዓመት ይገብር ዝገጠምናዮ።ስለዚ ኩሉ ኤርትራዊ ሳዕሪ ኣይብላዕ ወይ አምባሕ ኣይበል እምበር ብዕራይ ኢዩ ኢልኪ ትኣምኒ እንተ ዄንኪ ተጋጊኺ፣ብሓቂ ተጋጊኺ።ኣነን ኢሳያስን ካልኦት ኣርብዓን ሾሞንትወን ኤርትራውያን መስተውዓልቲ ዘለናያ ሃገር እያ።ጨው ሽይጡ ቡን ንኽድርቢ 100.000 ክቡራት ደም ኣፍሲስና ኢሉ ዝምካሕ ሰብ ድማ ካብቶም ሓምሳ ከምዘይኮነ ጥራይ እዩ ንነብሱ ዘጋልጻ።ኣብ ትሕቲ ዓርኮብኮባይ ድሙ ድሙ እናሰተዩ ዝኣለምዎ ታሪኽ ገዲፍኪ ሓቅነት ንምርኣይ የብቅዕኪ።ኣቦና ወልድኣብ (ብዙሕ ክብረት ዘለኒ ኣቦ)ኩሉ ህዝቢ ትግራይ ጠርኒፍካ ንጮቋኒ መንግስቲ ኣምሓራ ንምግታር ኢዩ ኔሩ ዕላምኦም።ትውልዶም ዓዲ ክልተ (ኣኽሱም) እቶም ምስኦም ኮይኖም ናይ ኣስላም ጭቆና ተጣበQቲ ካብ ዝነበሩ ፣ምኽንያቱ ጃንሆይ ንምስልምና ኣብ ትሕቲ ኣርዑቶም ቆሪኖሞ ስለ ዝነበሩ ትውልዶም ከሰላ (ሱዳን)፣ባባ ኢሳያስ (ተምቤን) ኩሎም ህዝበይን ኣሕዋተይን፣እዚ ናይ ኣኽሱምን ከሰላን፣ፈራማይ ናጽነት መለስ (ዓድዋ)፣ብሓቂ ናይ ኤርትራውያን ቃልሲ፣ዋው

  • Zemen Beraki February 8, 2013

    ሓው መሲናስ፡ እዚ ትጽሕፎ ዘለካ ግጥምታት ኣዝዩ መሳጥን ኣነቓቃሕን’ዩ። ንሕጂ ጥራይ ዘይኮነ ንወለዶታትውን ኣድላዪ ስለ ዝኾነ ይንኣስ ይዕበ፡ ይሕጸር ይንዋሕ ክትዕቅቦን ክትቅጽሎን ኣለካ። ዶክተር ርእሶም ብሓቂ ኣይሞተን። እኳ ደኣ ብዙሓት ኣፍርዩ ኣሎ ክንብል ንኽእል። ነዞም እራይ ምራይ ናይ ህግደፍ ኰራኵር ብዅሉ መዳይ ክንቃለሶም’ዩ ዘለና። ካብኡ ተረፈ ኦድመን ጥዕናን እምነየልካ።

POST A COMMENT