Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ሚኒስተር ጥዕናን ጉዳያት ወጻእን ኢትዮጵያ ዝነበረ ዶር ቴድሮስ ኣድሓኖም ገብረኢየሱስ ዳይረክተር ጀነራል ውድብ ጥዕና ዓለም (WHO) ኮይኑ ተመሪጹ።

ሚኒስተር ጥዕናን ጉዳያት ወጻእን ኢትዮጵያ ዝነበረ ዶር ቴድሮስ ኣድሓኖም ገብረኢየሱስ፣ ሎሚ 23 ኣብ ጀነቫ ኣብ ዝተኻየደ ዋዕላ ውድብ ሕብራት ሃገራት፣ ዳይረክተር ጀነራል ውድብ ጥዕና ዓለም (WHO) ኮይኑ ብልዑል ድምጺ ተመሪጹ። ብመሰረት ሓበሬታ ኒው-ዮርክ ታይምስ፣ ዶር ቴድሮስ፣

ሚኒስተር ጥዕናን ጉዳያት ወጻእን ኢትዮጵያ ዝነበረ ዶር ቴድሮስ ኣድሓኖም ገብረኢየሱስ፣ ሎሚ 23 ኣብ ጀነቫ ኣብ ዝተኻየደ ዋዕላ ውድብ ሕብራት ሃገራት፣ ዳይረክተር ጀነራል ውድብ ጥዕና ዓለም (WHO) ኮይኑ ብልዑል ድምጺ ተመሪጹ።

ብመሰረት ሓበሬታ ኒው-ዮርክ ታይምስ፣ ዶር ቴድሮስ፣ ኣብ መወዳእታ ዙርያ ናይቲ ምርጫ ካብ 186 ሃገራት ናይ 136 ሃገራት ድምጺ ብምርካብ እዩ፣ ነቲ ናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ትካል ጥዕና ዝመርሕ ዘሎ ናይ መጀመርያ ኣፍሪቃዊ ብምዃን ተዓዊቱ።

ዶር ቴድሮስ ኣድሓኖም፣ ቀቅድሚ ‘ቲ መስርሕ ምርጫ ምክያዱ ንተጋባእቲ ኣብ ዘስምዖ መደረ፣ ድሕሪ ሕጂ ንዝኽሰቱ ህጹጻት ሓደጋታት ጥዕና ስሉጥን ብቑቕን ግብረመልሲ ክህበሎም ምዃኑ መብጽዓ ከምዝኣተወ ቢቢሲ ሓቢሩ።

ንሱ ብተወሳኺ ንመሰል ድኻታት ደው ክብል ምዃኑ መብጽዓ ብምእታው፣ “ኩሎም ጎደናታት ናብ ኣድማሳዊ ውሕስነት ጥዕና ክመርሑ ኣለዎም፣ ነዚ ዕላማ’ዚ ክሳብ እንወቕዖ ድማ ኣየዕርፍን እየ” ክብል ነቲ ዕማም ዘለዎ ተወፋይነት ኣረጋጊጹ።

ዶር ቴድሮስ ኣብ መወዳእታ ናይ ዝመጽእ ወርሒ ሰነ ዝትክኣ ዳይረክተር ጀነራል WHO ኮይና ን 10 ዓመታት ዝመርሐት ማርጋሪት ቻን፣ ተላባዒ ሕማም ኢቦላ ኣብ ዝተኸስተሉ እዋን ብዘርኣየቶ ዛሕሊ ከምዝተነቕፈት ይፍለጥ።

ድር ቴድሮስ ኣድሓኖም፣ ብዘይካ ‘ቲ ከም ሚኒስተር ጥዕናን ሚኒስተር ጉዳያት ወጻእን ዝነበሮ መዝነት፣ ኣቦ ወንበር ቦርድ ናይቲ ሕማም ኤይድስ፣ ቲቢን ዓሶን ንምምካት ዝቖመ ኣህጉራዊ ማዕከን ‘ውን ኣገልጊሉ እዩ። ኣህጉራዊ ደረጃ ዘለዎ ተመራማሪ ሕማም ዓሶ ኣብ ልዕሊ ምዃኑ ድማ፣ ብ ኣገልግሎት ጥዕና ማሕበረሰብ ናይ ዶክትረይት መዓርግ ኣለዎ።

ይኹን’ምበር፣ ሎሚ እቲ ምርጫ ኣብ ዝካየደሉ ንዝበረ እዋን፣ ዝበዝሑ ተወለድቲ ኣምሓራን ኦሮሞን ዝኾኑ ተቓወምቲ ኣብ ኣፍርደገ ኣዳራሽ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ተረኺቦም፣ ንምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኢትዮጵያ ብዕሽሽታ ብምርኣዩ ሕጸ ናይቲ መዝነት ኣይግብኦን ክብሉ፣ ነቲ ተወላዲ ትግራይ ዝኾነ ዶር ቴድሮስ ከምዝተቓወሙዎ ኒውዮርክ ታይምስ ብተወሳኺ ሓቢሩ።

ኣብ WHO ብዝለዓለ ጽፍሒ ክሰርሑ ዝጸንሑ ክኢላታት ብኣግኡ ንሕጸ ዶር ቴድሮስ ክንእዱዎ ከለዉ፣ ዳርጋ ኩሎም እቶም ድምጺ ዝሃቡ ኣፍሪቃውያን ኣብቲ ምርጫ ብምዕዋቱ ሓበኖም ምግላጾም ዝተፈላለያ ማዕከናት ዜና ሓቢረን።

ካብ ዝተፈላለዩ ኩርናዓት ድማ ናይ ዮሃና መልእኽታት ይለኣኸሉ ምህላዉ ‘’ውን ጸብጻባት ዜና የመልክቱ።

መዝነት WHO ብዓለም ደረጃ ዝለዓለ ጥዕናዊ ፖሊሲ ንምቕያስ ዘኽእል፣ ነቲ ስልጣን ብግቡእ ዝጥቀመሉ ዕቱብ መራሒ እንተረኺቡ ‘ውን ብፍላይ ነቶም ብዝያዳ ኣብ ምምዕባል ኣብ ዝርከባ ሃገራት ብተደጋጋሚ ዝረኣዩ ተላባዕቲ ሕማማት ብኣግኡ ኣብ ንምዕጋት ዘኽእል ኣገዳሲ ጽፍሒ ‘ኳ እንተኾነ፣ ኣብዚ ቀረባ ዓመታት ሰንደልደል ክብል ዝጸንሐ ትካል ውድብ ሕቡራት ሃገራት ምዃኑ ይፍለጥ።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
13 COMMENTS
  • Gonche May 24, 2017

    Congratulations to the people of Ethiopia and Africa in general.

  • sara May 24, 2017

    ራድዮ ወያነ ኢኹም።ድሮ ብዓል ናጽነት ናይ ወያነ ፕሮፖጋንዳ ተቃልሑ። ፎእ

  • yemane May 24, 2017

    We do not expect something good from those donkeys AMARA and foolish OROMO.

  • Mekonnen May 24, 2017

    DO NOT GENERALIZE AMHARA AND OROMO IN ONE BASKET SOME OR FEW OPPOSITION PARTIES CAN OPPOSE SO IT IS NATURAL BUT DO NOT INSULT PEOPLE IT IS UNETHICAL..

    Mekonnen Tesfaye from Addis Ababa

    • k.tewolde May 25, 2017

      Mekonen, you are a class act to reply to Yemane’s !@#?,unfortunately,if he knew the word ethics,he wouldn’t have posted that comment.Amazing,some people really have frozen in time.

  • Nuredin May 25, 2017

    Congrats, Tedros Adhanom! we Eritreans also proud of u.

  • Micheal May 25, 2017

    ኣቦና ወልደኣብ ወልደማርያም እንታይ በሉ?
    “እዚኦምስ እንኳንዶ ክገዝኡካ’ሲ ኣይትግዛአዮም’ውን!”
    እዙይ ቅድሚ 60-ዓመታት ኣብ ሪፈረንዶም ኤርትራ “ነፃ ኤርትራ” ንክትፍጠር ዝበልዎዩ!
    ትውልዶም ብአዲኦምን አቦኦምን ኣብዙ ናይሎሚ ትግራይ’ዩ
    ድህሪ 60-ዓመታት ናህቶም ልቦና ገና ኣይተኣደልናን
    ምንሊክ ኣብ ዘይመንጠቢኡ ኣትዩ በክድኣት ክፋል ትግራይ(ኤርትራ) ንጣልያን ሸጠ፣ ሻቡ ይኩን ብድህሪኡ ክኣ ካብ ተከዘ ክሳብ ኣምባራስ(ራስ ደሸን) ካብ ትግራይ ተሰርቀ
    ሂዚ ክኣ ብብአዴን አቢልና ምሳኩም አሎና እንዳበሉ ካሊእ ክድኣት እንዳፈፀሙ እጀ ከፈንጂ ተትሀዙ
    -ከም ኣያኦም ቆማጥ ምንሊክ ናይ “ግብጺን” ናይ “ሽንተ ርግማን ሻዕብያን” መጋበርያ ክኮኑ ተሞዳሞዱ
    ካብ አፈሙዝ ወዲ ትግራይ ኣብ አሜሪካን አውሮፓን ተከዊልካ’ሲ ብሀሶትን መፀለምታን ጽላአትን ምረፁኒ ዶ/ር ቶዎድሮስ ካፈሽሉ!!! ባርባርያን ንስልጡን ሰብ ካታልል’ሲ፣ መዓዝ ዘመን ተገልቢጡ???
    ኣብ ዘመነ ስሁል ሚካኤል ክድኣት!
    ኣብ ዘመነ ሀፀይ ዮሀንስ ክድኣት!
    ኣብ ዘመነ ወያነ ክድኣት!
    መአዝ ኢና ክንማሀር???

  • teweldemedhin May 26, 2017

    ኤርትራውያን ከዳምቲ ወያነ ክብሉ ኣብ ጥራይ ጎልጎል ክተርፉ ወዮም ክሳብ ሸዋ ተመሃሮ ኔሮም ዝተባህለሎም እነሆ ናይ ዓለም ዳርይክተራት ኣፍርዮም።

    • eyob May 27, 2017

      እዚ ቴድሮስ ዝበሃል ዘሎ ሰብ ብገንዘብ ኤርትራ ኣብ ኤርትራ ተማሂሩ ዝዓበየ ን ኢትዮጵያ ክሳብዚ ቐረባ ግዜ ዘይፈልጣ ዝነበረ ሰብዩ። ኣብቲ ስልጡን ሕብረተሰብ ኤርትራ ስለዝተማህረ እዚ ዕድል ረኺቡ። እምበር ኣራይ ኩዕንቲ ኮይኑ ምተረፈ።

      • A. Layne May 29, 2017

        eyob
        ጽምብላልዕ መዓኯራ ዘይከደነት ምድሪ ሰማይ ትኸድን

      • Tadesse June 5, 2017

        ሓደ ሓደ ኤሪትራውያን ክንደይ ከ ትጉረኑ!!

  • Paulo May 28, 2017

    Congra tedros adhanom

  • Mekonnen June 5, 2017

    አቱም ሰብ ከመይ ከመይ እዩ እቲ ዘረባ ! እዮብ ካበይ ተፈጢርካ ካብ ሰማይ ፤ካብ ባህሪ ወይስ ካብ ትግራይ ተፈጢርካ ትግርኛ ትዛረብ ምሽ ልምንታይ ዓድካ ካብ ድክነት ልምውፃእ ዘይትቃለስ ካብትፃረፍ ትግራይ አበይ አላ ኤርትራ አበይ አላ ህሰብ ህዝቢ ኤርትራ ሃውና ናትና እዮም ፡፡
    እዮብ ሰላም ይግበረለካ

Post a Reply to Paulo Cancel Reply